ትፈልጥዎምዶ ?

እስከ በብሓደ ክፍትን ኢየ ከለሊ

( ኮፍ ኢሎም ዘለዉ  ካብ ጸጋም ንየማን )

አበይ አሎ ብርሃነ ገረዝጊሄር ኣቦ ሓቂ ?

ተኣሲሩ !

ኣንታ እንታይ ጌሩ ?

ሓቂ ተዛሪብካ ተባሂሉ

አበይ አሎ ኣብርሂም ዓፋ ኣቦ ኩሉ ?

ብጅግንነት ተሰዊኡ ቅድሚ ኩሉ

እዋይ ተዓዊትሉ

 ከይረኣየ ከይዱ ግብሪ ጎሓላሉ

አበይ አሎ ሎሚ  ሮመዳን መሓመድ ኑር ?

ይነብር አሎ ኣፉ ሒዙ ! ምእንቲ ክነብር

ክሳብ መኣስ ኢዩ ከምዚ ኢሉ ክነብር

መቓልስቱ ሰፊሮም ኣብ ትሐቲ መቓብር

አበይ አሎ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተጋዳላይ ነበር?

ስልጣን ክግብት ይብል አሎ ጌና ጠንበርበር

ጀጋኑ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣስፊርካ`ሞ ደቂስካ`ዶ እሕደር

ስልጣን ሕዝቢ ዘሚትካ`ሞ ከመይልካ ብሰላም ክንበር !

ደሃይ`ዶ  አሎ ደሃይ  ማሕሙድ ሸሪፎ  ኣቦ ሓፋሽ ጅግና ?

ንብጻይካ እምበር ንርእሰይ ከይበልካ

መብጽዓ ቃልሲ ከይጠለምካ ተማጉትካ

ሓቂዲዩ ?  እዛ ሓሳዊት ዓለም ኣርኪባትልካ

ሓቂ እንተኾይኑ እሞ !  ተዘሚታ ሃገርካ !

( ካብ ጠጠው ኢሎም ዘለዉ  ካብ ጸጋም ንየማን  )

ደሃ`ዶ አሎ ደሃይ ዑቑበ አብርሃ ጎይታ ጠባይ ?

ሓቂ ዲዩ ከምቶም ዝሓለፉ 3 ኣሕዋትካ ሓሊፍካ

ንምእራም ኢልካ ብቕንዕና ስለ ዝተማጎትካ

ቶባእ ዓለም ! ነዛ ሃገር ድኣ ንመን ገዲፍካ ?

ሕዝብኻሞ  ኮይኑሎ ጌና ከም ሕቱም ታኒካ

አበይ አሎ ዓሊ ሲዒድ ዓብደላ ?

ኣፉ ብዕጽዉ ካብዛ ዓለም ተሳናቢቱላ

ጠላም መብጽዓ ተባሂሉ ተኸቢሩላ

ኣብ መጨረሽኡ ግን ሓሊፉ ኩቦ ደርቢዩላ

አበይ አሎ ስብሓት ኤፍረም  ?

ኣብ ኣስመራ ይህሉ ዝተኣዘዞ ይፍርም

ብጾትካ ኣብ እስሪ ቤት ሰፊሮምስ ወይከ ቢሒም !

ብጾትካ ኣብ መቓብር ሰፊሮምስ ወይከ ቢሒም !

አበይ አሎ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ ክኢላ ተማጓቲ ?

ተዳጉኑ ኣሎ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰረቲ

ኣንታ ንሱኸ እንታይ ገቢሩ ?

ምእንቲ ሃገሩ ተማዲሩ

ጽቡቕ እንዲዩ´ሞ ገይሩ

እንታይሞ ይገበር ዘበን እንዲ`ዩ ተቐይሩ

ጅግና  „ከዳዕ“ ተባሂሉ ! ጠላም ከኣ ናብ „ጅግና“ ተቐይሩ

ኣንታ ደሃይ ጴጥሮስ ሰለሞን እቲ ውፉይከ እንታይ አሎ ?

ንሱ እዉን ምስ ኣስተር በዓልቲ ቤቱ ተኣሲሩ ኣሎ

ወይለይ ኣንታ እንታይ ዲዩ ነገሩ !

ካን! እሞ ሰብኣዮም ሰበይቶም ክእሰሩ

ኣንታ እዚ ሕዝብናስ ዓይኑ ኢዩ`ባ ዓዊሩ

ኡይ ! ኡይ ! ዘይብል ዓው ኢሉ ኣምሪሩ

ኣንታ እንታይ ይገብር አሎ መሓመድ ሲዒድ ባርሀ`ኸ ?

ኣንታ ደሃይ ኣጥፊኡሎ እንዲዒኽ !!

ምእንቲ ብጾቱ እኳ ጨረሹ ነይተታረኸ

ኣበይ አሎ ይበሃል መስፍን ሓጎስ ?

ኣብ ስደት ይርከብ ድሐሪ ናጽነት ሃገር

ሕማቕ ረኺቡ ! እንታይ እሞ ይገበር

ኣንታ ንሱኸ እንታይ ጌሩ ?

ንምንታይ ርእቶኻ ትህብ ተባሂሉ

እኒሆ ኣብ ስደት 5 ዓመት ሰፊሩ

ወይ ጉድ !  ወይ ጉድ !  ጉድ`ባ ተገይሩ  !

ዝሞቱ እውን አለዉ ይበሃል አሎ ካብቶም ዝተሓየሩ

ኣንታ ረሲዐባ ኣል ኣሚን መሓመድ ሲዒድ´ከ ኣበይ ኣሎ ?

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምድሰካልሲ  ጥዒሙዎ አሎ !

ኣባ ጓይላ ኮይኑ ኣብ ወጻኢ ላዕሊ ታሕቲ ይብል አሎ

ብዘይ ፍትሒ ንዝተኣስሩ ጀጋኑ፡ ከዳዓት ክብል ይውዕል ኣሎ

ኣንታ እቶም ካልኦትከ ከመይ ኣለዉ ?

ክንደይ ኢለ እሞ ክጽብጽበልኩም

ሓንቲ ጥራይ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ክዝክረልኩም

ኣስተር ፍስሓጽዮን ኣደ ሓፋሽዶ  ትዝ ትብለኩም ?

ሓሙሽተ ዓመታ ገይራ ኣብ ሸላ

እዚ`ዶ ምተገብኣ ኣደ ኩሉ ዓላ

ኤረ ብህወታ`ዶ ኣላ

እስከ ሓቢርና ንሕተተላ

ወረ ብዙሓት ኣለዉ ጀጋኑ እሱራት ጌና ዘይዘከርኩልኩም

እስከ  ብሓጸሩ ኣስማት ጥራይ   ክዝርዝረልኩም

በራኺ ገብረሰላሴ ኣቦ ናጻ ፕረስ ኣበይ አሎ

ኣልኣዛር መስፍን ኣቦ ሓቂ አበይ አሎ

ቢትወደድ ኣብርሃ ጅገና አበይ ኣሎ

ኢድሪስ አቡ ዓረ ጅግና አበይ ኣሎ

ሓሚድ ሓመድ በዓል መብጽዓ አበይ አሎ

ጅርማኖ ናቲ ጎይታ ጠባይ ኣበይ አሎ

ኪዳነ ገብረኣብ ፊተውራሪ ኣበይ ኣሎ

ኪሮሰ ዓወር ተዋዛዪ ኣበይ ኣሎ

ሳልሕ ከኪያ ህርኩት ኣበይ ኣሎ

ጀጋኑ ይበልዩ አለዉ ኣብ ክንደይ መንቀራቕሮ

ኤረ ! ብዛሓትዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሰፈሩ

በኹሪ ጋዘጠኛታት ናጻ ፕረስ ኣለዉ ዝተሓየሩ

ክንደይ ወለድን መንእሰያትን እሞ ዘይተኣስሩ

ዝተረፉ ከኣ ኣብ በረኻን ስደትን ሰፈሩ

ብዙሓት ከኣ ኣብ በረኻን፤ ምደረ በዳን፤ ባሕርን፤ ብዘይ ንቡር  ተቐብሩ

ካን ደሃይ ኣጥፊእካ  ናይ ቀደም ይከኣሎ

ብጾትካ እናነበሩ ኣብ ጸልማት መንቀራቕሮ !

ገሊኦም ኣብ ስደት ኮይኖም ዝሮምሮ

በጃኻ ! በጃኻ!  በጃኻ! ይከኣሎ ንዓባ ስምካ ቀይሮ !

ኣንታ እዚኦም`ዶ ንዓመታት  ብዘይ ፍርዲ ምትኣስሩ

ጸላእቶም ከባርሩ ኣንጊሆም ዝወፈሩ

ፍርቂ ሂወቶም ተቓሊሶም፤ ዓደቦና ዘልበስዎ ክብሩ

ክሳብ መጨረሽታ ኣብ መተከሎም ዝተረሩ

 

እንታይ ድኣ ይገበር ንሓዋሩ

ሃየ እሞ ሕዝብና ሓቢርና ንሕሰበሉ

ተቢዕና ከኣ ንመሰልናን ንቃለሰሉ

ኤረ ! ጀጋኑ ከይንስእን ንሓዋሩ !!!

ዝኽሪ ንእስውኣት  

 ናጻ ንጀጋኑ እሱራት

ዉድቀት ንጠላማት

ኣብርሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት 15.09.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2339

Posted by on Sep 15 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net