ኣየ መልክዕ ንሓደ ውራይ በበይንኻ ዳስ

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

ኩብራት ተኻታተልቲ ተዓዚብካ ቂር እና በለካ ስቕ ምባል ኣብ ናይ ለውጢ ምኣዲ እሳተፍ ኣለኹ ንኽትብል ኣሸጋሪ ስለ ዝኾነ ከም ደላይ ለውጢ መጠን ደላይ ሓድነት ኴንካ ኣሳራርሓኻ እንተ ዘይ ሓቢርካ ብኸመይ መገዲ ደላይ ለውጢ ምዃንካ ኣብ ህዝቢ ክትላለ ንዝብል ኣይ ተመለሰን ኣሎ፥ እዚ ክሳብ ዘይ ተተግበረ ክኣ ህዝቢ ኣይ ከለልየናን ኢዩ።

     ኩቡራት ተኻታተልቲ ኩልና ክንካታቶሎን ከነንብቦን ከም ዝቐነና ገለገለ ውድባት ነናተን ብዓላት ክገብራ ጸኒሔን ኣለዋን እቲ ውራይ ውራይ ሃገራዊ ብዓል ኢዩ፥ ሃገራዊ ብዓል ክኣ መዘከሪኡ ክቡር መስዋእትነት ደም ናይ ኤርትራውያን ስለ ተኽፍሎ ሃገራውያን ብሓንሳብ ኮይኖም ዘብዕልዎን ዝዝክሩዎን ብዓል እዩ፥ ካብዚ ሓሊፉ ተሪፉ በበይንኻ ዳስ ንሓደ ውራይ መልክዕ ከሊኡስ ድሕረትካ ዝገልጽ እምበር ምዕብልናኻ ዝገልጽ  ናብ ህዝቢ ዝወርድ ዕዳጋ የቡልን ግደ ሓቂ።

    ኣብዚ ሓደ ሙኽኑይን ሩኡይን ዘየቃራርብ ነገር እቲ ናይተን ውድባት ፕሮግራማት ክህሉ ይኽእል ኣብቲ ብሓደ ከሳርሓካ ዝኽእል ሃገራዊ ብዓላትን፥ሰላማውዊ ሰልፍን፥ናይ ሓባር ተጻኢ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ከም ተውድቅ ሓቢርካ ብሓደ ዘይ ምስራሕ ኣነንነት እንተዘይ ኮይኑ ምኽኑይ ኣይኮነን ከም ፍረ ውጺቱ ብህዝቢ ጠመተ ተመዚና ብሓቂ ንህሰ ኣለና፥ ዝሃስየና ጎንታት እንተ ዘይ ጸጊናን ፈቲሕናን ምስ ቁስልኻ እና ተሳቐኻን እና ተሃሰኻን ነዊሕ ኣይጓዓዝን ኢዩ።

    ህዝብና ኣብ ጎንና ንኽሳተፍ  ብዙሕ ኣይ ሓተተናን ሓንቲ ጥራሕ ኢዩ ሓቲቱና ዘሎ !!!!  ሕቱኡ? ኽኣ ሓጻር ንጽርቲ   ኣርባዕተ 

ፊ  ደ  ላ  ት  እሰን  ክኣ  ስ ም ረ ት እትብል ቃል ክሳብ ሕጂ  ናይ ሕቱኡ መልሲ ሲኢኑ ኣሎ፥ እዛ ሕቶ እዚኣ ከይ ተመለሰት ኣብ ጎኑኹም ቅርብ ኣይንብልን ኢና ኢሉ ኣቅቢጹስ ደጌፈታ ሓገዙ ተሓሪሙና ኣሎ ኣብክንዲ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ በቢ ውድብካ ዕንክሊል መዋእል ዕንክሊልካ ካብ ዘይ ምምዛን ሓሊፉ ካልእ ኣየስምዕን ኢዩ።

       ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝመጽእ ኣኼቡኡ ብዛዕባዚን ቻርተሩን ንዝምልከት እንታይ ዓይነት ቆራጽ ምምሕያሽን ውሳኔታትን ከም ዘሕልፍ ሓፋሽ ህዝብና ብዓቢ ኣቓልቦ እጽበ ከም ዘሎ ፈሊጥካ ህዝቢ ክቕበለካ ዝኽእል ውሳኔ ምሕላፍ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ንዝመጽእ ኣኼቡኡ ቡንኡድ ኣሳራራርሓ ንኽወጽእ ንዓወቱ ይምነ። ሎሚ ኣብዚ መድረኽ ዘለናዮ ብዛዕባ ካብ ህዝቡን ስዓብቱን እናተነጸለ ዝኽይድ ዘሎ ኣብ ጥርዚ ገምገም ጸድፉ ቀሪቡ ዘሎ ቦኽባኽ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ክንዲ ብኣኣቶም ኣልዒልካ ምዝራብ  ብአስተዋጽኦ ፍረ ተቓውመና እንታይ ኣድሚዕና፥እንታይከ ኣጉዲልና፥ ተሪፉ ዘሎ ዘይ ተሰርሔ ናብ ዓወት ዘምርሕ ወዘተ ዝብል ዛዕባታት ኣልዒካ ምርድዳእ ካብኡ ናብ ስራሕ ምብጋስ ጥራሕ እዩ።

         እወ ሓደ ዓቢ ለውጢ ምጽንባራት ሰለስተ ውድባት ኣብ ተቓውሞ ደንበ ይረኤ ድኣምበር ኣኻልድዩ ንዝብል ሕቶ መልሱ ኣካሊ ኣይክነን ሃገራዊ ሓድነት ክባሃል እንኮሎ ናይ ኩሎም ሃገራውያን ዝሓቁፍን ዝጥርንፍን ሓድነት ቁዋምካ ኣማሓይሽካ ኣብ ትሕቲ ጽላል   ቅዋም ተጠርኒፍካ ምስ እትጓዓዝ ጥራሕ እዩ ከታኣማምነካ ዝኽእል እሞ ካብዚ ብምብጋስ ኤ.ሃ.ዲ. ኪዳን ንዝቃራረብ ዘሎ ኣኼቡኡ ንውሳኔታቱ ኣብ ህዝብና ተቐባልነት ረኺቡ ሓገዙ ዝህፍትመሉ ውሳኔታት ንኽኸውን እናተመነኹ ንሓደ ውራይ በበይንኻ ዳስ ክውግድ ከም ዘለዎ ኣጥቢቐ የታሓሳስብ።

   ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

  ዕምሪ መግዛእቲ ህ.ግ.ደ.ፍ የሕጽሮ

 ወጊድ ንምፍንጫል ሰራም ተመኩሮ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2390

Posted by on Mar 26 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net