ኣነስ ሕማቕ ትምኒት ብውድቐት ናይ ዝኾነ ውድብ ኣይምነን

መልሲ ንሓው ዓ.ብርሃነ

ሎሚ ብ ብውልቀ ሰባት ኣልዕልና ክንዛረብ ኣይግባኣናን ከመይሲ ውልቀ ሰባት ልዕሊ ህዝቢ ኢረትራ ኣይ ኮኑን፡ ኣብዚ እዋን እዚ መድረኻዊ ጠለብ ቀዳማይ ሰሪዕና ክንጓዓዝ ዘለናን ዝግባኣናን ድሕነት ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓልዮት ተበጊስና ናብቲ መዝማዚ ከም ትዃን፥ ቁርዲድ፥ ጭርናዕ፥ ደም ህዝብና ዝመጺ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ጌርና ነውርዶ ህዝብና ጸንቂቑ ከይ ኣንጸፎ ኾሎ ንምድሓኑ እንተ ንጓየ እዩ እቲ ውጺኢታዊ ቃልሲ።

           ከይ ሃለኻ ህላዌኻ ንምርግጋጽ ምጽዓር ነብስኻ ምትላልዩ

እትብል ኣርእስቲ ብዓ.ብርሃነ እተ ጻሕፈት ኣብ መስከረም ኣምቢበ

 ብመጀመርያ  ርሑስ ብዓል ሓድሽ ዓመት ዓ.ብርሃነ ንዓኻን ንብጾትካን ኣስዒበ መልእኽትኻ ብትሕዝቶኣ ግርምቢጥ ኮይና ረኺበያ ምኽንያቱ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ክትሃርም ክብል ጉዳይ ህዝቢ ረሲዕካ ብ ኣድሓኖም ኣልዒልካ ክትካላኸል ነቶም ንሓድነት ዝሰርሑ ዘለዉ ኣባላት ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ስለ ምንታይ ይሰምሩ ዝዓይነቱ ዘይኮነ ዘለፋን ምንዋርን ኣድላይነት የቡሉን እቲ ኣድላይ ንህዝቢ ዝሓቶ ዘሎ ሕቶ ሓድነት ዝብል ኢዩ እዚ መስርሕ እዚ ክኣ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሃድነት 3 ውድባት ኣራጋጊጽናስ ናብ ካሎኦት ሃገራውያን ውድባት ምስ ብፕሮግራማተን ምሳና ዝቃራረባ እውን ቀጻሊ ኢዩ እዚ ክኣ ተጠብ ህዝብና ስለ ዝኾነ ከም ቀዳማይ  ቃልስናዩ መስርሕ ሓድነት ሽምካ እንተኾይኑ ሓው ዓ.ብርሃን ፍተዎ ጽልኣዮ ክዋሓጠልካ ኣለዎ።

    ብዛዕባ ኣድሓኖም ኣልዒለ ክዛረብ ግዜየይ ክቐትል ኣይ ምመረጽኩን ምኽንያቱ ኣድሓኖም ልዕሊ ህዝቢ ኣይኮነን ኣድላይ ኣይነብሮን ግን ካብ ኣምጻእካዮ ኣድሓኖም ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ክፍንጨል እንኮሎ ንግዚኡ ዝተዳናገረ ኣቀን ቀሊል ኣይነበርን ቅኑዕ ክገብራ ንነብሱ ካብ እተመስረተ  ውድብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ተፍንጭሉ ጸለመታት ዘካየዶ ዝነበረ  ኣቦ ወንበር ስለ ዘይ ተመርጸ ጥራሕ ምዃኑ ናይ መድያ ተኻታተሊ ዝምስኩሮ ናይ ትማል ታሪኽ ኢዩ። ይተካእ እለቀብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብተበግሶ ደለይቲ ለውጢ መሰረታውያን እተመስረት ውድብ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ምስ በጽሔት ብመስርሕ ጉባኤኣ ዕላውያን መራሕታ ምስ መረጸት ብድሕሪ ዉድባዊ ግባኤ እንታይ ምዕብልና ፈጢሩ ኣቦ ወንበር ዘይ ኮንኩ ኢሉ ንውድቡ ኣፍሪሱ ንመስርሕ ግምባር ድሕነት ኤርትራ ዝጠለመ እኮዩ፡ ታሪኽ እንተ ተኻታተልካ ዝሓሸዩ ሓው ዓ.ብርሃነ ኣብ ክንዲ ብውልቀ ሰባት ንማጎት ብደረጃ ህዝብን፥ ሃገርን፥ ሓድነትን፥ እንተ ተማጎትና እዩ እቲ ዝሓሸ፡ ንውልቀ ሰብ ምሙጋትን ምክልኻልን ንሳዓብቲ ኢሳያስ ንግደፈሎም። ውራይና ውራይ  ህዝብን ሃገርን እዩ።

ብዝዕባ ኣተን ክልተ ብሄራውያን ውድባት ኣልዒልካ ክትዛረብ ከለኻ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት በቲ እስኻ ትገልጾ ዘይ ኮነስ ባንጻሩ እኳድኣ ካብ ጽብቅ ድልየታቱን ባህጉታቱን ተበጊሱ ኣቀዲሙ ክሳለጥ ዝግቦኦ ዝነበረ መስርሕ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ነዔኤን ከሳሊ ክብል ግዚኡ ከም ዘባኸነ ተሳሒቱ ድዩ

ስለምንታይ ኢየንከ ከምቲ ዝተሳማማዓሉ ዘይተግበረኦ ድሕሪ ባይታ ዘሎ ኣጅንደኤን ኣሰንየን ዝምልሶኦ ንሕና ናታትና ኣልዕልና ክንዛረብ ንኽእል  ኣብ ክሊ ምስምስ ህዝብና ብህግደፍ እና ተላሕሰ ስለምንታይ እቲ ቃልሲ ንድሕሪት ዝምጠጥ መንዩ ኸ ኣብ ምምጣጥ ቃልሲ ክረብሕ ከይ ፈለጥካ ታሪኽ ምቁምጣዕ እንታይ ኣድልየ።

     ብዛዕባ ናይ ሰለስተ ውድባት ምጽንባር ትካላት ከተናእእስ ከለኻ ኣየናይ ትካልዩ ኣበይ ደሎ ትካልዩ እናበልካ ተስተናዕቕ ዓገብ እዚ ንዓና ነተን ኣባላት 3 ውድባት ጥራሕ ከም ዝምልከት ፍለጥ ግልጽነት ድኣ ይሃሉ እምበር ውድባዊ መስርሕ ምስጢርና ንኣባይና የሕሊፍና ኣይንህብን ጽኑዓት ዋናታቱ ተካታተልቱ ኣለናዮ ንዓኻ ኣይ ምልከተካን።

     ብዛዕባ ናይ መሰረታት ምትሕንፋጽ ዓንቀጽ ኣልዕልካ ብዝመሰለካ ዘይኮነ ናብ ዘየድሊ ቃላት ንዕቀት ናይ መሰረታት ኢልካ ትገልጽ ነውራም ዘረባዩ  ብሓቂ ኣብ ሓድነት ጸገም ዘለካ ኢኻ ትመስል ብኣጋላልጻኻ ከመይሲ ኣዚ መስርሕዚ በቶም ሱሑላት መሰረታት ናይ ሰለስተ ውድባት ዝተጠልበ ድኣምበር ኣልዕል ኣቢልካ ብሃቦ ተረከቦ ኣይኮነን ተሃንዲሱ ናብቲ ናብ ምትሕንፋጽ ናብራ መሰረታት ከዛናብሉ ዝበልካዮ ብጸቢብ ኣይትራዮ ሓሳብካ ናብ ጌጋ ከይ መርሓካ ምትሕንፋጽ መስረታት ንናይ ሰለስቲኡ ውድባት ኣብ ዘዝቕመጥዎ ሓድሽ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ብዓቢ ውድባዊ ጨናፍራትን ዝባታትን ብሓባር ኣኣብ ዘለውውን ዝቕመጥዎን ብሓባር ኮይኖም ክቃለሱ ንናብሮኦም ዝትክፍ ኣይኮነን ተረዱኦኻ  ሩሕቅ ሩሕቅ  ካብ ኩውኑነት ኣሎ ናብ ጌጋ ኣይትኺድ።

           ከምዚ ኣባሃህላ ናትካ እንተ ኾይኑሞ ናይ ሰለስተ ውድባት መሰረታት ምትሕንፋጽ ናብ ናብራ ምዝንባል ትብሎ ዘለኻ ብዓቢኡ ኣቲ ናይ ኩለን ተቃወምቲ ውድባት ሓድነት እንብሎ ዘለና ድኣ ንምትሕንፋጹ ስለ ዘጨንቕ ሓድነት ኣየድልን ማለትካዩ?

   ብዛዕባ መስርሕ ምትሕንፋጽ ናይ ናብራ ምዝንባል ዝበልካዮ በላሕትን ትኩራትን ዝኾኑ መሰረታት ሰለስተ ውድባት ናታትና ውራይ ኢዩ ውራይካ ኣይኮነን ንሕና ንጨነቐሉ።

                     ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት

                     ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡኣሸራ)

ክብርን ዝኽርን ዝስዉኣትና

ውድቀት ናይ ህግደፍ የሪኤና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2370

Posted by on Jan 8 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net