መልእኽቲ ን’ግ.ሃ.ድ.ኤ’ን ን’ተ.ሓ.ኤ ሶባ’ን ክልተ ውድባት

ብገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

 

   ዝኽበርኩም ኩቡራት ኣቦወንበራት ናይ ክልቲኡ ውድባት ኩቡር ተጋ/ዶክ/ በየነ ኪዳነን ኩቡር ተጋ/ ወልደስዩስ ዓማር ብቐዳምነት ዝላዓለ ክብሪ ዝሓዘለ ሃገራዊ ሰላምታ ይብጻሕኩም። ብምቕጻል ንውልቀ መላኺ ዲክታይተራዊ ስርዓት ኤርትራ ንምውዳቕ ኣብ ማዓልታዊ ጥምጥምኩም ዓወት እና ተመነኹ ኣብ ጥዕናኹም ሙሉእ ዘይ ግጉዱል  ሕሉው ኮይኑ ኣብ ናይ ሩኡይ መገዲ ተስፋ ፕላናት ንኽትህሉዉ ተስፋ ኣይ ሓክክኽን።  

                  ዝኸበርኩም ብጾት

ሎሚ ኣብ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣተኲረ መልእኽቲ ከማሓላልፍ ዘገደደኒ ክልተ ዓበይቲ ረቛሒታት ኣሎ ምስ ስምረት ተኣሳሰረ ክኾውን’ዩ፡ ሎሚ ግዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ኣዝዩ ሓደጋ ከም ዘሎ ኣነ ንዓኻትኩም ክገልጸልኩም ድፍርት ከይ የስማዕ ካባይ ንላዕሊ እስኻትኩም ስለ እትፈልጡ ከም መራሕቲ ናይ ክልቲኡ ውድባት ድማ ብቐረባ ትካታተልዎ ስለ ዘለኹም ምጥቓሱ ኣድላይነት የብሉን፡  እቲ ኣድላይን ተደላይን መፍትሒኡ እንታዩ ኣብ ዝብል ሓልየትን ርህራሄን ተደመሮ ተኻላኺልካ ዓወትካ ምጭባጥ ኣብ ትሕቲ ዝብል ታሓላቕነት ዝመል’ኦ መልእኽተይ ብ’ኣቶኩሮ ተገንዚብኩም  ናብ ተበጉሶ ክትጋዓዙ የማሕጽን።

      

      ካብተን ክልተ ዓበይቲ ረቓሒታት ዝበልኩወን በታ ቀዳመይትን ሓቅን ክጂምር እየ

ምእንቲ ብሩህ ዋድሕ ክኸውን እዚ ክልተ ውድባት ብዓይነተን ክራኣያ ከለዋ ሃገራዊ ቅርጻ መልኩዔን መለለዬን እዩ ብብፕሮግራማት መደብ ዕዮኤን ጠሊቑ ንዝተዓዘበን ዝተኻታተለን ግደፍዶ ብቓላት ፍልልይ ክህልውንሲ ብናይ ፊደል ኣሳዃኹዓ እውን ፍልልይ የብለንን ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ዝኽዕነ መደብ ዕዮ ፕሮግራማት ኣለወን ናይ ክልቴኤን ውድባት ብፕሮግራማተን ብሓንሳብ ኣኪብካን መሚኻን ነፊኻን ቅርሕንቲ ጥራሕ ኢኻ ትብቁጽ እምበር ካልእ ተውጻኣለን የብልካን።

         ንቑኑዕ ዕላማን መትከልን ብቅርሕንቲ ተዓብሊሉ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ኣብቲ ዝድለን ዝጥለብን ኣድማዒ ዝኾነ ስሪሒት ዛጊት ኣይተራእየን፥ እሞ ኸድ’ኣ ከምዚ ኢልካኸ ስጋብ ምዓስ እዩ!!! ቅርሕንቲ ንውልቀ መላኺ ዲክታይተር ስርዓት ኤርትራ ክቕዩሮ ከምዘይ ይኽእል እዞም ናይ ክልተ ውድብ ኣቦዎንበራት ትስሕትዎ ዝብል ህዝቢ እምንቶ የቡሉን፡ እሞኸድ’ኣ ኣበዩ ዘሎ እቲ ጸገም?  ብወገነይ ዝብሎ ዝነበረ ፍልልያት ረሲዕካ ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኹሉ ዝለካ ሕድገት ምሕድግ ዋጉ’ኡ ኣቓላጣፊ ዓወት ምኻኑ ግደፍዶ ብደረጃኹም ብደረጃይ ከማን ይራኣየንዩ።

 

  ዝኸበርካ ኩቡር ኣቦዎምበር ተ.ሓ.ኤ ሶባ ወልዴሱስ ዓማር

   ዝኸበርካ ክቡር ኣቦዎምበር ግ.ሃ.ድ ኤ ዶክ/ በየነ ኪዳነ

ብመሪሕ ግደ ናትኹም ኣብ ናታትኩም ተርም ነዚ ዓብን ሃገራውን ዝኾነ መልክዕ ዘለዎ ውድባት ናብ ሓደ ውድብ  ከተምጽእዎ ናይ ብልጫ ታሪኽ ክትወርሱ መድረኽ ድሕነት ሃገርን ድሕነት ህዝብን ይጠልበኩም ኣሎ። እቲ ጉዳይ ምስ እዚኦም እቲኦም እና ተባሃሃልካ  ንህዝብናን ሃግርናን ከም መፍትሒ ጾሎት፥ ሰላት ኮይኑ ራህዋን ሰላምን ከምጽእ ኣይ ክእልን ኢዩ።ምዚኦም እቲኦም እና ተባሃሃልካ መፍትሒ ዘምጽእ እንተ ዝኾውን ነይሩ ምስ ዚኦም እቲኦም እና ተባሃሃልካ ውሑድ ዘበናት ኣይ ሓለፈን ነዚ ተሪፉና ዘሎ ዘበናትከ ብኸም’ኡ ዲና ኽንሓልፎ!!!! ኣይ ፋልኩምን ኑዑ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልኩም ተማያይጥኩም ናብ ሓደ ዘምጽእ ፕላን ኣውጺእኩም ንእዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈለግ ዲሞክራሲያዊ ጽላልኩም ክዕቖብ ታሪኽ ክትወርሱ ዝሓሸ’ዩ።

 

           ን’ኤርትራና ኣብ ናይ ዕርበት ትልኽ ትንፋሳ ንምድሕና ሎሚ ዘይ ተጓየኹምላ ኣቦ ወንበርነትኩም ግዚዩኡ ምስ ሓለፈ ክትጓየዩላ ኣይ ትኽእሉን ኢኹም ክሉ ግዜ ስልጣን ኣቦ ወንበርነት ኣብ ግዚ’ኡ ኣውንታዊ ታሪኽ ከመዝግብ ንዘለዎ ባይታ ተጠቒሙ ንቕኑዕን ኣዓዋትን መንገዲ ዓወት ዘቃላጥፍ ክውስን ስልጣኑ ክጥቀም ናይ ግድን እዩ። ጹዑቕ ኣኼባታት ነቶም ኣብ ለውጢ ካብ ቀደሞም ዝ’ኣመኑ በቢ ወገንጉም ንሉሉያትን ውሱናትን ዓቐን ካብ ምእካብ ሰጊርኩም ኲነዚ ዝጥመት ሙሉእ ሃገርን ህዝብን ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ውድብ ኣጽሊሉልኩም ኣኼባታት ክትመርሑ ዝሕግዝ ሓድነት ናይዚ ክልተ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘ ውድባትኩም ጥራሕ እዩ።

 

   ሓድነት ናይ ክልቲኡ ውድባት ምስ ተራጋገጸ ኽኣ ምስተን ካሎኦት ውድባት ዋላውን ብሃገራዊ መልክዕን ፕሮግራማት ፍልልይ ይ’ሃልወና እምበር በቲ ዘራኽበና ኣጋባብ ምስኤን እውን ተዋሃሂድና ምስራሕ ካልእ መተካእታ ኣማራጺ የብሉን መሰረታት ናይ ክልቲኡ ውድባት  ማለት ናይ ግ.ሃ.ድ.ኤን ናይ ተ.ሓ.ኤ ሶባ ነዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ሓሳብ ንመሪሕነታትና ጥራሕ ከየሰከምና ንሕናውን ክንደፍ’ኣሉ ዘለና ጉዳይ’ዩ ናይ ብሓቂ ነዚ ዲክታይተር ውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣልጊስና ስልጣን ንህዝቢ ክነረክብ እንተዄና እንኮ ምርጫና ቅርሕንቲ ወጊድና ሓድነትና ጥራሕ እዩ

 

ትምክሕትን ቅርሕንትን ይትረፍ

ቦኮንቱ ጻማኹ ኬና ከይንተርፍ

እስትራተጂ ይኹን ጽረ ህግደፍ

ዓወት ህዝብና ምእንቲ ክቃላጠፍ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2368

Posted by on Nov 7 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net