ብዘይካ እምነቶም ካልእ ኣበሳ ዘይበሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰፊሮም !

ሎሚ ቀንዲ ከተኩረሉ ደሊየ ዘሎኹ ሓጺር ጽሑፈይ ብዛዕባ ናይ እምነት ናይ ሕልና እሱራት ኢዩ፡ ስለምንታይከ ሕጊ ግደፍ ንኣመንቲ ይኣስርን የሳቕን አሎ ዝብል ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ፖሊቲካ መዳይ ሃገርናን ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ብሓፈሻ፤ ኣብ ልዕሊ ናይ 30 ዓመት ናይ ቃለሲ ብጾቶም ብፍላይ፤ ኣብ ልዕሊ ተቓወመቲ ሓይልታት ብጠቕላላ ዝወረደ ክሕደትን ጥልመትን ኣብዚ ግዜ´ዚ ንኩሉ ብሩህ ኢዩ ይመስለኒ።

ሕጊ-ግደፍ ውግእ ምስ ኣመንቲ ኣምላኽ ካብ ዝኸፍቱ ሓያሎ እዋናት ኮይኑ ኢዩ፤ ኣቐድም ኣቢሎም ቅዱስ መጻሕፍትን፤ናይ መንፈሳዊ ሙዚቓ መሳርሕታትን ኣብ እንዳማርያምን፡ እንዳስላሴን ብምቅጻልን ብምዕናውን ሰይጣናዊ ተግባራቶም ጀመሩ፤

ቀጺሎም እውን ንብዙሓት ታሪኻውያን ዝኾና መንፈሳውያን መጽሔታትን ጋዜጣታትን ዓጸዉ።

ካብዚ ቀጺሎም ቤተ-ክርስትያናት ምሉእ ወንጌልን፤ ቃለ-ሂወትን፡ ፈይዝ ምሽንን፡ ኣድቨንቲሰትን ወዘተ…. ብወግዒ ተዓጽዋ።

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ውግእን፡ በብዓይነቱ መጽቀትን፡ ሽግርን፡ መከራን ጥሜትን፤ ካብ ማንም ገዜ ንላዕሊ በብእምነቱ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ምስ ኣምላኹ ክዛራረብ ናይ ግድን ኢዩ።

ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት እቲ መሰረት ዘይብሉ ፖሊቲካዊ ሓሶትን ታህዲድን ግፍዕን ሕጊ-ግደፍ እናበረሃሎም ስለዝኸደን፤ ሽግራት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እናኾነ ስለ ዝኸደን፤ ስድሮኦም ይኹኑ፡ ሕዝቦም ካብዚ ወሪድዎም ዘሎ መዓት ከድሕኖም ከምዘይክእል ስለ ዝረኣዩን፤ ብዘይካ ናብ ኣምላኽ ምጽጋዕ ካልእ መፍትሒ ከምዘየለ ኣሚኖም ኢዮም ፡፡ ሓቃቶም ከኣ !

በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ብዙሓት ነናብ ዘዕግብኦም ቤተ ክርሰትያናት ወሓዙ፤ ቅዱስ መጽሓፍ  ከኣ ባዕላቶም ከንብቡን ክራዳድእሉን ጀመሩ፤ ቅዱስ መጽሓፍ እታ ሓንቲ መጻናኒዒቶም ኮነት።

እዘን ዝተዓጽዋ ቤተክርስትያናት ከኣ ንብዙሓት መንእሰያት፡ ብእምነቶም  መዕቆቢኦምን መጻናኒዒዖም ነበራ፤ ነዚ ዝረኣዩ ሕጊ- ግደፍ ከኣ ክወሓጠሎም ኣይከኣለን፤ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ዝፈልጥን፡ ሕጊ ኣምላኽ ዘኽብርን መንእሰይ፡ ሞራል ዘለዎን ብቐሊሉ ናቶም መሳርሒ ክኸውን ስለ ዘይክእልን፤ ንጽቡቕን ንሕማቕን እዉን ፈልዩ ስለዝፈልጥን፤  ነቲ ሑሱር ተግባራቶምን ሓሶቶምን ግፍዖምን እውን ኣሜን ኢሉ ስለ ዘይቅበልን፡ ስለዝቃወምን፡ ብግብሪ እውን ክሪኢዎ ስለ ዝጀመሩን፤ ንኸዓግትዎ ተጓየዩ።

እቲ ዘገርም ግን በኣንጻሩ ሽርሙጥናን፡ መስተን፡ ሳዕሳዒትን፡ ጓይላን፡ ጥንቆላን ካብ ማንም ጌዜ ንላዕሊ ኣብ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ዓንቢበንን ማዕቢለንን ይርከባ፤ ጓይላ እሞ እታ ሓንቲ ናይ ኤክስፖረት ኣቕሓ ናይ ኤርትራ ኢያ ኮይና ዘላ።

ሓለፍቲ ሕጊ ግደፍ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝተባእሱን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቑን ንኣመንቲ ከም ቀንዲ ጸላእቶም ወሰድዎም፤ ንጠንቆልቲ ከኣ ከም ቀንዲ ኣምላኾም ረኣይዎም፤ ካብ ናብ ኣምላኽ ምጽጋዕን ምጽላይን ከኣ ናብ እንዳ ጠንቋላይ ይጓየዩ አለዉ።

ሰይጣን ከኣ ብዘይካ ንጥፍኣት፡ ጽቡቕ ኣየማኽርን ኢዩ፤ ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እኒሆ ኣብ ኤርትራ ክሳብ 2000 ኣመንቲ ክርስትናን ከምኡውን ብዙሓት ኣመንቲ ምሰልምናን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንነዊሕ እዋናት ከምዝተኣስሩ ይንገር።

ካብኡ ሓሊፉ እዉን ኣብ ታሪኽ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ይኹን፤ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ለኻዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ፤ ንቅዱስ ኣቦና ፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ፍትሒ ንእሱራት ይገበረሎም ስለዝበሉ ካብ ቅዱስ ስልጣኖም ኣውረድዎም፤

ኣብ ማሕዩር ከኣ ኣእተዉዎም፤ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሃገረና ከኣ ካብ ሕጊ ዓለም ለኻዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሪሒቓ ብሕጊ ኣልቦ  ሕጊ ግደፍ ኢያ ትምራሕ ዘላ።

ኣብዚ ከይጠቀስኩዎ ክሓልፈ ዘይደሊ፡ ብሓቂ እውን ዘሕዝን ከኣ ብዘይካ ውሑዳት ወጻእተኛታትን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ  ገለ ኤረትራውያን ዉልቀሰባትን ዓው ኢሎም ዓገብ ዝብሉ ኣመንቲ ብጣዕሚ ዉሑዳት ምዃኖም ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ተኣሲሮም ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ዝግብኦ፤ ከምዘይሰምዐን፡ ከምዘይረኣየን ኣጽቅጥ ከብል፤ ዋላ እቶም ኣቡናትን ካህናትን ዝበሃሉ ኣቦና ክእሰሩ የብሎምን ኢሎም ዓው ኢሎም ኣብ ክንዲ ምዝራብ፤ ምስ ሕጊ ግደፍ ከውደኽድኹ ክትሪኢ ከሎኻ፤ እቲ መዕቆቢና ዝነበረ እምነት ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ከመዝተዳኸመ የርእየካ።

ኤረ ብዙሓት ኣመንቲ ኢና በሃልቲ ብእምነት ኣሕዋቶም ንዓመታት ኣብ እስሪ ቤት ክሳቐዩ እናረኣዩ ኣፎም ሒዞም ብጩቕ ዘይብሉ ክትሪኢ ከሎኻ፤ ገለ ዉሑዳት ኣመንቲ ከኣ ምስቲ ጸረ ኣመንቲ ዝኾነ ሕጊ ግደፍ ዘውደኽድኹ ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ክትሪኢ ከሎኻ እንታይ ኢዩ ወሪዱና ኢኻ ትብል።

ሕጊ ግደፋውያን ውግእ ምስ ኣመንቲ ኣምላኽ ካብ ጀመሩ ናይ መጨረሽታ ዉድቀቶም ኢዩ ዘርእየካ፤ ኣንጻር እምነት ኣምላኽ ዝቃለስ ኣብ ዓለም ክዕወት ተራኢዩ ኣይፈልጥን፤ ሰቬት ሕብረት እኳ ምስ ኩሉ ሓይሎምን፡ ብዝሖምን፡ ፍልጠቶምን፡ ዘይተዓወቱስ ሕጊ-ግደፍ ክዕወቱ ሕልሚ ደረሆ ኢዩ።  መዝሙር ዳዊት ከምዚ ይብል !

ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ

መፈንጠራ ከጻዉዱስ ይማኸሩ

መን ከይሪአና ይብሉ ኣለዉ

እከይ ሓሰቡ ኣዚዮም መርመሩ

ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ከኣ ፈጸሙ

ዉሽጢ ነፍሲ ወከፈን ልበን ዓሙቕ ኢዩ

ኣምላኽ ይዋግኦም ድንገት ብፈለጻ ይቖስሉ

ይወድቁ መልሓሶም ዝብሎ ናብኦም ይምለስ

ዝርኣዮም ዘበለ ርእሱ ክንቕንቕ ኢዩ !!!!

(መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 64 ካብ ቁጽሪ 5-8 ተመለከት)

 

ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎ ተመርኩሰ ኣቶ ሃብቶም ዮውሃንስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ ከምኡዉን ኣብ ሆላነድ ንዓርቢ ዕለት 10 ሕዳር 2006 ኣብ ከተማ ደንሃግ ኣብ ልዳት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ምእንቲ ናይ እምነትን ሕልናን እሱራት ክግበር ስለ ዝሰማዕኩ ብጣዕሚ ተሓጉስ። ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ይመነ።

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንሃግ ሆላንድ

ሰላምን ፍትሕን ከአ የውርደልና ኣምላኽ

ኣብርሃም ተኽለ

03.11.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2335

Posted by on Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net