በየነን ባሻይን፡ ዝናውያን ቀነይቲ ኣብ ክልተ ጫፋት

(ካልኣይ ክፋል)

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንኽልተ ካብ ዝናውያን ገጣሞ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ብምውድዳር ወይ ብምንጽጻር፡ ናይ’ዘን ክልተ ውድባት ሰናይ መዳያት ክድህስስ ክፍትን ኢየ ብዝብል ኣወዳዳሪ ቴማ ጀሚረ፤ ንገለ ካብ ናይ በየነ ሃይለማርያም ስራሓት ፈቲሸ ኔረ። ሎሚ ድማ ብዛዕባ ረድኢ ክፍለ (ባሻይን) ስነ-ጽሑፋዊ ስርሑን ሓድ-ቁሩብ ክጠቅስ ኢየ።

ባሻይ፡ ንሰውራ ኤርትራ ኣብ 1975 እተጸንበሮ ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ኢዩ። ሓደ እዋን ‘ውን ኣባል ኮሚተ ካሪክለም ቋንቋ ትግርኛ ኮይኑ ዘግለግለ ተቓላሳይ ኢዩ። ንግጥሚ ትግርኛ ከም ገለ ጌሩ ኢዩ ዝጽሕፎ። ቅሊ (simplicity) ዝቕዱ ምቕሉል ግጥምታት ኢዩ ዝጽሕፍ። ኣብ ዕምብረ ፍልስፍናዊ ህውተታ ኣትዩ ደቦቕቦቓ ኣይፈጥርን፤ ኣየንገርግርን። ነቲ ክብሎ ዝደሊ ብቐሊልን ቁጡብን ቃላት ግን ክኣ ብውቁብ ኣገላልጻን ብስነን ይብሎ። ጽባቐ ግጥምታቱን መልእኽቱን ኣንቢብካ ዘይምኖ፣ ድግም ውዒልካዮ ‘ውን ዘየሰልቹ ኢዩ። ብዛዕባ ባሻይን ግጥምታቱን ዝፈለጥኩ ኣብ 2003 ዓ.ም ጥራይ ኢዩ። ባሻይን መዛንኡ ተጋደልቲ ናይ ጀብሃን፡ ሳላ ህግደፍ እንታይ ተሳኢኑ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብዙሕ ኣይተዘርበሎምን። እንትርፎ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ዝፈልጦ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሞይኦምን ስነ-ጥበባዊ ኣበርክትኦምን ዛጊት ብዙሕ ኣይተፈልጠን ዘሎ። እዚ ድማ ዘሕዝን ነገር ኢዩ።

ባሻይ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ብኣማእት ዝቑጸር ግጥምታት ዝገጠመ ገዲም ተቐናዪ ኢዩ። ተመሃራይ ኰይኑ ተዋስኦ ኣብ ዝደረሰሉ እዋን፡ ኣብ’ታ ስደት ዘርእስታ ተዋስኦ ባሻይ ብዝብል መጸውዒ ከም ዋና ተዋሳኢ ኮይኑ ስለ እተዋስአ፡ እታ ሳጓ ብኸምኡ ለጊባቶ። እታ ተዋስኦ፡ ኣብ ስሳታት ብምትሕግጋዝ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ኣብ ሲነማ ኦድዮን ዝተራእየት ኢያ። እታ ሳጓ ግን ምስ ባሻይ ናብ ሜዳ ቐጺላ፣ ናብ ስደት ‘ውን ምስኡ ኣምሪሓ። ክሳብ ሕጂ ምስኡ ኣላ። ንሱ እንተኾነ፡ “ምሳይ ኰብሊላ፣ ምሳይ ክተቅበር ግዲ ደልያ ምፍላይ ኣብያትኒ” ኢዩ ዝብል ብዛዕባ ሳጓኡ። ባሻይ፡ ድርሰት ተዋስኦን ምጽሓፍ ግጥምን ኣብ ንእስነቱ ኢዩ ጀሚርዎ። እቲ ዝንባለ ካብ ካልኣይ ክፍሊ ኣቢሉ ከም ዝጀመሮ ይሕብር። ኣብ ባህር-ዳር ፖሊተክኒክ ኢንስቲትዩት (ኢትዮጵያ) ኣብ ሰብዓታት ካብ ዝተመረቑ ኤርትራውያን ተመሃሮ ሓደ ኢዩ። በዓል ባሻይ ኣብ ግዜኦም ንመንግስቲ ሃይለስላሴ ብብርቱዕ ሸቦሮ ዘናወጹን ክሳዕ ረድዮ ጀርመን ዶቸ ቨለ ድማ እተቓልሓሎምን፡ እንደራሴ ኣስራተ-ካሳን ሚኒስተራት ናይ ኢዮጵያን ኤርትራን ‘ውን ዘጸለሉ ምዑታት ተመሃሮ ኢዮም ኔሮም።

ካብ ባሻይ ግጥምታት ወሲዶም ዝደረፉ ስነ-ጥበባውያን ሓያሎይ ኢዮም፤ ካብ ጽባሕ (ቀያሕቲ ዕንባባ ናይ ጀብሃ) ዝነበሩ ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቲ ደረፍቲ ድማ ይርከብዎም። ካብ ጽባሕ፡ ኣዝያ ፍልጥቲ ደራፊት ኣልማዝ ዮውሃንስ (ኣጋ ወጋሕታ) ተባሂላ ትፍለጥ፡ ኣብ ጀርመን እትቕመጥ ደራፊት ምጥቃስ ይክኣል። ባሻይ ንኣልማዝ ኣብ 1978 እታ “ኣጋ ወጋሕታ” እትብል መዝሙር ምስ ዜምኣ ስለ ዝሃባ ከም’ቲ ንዕኡ “ባሻይ” እትብል ሳጓ ዝወጽቶ ንዕኣ ኽኣ “ኣጋ ወጋሕታ” መጸውዒታ ኰይና። “ወርሒ መጋቢት ስሳን ኣርባዕተን ቶጎሩባ ዓባይ ሓበን” እትብል ደርፊ ባሻይ ደሪሱ ዝሃቦ ሓደ ካልእ መንእሰይ (ስሙ ክዝከር ኣይተኻእለን) ’ውን “ቶጎርባ” ትብል ሳጓ ዝለገበቶ ኣሎ።

ንዓበይቲ ደረፍቲ ‘ውን፡ ንብዓል ተኽልንክኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ)፣ በላይ ኣውዓሎም (ኣብ ሜዳን ከምኡ ‘ውን ኣብ’ታ ገመለይ እትብል ሲዲን) ባሻይ ሓያሎይ ግጥምታት ደሪሱ ኢዩ። ኣብ ጀርመን ንዝቕመጥ እዮብ ሃይለ፣ ኣብ ካናዳ ንእትርከብ ኣልማዝ ተፈሪ፡ ኣሚነ ጎይትኦም፡ ነጋሽ ተኪኤን ካልኦት ደረፍትን ብዙሕ ግጥምታት ኣበርኪቱ ኢዩ። ኣብ ሰማንያታት፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ኣብ ሱዳን እንከሎ ብጊታር ካብ ዝደረፎ ገለ-ገለ ደርፍታት፡ ከምኡ ‘ውን ገለ ካብ ናይ ዮኑስ ኢብራሂም ናይ ደርፊ ግጥምታት ብባሻይ እተደርሰ ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ባሻይ ንዮኑስ ኢብራሂም ዝሃቦ ግጥሚ፡ “ኲርምቲ ኣንበሳ” እትብል፡ ዮኑስ ኣብ ቦሎኛ ከም ዝደረፋ ባሻይ የዘንቱ። እታ ግጥሚ ድሒራ ኣብ ዓዋተ.ኮም ወጺኣ ነይራ። ናይ ባሻይ ካልእ ህብብቲ ግጥሚ ድማ፡ ገለ ካብ ማይ-ቤታት ናይ’ታ ግጥሚ ብየማነ ባርያ እተደርፈት “ሓፋሽ ኤርትራዊ” እትብል ኢያ። እዚኣ ‘ውን ኣብ ዓዋተ.ኮም ወጺኣ ኔራ።

ካብ’ተን ንመጀመርታ እዋን ዘንበብኩወን ናይ ባሻይ ግጥምታት፡ ፍሉይ ጦብላሕታት ድማ ዘሕደራለይ፡ ክልተ ኣጸቢቐ እዝክር። ሓንቲ ካብኣተን፡ “ወርሒ ጕንበት” እትብል ኰይና፡ ብዕለት 24 ጕንበት 2003 ኣብ ዓዋተ.ኮም ዘንበብክዋ ኢያ። ከም’ዚ ዝስዕብ ድማ ትንበብ፥

 

ወርሒ ጕንበት

እምበር’ዶ ወስኺ ኢኺ ኣቲ ዕለት

መዓልቲ ናጽነት ወርሒ ጕንበት፧

እወ ኢዩ መልስኺ መዓስ ጠፊኡና

ኣዋጅ ናይ ስውኣት ዘይትቐየር ኰይና

ኣበይ ድኣ ኣለዉ እቶም ሰብ ባንዴራ

ውሕጅ ደም ከፊሎም ዘውጽኡኺ ሓራ፧

እምበር’ዶ ——————————–

ክብሪ ዘልበሱኺ ብጥይት መጕቶም

ፍንጫሕ መሰንገልኪ ኣበይ ደኣ ኸይዶም፧

ተዛረቢ ጕንበት ታሪኽ ተጋደልቲ

ኣይረኣዩን ዲዮም ዋላ ሎምዓልቲ፧

እምበር’ዶ ———————————

ትኪ ናይ ጠያይት ዘይስርንቖ ኣፍንጫ

ኣበይ ድኣ ከይዶም እቶም ሰብ ብልጫ

ብብረት ገዲፎም ብቕልጽም ዘስንዉ

ዓለም ዘመስከሩ በየን ዲዮም ዘለዉ፧

እምበር’ዶ ———————————

ዓወት ዘልበሱኺ ፍጡር ዘዛረቡ

ኣይስለፉልክን ደዮም ሰላምታ ክህቡ፧

ከመይ ድዩ ነገሩ ጕንበት ዘይትነግሪ

ኣስደሚሙኪ ድዩ ተኾሚሩ ነውሪ፧

እምበር’ዶ ————————————

ድሓን በሊ ጕንበት ኣለዎ መዓልቲ

ክድገም’ዩ ታሪኽ እሱር ተዓዋቲ

ደይ ንሱ ኢዩ ነይሩ ዘበለና ከርተት

ንሳላሳ ዓመት ዓቕበት ቁልቁለት

እምበር’ዶ ——————————

ሓንቲ ካብ ማይ-ቤታት ናይ’ታ “ህልኽ መበኣሲ፡ ዘየተሓድር ኣየማሲ” እትብል ካልኣይቲ ግጥሚ ድማ፡ ብዕለት 4 ጕንበት 2003 ኣብ ዓዋተ.ኮም ዝወጸት ኰይና፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ትንበብ፡-

ህውኽ በዓል ጅርባ ዝረስዐ ሱማ

ዝቐድሐ እንተቐድሐስ ኣብ’ታ ናይ ቀደማ

ክንደይ ከይቕኒ ዘይተደፍነ ዕትሮ

መን ብራሕ ኢልዎ ዘይተዓጥነ ዕትሮ

ዝብል ይርከባ።

እዘን ግጥምታት እዚኣተን ምስ ባሻይ ዝተላለኹለን ናይ መጀመርታ ግጥምታት ከም ምዃነን መጠን ፍሉይ ጦብላሕታታት ኣሕዲረናለይ። ባሻይ ሕጂ ‘ውን ቀጻሊ ኢዩ ግጥምታት ዝጽሕፍ። ዛራ ግጥሙ ኣይነጽፍን ኢዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝድርዕ ግጥምታት ምጽሓፍ ኣይቋረጸን። ሓያሎይ ካብ ግጥምታቱ ኣብ www.togoruba.org ተር ኢሉ ኣሎ።

ናይ ባሻይ ግጥምታት ፍሉይነቱ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ጽባቐኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተረካብነቱ ‘ውን ኢዩ። ኣብ ግጥምታት ባሻይ ተረካብ ዘረባ ብኸፈር ኢዩ። ግጥምታቱ ከንብብ እንከለኹ ብስሓቕ ፍልሕ ኢየ ዝብል። ገለ-ገለ ናይ ህይወት ክውንነት ብመልክዕ ግጥሚ፡ ብዘደንቕ ውሕልነት ኣብ ነግሕታት ተንጸባሪቑ ክርኢ እንከለዅ ይምሰጥን ይግረምን ጥራይ ዘይኮነ ካር-ካር ኢየ ዝብል። ንኣብነት’ኳ ኣብ’ታ “ኣሎ በርከት” እትብል ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ዝጸሓፋ ግጥሙ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ዝብል ማይ-ቤት ብዘንበብኩ ንበይነይ ስሒቐ፥

ዓሻ ሰበይቲ ጀልጋፍ ‘ዝኽዳና

ፍርቁ ናብ መሬት ፍርቁ ናብ ዝባና

ምስ ሰብኣያ ትብኣስ ብሳምና

ስነ-ጽሑፋዊ ኣበርክቶ ባሻይ ኣብ ቅኒት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። መጽሓፍቲ ኣብ ምድራስ ‘ውን ልሉይ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ሓንቲ መሶብ ዓዲ ሰናይ (1989)፣ ሓንቲ ድማ ኣነ መን’የ (1996) ዝብላ መጽሓፍቲ ደሪሱ ኣሎ። እታ ከንብባ ዕድል ዝረኸብኩ መጽሓፍ፡ ኣብ 1996 ኣብ ካናዳ እተሓትመት ኣነ መን’የ እትብል ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኢያ። ኣነ መን’የ ንታሪኽ ህህቢ ኤርትራ ብሓፈሻዊ ኣቀራርባ እተዘንቱ መጽሓፍ ኢያ። ነቲ ኣብ መስርሕ ምዕብልና ሕብተረሰብ ዝሕለፍ ታሪኻዊ ደረጃታት ምዕባለ እንዳተናኸፈት እትምህር ብልብ-ወለዳዊ ኣጸሓሕፋ ዝቐረበት መሳጢት መጽሓፍ ኢያ። ካብ ፍልመ-ምዕባለ ማሕበራዊ ኣነባባር ጀሚራ፡ ናብ ናይ ብሕቲ ውነና ዝማዕበለሉ ዘበን ትሰግር’ሞ፡ ካብኡ ናብ ዘበነ ጊላነት፣ ዘበነ መስፍንነትን ዘነበ ርእሰ-ማልነትን ትቕጽል። ኣብ’ዚ ደረጃታት’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ናይ መግዛእቲ ምረት እንዳተንተነት ድማ ብምፍራስ ፈደረሽንን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ትዛዝም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ዝምለስ ሕቶታት ኣዳልያ ኣንባቢ ብዝበለጸ ክሓስብን ክመራመርን እትዕድም መሃሪት መጽሓፍ ኢያ።

እታ መጽሓፍ፡ መንእሰያት ላዛ ብዘለዎ ኣገባብ ታሪኽ ሃገሮምን ቋንቋኦምን ንኸጽንዑ እትሕግዝ ኣዝያ ጠቓሚት፡ ብግጥምን ስዲ-ንባብን መልክዕ ዝቐረበት ብልጽቲ ስራሕ ኢያ። ንመምሃሪ ቋንቋ ትግርኛ ‘ውን ሓጋዚት ኢያ። ነቶም ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብትግርኛ ዘይተማሃርዎ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ‘ውን ድኽም ዝበሉ (ብፍላይ ኣብ ጽሑፍ)፡ ኣብ ናተይ ወለዶ ዝርከቡ መንእሰያት ኣገዳስነታ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ዘሕዝን ነገር፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም’ቲ ዝግባእ ብህዝቢ ፍልጥቲ ኣይኮነትን። ኣነ ንባዕለይ ‘ውን ካብ ባሻይ ከም ህያብ ምስ ተቐበልኩዋ ኢየ ዝፈለጥኩዋ። ካብ ዝውንና ገና ሰሙን ኣይመላእኩን። ኣራኽቦ እንተሎስ ብዛዕባ’ታ መጽሓፍ ነብሱ ዝኽኣለ ገምጋም መጽሓፍ ክቐርብ ከም ዝግባእ ኣስተብሂለ ኣለኹ። እቲ ካልእ ዘሕዝን ነገር ግን፡ ባሻይ፡ ንሃገሩ እዚ ኹሉ ብሉጽ ስራሓት ኣበርኪቱ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ንናጻ ኤርትራ ካብ ዘይረኣዩ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ምዃኑ ኢዩ።

ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽክዎ እምበኣር፡ እዚ ጽሑፍ’ዚ በየነን ባሻይን ኣብ ክልተ ጫፋት ዝርከቡ ዝናውያን ተቐነይቲ ከም ምዃኖም መጠን፡ ንውድባዊ ድሕረ-ባይታኦምን ብሉጽ ስራሓቶምን ከም መወክስ ተጠቒመ፡ ነቲ ብዛዕባ ጀብሃን ሻዕብያን ክልዓል እንከሎ ብዙሕ ግዜ ዓብሊሉ ዝቐርብ ኣሉታዊ ትንታነታት ከዝህም ዝኽእል፡ ሓደ ካብ’ቲ ሰናይ ኣብነታት ናይ’ዘን ክልተ ውድባት፡ ወይ ክኣ ብውሕዱ ናይ ተጋደልተን፡ ንምንጽጻር ዝዓለመ ጽሑፍ ኢዩ። ብወገነይ እዚ ኢለ ኣለኹ። ካልኦት በብወገኖም ክርኣዮም ዝኽእል እወንታውን መሃርን መዳያት ኣለልዮም ከቕርቡልና ብዓል ምሉእ ተስፋ ኢየ።

ዳንኤል ረዘነ

23 ጥቅምቲ 2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2468

Posted by on Nov 1 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net