ተመሲሕካ ተደረር ናይ ህግደፍ ኣታላሊ ሜላ

ተኻታተልትን ተጣበቕትን ሃገርን ህዝብን ዝኾንኩም/ን ኩቡራት ከመይ ቀኒኹም/ኽን ክመለኹም ኣይ ትበሎ ክነታት ተኻታተሎ ድኣ ኮይንና እበር ክነታትኩምስ ኣብ ስክፍታ ሃገርኩምን ስክፍታ ህዝቡኽምን ክሳብ ክንደይ ኢዩ ክሳብ ምዓስዩ ህዝብናን ሃገርናን ብህግደፍ እና ተረገጸ ኣብ ደልሃመት ክነብር ካብ ዝብል ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ተበጊስኩም ኣብ ኑሮ ሻቕሎት ስክፍታን ተዋሒጥኩም ከም ዘለኹምስ ኣይሳሓትኩዎን እናበልኩ ናብ ዋና ትሕዝቶ ኣርእስተይ ክሳጋግረኩም።

        ህግደፍ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዝሕስውዎን ዘጸልምዎን መምስ ፈሸሎም ሓስቶምን ጸለሞኦምን ቁሉዕ ኮይኑ ካብ ህዝቢ እናተነጸሉ ምስ ከዱ ናይ ፖሎቲካ ባንክ ራብሲ ክሳራ(ጠፈሻ) ምስ ተገንዘቡ ኣብ ህዝቢ ክፍተዉ ነቲ ህግደፋዊ ምምሕዳር ጸሊኡ ኣብ ፈቐዶ ስደት ኮይኑ ናብሩኡ እናመርሔን ደቁ እና ኣምሃረን ዝነብር ህዝቢ ክምጎስን ክናኣድን ሓላይ ተመሲሉ ንዘይ ምሃሮም ተማሃሮ ሃይስኩልን ዩንቨርስትን ብመማህራን ኣኣብ ዝርከቡሉ ስደት መንግስቲ ሃገራት ተማሂሮምን ተመልሚሎምን ብግራጅወይት ተመሪቖም ናይ ፍረ ጻዕሮም ናይ ምውዳእ ትምሕርቶም ዘውህለልዎን ዝጻዕርዎን ዝኣከብዎን  ዝምስክር ዕላዊ ሰርትፍኬት ተቐቢሎም ክንሶም  ህግደፍ ብኣቋራጭ ንዘይ መልመሎምን ዘይ ምሃሮምን ኣብ  ስደት ዝርከቡ ስደተኛታት ተማህሮ ኤርትራውያን  ዜግነቶም ትምህርቶም ወዲኦም ኢሉ ሰርቲፍኬት ክዕድሉ ከለዉ ለጋሳትን ጉዱሳትን ከብሎም ይኽእልዶ!!!!

          ንመልሚልካን ምሂርካን ዘይ ኣመረቕካዮም ተማህሮ ሰርትፍኬትዶ ይዋሃብዩ!!! ንተማህሮ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ብጉብእ እጃሞም ዘየበርከቱ ብወሰን ጸኒሖም ሰርትፍኬት ክዕድሉ ኸለውስ ነዚ ህዝብና ክንዲ ምንታዮም ኒዒቆሞ ሰርትፍኬት እኮ ፈቲኻ ኣይዋሃብ ጸሊኣካ ኣይ ክላእ ብጻዕርኻን ብመንፋዓትካን ኢኻ ትረኽቦ ህዝብና ነዚ ኣይፈልጦን እዩ ተባሂሉ ካብ ዘለዋም ንዕቐት ተበግኦሶም ተታሓሒዘሞ ዘሎው ተበላጺ ተበጉሶ እዩ ህዝብና ኣጸቢቑ ክፈልጦምክ

        ህግደፍ እቲ ሓቂ ኣብ ርእሲ ተማህሮ ዘለዎም ኣራኣእያ እንታይ ይመስልል??? እስከ እቲ ምስዚ ዘይ ምሃርዎም ተማህሮ ሰርትፍኬት ዝዕድልዎ ዘለው ዘይቃዶ ኣረሚናዊ ተግባሮም ንመልከት ኣብ ከረን እና ተማህሩ ከለዉ ኣብ ቤት ትምህርቶም ከም መደበር ጸላኢ ኣካቢብካ ትሕዞ ንቢትምህርቲ 17 ኣውቶቡሳት  ቀሪብካ ከርዲንካ ብጃምላ ካብ ትምህርቶም ኣቋሪጽካ ብሓይሊ ሓላውቲ ስልጣኖም ክኾኑዎም ስድራቤቶም ብኣውያት ኡይ ደቅና ተዘሚትና እናሉ ብርህራሄ ዘይብሉ ባርበራዊ ግፍዒ ኣብ ርእሲሲ ተማህሮ ዝተኻየደ ናይ ትማል ተዘክሮ እኳዩ።

          ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ብኣድራጋ ቶኽሲ ዝተረሸኑ ተማህሮኸ ተረሲዑ ድዩ ፋይላትና ንኣታሓሕዛ ገበኖም ብጹፉፍ ኣሎ ኣይ ክንሳደድን ኢና ህግደፍ ከም ነፋሒቶ ሚላና እና ቐየርና ነዊሕ ዘየጓዕዝ ናይ ዊዒልካ ሕደር ሽጣሮኦም ንግዚኡ እካ ኣዳናጊሮም ዊዒሎም እንተ ሓደሩ ካብ ተሓተቲ ምኻዃን ኣምለጡ ማለት ግን ዘበት እብል ኣለኹ ቃለይ ተኻታተሉ።

        ንተማህሮ ካብ ትምህርቶም ኮሊፎም ብሓይሊ ብረት ኣስገዲዶም ኣይፋልኩምን ግደፉና እና ተማሃርና ነቶም ጽዒሮም ዘዕበዩና ክብራት ወለድና ክንኣሊ  ንስልጣንኩም ኣሓለውቲ ክንከውን ኣይ ጽዓርክምልና ኣያዕበኹምና ትገብሩ ድኣ ግበሩ እምበር ንሕናስ ኣገልግልቲ ናታትኩም ክንከውን ኣይንመርጽን ኢሎም ተቓውሞኦም ምስ ኣስሙዑ ብመኻይን  እነትረታት ጺዕናም ናብ ደንከል መደበር ዊዓ መርየት ሃሩር ክሓስሙ ምእንቲ ተባህሎም ከም መቕጻዕቲ ብሓሩር ዝኣክል ንቖርበትም ለበዳ ሕማም ከም ዝልበዱ ብጨካን ዲክታይተራዊ ፍርዲ ኣብ ርእሲ ተማህሮ ዝፍጽም ጨካን ስርዓት  ሕጂ ኣብ ውጻኢ ንዝርከቡ ብዓሎም ዘይ ምሃርዎም ተማህሮ ሰርትፍኬት ብኣቋራጭ ክዕድሉ ኸለዉ እቶም ወይጦታት ናቶም ብጣቂዒት ከሰንዩዎም ከለዉ እንስሳ ዘቤት ድዮም እንስሳ ዘገዳም ኢልካ ናበይ ከም ተጸጎዕም ይጠፋካ ዘስደምም ክኣዩ፡ ሕሱር ማዕረ ነብሱ የሕስረካ ከም ዝባሃል ብመጣቓዕቲ ህግደፍ እውን ሃገርና ኤርትራ ንሕሰመ መከራን ህልቀትን ብርሰትን ስደትን ሓሶትን ትልመትን ኣሳጢሖም ክብሪ ሃገርን ህዝብንዘይ ፈልጡ ፈላጣት ኢና ባሃልቲ ብሂል ክደግሙ ዝውዕሉ  ብሓቂ ሕሱራት።

             ኣቢዚ  ክብሎ ዝደሊ ግን ብሓጺር ኣዛራርባ ንግዝዩኡ መርየት ትጸልምት ድኣ እምበር መርየትስ ራህውን ሰላምን ቅሳነትን ሕጃ ባውዛ ወሊዓ  ክትበርህ  ከም ምኻና ተጠሊዔ ሽመይ ቀሊዔ

               ምስክር ይኹን ቃለይ ዝሰምዔ

                                      ይስማዕ ዘይሰምዔ

                         እወ ክትውግሕያ እዛመርየት

                        ዓጽመ ስጋ ጀጋኑ ኤርትራውያን

                            ንብላሽ ኣይክኸውንንዩ

                        ካብ ገብሪሂይወት ኣቡ ዓሸራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2394

Posted by on Jun 20 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net