ቕልዕቲ መልእኽቲ ን ወናኒ MESKEREM WEBSITE ኣለም ወዲ ኣቶ ጀ.ጎይቶኦም

ንወድሰብ እንተ ሃብካዮ ናቱ እዝጊ ይሕጎስ ኩሩስቶስ ይፈቱ ኢሎም ዝመሰሉዎ ኣቦታት ብቕንዕኖኦም ንብዓል ጽብቅ ናቱ መግለጺ ይህብዎ ንባዓል ዘርጊ ክኣ ናቱ መግለዚ ይህብዎ ንታሪኽ ውድሰብ ብኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ሱሩሑን ብኣሉታዊ ዘርጊ ተግባሩን ነናቱ መግለጺ ይህብዎ እሞ እቲ ኣይትሓሱ ዝብል ጥቕሲ ብእግዛኣቢኤር ስለ ዝፍርሑ ንውድሰብ እንተ ሃብካዮ ናቱ እዝጊ ይሕጎስ ኩርስቶስ እፈቱ ዝተባህለ ካብዚ ተበጊሶም እዮም።

 

   ሓው ኣለም ወዲ ጀ.ጎይቶኦም ክኣ ቅልዕቲ መልእኽቲ ናባኻ ምስ መሳሪሒትካ MESKEREM WEBSITE  ከማሓላልፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ምሳሌ ለባማት ኣቦታት ስለ ዝወረስኩ ክጥቅመሉ ኣለኒ ካብ ዝብል ተበግሶ ንዓኻን መሳርሒትካን MESKEREM   WEBSITEን ካብ ዝጀመርካሉ ኣትሒዘ ክሳብ ኣብዛ ግዜ ዝጽሕፈልካ ዘለኩ ምስ መሳሪሒትካ MESKEREM WEBSITE  ኣውንታዊ ሕሉፍ ኣስተዋጽኦ ተቓውሞኻን ዲሒርካ ዘምጻእካዮ ኣሉታዊ ምዕብልናን ከም ዘለዎ ክጠቕሰልካየ ንሕሉፍ ኣውንታዊ ተቓውሞ እጃምካ ዘበርከትካዮ ክትኮርዓሉን፥ ክትሕበነሉን ይግባኣካ ብማዕረ ናይዚ ኽኣ ንድሒሩ ዘምጻእካዮ ኣሉታዊ ምዕባሌ ክኣ ክትሓንከሉን ክትሓፍረሉን ይግባኣካ ብዓቕሊ ኣምቢብካ ክትርዶኦ ክኣ ይዕድመካ።

 

          ሓው ኣለም ብጹብካ ክጅምር ኢየ

1.    መጀመርያ ናይ ጽረ ድክታይተራዊ MESKEREM WEBSITE  WEBSITE ከፊትካ ንህዝቢ ተግባራት ድክታይትር ስርዓት ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ኣቃሊዕካ ጹሕፋት ካድራት ተቓወምቲ ኣብ መርበብ መስከረም ሰቕልካ ዕርቃን ኣራዊታዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ዘቃላዕኻ ህዝቢ ኣብ መስከረም ዳት ነጥ እና ኣተወ  ጹሕፋት ተቓውምቲ ኣቢቡ ክርዳእ ዝገበርካ ነታ ድልየታት ስርዓት ድክታይተር ጥራሕ ትዝርግሕ  ብሳንሱር እትሕተም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ገዲፉ ናብ መስከረም ዝዝርጋሕ ናይ ተቓወምቲ ጽሑፋትን ዜናታትን ዘንብብን ዝካታተልን ዝገበርካ መዘኩሮኻ ስለ ዝኾነ ክትሕበነሉ ይግባኣካ።

 

2.    እዝከረኒ ናይ ኩሎም ተቓወምቲ ጹሕፋት ብዘይ ሌላን ጉሌላን ተቐቢልካ ትልጥፎ ከም  ዝነበርካ ብ ኣካል ኣብ መስከረም ኣትየ ብዓይነይ ሪኤ ዘንብብ ዝነበርኩ ናይ ሕሉፍ ኣውንታዊነትካ ዝምስክር ሰብየ

 

3.    ኣብ መሰል ውድሰብ ኣታሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ናይ ምኹናን ጽኑዕ መርገጽ ውሲድካ ንተግባራት ሰርዓት ኢሳያስ ግደፍዶ ኣድበርታይዝ ምስ ስእልታት ክትልጥፈሉስ ብተግባሮም ኣስካሕኪሑካ ንምቅሎዖም መገዲ MESKEREM WEBSITE  ዝኸፍትካ ከም ምኻንካ መን ይስሕቶ። ሓውና እዚ ተግባራት እዚ ስጋብ ምዓርፉኡ እንተ ትቕጽሎ ብህዝቢ ክንደይ ምተሞጎስካ ኔርካ ግን ኣይ ገበርካዮን።

          ናብቲ ድሒሩ ዘምዛእካዮ ኣልታዊ ምዕብልናታት ከሳጋግረካ

 

ብዙሓት ናይ መድያ ተኻታተልቲ ከም ዝካትዑዎን መደምደምታ ዝህብሉን ንሕሉፍ ተቓውሞዊ ስራሕካን ኣብቲ ልዕሊ ስርዓት ዝገበርካዮ ብፍላይ ሱሱዕ ህርፋን ልጣን ዘለዎ ንስልጣኑ ክብል ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ናብ ህዝቢ ዕርቃኑ ዘቃላዕካዮ ጣዕሳ ሓዲሩካ እቕረ በሉለይ ክትብል ዝዓለምካ ትመስል ይብሉ ናይ ተፋላለዩ ውድባት ተቓወምቲ’ ኣነውን ምስኦም ይሳማማዕ ካብ ዚሮ ተበግሰ ዘይኮንኩስ ካብቲ ድሒርካ ዘምዛእካዮ ምዕብልናታት ንሱ ክኣ ካብ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ጹሑፋት ትጥቅዕን ትሰቅልን ዝነበርካ ናይ ገሊኦም ጹሑፋት ጠቂዕካን ሰቒልካን ናይ ገሊኦም ክኣ ኢግኖር ክትከቶም ጀሚርካን ኣለኻን።

 

   ኣብ ብታ ብሕታዊት መሳሪሒትካ መስክረም ዳት ነጥ ካብ ናይ ተቓወምቲ ጹሑፋትን ኣድበርታይዝን ናይ ህግደፍ ኣድበርታይዝን ጹሑፋትን ይበዝሕ ኢሳያስ ኣብዚ በጽሑ ኣድኽስቶ በጺሕሑ ስእሉ እና ጠቃዕኻ ዋርሳይ ይካኣሎ እዚ ስራሕ ይዓምማሎ ስእሊ እና ጠቓዕኻ ነቲ ብደይ ደሞዝ ዝዕመም ስራሕ ውልቀሰባት ዓገብ  ኣውቶብሳኣት የትዮም ትራክትርራት ኣምጺኦም ስእልታት እናጠቃዕኻ ኢሳያስ እዚሉ ለበዋ ኣማሓላሊፉ ናይ ባዓላት የውሃና ገሊጹ ስእልታት እና ጠቃዕካ መስከረም ዳት ነጥ ብረክላማት ኣድበርታይዝዛት ህግደፍ ኣወቂብካ ንመገዲ እቅረ በሉለይ ትስጉም ትብል ዘለኻ ኴንካ ኣየምስልን ኣየስምዕንዶ???

 

      ኣብዚ ምኽሪ ክልግሰልካ ሓውና ኣለም ውዲ ኣቶ ጀ ጎይቶኦም

 

ህግደፍ ንዓኻ ንኣለም ሕሉፍ ታሪኽካ ዳመጅ ዘስዓብካሉ ነዚ ሕጂ ተመሊስካ ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ ተመሊስካ ጽቡቕ ትገብረሉ ዘለኻ ድሪኦ ከይ መስለካ ኣብ ኣፍ ኣምበላይ ገበል ከይት ኣቱ ካብ ጴጥሮስ ሰለሙንን ሃይለ ውልደትንሳኤ(ድሩዕን) መሓመድ ሸሪፎን ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ንላዕሊ ጽብቕ ሰሪሕካሉ ዝብል መዔቅኒ ኣይ ክህበካንዩ እሞ ናብቲ ናይ ቀደምካ እንተ ተመለስካ ይሕሸካ ክብረት ክትረክብ።

 

      ብዛዕባ ጹሑፋት ብሌላን ጉሌላን ምስቃል ወናኒ ስለ ዝኾንካ ድሌትካ ግበር ኣብ መሰልካ ናጽነት ኣለካ ንኽሲ ገዲፍካ እንተ እቲ ናይ ህግደፍ ጹሑፋትን ምስ ስእልታት ኣሰኒኻ ተውጽኦ ዘለኻ ግን ንመስከረም ዳት ነጥ ሰሊምካ ተወቅባ ዘለኻ ኮይኑ ከስማዓካ ብዛዕባ ብሓቂ ካብዚ ህዝቢ ዝጥርጥረካ ዘሎ ናጻ ክትወጽእ ነብስኻ ምስ ህዝቢ ኣላሊ እዚ ዝብል ሓው ጥራሕ እዩ ሪእኻን ሰሚዕኻን ኣቢብካን ሚዛንካ ኣቢርካ ስቅ ምባል ሓው ወይ ብጹት ከብለካ ስለ ዘይ ክእል ንግድለትካ በቲ ሰብ ዝዕዘቦ ዘሎ ቡኡ ንኽትዕዘቦ እንተ ፈተንካ ንዓኻ ምሓሸ።

እዚ ውደሓንካ ሓውና ኣለም።

     ምስ ሙሉእ ኣኽብሮት

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

ሓበራዊ ቃልሲ ሃገራዊ ፈውሲ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2378

Posted by on Jan 17 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net