Articles

ግርም ትውድስ

ክትውድስ ክትሙጉስ

ካብ ዘይ ተባረኸልካ

ስልጣን ኣልግስ

ኩብራት ነበብትን ሰማዕትን ተዓዘብትን ብምኽንያት መበል 15 ዓመት ብዓል ናጽነት ባዕሉ ህዝቢ መሪጹን ባሪኹን ቆጽሊ ዘየንበረሉ ብምልኪ ባዕሉ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከሞጉስን ክውድስን ከሎ ዝሰምዖ ምስ ናይ ሕጂ ሃገርናን ህዝብናን ከሕልፎ ዝጸንሔን ዘሕልፎ ዘሎን እሞ ኽኣ ምስቲ ንስለ  ልዕላውነት ሃገሩን ኽብሩን መሰሉን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ እተኸፈሎ ምስ እዚ ሕጂ ህላዌ ሃገርናን ህዝብናን ምስ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈጺሙ ዘይቃዶዩ።

      ብማዕልቲ ናጻነት ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እንቃዕ ኣብዚ ኣብጻሓካ ክብል እንከሎ ንሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ከመይ ዝኣምሰለ መዋጥር ከምዘሎ ሲሒትዎ ዶ ይመስለኩም??? እቲ ጠንቅን ሰርን ባዕሉ ከም ምዃኑኸ ዘንጊዕዎ ዶ ይመስለኩም??? ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንጀረናላት ናቱ ንህዝቢ ረሲዕኩም ንስልጣነይ ህያው ዝገበርኩ ሞጎሰ ይብጻሕኩም እንተ ዝብል መምሓረሉ ሓቂ መሊቁዎ ተስፋ እባ ኣሎዩ

ምስተባህለ።

       ካቡኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግን ናይ 30 ዓመት ብዘስካሕክሕ ማእለያ ዘይቡሉ መስዋእቲ ዓቐን ዘይ ቡሉ ስንክንናን መውዳድርቲ ዘይ ቡሉ ድኻም ጻዕርን ውጺኢቱ ንረብሓ ውልቀ መላኽን ውሑዳት መጋበርዩኡን ካብ ምዃን ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ብተራእዩ ዘይ ፈልጥ ካብቶም ዝሃለፉ ቀዳሞት ገዛእትን መለኽትን ዝግደደን ዝሓሰመን ጨካን ከም ንህዝቢ ኤርትራ ዘይ እንታዩ ምልከ ግዝኣቱ ቀዳማይ ሰሪዑ ዝኸይድ ብሰንኪ ሰራም ግዝኣቱ ከም ፍረ ውጺኢቱ ሃገረ ኤርትራ ረቢሓ ክባሃል እንተ ኾይኑ እስከ ነዚ ዝስዕብ ንመልከትን ነንብብ እሞ መለኪዒ ሚዛና ነቐምጥ

1. ኣብ ክንዲ ምስ ጎራባብትኻ ሰላም ህውከት ኣጒድካ ማኣለያ ዘይብሎም መንእሰያት የህሊቕካ  እዚ ድዩ ረብሓ?

2.ንሃገረ ኤርትራ ንመጻኢ ብሩህ ራኢ ብልጽግና ኮሊፍካ ነቲ ኣፍራይ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ናብሩኡ እናመርሔ ሃገሩ ኣብ ክንዲ ዝሃንጽ ብዘይ ድልየቱ ምልኪ ስርዓቱ ተጠቒሙ ሓላው ስልጣኑ ዋርድዩኡ ክኾኑ ዝገበረ ሃገር ትረብሕ ኣላ ማለትድዩ?

3. ብሰሪ ጨካን ኣታሓሕዛ ሃገርን ህዝብን መንእሰይ ኤርትራ ነታ የሕዋቱን ኣሓቱን ኣያታቱን ኣቦታቱን ኣዲታቱን ዝኸፈሉላ ዝፈትውዋ ሃገሮም ብሰላምን ብራሕዋን ብርጋትን ብስርዓትን ብፍትሕን ኣብ ክንዲ ዝቕመጥዋ ሃገረ ሹኦልን ሃገረ ግፍዕን ሃገረ ጨካን ማእሰርትን ሃገረ ጻማ ርሃጽካ ዘይ ክፈሎ ባርነት ዓዶም ኣጽሊኡ ንስደት ከም ዝባረሩ ዝገበረ ሃገር ረቢሓ ማለት ድዩ?

4.                መዋእሎም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሕዞም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝተቓለሱ ገናውን ዝቃለሱ ዘለዉ ነቲ ኩቡር መስዋእትነት እተኸፈሎ ኩቡር ዕላማ ማዝኑ ሲሒቱ ተጨውዩ ናብ ጠቕሚ ውልቀ መላኺ ረብሓ ዊዒሉ ኢሎም ስለተቓወሙ ናጽነት ካብ ዝባሃል እኖሆ 15 ዓመት ኮይኑ ዓዶም ከይ ኣትዉ ተሓሪሙዎም ምስ ስድሮኦምን ቤተሰቦምን ከይ ተራኣኣዩ ብሞት ዝፋላለዩ ዘለው ስድራቤቶም ብናፍቖትን ብጓሂን ዓይኖም ደም ዝሰረበ ኣብ ማዓልቲ ናጽነት እንቃዕ ደስ በልካ ህዝበይ ክብል ከሎ ኣየናይ ህዝቢዩ ደስ ኢሉዎ ዘሎ ንሕዙን ህዝቢ ኽ እንቋዕ ደስ በለካ  ዶ ይባሃልዩ?

5.                ብዲፕሎማስያዊ መዳይ ሃገረ ኤርትራ ጸላኢ እምበር ፈታዊ ዘይብላ ብምኻና እንቋዕ ልብኻ ሓግሰካ ህዝበይ ክብል ከሎ ሃገረ ኤርትራ ብምምሕድሩ ካብ ዓለም እናተነጸለት ስለድኸደት ድያ?

6.                ብቑጠባ ሃብቲ ሃገር ምስ እንዕዘብ እውን ክሉ ጸጋ ሃብቲ ሃገር ተንቃሳቃሲ ይኩን ዘይ ተንቃሳቐሲ ንምልኪ ስርዓቱ ተጠቂሙ ካብ ዝናኣሰት ጀሚርካ ክሳብ ዝዓበየ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ የእትዩ ሃገረ ኤርትራ ርእሰማላዊ ከተፍሪ ኣብዘይ ትኽእለሉ ዓዘቕቲ ሸሚሙ ዝረመሰ ዲክታይተር ሎሚ ኣብ መበል 15 ዓመት ብዓል ናጽነት ከምስል እንቛ ሓጎሰካ ህዝበይ ክብል ሃገር ስለ ዝረመሰ ድዩ?

7.                ብሕብረተ ሰብኣዊ ሸነኽ ምስ እንዕዘብ ከ ንህዝብና ብወገን ብዓልየት ብኣውራጃታት ብሃይማኖት ብቕቢላ ንስልጣኑ ኽብል ፈላሊኻ ግዛእ ውርሻ ቀዳሞት ገዛእቲ ሜሎኦም ተጠቒሙ ንህዝብና ፈላልዩ ዘቃሓሕር ዘሎ መንዩ ኣብ ምፍልላይ ህዝቢ ተጠቒሙ ደስ ዝብሎ ኣብ ማዕልቲ ባዓል ናጽነት እንቛዕ ደስ በለካ ህዝበይ ዝበለ?

            ክብራት ሰማዕትን ነበብትን ተዓዘብትን እዚ ስርዓት እዚ ደሊኻ ዳህሲስካ ጽብቕ ዘይርከቦ ዲክታይተር ስርዓት ሕጂውን ክሳብ እዚ ዲክታይተር ስርዓት እዚ ካብ ሱሩ ሞንቚስና ናብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ክሳብ ዘይ ደርበና ከራሓሕቀናን ከባእሰናን እምበር ንራህውን ሰላምን ርጋትን ክጠራርፈናን ንብልጽግና ሃገር ክመርሓናን ኢልካ ምሕሳብ ገመልሲ ብዓይኒ መርፍእ ሓሊፉ ምባልዩ ነብስና ኣይ ንቐሺሽ ህዝቢ ኤርትራዓቢ ቓልሲ ይጽበየናሎ?  

ሕድሪ ሰማእታትና ክሳብ ዘይ ተተግበረ

ደቂሱ ዝሓድር ዓይኑ ዝደፊነ ብበርበረ

ሕድሪ ስዉኣት ይተግበር ኩሉ ክዕረ

ካብ ገብሪሂይወት ኣቡዓሸራ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top