ሰብ ኣብዘይርእዮም ሰብ ክሳብ ዝርስዖም

ኣብ ርሑቕ ቦታ (ጽምዋ) ክእሰሩ ኣለዎም።

ተኸስተ ሃብቱ

18 September 05

ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዕድመ ወዲሰብ እዝዩ ብዙሕ እዩ። ካብዘን 14 ዕመታት ዕደመ ሃገርና ምስትንክየን ድማ ምፍርራቐን ቀሊል ከምዘይኮነ ተረጋግጽ። ኣብዘን ዝተጥቕሳ ዓመታት ዝማሰነ ቁጠባ፡ ዝበረሰ ንብረት፡ ዝተጽንቀቐ ሃብቲ፡ ኣብ  ንሓድሕድ ህዝቢ ዝተፈጥረ ምጥርጣር፡ ዝተበለለ ባህልን ሕልናን፡ ዘንቆልቆለ ሃገራዊ ፍናን፡ ዝዋሓዘ ንብዓት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ፡ ብዋሕዲ መግብን ሕክምናን መድሃኒትን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ፡ ንስደት ዘምርሕ ዚሎ መንእሰይ ወዘተ ቆጺርካ ዘይውዳእ ሽግር ምስትጽብጽብ እዝስ እምበርዶ ብዜጋታት ናይ’ዛ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ እዩ ትብል። ምኽንያት ዝሑፈይ ንዝኽሪ’ቶም  ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ዝንገረና: ብሂወት ምህላወምን ዘይምህላወምን ቅንጣብ ሓበሬታ ዘይተረኽቦም ኣብ ስንጭሮታትን ጎዳጉድን ዝማስኑ ዘለዉ ጀጋኑ ናይ ፖለቲካ እሱራትን: ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛን፡ ሰብ ንምጽናት ብህግደፍ ተሰሪሑ ኣብ ዘሎ ዘይንቡር ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ኣሕዋትና ብሂወቶምን ምስኣእምረኦምን ከምዘይጸሑና ብሕልናና ምዝካር ግቡእ ይመስለኒ። ብ1996 ኣቢሉ ኣብ ሲነማ ካፒቶል ብጉዳይ ብልሽውና ተማኻንዩ ፕረሲደንት ኣስናኑ ኣናሓርቀመ ንተጋደልቲ ዘካየዶ ኣኼባ ቀንዲ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡ ኣብ ሃገርና ገለ ተጋደልቲን ሓለፍትን ብብልሽውና ተኸሲሶም ተእሲሮም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ “ብብልሽውና ዝተኸሱ፡ ሰብ ኣብ ዘይርእዮም፡ ሰብ ክሳብ ዝርሰዕም፡ ኣብ እዝዩ ርሑቕ ቦታ (ጽምዋ) ክእሰሩ ኣለዎም” እዚ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣብነት ዝጠቐሶምን ገይረሞ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ዝርዝራትን፡ ነቲ መብዛሕትኡ ዝተሳተፈ ገዲም ተጋዳላይ ዘዕግብ ኣይነበረን። መጀመርያ እቲ ክሲ ብፕረሲደንት ዝተዋህበ መግለጺ ጥራይ እምበር፡ ብኹሱሳት ዝቐረበ መከላኸልስ ይትረፍ ኣበይ ከምዘልዉ’ውን ፍሉጥ ሰለዘይነበረ። ካልኣይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ኣገደስቲ ቦታት ናይ ስልጣን ባዕሉ ፕረሲደንት ዘቐመጦም ገበርትን ሓደግትን ናይቲ ስርዓት ካብ ሜዳ ኣትሒዝካ ብብልሽውናን ብስልጣን ምብዕላግን ዝፍለጡ ዘይተተንከፉ ባእታት ምንባሮም ናይቲ እዋን’ቲ ናይ ጎደና ሚስጢር ስለዝነበረ። ሳልሳይ ብመመኽነይታ ግቦን ብልሽውናን ኣይጸዓዱን ኣዮም ንዝተባህሉ ብፍላይ ተጋደልቲ ምብስባስ ወይ ምድሃል ድሕሪ ናጽነት ስረሐይ ኢሉ ተታሒዝዎ ዝነበረ ስልቲ ስለዝኾነ ነቲ መደረ ብዙሕ ዝተሻቐለሉ ሰብ ኣይነበረን። ዲሒሩ ከምዝተጋህደ’ውን ነቶም ሰባት ኣጽሊምካን ነጺልካን ሚዛኖም ኣብ ህዝቢ ኣፍኪስካ ምእዙዛት ንክኾኑ ዝተጋብረ ክፋኣት ምዃኑ ኩሉ ዝተኸታተለ ዜጋ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ሜላ’ዚ ምስ ታሪኽ ናይቲ ውድብ ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ንወልቀመላኽነት ባይታ ዘጣጠሐ ብምኻኑ ድሕሪ ናጽነት ንዝተቐልቀለ ፖለቲካዊ ተቓውሞን ኢምቢታን በዚ ሰራም ኣገባብ’ዚ ስለዝተታሕዘ ማእለያ ዘይብሎም ሃገራውያን ኣሕቂቁን ሕጂ’ውን ንዝተርፉ የማስን ኣሎ። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት በዚ ኣብያተ ማእሰርትታት ዝተለኽፉ ኤርትራውያን እቶም ንሓጺር ግዜ ዝተኣስሩ”ዕድለኛታት” ዝነበሮም ብልሒ ኣጥፊኦም ርዒዶም ክወጹ እንከለዉ እቶም ንነዊሕ ዝተኣስሩ ካብ ሞት ዝደሓኑ ድማ ርእሰተኣማንነቶም ኣጥፊኦም ስንኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ሕዱር ሕማምን ዝኣመሰለ ከቢድ ጸገማት ወሲኾም ይወጹ። እቲ ዝኸፈአ ዕድል ናይዞም ካብ ማእሰርቲ ዝወጹ ግዳያት ቀጻሊ ሂወቶም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ምክትታል ስለዝኣቱ ኣበርክተኦምን ሞዮኦምን ነቲ ሕብረተሰብ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ዝመስል ነጥቢ እንተሎ፡  ከይበደለ ዝእሰር ሰብ የለን፡ ህዝባዊ ግንባር ኣልዕል ኣቢሉ ሰብ ኣይኣስርን እዩ፡ ገለ እንተዘይገብር ኣይምኣሰርዎን ዝብል፡ ብፍላይ ቅድሚ 2000 ዓ.ም ኣብ ህዝቢ ሰሪጹ ዝነበረ ክቱር እምነትን ግርህነት ኤርትራውያን ተምዝሚዙ፡ ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቓዕ ከምዝባሃል በቲ ክድንግጸሎምን ከተባብዕምን ዝግባእ ህዝቢ’ውን ነውራም ምላሽን ዘየድሊ ንዕቀትን ምንጻልን እዩ ዘጋጥሞም ዝነበረ። እዚ ንእሰያስ ከም ልዕለፍጡር ዝቖጽር ዝገበረ እንተገበረ ሓታቲ ክምዘይብሉ ዘተኣማመኖ ጭቡጥ ህያብ፡ ሎሚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ኣብያተ ማእሰርቲ ንኽተክል ዕድል ዝሃቦ እዩ።

ዶብ ኣሳቢብካ ምስ ስርዓት ወያነ ዝተኸፍተ ኩናት ብዘይካ ብርሰትን ዕንወትን ንህዝቢ ኤርትራ ካላእ ኣይነበሮን ኢልካ ብሓጺር መልሲ ክሕለፍ ዝከኣል ኣኳ ኣንተኾነ፡ ንምስሊ ስርዓት ህግደፍ ኣውራ ድማ ንመንነት ኢሰያስ ኣብ ደገ ብምውጻእ ጥራሕ ዝባኑ ንምርኢት ዘቃለዐ’ውን እዩ። እቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ሶማል ርዋንዳ ቡርንዲ ኮንጎ ሱዳን ካለኦትን ኢዱ ብምእታው ንኸባቢናን ንማእከል ኣፍሪቃ’ውን ብመንገዲ ኮንጎ ክንሳሻ ክሳብ ኣትላንትክ ጽልዋና ዘርጊሕና ተባሂሉ መን ከማና ብምባል ብትዕቢት ተሰንጢቑ ዝነበረ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራስ ይትረፍ ዓለም’ውን ተናዒቓ ብምንባራ ሃገር ብሕግን ስርዓትን ክትመሓደር ዝቐርብ ሓሳብ ብህግደፍ ክስማዕ ሕልሚ እዩ ነይሩ። እዚ ትዕቢት’ዚ ዘሕደሮ ጽላለ ኣብቲ ዳሕራይ ምስ ወያነ ዝተኸፍተ ኩናት’ውን ጎሊሑ ተራእዩ እዩ። ነቲ ዘይተርፍ ስዕረት ወያነ ተወሳኺ ዝና ንክኾኖ ተመክሮ ዘለዎም መራሕቲ ኩናት ብምግላል ካብ ተራ ኣተሓሕዛ ድፋዓት ሰራዊት፡ ኣስራርሓ መታኾሲ ዕርድታት ክሳብ ዓይነት ሸመተ ኣጽዋር ባዕሉ ተቘጻጺሩ እናመረሐ፡ ኣብ ባህሪ ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጃህራ ፈኸራ ማሕላ’ውን ከተረፈ ክደርደር ተራእዩ። ኩናት ክም ጭቡጥ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ስለዝካየድ ንተጋሩ ወልኹም ተባሂሉ፡ ስርዓት ወያነ ኣሊኻ ካልእ ዝሰማማዕ ስርዓት ንምትካል ኩሎ ተኽእሎታት ትዋዲዱ፡ ኩናት ዝሓጽረሉ ኩሉ ረቛሒታት ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ኩናት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝውዳኣሉ ተሓሲብሉ ዘይፈልጥ ካልእ ኣገባብ ዝሓጸረ መንገዲ ከምዘሎ ተነጊሩ፡ ቀዳመይቲ ጥይት ብሰራዊት ኤርትራ ከምዘይትትኮስ ተመባጺዑ። ኣብ ኩናት ዓወት ወይ ስዕረት ዝውስኑ ረቛሒታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ሓደን ኣገዳስን ግን ሕቶ ብቕዓት መሪሕነት ኩናት እዩ። ኣብ’ቲ ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኻየደ ኩናት ብምምራሕ ኩናት፡ ምውህሃድ ሰራዊት፡ ምምዛን ዓቕሚ ጸላኢ፡ ምድላው ዕጥቅን ስንቅን፡ ምምዛን ሞራል ሰራዊት፡ ስትራተጃዊ ኣተሓሕዛ ሰራዊት፡ ውሳኔታት ምውሳድ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ኩሎም ተጋደልቲ ህግሓኤ ዝምስክርሎም ኤርትራ ዘፍረየቶም ገለ ካብቶም ብቑዓት እዞም ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርትን ስደትን ዝርከቡ ጀጋኑ እዮም። ይኾን እምበር ኢሰያስ ድሕሪ ናጽነት ብዝረኸብዎ ህቡቡነት ድቃስ ስለዝሰኣነ ከነእእሶምን ካብ ሓላፍነት ከዛናብሎምን ብታሕቲ ታሕቲ ናይ ጸለመ ዘመተታት ብቐጻሊ ካብ ምዝርጋሕ ዓዲ ኣይወዓለን። ኩናት ወያነ ምስተወለዐ ድማ ኣብ ጥቓይ ኣይተቕርቡለይ ብምባል “ነቲ ዘይተርፍ ዓወት” ኣብ ልዕሊ ወያነ እኽሊል ክደፍእሉ ነቲ ተመቻቺኡ ዝነበረ ናይ ሓዋሩ ስልጣን ብዘይ ሓተታን ቶግላባን ውሃ ተባሂሉ ንኽምረቐሉ እዩ። ብቕዓት ኢሳያስ ኣብ ምምራሕ ኩናት ንኽቃላዕ ግን ግዜ ኣይወሰደን ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ተራእዩ። ሳልሳይ ወራር ብስዕረት ስለዝጀመረ ፕረሲደንት ዝመርሖ ስትራተጂ ኩናት ብንግሁኡ እዩ ተዘሪጉ። በዚ ሓደጋ’ዚ ሓላፍነት ምክልኻል ሃገር ኣብ  ማእከሎት ኣዘዝን ሰራዊትን ሰለዝወደቐ፡ ውግእ ብዝተጸንዐ ኣገባብ እዩ ተኻይዱ ክብል ዝደፍር ብዘይካ ህግደፍ ካልእ የለን። ሰራዊት ኣዝዩ ክበር መስዋእቲ ከፊሉ ንሃገር ተኻላኺሉ፡ ስርዓት ወያነ ንኽቆጻጸሮ ካብ ዓሰብ ንምስሓብ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ፕረሲደንት ብምጥሓስ’ውን ታሪኽ ኣትሪፉ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ኣመራርሓ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ስዕረት ተጎልቢቡ ሰፊሕ ክፋል ህዝብን መሬትን፡ ብሰራዊት ወያነን እኽብካብ ሰራዊት ዓቃብ ሰላምን ካብ  ዝመሓደር ሓሙሽተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። እዚ ፍጹም ፍሽለት ኣመራርሓ ኢሰያስን ህግደፍን ዘርኢ ፍጻመ ናብቶም ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ጀጋኑ መራሕቲ ንምጽጋዕ ዘይተገብረ ማእለማን ጸለመን ኣይነበረን ስንቅን ሓሶትን እንሓደረ ይፎክስ ከምዝባሃል ሎሚ ንመብዛሕትኡ ኤርትራዊ እቲ ሓጥያት ኣበይ ከምዘሎ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪህሉ ኣሎ።

ነዚ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋምን ዘይምራሕ ንሃገር ብተደጋጋሚ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዕቡድ ስርዓት፡ ልጓም ንኽግበረሉ ብእዋኑ ዝተረድኡ ሓለፍቲ ግሉጽነት ዘለዎ ብግዝኣተ ሕጊ ዝቕየድ ስርዓት ንምትእትታው፡ በቲ ንቡር መንገዲ ዝኣክል ጻዕርታት ኣካይዶም እዮም። ህግሓኤ ኣብ ጉባኤታቱ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ዘፍቅድ ስርዓት ከቕውም፡ ቅዋማውን ትካላውን ስርዓት ክሃንጽ፡ ነጻ ፕረስ ከፍቕድ ዝኣመሰሉ መባእታዊ መትከላት ዲምክራሲ ንምትእትታው ዝኣተዎ መብጽዓ ንምትግባር፡ ብማእከላይ ባይቶ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ውሳኔታትት ካብ ዘሕልፍ እዚ ዘለናዮ ወርሒ መስከረም ሓሙሽተ ዓመቱ እዩ። ነዚ ሃንቀውታ ህዝቢ ዘዕገበ ናብ ዲምክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር  ስልጡን ኣገባብ፡ ብፕረሲደንት ዝምራሕ ግጅለ ህግደፍ ሓይሊ ብምጥቃም ክስርዞን፡ ነቲ ልሙድ ሰብ ዘረብረበ ናይ ጸለመ መደባት ብምውጻእ ብኽድዓትን ጥልመትን ተምበርካኽነትን ክኸስስን ዓበድበድ ክብልን ጀመረ። ንምስልን ታሪኽን ኤርትራዊ ጅግንነት ክድምስስ ስለ ዝመረጸ፡ ነቶም ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ብተወፋይነቶምን ጅግንነቶምን ኩሉ ኤርትራዊ ዝምስክረሎም መራሕቲ ህግሓኤን ሰዓብቶምን ኣሲሩ። ነጻ ፕረስ ተጠቒሞም ሓቅታት ንህዝቢ ዘቕረቡ ጋዜጠኛታት፡ ተማሃሮ ዩንቨርሲቲ፡ ወራዙት ዓበይቲ ዓድን ብተመሳሳሊ ጸለመ ዳጒኑ፡ እዞም ንሃገር ኣገደስቲ ዝኾኑ ባእታት ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ዓመቶም ህላዌኦም ዘረጋግጽ ጭብጢ የለን። ቅድሚ’ዚ ፍጻመ’ዝን ድሕሪ’ዝን ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ምኽንያት ኣብዚ መዋእል’ዚ ይግበር እዩ ኢልካ ብዘይእመን ዘስካሕክሕ ኣገባብ፡ ብእሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕበር ኣሎ። እዞም ህዝቢ ኤርትራ ብስላምን ብልጽጋናን ንኽነብር ዲሞክራስያዊ ትካላት ክተኣታቶ ዝጠለቡ ዜጋታት ንሓዋሩ ሽግ ዲምክራሲ ወሊዓም ይሓልፉ ኣለው፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጀጋንኡ ብምዃኖም ክኾርዓሎም ይግባእ። እቲ ንሶም ዝጠለብዎ ዲምክራስያዊ መስጋገሪ መትከላት ኣብ ኣዋኑ ተተግቢሩ ነይሩ እንተዝኸውን፡ እዚ ሕጂ ህላወ ሃገር ዝደናደን ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት እይምእተናዮን፡ ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ሓድነት ህዝቢ ዝዘርግ መደባቱ ኣይምተግበረን፡ ጉዳይ ዶብ ብኸምዚ ንሪእዮ ዘለና ተሓላሊኹ መሕብእን መጻወትን ህግደፍ ኣይምኾነን፡ መንእሰይ ሃገሩ ጠንጢኑ ኣይምተዓዝረን፡ ቁጠባ ሃገርን መንባብሮ ህዝብን ከምዚ’ሉ ናብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣይምወደቐን፡  ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተተኺሉ ዘሎ ጽልኢ ብኸምዚ ኣይምቐጸለን ብማሕበረሰብ ዓለም’ውን ተነጽሎ ኣይመጋጠመን ወዘተ።

ስርዓት ህግደፍ ንድሕነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ብቕዳምነት ሰሪዑ ንኽርኢ ብተደጋጋሚ ዝቐረበሉ ሓሳብ ነጺጉ ናብ ደልሃመት ዝነቁት ምርጫ ምስ ወሰደ፡ ጉዳይ ዶብን ሕቶ ልዕላውነትን እምነ ኩርናዕ ፖለቲካዊ ስልቱ ገይሩ ክሰርሕ ምዃኑ ዝተፈልጠ እዩ ነይሩ። ጉጅለ 15’ውን ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ህግደፍ ንኸይምዝምዞ፡ ምትግባር ዝሓለፈ ውሳኔታት ባይቶ ምስ ጉዳይ ዶብ ክተሓላለኹ ከምዘይብሎምን እኳ ድኣ ዝሓለፉ ውሳኔታት ብዝያዳ ውሕስነት ዶብ ዝረጋግጹ ምዃኖም ኣነጺሮም እዮም። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ህግደፍ ንፖለቲካውያን እሱራት ኮነ ኢሉ ምስ ጉዳይ ዶብን ሕቶ ልዕላውነትን ጠናኒጉ ዘመተ ስለዘካየደ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቐንዕ ፖለቲካዊ ስራሕ ብምኽንያት ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ማሕለኻ ከጋጥሞ ኣይምተገበአን። ዝኾነ ኤርትራዊ ካብዞም ሕጂ ንኤርትራ ዝመርሑ ዘለዉ ዝተሓተ ሃገራውነትን ሃገራዊ ስሚዒትን ዘለዎ ኮቶ ስለዘይርከብ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ሕቶ ልዕላውነት ኣብ ክትዕን ሓተታን ዝኣቱ ከምዘይኮነ ብምምልካት፡ ጉዳይ ዶብ ድማ ከምቲ ሃይለ ወልደንሰአ (ድሩዕ) ኣብ ኣኼባ ፍራንክፈርት ዝገለጾ “ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ዝግበረሉ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ንኺኢላታት ሕጊ ዝግደፍ” ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣንጻር’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ተዓጢቑ ዘሎ ስርዓት ክቐንዕ ኣለዎ።

ፖለቲካውያን እሱራትን ስድራቤቶምን ብተወፋይነቶም ዝኾርዕሉን ዝሕበንሉን ግዜ ኣይክነውሕን እዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2309

Posted by on Sep 18 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net