በየነን ባሻይን፡ ዝናውያን ቀነይቲ ኣብ ክልተ ጫፋት

ቀዳማይ ክፋል)

ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግንባርን (ጀብሃን ሻዕብያን) ኣብ ዝጥቀሳሉ ግዜ፡ ብዙሕ ግዜ ዝደጋገም ዘረባታት ኣሎ። ገለ-ገለ ሰባት፡ ታሪኽ ክልቲኤን ውድባት ኣነጻጺሮም ክዛረቡ እንከለዉ፡ ሐሕማቑ ጥራይ ይዝክሩ። ኣብ ኩናት ሕድ-ሕድ ከም’ዚ ተገብረ፣ ጀብሃ ንሻዕብያ ከም’ዚ ጌራታ፣ ሻዕብያ ንጀብሃ ከም’ዚ ጌራ ኣጥፊኣታ፣ ወዘተ ዝብል ወረ እዩ ዝልዓል። ልክዕ’ዩ፡ ታሪኽ ሕማቕን ጽቡቕን ነገራት ዘጠቓለለ ጸጋ ስለ ዝኾነ፡ ጸጽቡቑ ጥራይ ለሊኻ ሐሕማቑ ክትሕሰሞ ዝክኣል ኣይኮነን። ሐሕማቑ ጥራይ ምዝካር ድማ ነቲ ዝተገብረ ጽቡቕ ነገራት የህስሶ እዩ። “እዘን ውድባት እዚኣተንሲ ኣብ ነንሕድሕደን ከነወዳድረን እንከለና ብሕማቕ ነገራት ጥራይ ዲና ከነወዳድር ዘለና፧ ንምንጽጻር ዝበቅዕ ጽቡቕ ነገራት’ዶ ኣይነበረንን እዩ፧ ስለምንታይ’ዩ ንሱኸ ዘይዝረበሉ፧” ዝብል ረታዒ ሓሳብ ንኣእምሮይ ካብ ዝብሕቶ ሓያል ጌሩ።

ብዝመስለኒ፡ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ጌጋታት ብመሰረቱ ኣብ መሪሕነት ንዝነበሩ እተወሰኑ ባእታታት ዝምልከት እዩ በያላይ እየ — ናይ ክልቲኡ ወገናት። ባእታት መሪሕነት ‘ውን እንተኾነ ኩላቶም ብግብረ-እከይ ልቡዳት እዮም ዝብል እምነት የብለይን። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩ ማእከሎት ሓለፍትን ተራ ተጋደልትን፡ ኣብ’ቲ ተፈጺሙ ዝብሃል በደላት ዝነበሮም ሽኑን ፍርቂ ርብዒ ናይ’ቲ ኣብ ቃልሲ ዘበርከትዎ ተራ ዝኸውን ‘ውን ኣይመስለንን። ኣብኣቶምን ኣብ ካልኦት ተጋደልትን ብዙሕ ሰናይ ነገራት ይርአ። እዝን ወድ-ኸምዝን ነቲ ናይ ክልቲአን ውድባት ቅርዕው መዳያት ንምንጽጻር ዝሕግዝ መወክስ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ብዓቕመይ ዝተራእየኒ ገለ እወንታዊ መነጻጸሪ ኣብነታት ሃሰስ ክብሎ እፍትን ኣለኹ። ኣብ ርእሲ ‘ውን፡ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩን ዘለውን ሰብ-ሞያ በብዘበርከትዎ ዓውዲ ክዝከሩ ከም ዝግባእ ብምስትብሃል ‘ውን እየ።

ብደረጃ ውድባት ክበሃል ዝኽእል ነገር ንግዚኡ ወጊነ፡ ብዛዕባ ክልተ ኣብ በበይኑ ጫፋት ዝርከቡ ተጋደልቲ ናይ’ዘን ክልተ ውድባት ክብሎ ዝደለኹ ነገር ኣሎ። ንሶም ንሓደ ካብ ጽቡቕ መዳያት ናይ ሰውራ ኤርትራ — ስነ-ግጥሚ ናይ ክልቲኡ ደንበታት — ዝውክሉ ልሉያት ጠባያት ኮይኖም ይስምዑኒ። ኣብ በበይኑ ጫፋት ኣለዉ መበሊየይ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ካናዳ ስለ ዘለዉ ጥራይ እዩ። ውድባዊ ድሕረ-ባይታኦም ኣብ’ዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ዘይርአ ሃሳስ ሕንጻጽ እዩ።

ነዞም ክልተ ሰባት ዘራኽብ ነጥቢ ድኣ እንታይ ተረኽበ፡ ዝብል ሕቶ ክልዓል ከም ዝኽእል ገሚተዮ ኣለኹ። እቲ ዘራኽቦም ነገር ክልቲኦም ወናማት ቀነይቲ (ገጠምቲ/ገጣሞ) ምዃኖም እዩ። “ክንፊ ግጥሚ ተወጢሖም” ኣብ ጫፍ-ደቐል ርቀት ስነ-ግጥሚ ዝበጽሑ ቀነይቲ ኢያቶም እንተበልኩ ‘ውን መን “ዓይንኻ ይደፈን” ይብለኒ፧ መድረኽን ግዜን ግን ኣብ በበይኑ ጫፋት ኣቐሚጥዎም ኣሎ። እዚ ኹሉ ፋሕ-ጭንግራሕ ኣኸቲሉ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ምስ ተወገደ፡ ብእኩብ ወይ ብውልቂ ተሞክሮታቶም ከካፍሉና ተስፋ እገብር። ንግዚኡ ግን ብዛዕባ’ዞም ክልተ ዝናውያን ገጣሞ ብዓቕመይ ዝፈልጦ ክገልጽ።

እዞም ክልተ ቀነይቲ፡ ንዓይ ከም ውልቀ-ሰብ ዘሕደሩለይ ጽልዋ፡ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ሕጡበ-ጽሑፍ ገሊጸ ዝውድኦ ነገር ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ካብ ክልተ እተፈላለየ ውድባዊ ድሕረ-ባይታታት ዝመጹ ሰብ-ጽቡቕ ስም ከወዳድር ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩሉ እዋን፡ ኣብ ኣእምሮይ ብቐዳምነት ብልጭ ዝበሉኒ ንሳቶም እዮም። ካብ ክልቲኡ ታሪኻዊ ውድባት ካልኦት ሰብ-ጽቡቕ ስም የለዉን ማለት ዘይኮነስ፡ በዚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘለኹ መለክዒ (ስነ-ግጥሚ) ግን፡ ካብ’ቲ ክልተ ጫፋት ንዓኣቶም ብቐሊሉ ከለሊ ክኢለ።

እቲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ገጣማይ፡ ከም ብዙሓት ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንሱ ‘ውን ብዓቕሙ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝረጋረግ ዘሎ ብጻይ እዩ። ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ይብሃል። ብዛዕባ ባሻይ ኣብ’ቲ ዝስዕብ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እየ ከዘንቱ። እቲ ኣብ ኣስመራ ኣሎ ዝበልከዎ ተቐናዪ፡ በየነ ሃይለማርያም ይብሃል። ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ጌጋ ድኣ ይኽኣለይ እምበር ህግደፍ ብዝፍጽሞ ዘሎ ተግባራት ሕጉስ እዩ ኢልካ ክትዛረበሉ እትኽእል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ብዙሕ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ፡ ዝሓዘ ሒዝዎ ኣፉ ዝዓጸወ እምበር ብህግደፍ ሕጉስ ከም ዘይኮነ፡ ዋላ’ኳ ካብ ቃሎም ኣይንርከቦ፡ ንዕኡ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣመታት ኣሎ።

በየነ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ነዊሕ እተኣስረን ድሕሪ ምፍትሑ ድማ ተመሊሱ ናብ ህዝባዊ ግንባር እተጸንበረን ምዑት ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ግጥሚ ትግርኛ ዘለዎ ምልከት ሕሉፍ እዩ። ኣብ’ታ ኣብ 1997 እተሓትመት ናይ ሳሚ ብርሃነ ሸሪጥ፡ ብበየነ እተደርሳ ሓያሎይ ናይ ግጥሚ ደርፍታት ኣለዋ። ናይ በዓል ኤልሳ ኪዳነ፣ ብርኽቲ ደሞዝ (ታንክን) ካልኦትን ‘ውን ብዙሕ ደርፍታት ኣሎ፤ በየነ ዝደረሶ። በየነ፡ ኣብ ድርሰት ሓጸርቲ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታት ‘ውን ንኡድ ክእለትን ውሕልነትን ዘጥረየ በዓል ሞያ እዩ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ምስ በየነ ይኹን ምስ ካልኦት ርክብ’ኳ እንተዘይብለይ፡ ኣብ 1997/98 ምስ’ቲ ሽዑ ዘካይዶ ዝነበርኩ ትምህርታዊ መጽናዕቲ (ብዛዕባ ሕጊ መሰል-ድርሰት) ብዝተሓሓዝ መገዲ ተላሊና። ኣብ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ኣጋጣምታት ‘ውን ከም ዘዕለልና እዝክር። ብዝያዳ ግን ኣብ’ቲ ንትህምርታዊ መጽናዕተይ ብዝምልከት ምስኡ ዘካየድክዎ ዕላል (ቃለ-መጠይቕ) ብዛዕብኡን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ብመጠኑ ፈሊጠ። ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓያሎ ግጥምታት ከም ዝጸሓፈ ኣዕሊሉኒ ኔሩ። ሽዑ ብዝሓበረኒ መሰረት፡ ከምኡ ‘ውን ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ጋዜጣታት ይወጽእ ብዝነበረ ግጥምታቱ፡ ኣዝየ ክድነቕ ጀሚረ። እታ ንመጀመርታ ግዜ ዘንበብክዋ መሳጢት ግጥሙ፡ “ኪዳን’ዶ ይበሊ፧” እትብል ኰይና፡ ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከም ዝወጸት እዝክር። ኣብ’ታ ብ1997 ዝተሓተመት ናይ ሳሚ ብርሃነ ሸሪጥ ካብ ዘለዋ ደርፍታት ሓንቲ እያ። ካብ’ታ ብኢዱ ጽሒፉ ዝሃበኒ ቅዳሕ ናይ’ታ ግጥሚ፡ እታ ዝፈትዋ ማይ-ቤት ከም’ዚ ዝስዕብ ትንበብ፡-

መድሚደልኪ ኣለኹ ኣብ ልበይ ኣውዕሊ

ይቕረ ኣመሉ’ዩ ከርሰይ እንታይ በሃሊ

እምበርከ፡ እምበርከ ንቡር ድዩ ዕሊ

ኣንቲ ክዳን’ምበር ኪዳን’ዶ ይበሊ?

ብዛዕባ ግጥምታት በየነን ውሕልነቱን ብዙሕ ምበልኩ፤ ካብ’ቲ ኣነ ክብሎ ዝኽእል ንላዕሊ ግን ኣብ ቀዳማይ ሕታም መጽሄት ጸዳል፡ ሃይለ ቢዘን (ንሱ ‘ውን ካልእ ወሓለ ተቐናዪ እዩ)፡ “በየነ – ሃንዛ ግጥሙ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣስፊርዎ ዘሎ ዓንቀጽ ምንባብ ይሓይሽ። መጽሄት ጸዳል፡ ናይ’ቲ ኣዝየ ዘድንቖን ግጥምታቱ ድማ ክቱር ዝናፍቖን ገጣማይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣንቢበያ ዘይፈልጥ፡ ንእድቲ ግጥሚ ሒዛ ስለ ዝወጸት ሰኸኽ ዘብል ሓሳባት ኣግሂዳትለይ።

እታ ኣብ ገጽ 16 ናይ’ታ መጽሄት ወጺኣ ዘላ፡ “ከም ቆሎ መሸላ” ዘርእስታ ናይ በየነ ሃይለማርያም ግጥሚ ከየገረመትኒ ኣይተረፈትን። እታ ግጥሚ ንኹነታት ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ እትገልጽ ኰይና፡ በየነ ሃይለማርያም ኣብ’ቲ ቤት-ማእሰርቲ እንከሎ ብ1985 ዝጻሓፋ ግጥሚ እያ። ከየገረመትኒ ኣይተረፈትን መበሊየይ ምኽንያት፡ ብናይ በየነ ሃይለማርያም ናይ ቋንቋ ምልከት፣ ናይ ኣጸሓሕፋ ውሕልነትን ፍሉይ ክእለትን ብምግራመይ ጥራይ ኣይኮነን። እዝስ ቀደም ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጽአይ ‘ውን ወትሩ ዝድነቐሉ ዝነበርኩ ፍሉይ ተውህቦ ናይ በየነ እዩ። ሕጂ ኣገሪሙኒ ዘሎ ነገር ግን፡ ዋላ’ኳ እታ ግጥሚ ኣብ ካልእ መድረኽን ግዜን እተገጥመት ትኹን፡ ምስ’ዚ ሕጂ እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና ኩነታት እሱራት ፖለቲካ ሃገርና ኣዝዩ ዝመሳሰል ትሕዝቶን መልእኽትን ስለ ዘለዋ እየ ተገሪመ። እታ ግጥሚ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ትንበብ፡-

ከም ቆሎ መሸላ

ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ

ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ

ዝወድቀካ ሓሳብ’ሎ

ኣልቦ መዓት ዘይተልዕሎ

መሲእካ ፈቲግካ

ኩሉ ይዝረገካ

ሓሲብካ ዘቚቕካ

ከቶ ነይሰልጠካ

ንስኻ ትነድቕ

ደድሕሬኻ ይወድቕ።

እንታይ ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ኢድካ ተኣሲሩ ኩሩንኩሪት

“ህህ!” ‘ተበሉኻ ብኹርንዒት?!

እንተ መኸሩልካ ለይትን ቀትርን

እንተ ደርበዩልካ እምንን በትርን?!

ኣይበልካ ደሓን ክትል-ክትል

ኣይተስግል ሕደግ – ኣይትሰፍልል

ናይ ‘ንዳመን ድንን

ናይ ‘ንዳመን ዝህልል

ጨጎራኻ ጌርካ ከም ንቑልቁል

ከም ቆሎ መሸላ እናተሎሎኻ

ምስሓቕ’ዩ ‘ንታይ ድኣ

ልቢ – ዝልብኻ።

ብየማንካ ቅጻዕ ብጸጋምካ ቅጻዕ

ምዕይ እንተ በልካ ዝወድቀካ ስላዕ

ዕርቕርቕ ‘ተበለካ – ‘ተበለካ ጻዕጻዕ

ኣይትድነን ርእስኻ

ቅናዕ ደኣ ቅናዕ!

ዝሃርሃረ ልቢ ዝቖሰለ ከብዲ

ከቐምርሮ’ዩ ግዜ ተፋራዲ።

እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ብዙሓትን – ጥምዙሓትን

ተመሲሎም ንህብን ፈርግን

‘ተዀንኻ ሓውን ገድን

‘ተዀንኻ ከም ክራማት

ዘይወግሕ ድቕድቕ ጸልማት።

ኣይበልካ ደሓን ቅጭጭ – ጠላሕ

ክሳብ ዝብል ወጋሕ – ፈታሕ።

“ኣሎኹ” ከም ትብል

ዘይትጠፍእ ሽምዓ

ፈትላ ‘ናተኸኸ ‘ናመኸኸ ስምዓ

እናነብዐት’ወ ንፋስ እናላሃማ

ከም እተስለምልም ጥዋፍ

እትሓድር ቆይማ።

እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ሓፍ ከይበሉ ሃፍ ዝበሉ

ጢማ-ሚና ሽሉ-ምሉ!

ኣይሓጣእካ ኣይኣበስካ

ውጉዝ ኩኑን ‘ተበሉኻ

ብዘይ ንሕፈት ብዘይ ሒንዳ

ከም ኣርዮስ ከም ይሁዳ

ጸላእኩኻ ቀንጣእኩኻ

ማሕላይ ጣልማይ ‘ተበሉኻ

ኣይትከማህ ‘ታይ ግድኻ።

ኣይትረታዕ ኣይትሰነን

ከም መሸላ ከም ኮደን

ሰሓቕ እወ ባህ ኣይበሎ

እናበሰልካ ኣብ ርሱን መቕሎ

ኣንጣዕጣዕ ‘ወ ቆሎ ኴንካ

እናዓንበብካ እናሓረርካ።

— ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ 1985

ነዛ ግጥሚ እዚኣ ብዘንበብኩ፡ ኣብ ኣእምሮይ እተቐጀለኒ ቀዳማይ ሓሳብ፡ ኩነታት ናይ’ቶም ኣብ ዒራዒሮን ካልእ ዘይተፈልጠ ኣብያተ ማእሰርትን ዘለዉ ንጹሃት እሱራት እዩ። ብርግጽ፡ በየነ ሃይለማርያም ኣብ ግጥሙ ኣንጸባሪቕዎ ዘሎ ሓቅታት ንኹነታት ቤት ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ጥራይ እዩ ዝምልከት ክብል ኣይክእልን። ተመሳሳልነቱ ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብኸመይ ርእይዎ ይኸውን ዝብል ሕቶ፡ ድሕሪ ብራቕ-ጸሓይ ብሰላም ክንራኸብ እንዳተተምነኹ ሽዑ ባዕሉ ከብረሃልና እምነ። ንዓይ ብዝመስለኒ ግን እቲ ተመሳሳልነት ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ናይ ህግደፍ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካብ ናይ ደርግ ዝኸፍእ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ’ዩ ኢልካ እትዛረበሉ ኣይኮነን። ናብ ካልእ ከይከድና፡ እቲ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተዳልዩ ዘሎ ዶክመንታሪ ፊልም ምርኣይ ጥራይ እኹል እዩ። ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ እሱራት ከመይ ዓይነት ስቅያት የሕልፉ ከም ዘለዉ፡ ካብ ሃብቶም ተኽልኣብ፣ ሰሚር መሓመድ ገይድን ካልኦትን ምርዳእ ይክኣል። ማልያኦም ዘፍለጡ ደገፍቲ ህግደፍ ለንቅነ ኣብ በዓል ኣለናልኪ.ኮም ዘምልቚዎ ዘለዉ ዘረባታት ‘ውን ካልእ መርትዖ እዩ።

እታ ዝበለጸት መርትዖ ግን፡ ናይ በየነ ሃይለማርያም ግጥሚ ባዕላ እያ። በየነ፡ ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝንገረሉ ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ክጽሕፍን ክገጥምን ይኽእል ኔሩ እዩ። እዚ ማለት ድማ ዋላኳ ከም’ቲ ዝጸሓፎ ግጥሚ ክጽሕፍ ዘይፍቀደሉ ከም ዝኾነ ርዱእ እንተኾነ፡ ንምጽሓፍ ዘገልግል ወረቐትን ብርዕን ግን ክረክብ ይኽእል ኔሩ ማለት እዩ። ትሕዝቶ ጽሑፋቱ ወይ ግጥሙ በቶም ሓለፍቲ ቤት-ማእሰርቲ ፍሉጥ ከም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። ብርግጽ ‘ውን ከም በዓል “ከም ቆሎ መሸላ” ዝኣመሰለ ግጥምታት ብስቱር ጥራይ ክጸሓፍ ዝኽእል ነገር እዩ።

ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ግን ምስ’ቲ ኹሉ ዘስካሕካሕ ወርኡ ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ፈጺሙ ኣይከፍእን እዩ። ኣብ ኣለም-በቃኝ ዝነበሩ እሱራት ይጽሕፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነሕድሕዶም ‘ውን ይመሃሃሩ ምንባሮም፣ ዝንበብ ነገራት ‘ውን ይወሃቦም ከም ዝነበረ፡ እቶም ብሰላም ዝወጹ እሱራት ይሕብሩ እዮም። ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝን ተወዳዳርነቱ ምስ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍን ብዝምልከት፡ ተስፉ በራኺ እተበሃለ እሱር ኣለም-በቃኝ-ነበር ዝሃቦ ምስክርነት ዘንበበ ሰብ ‘ውን ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ብቐሊሉ ይበርሃሉ። ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ብዙሕ ካብ’ቲ ኣብ ኣለም-በቃኝ ዝፍቀድ ዝነበረ መሰላት ይትረፍ ብጋህዲ ብሕልሚ ‘ውን ኣይፍቀድን።

እምበርኣ ከስ ኣነ ነዛ “ከም ቆሎ መሸላ” እትብል ግጥሚ በየነ ሃይለማርያም ኣንቢበ ጥራይ ትም ኢለ ክሓልፋ ኣይክኣልኩን። በየነ ውልቃዊ ናይ ኣለም-በቃኝ ተሞክሮኡ ብልዑል ጥበብን ርቀተን ዝገለጸላ ሓንቲ ካብ ብሉጻት ግጥምታቱ እያ። ኣነ ድማ ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ ምስ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ከወዳድረላ ዝኽኣልኩ፡ ፍሉይን ልሉይን ጦብላሕታ ዘሕደረትለይ ጸላዊት ግጥሚ ኮይና ረኺበያ። ነግሕታትን ማይ-ቤታትን ናይ’ታ ግጥሚ ንተመሳሳልነት ናይ’ቲ ኣብ ግዜ ደርግን ኣብ ግዜ ህግደፍን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ቁልጭ ኣቢሉ ኣርእዩኒ። ብዙሓት ሰባት ነታ ግጥሚ ከንብብዋ ዕድል ኣይረኸቡን ስለ ዝኾኑ ድማ፡ “ልቢ – ዝልበይ” ኣብ’ዚ ከቕርባ መሪጸ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ከውስእ’የ። ተቛጺርኩም ኣይበለና፤ ሰናይ ቅነ።

ዳንኤል ረዘነ

11 ጥቅምቲ 2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2471

Posted by on Oct 26 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net