ኣርባዕተ ምልዮን ህዝቢ ብዓሰርተ ከዳዓት

ኮሮኩር ኢሳያስ ሃገረ ኤርትራ ተዋሪዳ

ሃገርና ኤርትራ ካብቶም ቀደም ዘሓለፉ ጨኮንቲ ገዝህቲ ሎሚ ኣብዘበነ ህግደፍ ህዝብና ብሪኢዎን ተመኲርዎን ዘይ ፈልጥ መሪር ብዘስካሕክሕ ኣረሚናኣዊ ግዝ’ኣት ህግደፍ ተዋሪዱ ከይዛረብ ከም ኣብዑር መኼዳ ኣፉ ተለጒሙ ኣብ ኣርዑት ጭኮና ተቖሪኑ ኣደዳ ምርሻንን፥ ማእሰርትን፥ ስደትን ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽቲ ሃገር ዘሎ ከይ ፈተወ ብዘይ ድልየቱ ሓላው ስልጣኖም ኮይኑ ብረት ዝዓተቐን ንቐሎቦም ብሓይሊ ናብ መኻዕበቲ እቶቶም ኮይኑ ተሓጺሩ ክትሪኢን ክትሰምዕን ከለኻ ናይ ሓዘን ሓዘን ይስማዓካ።

      እቲ ዝኸፍ’ኤን ዝገደድን ድማ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት  እንከላ ነዝኹሉ ሽግርን ሕሰምን ስኽፍ ከይበሎም ነኣርባዕተ ምልዮን ነጺጎም ን10 ጨኮንቲ ንዲክታይትርር ኢሳያስን 9 ኮሮኩር ስዓብቱን ደጊፎም ዘጣቑዑ ክትርእን ክትዕዘብን ከለኻ ምስቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን፥ምእንቲ መሰልን ሰላምን፥ ምእንቲ ራህዋን ስርዓትን ፍትሕን ን30 ዓመት ሃላኽን ኣድካምን ቃልሲ እሞኻኣ ማእለያ ዘይብሉ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ኣዛሚድካ ሎሚ ኣብ ቅድሚ እዚኦም ኣፍካ ምዕጻውን ቅልጽምካ ምስሓብን ስቕ ኢልካ ምር’ኣዮም ኤርትራውያን ከብለና ኣይ ክእልን እዩ።

ኣብ ዓለም ኣብ ገለገለ ሃገራት ጸቅጥን ጭኮናን ግፍዕን ክረኤ ኸሎ ሓለፍቲ ሰራዊት ብርጋዴራት ጀነራላት ሰራዊቶም ሕጆም ነቲ ዲክታይተር ስርዓት ክግምጥሉን ክቅይሩን ይራኣዩን ይስሙዑን ናይ ኤርትራና ብርጋዴራትን ጀነራላትን ግን ነዚ ናይ ሃገርና ናዕብን ሓደጋን ዕጂብ ከይበሎም መዝነትናን ህያብናን ድኣ ኣይጉደለና እምበር ናይ ሃገርን ህዝብን ኣንታይ ገደሸና ዝዓይነቱ ህዝቢ እና በረሰ ሃገር እና ጸነተት ውልቓዊ ረብሖኦም ቅድመ ሃገርን ህዝብን ሰሪዖም ከምቶም ናይ ገለገለ ሃገራት ጀነራላት ሰራዊቶም ሰሪዖም ንዓማጽን ጸቓጥን ጨኳንን ስርዓትን ዝቕዩሩ ዝግምጥሉን ሃገረ ኤርትራ ዕድላ  ሕማቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ ከምዚኦም ኣየፍረየትን ግዚኡ ሓልዩ ኽኣ ቕልጽም ውጹዕ ክስዕርዩ ናይ ታሪኽ ምጽብጻብ እውን ክመጽእ ምዃኑ ፈሊጥና ማዕረቲ ተሸኪሞሞ ዘለዉ ምዓርግ ደቆም የሕዋቶም ዝጠፍእዎም ስድራቤትን ተሓለቕቲ መንእሰይ ሃገርን ብሓባር ሓላፍነት ኣሰኪሞም ከቢድ ዋጓ ከም ዝኸፍሉ ስሒቶሞ ኣሎዉ።

          ካብዚ ብዘይፍለ እቶም ኣብ ጎኒ ውሕዳት ንጃንዳ ጉጅለ ህ.ግ.ድ.ፍ ዝሕንሱን ዝውዱሱን ሙዝቀኛታትን ደረፍትን ኣብ ምጥፋእ መናእሰይናን ስድራናን ንሃገር ምጽናትን ምብራስን ብልምዓትን ምዕብልናን እናገለጹ ንማኣቶት ጭፍራ ግጂለ ህ.ግ.ድ.ፍ ዘኻዕብት ዜማታትን ድርሳናትን ኣቃናቢሮም ለለ ኽብሉ ክትሰምዕ ከለካ ንህዝቢ ናብ ኣንጻር ተቅሙ ብውኒ ኣምሲሎም ከላዕሉ ንሕና ካብ ትርጉም ተሓባበርቲ ጥፍ’ኣትን ገበንን ናይ’ዞም ጉጂለ ጭፍራ ህግደፍ ምዃኖም ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይ ክእልን እዩንብል።

   ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክሲ ኣልዒለ ክጽሕፍ ከለኹ ነዚ ኣብታሕቲ ብጉጂለ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ርእሲ ሃገርን ህዝብን ዝወርድ ዘሎ ተዳራረበ ጭኮናን ግፍዕን ስቓይን መከራን ብጭብጢ መርቶዖ ክዝርዝር እኖሆ ዋላውን ብዝተፋላለየ ክግለጽ እንተ ጸንሔ ኣይፈለጥናን ኣይተ’ረዳኣናን ከይ ይባሃል ነቲ ሩኡይ ሓደጋ ባርበራዊ ምሕደራ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃገር ክሳብ ማሕበራዊ ሰብ ዓለም እኳ ከይተረፈ ብማዕከናት ዜኑኡ ገይሩ ከቓልዕ ከም ዝጸንሔን ዘሎን ናይ ተኻታተልቲ መድያ ዝምስክርዎ እዩ።

   ሓድጋታትን ጥፋትን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ድክታይተር ስርዓት ምሕደራ   ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ እምባዓርክስ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ይዋሓጠልና ኣይ’ዋሓተልና እዚ ዝስዕብ እዩ እቲ ሓቒ’እሞ መርገጽኩምን ውሳኔኹምን ስጉምትኹምን ታሪኩምን ከተታኻኽሉ መድረኽ ድሕነት ይጠልበኩም።

              ተመልከቱ   

1.  ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ሕጊ’የለን ብዲክተይተራዊ ምልኪ ከም ኣድገ በቅሊ ተቐይድካ ትግዛእ ህዝብን ሃገርን ብሕጊ ከም ዓለምና ኣብ ክንዲ ብዲክታይትር ንጥፋትና ንቕየድ ብሃገራዊ ቑዋም ሕጊ ተቅይድና ንሓድነትናን ምዕባሌናን ክንግስግስ ምስ’ተገበኤ ነይሩ ንብል እዚ ኣጋባብ እዚ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ’ዩ 

 

2.                 ዓገብ ዝበለ ዘይ ኮነ ኣጸላሚ ክሲ መስሪቶም ንማእሰርቱ ምስተ’ኣስረ ንመኣሰሪኡ ክ’ካላኸል ንዝተመስርተሉ ክሲ ጠበቓ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከይ ቀርብ ሃገራዊ ቅዋም ሕጊ ስለ ዘይ’የሎ ኣብማአርቲ ይበልን ይሓቅቕን።

3. ኣቦታት ኣዴታት ብደቆም ከይ ዕንገሉ ብሓይሊ ምልኪ ዲክታይተርነት ንስልጣን ውሑዳት ክሕሉዉ ዓቐን ዘይብሉ ዕስክርና ዶብ ኣይተሓንጸጸን ብዝብል ምስምስ ጉልበት መናእሰይ ሃገር ናብ ዋኒን ግጅላዊ ረብሖኦም ይውዕልዎም ኣለዉ።

4.  መንእሰይና ምልኪ ጭኮናን ክዛትን ኣስካሒኪሑዎ ንዝፈትውዋ ሃጎሮም ስድራቤቶም ዝተሰዉኡላ ከይፈትዉ ደም እንዳጣዓሞም ን’ኤርትራ ኩቦ ደርቤም ናብ ስደት ዓዲ ሃገር ተሰዲዶም ናብ ሓሳረ መከራ ምስጣሕ።

5.  ህዝቢ ብጥሙዩን ብዕሩቑን ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዘን ከይ ልግሳ ህዝቢ ከይ’ዕንገል ከይ’ማሙቕ ከይ’ፍወስ ምኽልካሎም ሓላይ ስልጣኑ እምበር ሓላይ ሃገርን ህዝብን ከምዘይ’ኮነ እኹል መምዘንን መለክዕን እዩ።

6.  ነቶም ንመዋእሎም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን እና ተጋደሉ ደሞምን ዓጽሞምን ዝኸስከሱ ሓርበኛታት ገና’ውን ሕድሪ ዝተሰዉኡ ብጾቶም ንምትርጋም ንሰላምን ራህዋን ፍትሕን ንብልጽግና ዕብየት ሃገር ዝቃለሱ ኣማኢት  ኣሻሓት ተቓወምቲ ዚጋታት ዓዶም ንኸይሪኡ ስለ ተኽልከሉ ምስ ስድራቤቶም ምስ መሪር ናፍቖት ብሞት ብምፍልላዮም ሓርበኛታት ተቓወምቲ ንሃገሮም ክምዘይ ተቓለሱ ንሬሶኦም ሓመድ ኣዳም ሃገሮም ተሓሪምዎም ብሓኣመድ ዓዲ ጓና ምቕባሮም ድርብ ወጽዓ’ዩ።

7.  ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኣሻሓት መስውእቲ ኤርትራውያን ዕላማ ኪሕዱ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ መቀረት ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ናጻነትን ሞርሆ

ከየስተማቀረ ኣብ ባርበራዊ ግፍዕን ጸቕጥን ጭኮናን ሰሪሕካ ጻማ ርሃጽካ ዘይ ክፈሎ ስርዓት ኣልቦ ባርነት ስዓብቲ ግጅለ ጭፍራ ህግደፍ ከመይ’ሎምዮም ነዚ ሚዛኖም ዘየቓመትሉ፡??? እስከ በቲ እሳቶም ሉምስ ጠቕሚ ዝብልዎ ንር’ኣዮ ኣብ ኤርትራ መርየት ክዋሃቡ ብህግደፍ ዝተመንዘዔ መርየት ኣብ ምውዳቅ ህግደፍ ኤርትራ ብሕግን ቅዋምን ምስ ተማ’ሓደርት ኤርትራና መርየት ናብ ዋኑኡ ክምለስ ምዃኑ ተኣውጁን ተነጊሩን ነይሩዩ ንህግደፍ ዝኸፈልዎ ገንዘብና ምለሰልና ክብሉዎ’ድዮም ኣበ’ዩ ዘሎ እቲ ጠቕሚ።

8.  ግጅለ ህግደፍ መናውሒ ስልጣኑ ክብል ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዲብለማስያዊ ፖለቲካዊ ዝምድኑ እናቓየረ ንሃገርና ጸላኢ እምበር ፈታዊ ዘይብላ ብምግባሩ ዘይሩ ዘይሩ ኽ’ኣ ን’ኤርትራ ዓውደ ሹኦል ሓዊ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፍ’ኤ ውግእ ክኸፍተልና ከም ምዃኑ ኣንፍታት ይረኤ ምህላዉ ትማሊ ኣብ ይናይትድ ነሽን ተጠሊዑ ኣንጻር ግብረሸበራ ኢሉ ንተቃወምቲ ኣካላት ብዘይ ውዓሉዎ ተሓባበርቲ ግብረ ሸበራ ኢሉ ክኸስ’ስ ክምዘይጸሔ ሎሚ ኣብ ማዓስከር ግብረ ሸበራ ተራሪስት ብቓልዕ ኣብ ሶማል ምእታው ህዝቢ ኤርትራ ብጥሙዩ እዚ ዘይባሃል ምልየናት ዝወደኤ ምሳርያታት ምስድዱ ነየናይ ኤርትራዊ ረብሓዩ።

        ኩቡራት ነበብቲ ነቲ ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስኩዎ ክስታት

ነዚ ሕማቕ ሓደጋታት እዚ ንዘይ ኤርትራዊ ረብሓ ሃገርና ትጠፍእ ከምዘላ ተገንዚብና ንዝነበረና ጉጉይ መርግጽን ኣጉል ግዝያዊ ረብሓን ወጊድና ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄርናን ረብናን ተናሲሕና ናይ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይትድገመኒ ብዝተርፈ ስለዝኾነ ካብሕጂ ንንዮው ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኹሉ ሰሪዕና ሃገራዊ መንፈስ ክዓስለና ኣምላኽን ረብን ይታዓሮቑና እናበልኩ ምስ ብዙህ ሃገራዊ ሓልዮት መልእኽተይ ኣብዚ ይዛዝም።

     ዝኽርን ክብርን ንዘላኣለም ንስው’ኣትናን ሱንኩላትናን

  ንኹሎም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበሉ/በላ ዜጋታት  ክኣ

       ክብሪ ትዓደሉ ሓንቲ ምዓልቲ ኣላ ክትወግሕ’ያ 

ብሓውኹም ውላድኩም ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2365

Posted by on Sep 10 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net