ካብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ናብ ጭው ዝበለ ምልኪ !

ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፤ መሬትን ሕዝብን ሓራ ምውጻእ ዝብል ዕላማ እኳ እንተነበሮ ቀንዲ ኣቶኩሮኡ ግን መሬተ-ኤርትራ ናጻ ምውጻእ ኢዩ ነይሩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝርሓቁ ኣይመስለንን። ሕዝብና ካብ ዝፈትዎም ደቁ ክሳብ ሕወቱን፡ ንብረቱን፡ ፍልጠቱን ኣወፍዩ፤ ብምሉእ ሓይሉ ተዓጢቑ ናጽነተ-መሬት ኤርትራ ኣረጋጊጹ ኢዩ። እንተኾነ ግን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነቱ ኣየረጋገጸን።

ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ብዓቕመይ ክትንትን ክፍትን ኢየ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ  ቀንዲ ኣቶኩሮ ሕዝባዊ-ቃልስና መሬተ-ኤርትራ ናጻ ምውጻእ፤ ድኣ እምበር ኣብ ምርግጋጽ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሕዝቢ ነይሩ ክበሃል ኣይከአልን፤ በቲ ዝነበረ፡ ጸበባን፡ ብርታዐን ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ኣብ ውሽጡ ንመሰሉ ክሓትትን ክቓለስን፤  ዕድልን፡ ግዜን፡ ኩነታትን እውን አየፍቀደሉን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ድሕሪ ናጽነተ-መሬት ኤርትራ ነርክበሉ ዝብል ናይ ሓባር ተረድኦ ዝነበረ ኢዩ እዉን ዝመስል።

በዚ ምኽንያታት ከአ ዋላ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝነበረ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብመሪሕነት  ሕ.ግ.ሓ. ኤ ይኹን ብናይ ካልኦት ውድባት መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ተጋደልትን  ዓቢይ ኣቶኩሮ ዝተገብረሉ ኣይመስለንን። ስለዚ እቶም በቲ ግዜ እቲ ዝነበሩን ክሳብ ሕጂ እውን ዘለዉ መራሕቲ ከኣ ብዘይ ገለ ተሓታትነት መሰላት ህዝብን፡ ተጋደልትን እናገሃሱ፤ ንጉልበትን፡ ፍልጠትን ሕዝቢ ብዘይ ገደብ ብናጻ እናተጠቕሙ፤ ኣብ ናጽነት መሬተ-ኤርትራ ተበጽሐ።

እቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝተለምደ ናጻ ጉልበት ሕዝቢ ምጥቃም፤ መሰረታዊ መሰል ሕዝቢ ምግሃስን ከኣ ክሳብ ሕጂ እውን እንተኾነ ብድሕሪ ናጽነት ይቕጽል ኣሎ።

እዞም ሎሚ ስልጣን ሕዝቢ ገቢቶም ብሓይሎም ኣብ ስለጣን ዝነብሩ ዘለዉ ጠላማት፤ ሕዝቢ ብገርህነት ክቃለስ ከሎ፡ ኣብ ስልጣኖም ከመይ ኢሎም ከምዝነብሩ፤ መደባቶም ይሕንጽጹን፤ ሰዓብቶም ይዉድቡን ይምልምሉን ከምዝነበሩ ሎሚ ብግልጺ በሩህ ኮይኑ ኣሎ። ንኩሉ ንስልጣኖም ዕንቅፋት ክኾኖም ዝኽእል ሓይልን፤ ናይ ደሞክራሲ ሕቶታት ከልዕሉ ይኽእሉ ኢዮም ንዝብልዎም በላሕቲ  ባእታታትን፤ ከኣ ብውሽጢ ውሽጥን፡ ብግህዶን ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ናይ ምጽናት ስረሓቶም ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ንኣብነት ናይ 30 ዓመታት መቓልስቶም ደሞክራሲያዊ ሕቶታት ብምልዓሎም 5 ዓመታት ኮይኑ ደሃይ ዘይብሎም ካብ ዝጠፍኡ፤ ከምኡውን ጋዘጠኛታት ናጻ ፕረስን ካልኦትን ወዘተ…

ኣብ ግዜ ቃልሲ ይኹን ብድሕሪ ናጽነት ከኣ ከም ኩሎም ጸረ-ሕዝባዊ መንግስቲ ዝኾኑ ገበቲ ስልጣን ዝገብርዎ፤ ናቶም ፍሉይ ስትራተጅን፡ መደብን፤ ናይ ሕዝቢ ምድንጋር ስልቲ እውን

ነይርዎምን አለዎምን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ጽሑፋት ሕ.ግ.ሓ.ኤ ምልስ ኢልና እንተ ሪኢና „መራሕን ተመራሕን የለን“፤ „ኩሉ መምህር ኩሉ ተመሃራይ“፤ „ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ“፤ ሕዝባዊ መንግስቲ  ምትካልን“ ወዘተ… ዝብል ብመዓር ዝተሸፈኑ ጭረሖታት ብዙሓት ኢዮም ነይሮም።

ብፍላይ እቶም ከምዚ ከማይ ኣብ ናይ ሓፋሽ ወዱባት ሕ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበርና፤ ኣብ ወጻኢ ሃገራት  እኹል ግዜን ምቹእ ናይ መነባብሮ ኩነታትን ዝነበረናን፤ ኣብቲ ናይ ሰውራዊ ትምህርቲ መደባትና ሰሙናዊ ኣኼባታትናን ክንደይ ግዜ እሞ ዘየኳማሳዕናዮ!፤ ኣብ ገገዛና እቲ ጽሑፋት እዉን ክህልወና ስለ ዝኽእል እስከ ምልስ ኢልና ኩሉ ቁዋማትን ፕሮግራማትን ሕ.ግ.ሓ.ኤ፤ በዓል መሪሕን ማሕታታትን፤ሓፈሻዊ ፖሊቲካዊ ትምህርትን ካልኦት ጽሑፋትን፤ ናይ ሽዑ

ሃብሮም ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብጾቱን ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃለ መጠይቓትን ተመሊስና ንርኣዮ፤ ምስዚ ሕጂ ብድሕሪ ናጽነት መሬተ-ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ከኣ እስከ ነመዛዝኖ፤ ብሓቂዶ ኣብ ግብሪ ይትርጎም አሎ፤ ዋላስ! መዓሸዊ ዓሻ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ !! ንሕናኸ ስለምንታይ ኣብ ግበሪ ዘይተተርጎመ ኢልና ዓው ኢልና ዘይመሕተቲናስ እንታይ ኮን ይኸውን፤ወይስ ካብ ቀደም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከም ፓፓጋሎ ዝተዋህበና ኣስተምህሮታትን ናይ ሓሶት መብጸዓታት ምድጋም ጥራይ ኢዩ ነይሩ ዕላማና !! ወይስ ዓባሳት ከም ኣባ ጎቢየ ኮይና ተሪፍና ማለት ኢዩ!  ዘስደምም ነገር ኢዩ !!!!

ደሓን እስኪ ናይ ዘበን ቃልስስ ንዘበን ቃልሲ ንግደፎ ! ብድሕሪ ናጽነት እውን ናይ ህግደፍ ቻርተር ንርአ!  እቲ ሃገራዊ ቁዋምና እውን ንመልከት ! ኣብ ክንደይ ኣደባባያትን ኣኼባታትን ባይቶን ሕዝቢ ተኻቲዑ ዘጽደቆ እንታይ ኮነ ? ስለምንታይ ኣብ ግብሪ ኣይተተርጎመን ? ኢሉ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝሓትት ብጣዕሚ ውሑድ ኢዩ! ብኣንጻሩ ኣብ ገዛ ገዛ ክቑዝምን ክራገምን ዝዉዕል ግን ብዙሕ ኢዩ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ እቲ ዉድብ ህግደፍ ዝበሃል እውን፤ ስሙ „ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን“ (ህግደፍ) ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ግን ደሞክራሲ ኣይራኣና ! ፍትሒ ኣይረኸብና! ብዘይካ ግፍዕን ሕጊ-ኣልቦነትን!  እቲ „ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ“ ዝተባህለ ምስላ ኣበው ከማን ኣብ ስም ህግደፍ´ሲ  ኣይሰርሐትን፤ ስለምንታይ ግን ከምዚ ኮይኑ ተሪፉ? ዝብል ሕቶ ሓደ ኣዕጋቢ መልሲ ክህብ ዝኽእል ኣካል የለን፤ ግን ይሕመቕ ይጸብቕ ናተይ ትንተናን ተረድኦን ከይሃበኩሉ ክሓልፍ ግን ኣይደልን።

ብርግጽ ኣነ እዉን ከም ሕዝበይ ንነዊሕ ዓመታት ብዝጭራሕ ዝነበረ ናይ ሓሶት ጭርሖታትን፤ ዝጸሓፍ ዝነበረ ናይ ምትላል ቅዋማትን ፕሮግራማትን፤ ኣብ ክንደይ ኣደባባይን ኣኼባታትን ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ሓሶት መግለጽን፡ መብጽዓታትን ሓቂ መሲሉኒ ኣሚነዮ ተታሊለ ዝጎዓዘሉ ዝነበርኩ ግዝያት እውን ነይሩ ኢዩ። ከማይ ከኣ ንዝተወሰነ ግዜ ዝተታለለ ሕዝቢ ብዙሕ ከምዝነበረ ይኣምን።

ሎሚ ግን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ዝተጻሕፈ ቅዋማትን፡ ፕሮግራማትን፡ መብጸዓታትን፡ ውሳኔታትን ሕዝቢ ብወግዒ ከምዝተጠልመን ከምዝተጣሕሰን፡ ጭው ዝበለ ምልካዊ ስርዓት ብወግዒ  ከምዝነገሰን ብግብሪ ይረኣ ኣሎ። ነዚ ኣሉ ዝብል እንተሎ ግን ብጥቕሚ ወይ ብሽርሒ ወይ ከኣ ብፍርሒ ዝተገዝአ እንተዘይኮኑ ካልእ መግለጺ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ በሃላይ ኢየ።

ኣብቲ ቀንዲ ሕመረት ጽሑፈይ ክምለስ፤ ሕዝብና ሎሚ ናብቲ ቀንዲ ናይ ቃልሱ መበገሲ ዝነበረ ናይ ሓርነት ቃልሱ ከቶኩር ይግብኦ፤ ነዚ ብሓይሉ ዝነገሰ ምልካዊ ስርዓት ካብ ስልጣኑ በርቁቑ እንተዘይጉሑፉዎ ከኣ ፍረ ናይ ናጽነት ቃልሱ ንከንቱ ኮይኑ፤ ካብ ውግእ ናብ ውግእ ዕንክሊል ክብል ከሕልፎ ኢዩ፤ እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ብምልካዊ  ስርዓታት ዝመሓደራ ዝነበራን፡ ዘለዋን፡ ኣብ ሃገርና እውን ከይተረፍ ዝርአ ዘሎ ተሪእዮ ወይ ክውንነት ኢዩ።

ንኣብነት  ባህርያት ዲክታቶራት ንምጥቃስ፤ ሚሎሶቪች ናይ ሰርቢያ ንዘክር ኣብ ስልጣኑ ንክነብር ዓባይ ሰርቢያ ብዝብል ጭርሖ ንሃገሩ ኣብ ኩናት ኣንጻር ቦስኒያ፡ ኩርኣሽያ፡ ስሎቨንየን፡ ኮሶቮ ወዘተ… ጠበሰ፤ ሕዝቢ ሰርብያ ከኣ ኣብ ዘየርብሖ ውግኣት ብምእታው ንብላሽ ደሙ ኣፍሰሰ፡ ክንደይ ንብረቱ ከኣ በረሰ፤ ኣብ መጨረሽኡ ከኣ ሚሎሶቪች ባዕሉ ብዝጻሕተሮ ውግእ መጥፊኡኡ ኮነ።

ካልኣይ ኣብነት፤ ሳዳም ሑሰን መሰል ሕዝቡ እናገሃሰ፤ መሰል ኣህዛብ ኣዕራብ ክሕሎ አለዎ እናበለ ይፍክር ነበረ፤ ንብዙሓት ኣሕዛበ ዓረብ ከኣ ኣታለለ፤ እስራኤል ካብ ገጽ ምድሪ ክትድምሰስ ኣለዋ እናበለ ከኣ ውግእ ኣንጻር እሰራኤል፤ ንሾሞንተ ዓመት ውግእ ኣንጻር ኢራን፡ ውግእ ኣንጻር ኩወይት፤ ውግእ ኣንጻር ሕዝቢ ኩርዲስታን፡ ወዘተ… ኣካየደ።

ኣብ መጨረሽትኡ ግን ንሕዝቡ ኣብዚ እንሪኦ ዘሎና ኩነታት ደርብዩ፤ ንርእሱ ከአ ንሞት ተፈሪዱ ይርከብ።

ሳልሳይ ኣብነት ናይ ዲክታቶር ሰይድ ባረ ናይ ሰማል እውን ክጥቀስ ይከኣል፡ ኣብ ስልጣን ንክነብር ንሕዝቡ ብዓሌትን ወገንን ፈላለዩ፤ ዓባይ ሶማል ክንሃንጽ ኢና! ኦጋድየን ናይ ሶማል መሬት ኢዩ ብማለት ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ከፈተ፤ መጨረሽትኡ ከኣ መጥፊኡኡ ኮይኑ፤ ንሃገሩ ከኣ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ራሕሪሑ፤ እዛ ዓውደ ውግእ ኮይና እንሪኣ ዘሎና ሶማል ኣውሪሱ ከደ።

ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ሓጸርቲ ኣብነታት ብብሩህ ጠባያት ወይ ባህሪ ምልካውያን ስርዓታት ክንዕዘብ ንኽእል፤ ምልካውያን ኣብ ስለጣን ምእንቲ ክነብሩ፤ ንህዝቢ ውግእ ኣብ ነንሕደሕዱ፡ ውግእ ምስ ጎረባቢቱ ይእውጅሉ። ውርሽኦም ከአ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ከም ኣብነት ዝተጠቅሳ ሃገራት ይኸውን። ኣብ መጨረሽትኡ እውን ንርእሶም  እንተኾነ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ንሃገሮምን ሕዝቦምን ኣብ ሽግር ደርብዮም ብሕማቕ ይጠፍኡ።

ኣነ ንሃገርና ኤርትራ ብወገነይ ናይ ሰርብያን፡ ዒራቕን፡ ሶማልን ኩነታት ኣይምነን፤ እንተኾነ ግን ሕዝብና ኣብ ውሸጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ስደት ዓይኑ ዓሚቱ፡ ኣፉ ሒዙ፡ እዝኑ ዓጽዩ፡ ስቕ እንተ ኢሉ ፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘጋጠመን ከም ዘጋጥመና ብሩህ ኢዩ።   ብዙሕ ተመሳሳሊ ተርእዮታት እዉን ኣብ ሃገርና  ይረኣዩ አሎዉ።

ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ሰላም ረኺባ ኣይትፈልጥን ካብ ውግእ ናብ ውግእ እናተሰገገረት ኢያ ትነብር ዘላ፤ ውሽጣዊ ጸገማታ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፤ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጉዳያት ጣልቃ ምትእትታው እናበዝሓ ይኸይድ ኣሎ፤ ከም ድኻን ንእሽቶን ሃገር እውን ሰላም እምበር ውግእ ዘምጽኣልና ረብሓ የለን። ኣየዋጻኣናን እውን ኢዩ።

ጉዳይ ዶብ ጸወታ ጭርጭር ዓበደ ኮይኑ መመኽነይታ ንመንእሰያት ኣብ በረኻ መስፈርን፤ መመኽነይታ ንናይ ቁጠባ ውድቀትን፡ መመኽነይታ ንመጉሓፊ ሕዝባዊ ቁዋምን፤ መመኽነይታ  ንምልካዊ ስርዓትካ ምድልዳልን ኮይኑ ተሪፉ።

 

ሃገርና ከኣ ብግህዶ ብናይ ሓደ ሰብ ድሌት ጥራይ ኢያ ትምራሕ ዘላ፤ዋላ ሓደ ንኢሳያስ ዝቋጻጸር ሕግን  ሓይልን የሎን!። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ሕግን ለሚሱ፡ ቅዋም ተጓሒፉ፡ ሕጊ ኣልቦነት ኢዩ ነጊሱ ዘሎ!

ስለዚ ብሓጺር ኣዘራረባ  ናጽነተ-መሬት ሃገረ ኤርትራ ብዘይካ ንዉሑዳት ጀነራላትን ኮረነላትን ሰዓብቶምን ንሓፋሽ ሕዝብና ዘምጽኣሉ ረብሓታት  ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ የለን።

ስለዚ ሕልሚ ሓርነት ሕዝብና ንግዜኡ ብምልካዊ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ኢዩ ተተኪኡ ዘሎ።

ሕዝብና ከኣ ካብዚ ምልካዊ ስርዓት ሕጊ-ግደፍ ናጻ ወጺኡ ምሉእ ሓርነቱ ክጓናጸፍ እንተደልዩ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ብዝሓነነ መልክዕ ተቓሊሱ ሓርነቱ ከረጋግጽ ኣለዎ ዓወቱ ከኣ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘይየገድስ ናይ ግድን ኢዩ።

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ለንደን

ዓወት ንምሉእ ሓርነት ሕዝብና

ኣብርሃም ተኽለ

07.12.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2337

Posted by on Dec 7 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net