ህ.ግ.ደ.ፍ በቲ ኣረሚናዊ ግብሮም ማእለያ ዘይብሉ ዓቐን ሳዓብቶም ከሲሮም

ናይ ዓይኒ ምስክር ብ’ኣካል ዝካታተሎ ዘለኹ ዲቕ ዝበሉ ደገፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሎሚ ከም ረድዮ ሞጃ ሾርት ወይቭ ተቐይሮም ኣዳዕዲዖም ንተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ ክቃወሙን ክራገሙን ይውዕሉ ኣለዉ። ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ጨሪሶም ደገፎምን ርክቦምን ክባተኹሉ ዝኻኣሉ ምኽንያት ክ’ኣ ኣረሚናዊ ፈጽሚ ግፍዒ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ገዝ’ኦምን ኣብ የሕዋቶምን ስድራ ቤቶምን ምስ ወረደ እዚ መሪር ጓሂ ኣብ ዘለዎ ክንሱ ነቲ ንደገፍ ተባሂሉ 2/100 (ክልተ ካብ ሚእቲ) ካብ ደሞዞም ዝኸፍሉዎ ዝነበሩን ኣሻሓት ቦንድ ዘሕለፍዎን መጨፍጨፊ ስድራቤትና ኮይኑ ኢሎም ድርብ ሓዘን ይስሞዕም ኣሎ።

 

        ካብ ኣፎም ዝወጸ ብ’ኣካል ባዕለይ ብእዝነይ ዝሰማዕኩዎ  ይብሉ

ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ሓስዩን፥ኣቃሓሒሩን፥ኣባኢሱን ነገር ኣጒዱን ጥራሕዩ ክነብር ዝኽእል እናበሉ ነቲ ሓቀኛ ኣረሚናዊ ጠባዩን ልማዱን ክገልጹ ከለዉ ይብሉ ኣብ ርእሲ ተቃውሞ ደንበ ናይ ፈጥራ ሕብረ ቅብ’ኢ ክሲ ኣልዕል ኣቢሉ ሓሙሻይ መስርዕ መጃህዲን ወያነ ክብለና ኾሎ ሓቂ ይመስለና ነይሩ ንሕናውን ብጌጋ ተረድ’ኦ ንተቓወምቲ ክም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጌርና ንወስዶም ኔርና። እቲ ሓቀኛ ስእሊ ተቃወምቲ በቲ ኢሳያስ ዝብሎን ዝምድሮን ዘይኮነስ ሓቀኛታት ኣንጻር ጭኮና ከም ዝቃለሱ ዘለዉ ንኽንፈልጥ ዝደረኸና ኣረሚናዊ ንሕስያ ዘይብሉ ጨፍጫፊ መዝማዚ ጒሒላ ስርዓት ኢሳያስ ብተግባራቱ ጹብቕ ጌርና ፈሊጥናን ተረዲእናን ተማሂርናን ኣለና ክብሉ መረሮኦም ዝገልጹ ዝነበሩ ዝሰማዕኩዎ ንህዝበይ ክሕብር ዝደረኸኒ ስርዓት ህግደፍ ሃደሽደሽ እናበሉ እፈርሱ ከም ዘለዉ ብስራት ንዝበይ ንምሕባር ዝ’ኣክል ጥራሕየ ኢየ።   

       

  ግዝየ ማዕበል ሓፋሽ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምቅዋ ይውሕዝ ኣሎ

         ማዓልትን ከልብን ከይ ጸዋዕካዮ ይመጽእ ዝባሃል ምሳሌ ለባማት ኮይኑ ረኺበዮ ከመይሲ እዚ ኹሉ ሓሰረ መከራ ከይ መጽ’ኤ ኮሎ ብዙሕ ኣመላትን ልማዳትን ናይ ተበላጺ ጣልማይ ካሕዳይ ከም ምዃኑ ኢሳያስ ብ’ኣኼባታትን ረድዮ ተቃወምትን ብመራኸቢ መፍተል ሓበሬታ ሰኪዔት ናይ ተፋላለዩ ውድባት ካብ ምቅላዕ ዋላ ሓልቲ ማዓልቲ እውን እንተኾነ ተበኺሩ ኣይፈልጥን ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኹሉ ኣሻሓት መናእሰይ ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ግደ  ተበላጺ ውዲት ኢሳያስ ከይ ኮኑ ከለው ኣብ ክንዲ ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወሙ ሎሚ ኣ’ኣብ ገዝ’ኣ መስ መጽ’ኣ ንስርዓት ኢሳያስ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛኣቲ ዲክታይተራት ሎሚ ኤርትራ ብዓሰርተ ዕጽፊታት ብዘስካሕክሕ ኣረሚናዊ ኢሰብ’ኣዊ ኣብ ርእሲ ህዝብና ኣብ ነውሰከፍ ስድራ ቤት ጨፍጨፋን ግፍዕን ምዓልታዊ ልሙድ ምስ ኮነ ሎሚ ህዝብና  ምስቲ ስርዓት ኣስመራ ዝባተኸሉ ግዜ ብርግጽ መዚኡ።

       ህግደፍ ንጽንኩር መድረኹ ተንኮል ሸብሊሉን ላዕጢጡን ንግዚኡ ኣንተሰገሮ ካብታ

እትጽበዮም ዘላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ፍርዲ ግን ኣምለጡ ማለት ግን ዘበትዩ። ሎሚ ህግደፍ ክልተ ካብ ሚኣቲ ዝከፍል ህዝቢ ከም ቀደሙ ስለ ዘየለ ናይ ቁጠባ ጸገም ስለ ዘጓነፎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዘሎ ነታ ናይ መጨረሽታ ዕርበቶም ናይ ሃለዋት ተለኽ ትንፋስ ስለ  ዘለው ኣተኩሮኦም ኣብዚ ግዜዚ ብሙዚቀኛታትም ደረፍትን ጥራሕዮም ከም ሓይሊ ናይ ማእቶት  መድሕን ተልኽ ትንፋስ ህግደፍ እዞም ደረፍቲ እዚኣቶም ያታ ናይ ኣቦታቶም ናይ ብዓል ኣቦታት ኣቶ ኣብራም ሰጊድ ዘይ ወረሱ ከምዛ ብምንቕቓሕ ደርፊ ኣቦና ኣቶ ኣብርሃም ሰግድ ዘይ ተጋደሉ  ንወረቓቕቲ ድዩ ንመጽሓፍቲ ብዝብል ምስምስ ነታ ንመገዲ ዕርበታ ትልኽ ትብል ዘላ ትንፋስ ተጻኢ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ    ንዝተረፍዎ ህዝብና ከጽንት ለለ እናበሉ ውሻል ውድቐቱ ኮይኖም ላዓት መቐርደዲ ውጹዓት ህዝብና ኩኖም ከም ዘለው ይዋሓጠሎም ኣይ ይዋሓጠሎም ንሱዩ እቲ ሓቂ ነዚ ታሪኽ ተሰከምቲ ከም ምዃኖም ንሕዝብና ካብ ምሕባር ክኣ ኣይ ንቑተብንን።

 

ደረፍቲስ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ደው ዝበሉ ንዕርቃን ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ስርዓት ኣስመራ ዘቃሉዑ ጀጋኑ ሓርበኛታት ንምሳሌ ኣስማት ተቒሰ ከላልየኩምየ ተመልከቱ።

 

1.   ጅግና ሓርበኛ ኤርትራዊ ዜጋ  ኢዮብ ሃይለ

2.   ጅግና ሓርበኛ ኤርትራዊ ዜጋ  ዳዊት  ኢፍሬም

3.   ጅግና ሓርበኛ ኤርትራዊ ዜጋ  ኢሳያስ ኣስፍሃ

4.   ጅግና ሓርበኛ ኤርትራዊ ዜጋ   ኣሽመላሽ

5.   ጅግና ሓርበኛ ኤርትራዊ ዚጋ  ወዲ ባህታ

 

ምስ ብዙሕ ይቕሪታ ኣስማቶም ዘይ ፈለጥኩዎም ካሎኦት ምስ እዞም ዝጠቐስኩዎም ዝስሩዑ ሓርበኛታ ሙዚቀኛታትን ደረፍትን እውን ኣሎው እዞም ሃርበኛታት ደረፍቲ እዚ’ኦም ኣብ ዝተፋላለዩ ውድባት ይህሉው ድ’ኣምበር ኣንጻር ኦኣመጽን ጸቕጥን ወጽዓን

ጽረ ጭኮና ስርዓት እግደፍ ብቓልዕ ብደርፍታቶም ንህዝቦም ዘማሓላልፍዎ መልእኽቲ ዓቢ ታራ ይጻወቱ ከም ዘለዉ  ንስለቲ ምስጉን ታረኦምን ጊደኦምን ክኣ ወትሩ ነቲ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ንነብሶም የሕሲሞም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ዝበሉሉ ታሪኾም ካብ ምዝካር እውን ኣይንቑጠብን።

 

      ብዛዕባ እቶም ማእቶት ምህርቲ ህግደፍ ዝኾኑ ሙዚቀኛታት ንዝምልከት

           እቶም ንብዓት ህዝብና ዘይዓጅቦም ንዝሓለፉ ኣማኢት ኣሻሓት ጀጋኑ ስው’ኣትና ንዝተበጀውሉ ዕላማ ተኻሒዶም እና’ራኣዩን እና’ሰምዑን ንግዝያዊ ረብሖኦም ክብሉ ንመንእሰይ ኤርትራ ብደርፎም ገይሮም ከማኣቶም መካዕበቲ ማእቶት ህግደፍ ንኾኮኑን ተኻላኸልቲ ውልቀ መላኺ ዲክትድይተር ኢሳያስ ንኽኾኑ ኣብ ምክልኻል ዝጠፍ’ኡ ዕሸላት መናእሰይ ብደርፎምን ብምዚቆኦምን ተኻፈልቲ ናይ ጥፋት ከም ዝነበሩ ንሕማቕ ታሪኾም ካብ ምግላጽ ንህዝብና ኣይንቑጠብን ኣብዚ ንእግረመገድይ ክብሎም ዝደሊ ዝኾነ ስርዓት ሓላፍን ተቀያርን ተገምጣልን ከም ምኻኑ ከተንብሃሎም ከለኹ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ታሪኽን ህዝብን ነባሪ ዘይ’ቕየር ከም ምዃኑ ምኽረይን ምዕዶይን ክልግሰሎም በሓን ይስማዓኒ እናበልኩ ናይ ጹሑፍ መልእኽተይ ኣብዚ ይዛዝም።      

    

       ውድቀትን ዕንወትን ን’ኣረሚን ንስርዓት ህግደፍ

      ምእንቲ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዓወት ክቃላጠፍ

      ኩልና ንሓድነት ንቃለስ ሽርሒ ዘይብሉ ቀጠፍጠፍ

      ናይ ስው’ኣትናን ስንኩላትናን ዕላማ ጋህዲ ከይ ገበርና

       ፈጺምና ዘበት ኣላሽ ኣይንብልን ኢና ክሳብ ዘለና

 

          ብገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2386

Posted by on Dec 15 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net