ኣብዘይ መንጠ’ቢትካ ዘእተ’ኻያ ኢድካ ሃገርና ክተጽንት ናይ ብሓቂ ደንጉያትካ

ብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

 

ኩብራት ኢርትራውያን ብቐዳምነት ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2007 ዕመተ ፍትሕን ራህዋን ዓመተ ለውጥን     ይግበረልና።ብምቕጻል ንዲክታይተር ውልቀ መላኺ ተባዕ ጅግና ንዑኡ ዝኸውን ሰብ ዝሳኣነ ንሃገር ስማን ልምጽማጻን ዘር’ኣን ከጥፍእ ኣጽናቲ ዕላሙኡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ይኹን ዂኖ ሃገርና ሰጊሩ ዝገብሮ ዘሎ ለካሚና ዝኾነ ዕላሙኡ ን’ኸዕውት ድቃስ ዝሳኣነ ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኢድ ኣታውነት ኣብ ግዳይ ሶማል ንሓልዮትን ንርህራሄን ህዝቢ ሶማል ዝመስሎ የዋህነት ምዃን ጥራሕ እዩ ።

 

    ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ሩህሩሁን ሓላይን እንተ ዝኾውን ነይሩ ንህዝቡን ንሃገሩ ቁዱም ምሓለየን ምራህረሄን ነይሩ ንህዝቡን ሃገሩን ብተራእዩን ተሰሚዑን ዘይ ፈልጥ ጨካን ፍጻሜታትን ጨካን ኣታሓሕዛን ምሕደሩኡ ዘንጊዑ ተማጻደቒ ናይ ሶማል ክኸውን ንመንዩ ክሽፍጥ፡ ሓሶት ቁርሱን ክድዓተ ጥልመት ምሱሑን ቅብ’ኢ ጸለመ ዝድራሩን  ሕጂውን ኣብ ተለቪዥኑ ድሕሪ ምትሓዝ ዋና ኸተማ ሶማልያ መቓድሾ እቲ ህዝብና ብጥሙዩን ብዕሩቑን ምልየናት ሓገዝ ዝህቦ ዝነበረ ሽኮር ኣብ ማይ ኮይኑ ምስ ረኸቦ ብሕርቃን ዝ’ኣክል ተቆቲዑ ን’ኢትዮጵያን ንኣመርካን እዚ ዘይ እባሃል ጸርፍን እዚ ዘይባሃል ኣነዋሪ ቃላትን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ስእሉ ትሪኢዎ ዘለኹም ብማዕከን ተለቪዥኑ ናይ ዘሕለፎ ሓገዝ  ፍሽለት ምስ ተሰከመ ቁጣዔን ሕርቀትን ዝመል’ኦ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል።

 

        ብናይ ውግእ ሃጸያት ተደጊፋ ወያነ ኣብ ርእሲ ሶማልያ ዝገበረቶ ወራር ንግዚኡ ከም ዓወት ትቖጽሮ ትኾውን ኣስፊሑን ኣዚሩን ዘይ ሓስብ ወያነ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ከም ምኻኑ ግን ኣይ ሓሰበሉን ይብል ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኢሳያስ  ኣስዒቡ ዝሕግዞ ዝነበረ ሓገዝ ታርጌት ዕላሙኡ ስለ ዘይ ወቖዔ ነድሪ ዝተሓወሶ ቁጠዔ ብ’ኣመሪካ ኣልዒሉ መግለጺ ክህብ ከሎ ይብል ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ካብዚ ናይ ሶማል ዘይ ፍለ ወራር ገይራ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓንቲ ኣየላን ሕጂውን ኣመሪካ ብወያነ ገይራ ንሶማል ሕጃታ ክብል ጸርፍታት ዝታሓወሶ ዘይ ብረሲደንታዊ ዕዋላዊ ዝኮነ መግለጺ ኣብ ርእሲ ዘይ ክእሎ ሃይሊ ኣመሪካ ህረምና ዝዓይነቱ ንተግባራት ኣመሪካ ከጸልም መሊሹ ይብል ኣመርካ ንኻሎኦት ሃገራት ኒክለራዊ ኣጽዋርኩም የዕኑዉ ምክንያቱ የእሙሮ የብልኩምን ኣነ ኢየ ጥራሕ የእሙሮ ዘለኒ ብጀካይ ኒክሎራዊ ኣጽዋር ካል’እ ክሕዞ የቡሉን እናበለት ናይ ኪናት ሃጸይ ኣመሪካ ንዓለም ድቃስ ከሊኣቶ ኣላ ኢሉ ናይ ኮርያን፥ኢራንን ጥቅሲ ኣና ተቐሰ ብጸርፍታት ኣሰንዩ መግለጺ ክህብ ከሎ ኣንታዩ ዝዕድመልና ዘሎ?

     ህዝቢ ኤርትራ’ኸ ስጋብ እንታይ ዝወርድና ኢና ንጽበዮ ዘለና

 

  ንዕድመ ጥፋትና ኢደ እግርና ኣጣሚርና ስቕ ኢልና ክንጽበ የዋጻጽ’ኣና’ዶ ብዲክታይተር ዝተዓደመ ጥፍ’ኣት ዘዋጻጽእ እንተ ዝኾውን  ንህዝቢ ዒራቕ መዋጻጽ’ኦ ነይሩ ኣዚ ብቑዕ መረዳኣታ ኢለ ኢየ ዝ’ኣምን። ኣብ ዓለም ዝኾነ ዲክታይተር ክጠፍእ ኮሎ ንውልቁ ጥራሕ ኣይጠፍእን’ዩ ንህዝቡን ሃገሩን ለኪሙ’ዩ ዝጠፍእ።  ሕማቅን ሰራምን ምሳሌ ተበለጽቲ ድሕረይ’ሲ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ዲግዲጊት ዕጥቂ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ዝመርሕ  ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ ሰላምን ርግ’ኣትን ክርከብ ዝብል ትጽቢት ዘሎዎም ዜጋታት ካብ ምድቃስኩም ተባራበሩ እዚ ኣብ ዘይ ዓቕምኻ ጸርፍታት  ዕድመ ጥፍ’ኣትኩም ከም ምዃኑ ናይ ለባማት ኣትሪርኩም ንድሕነትኩም ተቓወሙ።

    ተጸረፍቲ ንውልቀ መላኺ ዲክታይተር ስርዓት ኤርትራ ንምርካብ ምንጭታቱ ከይ ደምሰሱ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ክረኽብዎ ከምዘይ ይኽእሉ ብንቕሓት ተገንዚብኩም ንህዝቢ ኤርትራ ተሃረምትን ተደብደብትን ምንጭታት ውልቀ መላኺ ከይ ኮውን ምኹናን ንውልቀ መላኺ ዲክታይተር ስርዓት ኢሳያስ እዋኑ ሕጂዩ።

   

  ዝኸበርኩም ዝኸበርክን ኩቡራት ዜጋታት ኤርትራ  

          ብህልቀት ዝበኸየን ዝሓዘነን ዝተደቑሰን ዝደኸየን እምበር ብህልቀት ዝተሓጎሰን ዝማዕበለን ንቅድሚት ዝሰጎመ ኣብ ዓለም የለን ኣይ ተራእየን ኣይ ተሰምዔን!!! እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ባዕሉ ዝተሸየመ ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኢሳያስ ዓቕሙ ዘይ መዝን ንሃገር ሰላም ከሊኡ ኲኖ ሃገር ሰጊሩ ሓዊ ዝ’ኣጉድን ዕድመ ናይ ጥፍ’ኣት እና ረኤናን እና ሰማዕናን ኣብ ዳስ ዑሉላት ተበለጽቲ ምዚቀኛታቱ  ማእቶት ንምንዋሕ ዕድሚኡ ዄና ምስዕሳዕ ክሳብ ምዓስ???  ይ’ኣክል   ይ’ኣክል   ወረ   ይ’ኣክል           

ውሕጅ ከይ መጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ እዚ ድቦላታት ጸርፍን ውርደትን ንሃገራት እንዳማትካ እሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣንጻሮም እና የዕጠካን እና ኣስነካን ነየናይ ሽግር ኤርትራዩ ኽፈትሕ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንውሕ ህዝብና ሽግሩ ብሰላም ከይ ፈትሕ ቡዂናት ግዚኡን ዕድሚኡን እና ኣጥፋእካ ኣብ ዓውደ ሸበራን ራዕድን ደቕዲካ ሕቶ ህዝብን ሃገርን ንምቕሃም ክሳብ ምዓስ???

 

              ኣስተውዕል ህዝበይ ከም ሰብ እሞ ንማራመር

 ኣመሪካ ን’ዒራቕ ክትወቕዓ ምስ ሓሰበት ዲፈንስ ምኒስተር ኣመሪካ ነበር Mr.Donald H.Rumsfeld ን’ኤርትራ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ን’ዕራቕ ክንሃርማ ኢና’ሞ ነታ ነፋርቲ ናይ ውግእ ትሕዝ መርከብ ኤመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክንዕሽጋ ኤርትራ ተፍቅድልና ዲኺ ምስ በለቶ መልሲ ውልቀ መላኺ ኤርትራ ሕራይ ተጠቕሙ ግደፍዶ ቀይሕ ባህሪ ወታሃደራት እውን ሓገዝ እንተ ደሊኹም እውን ክንህበኩም ንኽእል ኢና ምስ በሎ Mr. Donald H. Rumsfeld ብወገኑ ነዚ መልሲ እዚ ምስ ሰምዔ ብዋጋ እንታዩ ወታሃደራት ክትሕግዘና ምስ በሎ ብናጻ ከም ዝበሎ  ስዓብቱ ፈናን ተሰሚዑዎም ኤመሪካ ሕጅናያ ኢሎም ዝጃሃርሉ ዝነበሩ ናይ ትማል ታሪኽ’ዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ቦቱኡ እናሃለወ ብዕለት 29/12/2006 ድሕሪ መቓድሾ ምስ ተታሕዘት ን’ኣመርካ ከጸልም ከሎ ኣመሪካ ናብ ዒራቕ ወረራ ዝገበረቶ ኣብ ዒራቕ ትገብሮ ዘላ ግፍዒ ኢዩ ክብል ከሎ ዎዮ ዋላ ወታሃደራት ንወራር ክንሕክዘኩም ዝበሎም ን’ኣመርካ ድኣ እንታእዋኑ ረሲዕዎ።

     መልእኽቲ ንውልቀ መላኺ ዲክታይተር’ን ቀንዲ ስዓብቱን 

         ሰነድና ቅድም ተገብረን ተፈጸመን ተባህለን ድሒሩ ዝግበር ዘሎን ዝፍጸም ዘሎን ዝባሃል ዘሎን ብጹፉፍ ኣታሓሕዛ ተታሂዙ ከም ዘሎ ኣይትስሓቱ ይናሕ ይሕጸር ማዓልቲ ራህዋ ማዓልቲ ብርሃን ማዓልቲ ፍትሕን ሓርነትን ምዓልቲ ፍርድን ከምዘላ ኣይትስሓቱ ዋጋ ጥልመት ዋጋ ዕንዋት ዋጋ ሕሰም ዋጋ ብኽያት ዋጋ ስደት ዋጋ ዓዶም ተኸልኪሎም ምስ ቤተሰቦም ብናፍቖት ብሞት ተሳናበቱን ዘለውን ክትከፍልዎ ከም ምዃንኩም ከነዛኻኽረኩም ንፈቱ።

 

      ንሕና ሰብ ማሕላ ሰብ ሕድሪ ተሓለቕቲ ህዝብን ሃገርን ግን ስጋብ ስዒርና ኣብ ቤት ፍርዲ ነቅርበኩም ዘታኣታተኹሞ ብልሽውናን ዝጸየኩሞ ባህልታትን ነዔርዮ ኦፋይ ከምዘይ ንብል ተሪር መልእክቲ ነሕልፈልኩም

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2392

Posted by on Dec 30 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net