ን አቶ ሃብተማርያም አብራሃ ዝምልከት ሓተታ

ካብ ማዕልታዊ ብጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝመያየጡ ግዱሳት ኤርትራውያን

Amino305 (Eritrean Unity Room Paltalk)

2006-04-22

ብመጀመርያ ከመይ ቀኒኹም

አብ ርሕቁን ቀረባን ትርከቡ ኩቡራት ኤርትራውያን ሰላምታይ ይብጻሕኩም

ቅድሚ አብቲ ናይ ሎሚ አዳሊየኦ ዘለኮ ሓተታ ምእታወይ አቀዲመ ንሓው ተስፋይ ደጊጋ ወሃብ ቃል ተሓኤ ሰባ ተገዲሱ ንዘቅረበለይ መልሲ ከየመስገንኩዎ ክሓልፍ አይደሊን።  ናይ ሓድነትን ዘተን መአድታት ቀጻሊ ኮይኑ ፍልልያትና አጻቢብና ንህዝብና ካብዚ ዘለዎ ጸገማት ከንገላግሎ ተስፋይ ወሰን የብሉን።

ቀጺለ አብ ናይ ሎሚ ሓተታይ ክአቱ ብዛዕባ ታሪክ ናይ ጀብሃ ብብዙሓት ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ አገባብ ክግለጽ ጸኒሖም እዩም። ነፍሲ ወከፍ ከከም ተረድእኡን ዕግበቱን ክገልጾ ስለዝክእል ድማ ባህሪያዊ እዩ። እቲ አዚዩ ዝገርም ግን ብሓደ ሰብ አብ ዝተፈላለየ መድረካት ብአዚዩ ተገራጫዊ ዝኾነ አገባባት ክገልጾ ከሎ እዩ።

አቶ ሃብተማርያም አብራሃ ደቀባት ብተደጋጋሚ ቃለ መጠየቅ ክገብሩሉ ከምዝጸንሑ ክንከታተል ጸኒሕና ንታሪክ ጀብሃ ብዝምልከት አብ ቀዳመይቲ ቃለ መጠይቅ ብ 2004 ዝተገብረትን አብታ ናይ መጨረሻ ብ 07 ጥሪ 2006 ዝተገብረትን ተጠቂሱ ዘሎ አነጻጺርካ ክትርእዮ ከለኻ ብሓደ ሰብ ዝተገብረ ቃለ መጠይቅ እዩ ክትብል አጸጋሚ ረኪበዮ

ካብቲ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ መጠይቅ ከም አብነት ክጠቅሶ ዝደሊ ብዛዕባ አብ ልዕሊ ስሪየት አዲስ ዝተፈጸመ ናይ ምቅታል ስጉምቲ አብ ቀዳማይ ቃለ መጠይቅ እቲ ገበን ኢሰያስ ዝማሃዞን ንክፍጸም እውን ዓቢ ግደ ከምዝተጻወተን ክሕብር ከሎ አብዚ ናይ መጨረሻ ቃለ መጠየቅ ግን ጅሃዳዊት ጀብሃ አብ ልዕሊ ደቂ ከበሳን ክርስቲያንን ካብ ዝፈጸመቶም ገበናት ሙኻኑ ተገሊጹ አሎ።

አብዚ ከቅርቦ ዝደሊ ንአቶ ሃብተማርያም ሕቶ ታሪክ ምስ መድረኽን ገለ ርብሓታቲን ኣዛሚድካ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ከም ደስ ዝበለካ ዝቀሪብ ዲዩ ወይሲ ዘይቅየር ኣብ ሓቂ ዝተሞርከሰ ፍጻመ እዩ?

አቶ ሃብተማርያም አነ ብወገነይ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ ጀብሃ ይኹን ሰውራና እተቅርቦ ታሪኽን ሓበረታን ክከታተሎ ከለኹ ሓደ ካብቶ አብ ጉዕዞ ሰውራና ዓቢ አስተዋጽኦ ዘበርከቱ አካል ናይቲ ታሪኽ ገይረ እየ ዝፈልጠካ ግን ካብ ገለ ብቀረባ ንፈልጦ ኢና ዝብሉ ዝረኸብኩዎ ሓበረታ ግን ክልእ ኮይኑ ጸኒሑኒ።

ንሱ ካኣ ልክዕ አብ ከተማ አብ ትሕቲ ስርርዕ ከምዝነብርካ ክረጋገጽ እንከሎ አብ 1974 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእካ ንመዳ ከምዝተጸንበርካን አብ መዳ ድማ ጦፍ ናይ ሑሩይ ተላባይሩ ተመዲብካ ከምዝነበርካን ድሕርዚ ካብ ዓዲ ናአምን ብትእዛዝ ናይ ሑሩይ ብጦፍ ተሓሊካ ንአብ መንሳዕ ዝርከብ ሚስዮን  ከምዝሰለሙኻን  ድሕሪኡ ግን አብ መዳ ኤርትራ ከምዘይቀጽልካን ናበይ ከምዘበልካ እውን ከምዘይፈልጡ  ክፈልጥ ክኢለ በል እስከ አቶ ሃብተማሪያም ድሕሪ  አብ መንሳዕ ዝርከብ ሚሽዮን ምስ ሰለሙኻ ቀጻልነት ናይ ቃልስካ አብይ ነይሩ ብሩህ ስለዘይኮነ ከመይ ነይሩ  ነዚ ሰፊሕ ታሪክ ናይ ጀብሃ ከ አበይ ኮንካ ኢካ ትከታተሎ ነርካ መብራህካልና ዶ?   (አብዚ ንእግሪ መንገደይ ክሓተካ ዝደሊ አብ ዓዲ ናአምን ጦፍ ናይ ሑሩይ አብዝነበርካሉ ጊዜ ንባዓል ወዲ ደርዕ አሲርካዮም ከምዝነበርካ እውን ሰሚዔ ሓቂ እንተኾይኑ መእሰሪኦም ምክኒያት እውን እንተትሕብረና ድማ ደስ ምበለኒ )

አቶ ሃብተማርያም አብታ ቀዳመይቲ ቃለ መጠይቅ ብዛዕባ ናትካ ታሪኽ ካብ ዝሓበርካዮ  አነ ወታሃደር ፖሊስ እየ ነይረ ትብል ካብቶም ብቀረባ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ግን ሰራሕተኛ ናይ አንበሳ ኢንሹራንስ  ምስ ፍሳሃየ ወዲ ሓረጎት ኢዩ ዝሰሪሕ ነይሩ ብተወሳኪ ድማ አውቲስታ ናይ ገዛ ናይ ሰይቲ ሓረጎት ምንባርካ ይሕብሩ  ንተኻታታሊ ዝያዳ ንምብራህ አብየናይ ጊዜ ኢካ ወታሃደር ናይ ፖሊስ ዝነበርካ ክትሕብረና ዶ ምካአልካ?

ምስዚ ተአሳሲሩ ክከይድ ዝክእል ሕቶ ድማ አቶ ሃብተማርያም አንበሳ ኢንሹራንስ ተዓጽያ ንስካ ምስ ወዲ ሓረጎ ከምዝተአሰርካ ሰሚዔ እቲ መእሰሪኹም ምክኒያት እንታይ እዩ ነይሩ ሃገራዊ ጉዳይ ዲዩ ወይሲ ውልቃዊ ጉዳይ መብራህካልና ዶ?

ሓንቲ ብዙሕ ዘሰከፈትኒ ጉዳይ ድማ ሰሚዔ አብቲ ማእሰርቲ ብናይ ሓንቲ ማዓልቲ ዝተገብረልካ ሓያል ምርመራ ክትጾሮ ስለዘይካአልካ  ንስሩዓት ናይ ጀብሃ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናይ ተለኮሚኒኬሺን ተሓጋገዝቲ ናይ ጀብሃ ኢዮም ኢልካ ተላፋሊፍካ ከምዘእሰርካዮም እውን ሰሚዔ ሓቂ እንተኮይኑ ክሳብ ክንደይ ሓያል ክጽወር ዘይካአል ምርመራ ምንባሩ ምሓበርካና ዶ?

ንጽልግልግ ዝበለ ዘይብሩህ ሓበረታታት ሓተታይ ቀጻሊ እዩ

ክሳብ አብ ቀጻሊ ሓተታ ንራከብ ድሓን ቀኒዩ

አ ሚ ኖ 3 0 5

2006-04-22

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2410

Posted by on Apr 22 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net