ሰለማዊ ሰልፊ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣንፈት መጻኢት ኤርትራዊት ደሞክራሲ !

ኣብዚ ግዜዚ ሃገርና ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ  ብጣዕሚ ኣዋጣሪ ዝኾነ መድረኽ ኢዩ፤ ንሱ

ከኣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ብመሪር ቃልሲ ዝመጸ  ናጽነት መብጽዓ ጠሊሞም ንውልቃዊ ስልጣኖምን ረብሕኦም ክጥቀምሉ ዝደልዩን፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይትሓሎ፤ ፍረ ቃልስና ንሕዝብና፤ ዝብል ክልተ ተጻራሪ ግርጭት ኢዩ።

ኣብዘን ዝሓለፍ 15 ዓመታት፤ ጠላማት መብጽዓን ገበቲ ስልጣንን፤ ነቲ ብቃልሲ ሓፋሽ ሕዝቢ ዝተረኽበ ናጽነተ-መሬት ኤርትራ፤ ኣብ ረብሓኦም ክቕይሩ ዘይገበርዎ ፈተነ የለን፤ ሕዝቢ ከኣ እተን 6 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ብታሕጓስን ፈስታን ተስፋን ኢዩ አሕሊፍወን፤ ኣብ 1977 ከኣ ቅዋሙ ኣጽዲቑ፤ በቲ ቕዋሙ ተመሪሑ ሃገሩ፤ ሃገር ሕግን ፍትሕን፡

ሃገር ሰላምን፡ ምክብባርን፤ ጽቡቕ ጉርብትናን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን ብምሉእ ተስፋ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። ግን እቶም ገበቲ ስልጣን ደቂሶም ኣይሓደሩን፤ ሕዝቢ ጌና ኣብ ታሕጓስን ጽንብል ናጽነቱ እናገበር ከሎ ንሳቶም ጉድጓዱ ኢዮም ዝፍሕሩሉ ነይሮም።

ናይ ናጽነት ታሕጓስን ጓይላን ዘፍ ኢሉ፤ ሕይወት ኣብ ንቡር ምስ ተመልሰ፤ ግን እቲ ኣብ ቃልሲ ዘትኣትወ መብጽዓን፡ ናይ ቅዋም ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ሕቶታት ክልዓል ናይ ግዲ ኮነ። እቶም ስልጣን ሕዝቢ ክግብቱ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዝነበሩ ግን ክህብዎ ዝኽእሉ መልሲ ኣይነበሮምን፤ ኣብ ስልጣኖም ክቕጸሉ እንተድኣ ኮይኖም፤ እታ ዝሓሸት ምኽንያት ውግእ ምልዓል ኮይና ተሰሚዓቶም፤ ዘይተሓስበ ውግእ ከኣ አብ 1998 ኣልዓሉ። ይዋእ ! ገርሀኛ ሕዝብና ከኣ ዘይሓሰቦ ስለ ዝረኸበ፤ ነታ ዝፈትዎም ደቁ ከፊሉ ዘምጽኣ ሃገሩ ከይተመራመረን ምኽንያት ከይሓተተን  ሃገሩ ንምክልኻል ኣብ ውግእ ተጠብሰ፤ እንደገና ከኣ ኣሽሓት ምሩጻት ደቁ ከፊሉ ሃገሩ ተኸላኸለ።

እቶም ጠላማት ኣብቲ ባዕሎም ዝወልዕዎ ውግእ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለ ዘይከደ ዘረባዕባዕ ክብሉ ጀመሩ፤ ነቲ ባዕላቶም ዝፈሓርዋ ጉድጓድ ከኣትውዋ ከኣ ፈርሑዋ፤ ተረካቢ ይዓድዮ ! ከኣ ደለዩ።

ነቶም መሰል ኤርትራዊ ዜጋ ይትሓሎ፤ኣኼባ ይገበረልና፤ ኣብ ሃገርና፡ ፍትሕን ፡ ሕግን ደሞክራስን፡ ማዕርነትን፡ ሰላምን ይንገስ፤ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይተሓሎ፤ ሕዝባዊ መንግሰቲ ይተኸል፤ ቅዋም ኣብ ግብሪ ይተርጎም ዝበሉ ኩሎም ከኣ ኣብ እስሪ ቤት ኣስፈሩዎም።

ነቶም ኣስታት 17 ዝኾኑ ተባዓት መንእሰያት ጋዜጠኛታት፤ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣብ ናጻ ጋዘጣታቶም ስለ ዘቃለሑ ከኣ፤  ደሃዮም ኣጥፍእዎም።

ንሕዝብና ከኣ ብዓሌትን ብወገንን ከምዝፈላለ ብምግባር ብሒም ኢሉ ዓገብ ከምዘይብል ተገብረ፤ ናይ መዋእል ጀጋኑ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ከዳዓት ተለወጡ። ሕዝቢ ኣስደሚምዎ ስቕ በለ፤ ንኸይዛርብ ከኣ ብኣፉ ተለጉመ።

ቲቪ ኤረ ትኹን፤ ራድዮታቶም፤ መርበብ ሓበሬታቶም ኣብ ናይ ሓሶት ዘመተ ተዋፈራ።

ንውሑዳት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ናይ ሕጊ ግደፍ ኣባላቶም ዓይኖም ከዕውሩ  ሚልዮናት ናይ ሕዝቢ ገንዘብ ብምውጻእ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ  ቲቪ ኤረ ፈነወ ብምግባር ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንድኦም ክሳብ ሎሚ ይንሰንሱ ኣለዉ።

ሕዝቢ ከኣ ንቁራስ ባኒ ክረክብ ምሉእ መዓልቲ ይስራዕ፤ ነዳዲ ስእኑ ኣብ ጸልማት ይሓድር፤ ነዳዲ ስኢኑ ዉሑድ ኣእዋም ዓደቡኡ ይቖርጽ፤ ነዳዲ ሲኢኑ ክንደይ ኪሎመተራት ብእግሩ ይጎዓዝ ፤ እዚ ኩሉ ዓዲ በጺሑ ዝመጸ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ሕጊ-ግደፍ ከኣ ገንዘብ ሕዝቢ ኣብ ረብሓ ዘይበሉ ውግእ ኣንጻር ሕዝቡን፤ ጎረበታቱን

ይኽስክሶ አሎ፤ እዚ ከኣ ናይ ኩሎም ዲክታቶራውያን ጠባይ ኢዩ፤ ንኣብነት ሳዳም

ኣንፃር  ጎረበታቱ ንመዋእል ኢዩ ተዋጊኡ፤ ኣብ መጨሽቱኡ ከኣ ኣብ ጎዳጉዲ

ከም ኣናጹ ተሓቢኡ ህይወቱ ኣድሒኑ፤ ካብ ህይወት ደቁ ንላዕሊ ነብሱ ፈትዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ርእሰ-ነገራት ሕዝቢ ብናጻ ከይዛራረበሉ እኒሆ ናጻ ፕረስ

ተዓጺየን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ውልቀ ሰብ ከማን ኣብ እንዳ ሻሂ ኣቲኻ ወይ ኣብ

ባራት ኣቲኻ ሂን ምሂን ከይትበሃሃል ሃገር ብዕሱባት ሓሰወቲ ተጎቢኣ ኢያ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኤውሮጳን፤ ኣመሪካን ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ዓለማት እውን ብኤምባስታቶን ቆንስላቶምን ሂን ምሂን ከይንበሃሃል ብርሑቕ (ብremote control) ክቋጻጸሩና ይፍትኑ ኣለዉ።

ቀደም ሕዝብና ብስሙ ኩሩዕ፤ ንሓቂ ኣብ ግንባሩ ዝውቃዕ ኢዩ ዝነበረ፤ ሎሚ ግን ነብሰ ተኣማንነት ትጠፍእ ኣላ። ኣብ ውሽጢ ሃገርስ ደሓን ንሕይወቱ ከድሕን ኣፉ ይሓዝ፤ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት ንርእስና እናነበርና ንሓቅን ሓሶትን ፈላሊና፤ ዓው ኢልና ርእይቶና ክንህብ ዘይምኽኣልና ግን ዘሐዝንን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ ኢነተርነት እንጽሕፎ ርእይቶናውን ብዘይስምና ክንጽሕፍ ዘገድድ ኩነታትሲ እንታይ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ረብሐ እንተኾይኑ ረብሓ ብዘይ ሕግን፡ ፍትሕን፡ መሰልን ዋጋ የብሉን፤ ን30 ዓመታት ሓቢሮም ዝተቓለሱ ብጾቶምን፡ መባልዕቶምን፡ መማኽርቶምን፤ እኳ ዘይመሓሩስ ንዓና ንኣብ ስደት ዘሎናኳ ቀዳሞት ጸላእቶም ምዃና ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ፤ „ትኽስ ድሙ መዘንግዕ ኣንጭዋ“  ደላር ክሳብ ዘበርከትና ምስኦም አሎና፤ ዶላር ጠጠው እንተ ኢላ ግን ደሓን ኩን ደሓን ትረፍ ኢዩ።

ክልተ ካብ ሚእቲ ዘይከፈለስ ሎሚ እኮ ንሃገሩ ብማዕዶ ኢዩ ዝሪኣ ዘሎ፤ እቲ መወድኢ   

ሕዝብና፤ መዋግኢ ምስ ጎረባቢትና፤ መናዊሒ ዕድመ ገበቲ ስልጣን፤ 2% ዝኸፍል ዘሎ

ከኣ ግዝያዊ ወዲ ማሕበር ሕጊ-ግደፍ ጥራይ ኢዩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኣብ ግምት ብምእታው፤ እዚ ሎም ቂነ ጋዘጠኛታት

ብዘይ ዶብ (Reporters Without Borders)  ዘውጽኦ መጽናዕቲ ኤርትራ ብናይ

ናጻ ፕረስን፤ ርእቶኻ ብናጻ ንከይትዛርብ ብዝግበር እገዳ፤ ድሕሪ ሰሜን ኮረያን፤ ቱረከመኒስታንን፤  ኤርትራ ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ምውጻኣ  ኣማን ብኣማን ሓቂ።

አጥቢቕና እንተ ተማራሚርና ኣካያይዳ ሕጊ ግደፍን፤ ካብ ኣካያይዳ ሰሜን ኮረያ ዝፈልዮ

ጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን፤ ኣቶሚክ ቦምብ ዘይምህላውን እንተዘይኮይኑ ካልእ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኣይመስለንን።

ሕዝብና ናይ ብሓቂ ሓቢሩ ሓድነቱ ኣጣናኺሩ፤ ብኣዕጽምቲ ደቁ ዝተሃንጸት ኤርትራ፤ ብደም ደቃ ተሓጺባ ናጻ ዝወጸት ኤርትራ፤ ክካላኽለላ እንተ ዘይኪኢሉ፤  ንካልኣይ ግዜ ነቂሕና ንመሰልና እነተዘይተቓሊስና፤ ሃገርና ካብዚ ዘላቶ ናብ ዝኸፍአ ከም እትወድቕን፤ ብውሑዳት ብዘይካ ስልጣኖም ካልእ ዘይግድሶም ተመንጢላን ተረጊጻን ከምትነብር ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን! ዘይወጽእ ናይ ሓባር ጣዕሳን ! ጓህን ! ተስፋ ቁርጸትን እውን ከኸትለልና ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ዋሺነግቶን ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሓርነትና ብድምጽና ብዝብል ጭርሖ እዋናዊ ኢዩ። ኣብ 2006 ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለ ይኸይድ አሎ፤ ካብ ኩለ ዘሓጉሰ ከኣ መንእሰያት እውን ይለዓሉ ምህላዎም ኢዩ፤ ኣብዚ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍታት ብኤውሮፓ ጀሚሩ፤ ጉዕዞ ንሓርነት ካብ ኒዮ ዮርክ ንዋሺነግቶን ቀጺሉ፤ ካብኡ ከኣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሪዑ፤ ሕጂ ከኣ ብዝለዓለ ደረጃን ብዙሕ ምቕርራባትን ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ን30.10.2006 ኣብ ዋሺንግቶን ይዳሎ አሎ። ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝኸውንን ኣንፈትን ከፋትን መጻኢት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ  ከምዝኸውን እውን ይኣምን።

ኣብራሃም ተኽለ

27.10.2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2341

Posted by on Oct 27 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net