ተቓውሞ በየናይ ቕዲ ቃልሲ

ኣብ,ዚ ሒዝናዮ ዘሎና መድረኽ ብፍላይ ካብ ድሒሮም ዝመጹ ኣካል ህግድፍ ዝነበሩ ገለገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘይጎንጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንጥቀም ይብሉ።

99% ካብቶም ነባራት ተቓወምቲ ድማ ከም ኣድላይነቱ ክልቲኡ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንጥቀም ይብሉ። ኩሎም ድማ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኢዮም። ብተወሳኺ 90% ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሱዳንን ድሕረ-ግንባር ክህልዎም ከሎ እቶም ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንጥቀም ዝብሉ ሸነኽ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕረ-ግንባር ክህልዎም ኣይፈቕዱን።

ካልእ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ዝገደፎን ዝጎሓፎን ቅዋም ከም ቅዋም ሃገር ክኸውን ኣብ መደብ ዕዮኦምን ኣብ ዝውንንዎ ፈነወ ራድዮ ንዑዑ ከም መደብ ከንብብዎ ናትና ኢሎም ዝሓዝዎ ምኻኖም ትርኢ። ንውድባት ድማ ነዚ ክኣምናሉ ኣብ ክትዕ ከርድኡ ህርድግ ክብሉ ትርኢ።

ኣብዚ ክመጽእ ዘለዎ ሕቶታት ስለምንታይ ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልሲ ይምረጽ? ስለምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕረ-ግንባር ዘይመረጹ? ስለምንታይ ነቲ ኣብ ዓብላሊ ስልጣን ዝተነደፈ ቅዋም ህግድፍ ዝገደፎ ቅዋም ይድለ? ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ካብ ዝህብዎ መልሲ እንዳኣዋዳደርኩ ከብርህ ክፍትን,የ። ንሰላማዊ ኣገባብ ክገልጽዎ ከለዉ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደም ምፍሳስ ዝረብረበ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ካልኣይ ጌዜ ናይ ብረት ገልጠምጠም ኣየድልዮን,ዩ ይብሉ” ነዚ ዘሎኒ ኣራኣእያ ዋላ እተን ብኽልቲኡ ኢና ንጥቀም ዝብላዉን በራጊድ ሰሪዕና ኣንጻር ህዝባዊ ሰራዊት ንዳማሰስ ዝብል ኣምር ኣየቕረባን። 

እቲ ዝድለ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ሰሊዂኳ ብምእታው ኣብ ምንቕቓሕ ይኹን ምትብባዕ ናይ ግድን ዕጡቓት ኣሃዱታት ክህሉዋ ብዘለወን ሜላ ጸላም ተጎዝጒዘን ድዩ ካልእ ሜላ ተጠቒመን ገጠርን ከተማን ዘናቓቕሓ ክህልዋ፤ እዚኤን ኩሉ ጊዜ ብሰላም ይመላለሳ ማለት ኣይኮነን ድንገት ኣብ ዘጋጠመን ተዂሲ ይኽፈት ወይ ይዕወታ ወይ ጸላኢ ይዕወተለን ማለት,ዩ። እዚ እንበኣር ሓደ መርኣያ ናይ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ,ዩ። ሃዲሞም ዝመጹ ዕጡቓት ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ከተዕቁብ እንተዄንካ ሰራዊት ትሃንጸሉን ትቕበለሉን መደበር የድልየካ፣ እዚ ድማ ብወገኑ ሃገራዊ ራኢ ዝውንን ሰራዊት እትሃንጸሉን ንህዝባዊ ሰራዊት ሀገራዊን ህዝባዊን ባህሪ ክውንን እትምህረሉ መደበር ክትሕዝ ናይ ግድን,ዩ። እዚ ንባዕሉ ሓደ መርኣያ ናይ ጎነጻዊ መደበር,ዩ።

እዘን ናይ መጽናዕቲ ኣሃዱታት ኣብ ውሱን ዞባታት ጸረ ህዝቢ ዝኾኑ ወይጦታት ኣብ ምቕንጻል ሓደ ካብ መደባተን,ዩ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ወይ ይዕወታ ወይ ዕንቅፋት የጋጥመንዩ። ተዂሲ ምኽፋቱ ኣይተርፍን እቲ ተልእኾ ይፍጸም። እዚ ንባዕሉ ሓደ መርኣያ ናይ ጎንጻዊ ኣገባብ ቓልሲ እዩ። ንባዕሉ,ዚ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋን ንቕሓትን ኣብ ህዝቢ ሓደ ፍቱን ናይ ተመኲሮና ዕቑር መምህር,ዩ። ነዚ ከይገበርካ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ልውጢ ዋላ ዝደኸመ ጽገናዊ ለውጢ ክመጽእ ብምንም ታኣምር ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ መመኽነይ የሎን ሰላማዊ ሰልፊ ትወጻሉ። ኣብ ኤርትራ ዋላ ሓንት ምኽንያት የሎን ብስነ ጽሑፍ ህዝቢ ተነቓቓሓሉ፤ ኣበየናይ ሕግን ኣበየናይ ጋዜጣን ክትምርኮስ ብሓጺሩ ሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ኣይተፈተንንውን ይብሉ ኢዮም ተፈቲኑ እባ ንብሎም።

ኣብነት ኣብ ወጻኢ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ካብ 1994 ጀሚሩ ልሙድ,ዩ ብተቓወምቲ ይኹን ብስቪክ ማሕበራት ቀጻሊውን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እዉን ዓይነቱን ብዝሑን ብዘየገድስ ንምጥቃሱ ብውጉኣት ሓርነት ናይ ማይ ሓባር ጀሚሩ ብህዝባዊ ሰራዊት ብ G13: G15 ብጋዜጠኛታት ብተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተፈቲኑ ኣይተዓወተን። ብኣንጻሩ እዞም ነዚ ዝፈተኑ መብዛሕትኦም ኣብ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ ይማሱኑን ይሞቱን ኣለው በርከት ካብኣቶም ድማ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም። እቲ ህዝቢ እንበኣር ናይ እዚኦም ጽዋ ስለ ዝረኣየ እንታይ ይግበር እቶም ዝበልሑ ካብቲ ህዝቢ ዝኾነሎም መሲልዎም እዚ ካብ ተፈደዩ ኣየናይን ብኸመይን ኣጋባብ ቃልሲ ስለ ዘሎ እዩ ሰላማዊ ኣግባብ ዝብሉና ዘለዉ? ገለ ዘይረኤናዮን ዘይሰማዕናዮን ግሪን ላይት እንተሎ ድኣ ይሓብሩና እንበር ጻልጣ ሰላም ትብል ቃል ባይታ የብላን። ካልእ ኣገራሚ ነገር ድማ ኣሎ። እዞም ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ናብ

ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይትረፍ ኣብ ውጻኢ ዘሎ ናይ ስቕ መርገጽ ዝሓዘ ህዝቢ ክንዲ ፍረ-ጣፍ ትኣክል ከሰልፍዎ ኣይከኣሉን። ብረድዮን ኢንተርነትን ንፍኑ ኢና ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ይእመንዎ ኣይእመንዎ ግን እተን ረድዮታት ነቶም ኣብ ተቓውሞ ዘለዉ ጥራይ ኢየን ዘስሞዓ ንሳቶም ኢዮም እንታይ ኮን ይህሉ ኢሎም ዝኸፍትወን። እቲ ኢንተርነት ውን ተቓዋማይ ጥራይ እዩ ዝከታተሎ። ካልእ ይትረፍ ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ተሰሪዖም ዘለው ስሩዓት ዝበሃሉውን መደብ ዕዩ ሰሪዖም ብዛዕባ ዲሞክራሲ፡ ብዛዕባ ሰላማውን ጎነጻውን ኣግባብ ቓልሲ ዝምህሩ  መብዛሕትኦም ካብቶኦም እቶም ኣብቲ ነባር ተቓውሞ ዝጸንሑ ውድባት ጥራይ ምኻኖም ርግጸኛ እየ። ኣብ ገለገለ ሰልፍታት ዘሎው መሰረታት ካብ ዝቐርበሎም ኣስተምህሮ ንስኻ/ኺ ኣይከፈልካን/ክን ደንጒኻ መጺኻ/ኺ ነቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ድማ ትጠፍእ ኣሎኻ/ኺ  እንተዘይ መጺኹም ብጠበቓ ጌርና እታ ብምስክርነትና ዝረኸብኩማ ፓስ-ፖርት ክንስሕባ ኢና ካብ ምባል ዘይሓልፋ ትምህርቲ ዝምህሩ ኢዮም ብሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ንህግድፍ ክንቅይሮ ዝብሉና ዘሎው ምስ እዚኣ ትኸይድ ኣብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ስቪካዊ ማሕበርውን ከም ስቪክ ማህበር ከምኡ ከስተምህር ቅኑዕ,ኳ እንተኾነ ነዚ ኣስተምህሮ,ዚ ሕዛ ዘላ መጽሔቶም ኣብ ህዝቢ ኣትያ ክትሰርሕ እሞ ውጽኢት ክህልዋ እተን ኣብ ላ -ዕሊ ዝተጠቕሳ ዕጡቛት ኣሃዱታት ምስ ዘይህልዋ ካብ ደንበ ተቓውሞ ናብ ደንበ ተቓውሞ ኴይና ክተርፍ,ያ። ኣፍርያ ማለት ከኣ ኣየስምዕን።

 ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ክደፍር ዘድፍሮ ዝራሓት ክርኢ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ዝተፋላለያ ዓድታት ኤውሮጳ  ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ከም ዘዕወታ ብምጥቃስ ጽቡቕ ኣብነታት ገሊጾም ኲውንነት ናይ ኤርትራ ግን ካብቲ ዝቕረብዎ ኣብነታት ዝረሓቐ ምዃኑ በዚ ዝስዕብ ኣብነታት ክበርህ ይኽእል እተን ዝጠቐስወን ሃገራት እንተወሓደ ህዝቢ ዝምርኮሰሉ ቕዋማት ዘለወን እየን። ዋላ ንሱ ኣይሃልወን ምሉእ ኤኮኖሚ ናይ ምዕራብ ዓለም እንዳፈሰሰ ዳርጋ ፍርቂ ሓይሊ ናይ ህዝብን ውጻኢ ኣቓልቦን ሓገዝን ተወፍዩለን እዩ። ካልእ ይትረፍ እቲ ንሶቨየት ሕብረት ዘውደቐ ቑጠባዊ ኣገባብ ቃልሲ ነዘን ዝበሃላ ዘለዋ ዓድታት ናይ ላቲን ይኹና ናይ ኤውሮጳ ዓብይ ፍልልይ ኣሎ እዚ ዝግበረለን ድማ ርኡይ ሃብቲ፤ ወይ ፖለቲካዊ ድሕረ-ግንባር ስለ ዘለወን እዩ። ዋላ ኣብ ኣፍሪቃዉን እንተሪኢና ኣብ በዓል ኣንጎላን ኣብ በዓል ኮንጎን ዝግበር ደጋዊ ዜናውን ንዋታውን ሓገዝ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ፈልኹም ክትርእይዎ ይግባእ። እዚኣ ብፍላይ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ብ.ኤ.ም.ዲ.ስ.መ ዝሕተም ጋዜጣ ዘሎ እምንቶ ክሓስብሉ ንምዝኽካር ዝኣክል እየ ኣቕሪበዮ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ብቐሊል ኣይኮነን ፖለቲካዊ ጉጅምጅም ክብል ህዝቢ እታ ዓው ኢልካ ቕዳሴን ምእዛንን ክሰምዕ ከሎ ሕማም ከርበ ዘምጽኣሉ ጉጅለ ከሎ ከተድምዕ ስለ ዘይከኣል ጥራይ,ዩ ከም ኣድላይነዩ ክልቲኡ ኣገባብ ቃልሲ ዝምረጽ እንበር ደም ጽምኣት ዘለዎ ዜጋ ስለ ዘሎ ኣይኮነን። በዛ ትበሃል ዘላ ጻዕዳ ኣባሃህላ ኣብ መብዛሕትኤን ውድባት ነቶም ብሳዋ ዝመጹ ይኹን ነቶም ኣምቸ ዝበሃሉ ወይውን ገዳይም ተጋደልቲ ዋላ ኣብቲ ሸነኽ ተቓውሞ ይሃልው ካብቲ ዝነበርዎ ክንዲ-ፍረጣፍ ዝኣክል ለውጢ ናይ ኣራኣ እያ ዘየሕደራሎም ውድባት ውሑዳት ኣይኮናን።

ይቕጽል     ………………………

ብፍስሓዮን ገብረ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2486

Posted by on Dec 29 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net