ልቢ የዕቢና ድነቐጸ ደም ረሲዕና ብመስከረም ዳት ነት ህጁም ኣብ ርእሴና እልትፋፍ ዝተሓዎሶ ጎናዊ መጥቃዕቲ ብኣንተንዮ ተስፋይ

ልቢ የዕቢና ድነቐጸ ደም ረሲዕና 

ብመስከረም ዳት ነት ህጁም ኣብ ርእሴና

እልትፋፍ ዝተሓዎሶ ጎናዊ መጥቃዕቲ

ብኣንተንዮ ተስፋይ     

ብብሕሉፍ ተመኩሮ ክትማሃር እንተ ዘይ ካኣልካ ዝገበርካ እንተ ገብርካ ሎውጢ ክመጽእ ኣይክእልን ኩላቶም ውድባት ሃፍታም ተሞኩሮ ኣልዎም ኢለ እየ ዝኣምን ተሞክሮታትና ስለ ምንታይ ዘይንጥቀመሉ ምዓስ ተረሲዑ ከምዚ ሎሚ ኾነ ሓምለ ኾነ ዓባይ ተ.ሓ.ኤ (ጀብሃ ዓባይ) ሓንትን ስትምትን ዓባይ ውድብ ከላ ኣብ ማእከላ ተጋደቲ ናታ ክመስሉ ብርት ጀብሃን ረስሚ ጀብሃን ለቢሶም ንምፍሻል ጀብሃ ጻዕሮም ምስ ተጽንቀቐ ንመራሕቲ ጀብሃ ኣባላት ሶውራዊ ባይቶ ኣብ ምቕንጽል ዝተዋፈሩ ተረሲኦም  ድዮም እቶም ገስግስቲ ጀጋኑ ስዋኣት ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሶባ  ኣሸሂድ  ኣል በጠል ዓብደል ቃድር ሮሞዳን ኣሸሂድ ኣል በጠል ዓሊ ምሓመድ እብራሂም ረስሚ ጀብሃ ብረት ጀብሃ ዝለበሱ ተቓለስቲ ብዝብል ሽም ለቢሶም ኣብ ርእሲ ገስገስቲ ኣባላት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ሶባን ካሎኣት ኑጽሃት ተቓለስቲ ምስኦም ዝነበሩን ናይ ቅትለት ፈጽሚ ነዚ ተመኩሮ ዚ ዝስሕት ኣባል ናይ ቀደም ጀብሃ ዓባይ ኣሎድዩ።? ቐንጸላ ገስገስቲ መራሕቲ ጀብሓ ተቐንጺሎም መን ረቢሑ???

   እቲ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሃስዩ  ኢሳያስ ክኣ ተዓዊቱ

      ኣብዚ ግዝየ እዚ ኽኣ መስከረም ዳት ኔጥ ዎዮ ድኣ ክእለትን ዓቕምን ሓጽጺሩዎ እምበር ተቓዋማይ መሲሉ ኣብ ውሽጢ ተቃውሞ ደምበ ምኽኒትን ነቓዕን ሃሰስ ኢሉ ፋሕ ጨንገራሕ የእትዩ ንተቓውሞ ደንበ ከበርዕን እሞ ጎይቱኡ ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኢሳያስ ብደይ ስክፍታ ዕድመ ስልጣኑክነውሓሉ ደይ መደይ ኢሉ ዝሰርሕ ዘሎ ከም ምኻኑ ካብቲ ምዓልታዊ ተግባራቱ ንዕዘቦ ዘልና እኹል መረዳእታ ጭብጢ እዩ። ሕጂኸ ኣብ ተቓውምቲ ደንበ ነቓዕ ሃሰስ ኢልካ ንተቓውሞ ደንበ ንምብርዓን መንዩ ክኸስብ።???

       እቲ ሓቀኛ መልሲ ንጠቕሚ ውልቀ መላኺ ዲክታአተር ኢሳያስ ዕድሚኡ ዘንውሕ ጥራሕ ኮይኑ ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢ ዕንወት እዩ

ናይ መስከረም ዳት ነጥ ህጁም እኳ ኣድራሹኡ ፈሊጥ

እልትፋፍ ጎናዊ መጥቃዕቲ ብ ኣንተንዮ ተስፋይ ከ ናበይና ከነጸጉዖ

ተቓወማይ ኣባል ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ከም ምኻንካ ኢና እንፈልጥ ተ.ሓ.ኤ ሶባ ኣባል ኤ.ሃ.ዲ ኪዳን ከም ምኻኑ ኢና ንፈልጥ ግ.ሃ.ድ.ኤ ድማ ኣባል ኤ.ሃ.ዲ. ኪዳን ከም ምኻኑ ተፈልጥ ኢኻ ንመን ውኪልካ ኢኻ ምስ መስከረም ዳጥ ነጥ ተኣሳሲርካ እዚ ኹሉ እልትፋ ጎናዊ መጥቃዕቲ።

      ንሕና ከም ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኢርትራ መጠን ንዝነበረ ጽልእን ቅርሕንትን ድሕሪት ደርቢና ኣብ ጽቡቕን ሕማቅን ከም ብሓንሳብ ዝነበርና መጠን ከም ኣባላት ኤ.ሃ.ዲ ኪዳን መጠን ኢሂን ሚሂን እና ተባሃሃልናን እና ተዓዳደምናን ቃልስና ኣብ እነሳላስለሉ ሰለና እዋን ንቑጽ ደም ተተርክስ ከም ዘለኻ ይርዳኣካ ዶሎ??? ኣባላት ግምባር ድሕነት ብረድዮ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዋሽንቶ ዲሲ ዘቃልሕዎ ናቶም ሪኢቶኦም ከም ምዃኑ ብስእሎምን ጽሑፎምን ኣቃሊሖም ክንሶም ኣንተንዮ ተስፋይ ኣብ ጎኒ መስከረም ዳት ነጥ ኴንካ እልትፋፍ ጎናዊ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሲ ውድብ ግ.ሃ.ድ.ኤ ዝወርወርካዮ ናይ ብርዒ ጠያይቲ ተመልኪትናዮን ተዓዚብናዮ ከም ኣባሓህላኻ ተግባርካን  እንተኾይኑ ናዕናውን ብናትካ ጌጋ ንውግእ ምስ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሶባ ትዕድመና ኣለኻ በቲ ናትካ ጌጋ ንውድብ ተ.ሓ.ኤ ሶባ እምብልና ኣይንዕደምን ንውግእ ኣብ ኢሂን ሚሂን ዝበጽሔ መስርሕ ዎዮ ድኣ ጡዑይ ዓራቒ ተሳኢኑ እምበር ብጾት ኢና ኔርና ብሓንሳብ ሓቢርካ ምስራሕ እንምበር ክምቲ ናትካ ከነጥቅዕ ተልእኮና ኣይኮነን።

 

    ኣብ ዝሓለፈ ምጥቕቃዕቲ እንታይ ከሲብና ንርእሴና ተጎዲእና ተስፋ ህዝቢ ከም ዝጎዳእና ክትመዝንን ክትልክዕ ነይሩካ ምስ ጀጋኑና እቕረ ከይተ ባሃሃልና ኣብ ዓዲ ጓና ዝቐበርናዮም ጣዕሳ ይኹንካ ተጣዒስካ ተናሲሕካ ነቲ ተሰዉኡሉ ዕላማ ብሓበራዊ ቓልሲ ከተዔውት ከነዕውት ክንጽዕር ድኣ ኣሎና እምበር ናብ ዘየድሊ ምኻድ ዋጉኡ ሑሱር ምዃኑ ክትርዳእ ይዕድመካ።

 

  ብተወሳኺ ከርሲ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኣብ ግምት የእቱ ኣብ ጥቕሲ መራሕ ቻይና ነበር ብ1976 ዝተሰወኤ ማውቲስቶግ ንመረዳእታ ክኾነካ ኩሉ ተተጋዳላይ ተጋዳላይ ማለት ኣይኮነን ተጋዳላይ ከብሎ ዝኽእል ንዕላሙኡ ምስ ዝስዋኣሉ ወይ ክኣ ናብ ዓወት ምስ ዘብጸሖ ጥራሕ ኢዩ ካብኡ እቲ ናይ ብሓቂ  ተጋዳላይ ዝብል ሽም ማዓርግ ይወስድ ኢሉ መራሕ ቻይና ነበር ማውቲስቶንግ፥ ምናልባት እዚ ጥቅሲ እዚ ንምንታይ ተደልዩ ክትብል ትኽእል ግን መሃሪ እዩ ተቓወምቲ ተመሲሎም ናብ ውሽጥኻ ነቓዕ ሃሰስ ኢሎም ንዕንወትካ ዝፈታትኑ ከም ዘለዉ ዘጠንቅቕ ኣባላት ዘይብሎም ውድብ ኢና ዝብሉ ብዓበይቲ ውድባት ዝዋረዘዩ ኣይውሓዱን ስለዚ ክልተ ግዚ ኣብ መደቅሲኻ ሃዲህካ ክትሓስብ ምሕጽንታይ ኣቕሪበ ጹሑፈይ ኣብዚ ይዛዝም። 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2398

Posted by on Apr 24 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net