ንሓድነትን ሓርነትን ብንጽህና ንስራሕ ከይበልና ንጽባሕ

መጀመርያ ለበዋ ናይ ብጻይ ገብሪህውት ኣቡ ዓሸራ ብዕለት 7.11.06 ካብ ሰምየን ኣመሪካ ንውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ን ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ. ን ዝጸሓፋ ስለ ዘንበብኩ ከየመስገንኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡        ኣነ`ውን ካብዚ ተበጊሰ እዚ ዝስዕብ ለበዋይ ንኹለን ዉድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን እዚ ዝስዕብ ለበዋይ አቕርብ፡ ወዲ ሰብ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ዘልኣለም ነባሪ ከምዘይኮነ (በጀካ ዲክታቶራት ውልቀመለኽቲ) ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ነዚ ተረዲእና፡ ነዚ በላዕ ሰብ ዝኾነ ሕጊ ግደፍ ሽፍታ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩልና እንዳሰማዕናዮን እንዳረኣናዮን፡ እዘን መዓልቲ መዓለቲ ከም እንቋቚሖ እንዳ ተጨጭሓ ዝባዝሓ ዘለዋ ውድባት እንታይ ኢዩ ረብሓን፡ እቲ ዝደልየኦ ዘለዋ ስልጣን ይኹን ወይ`ውን ናይ ነንሕድሕደን ዘሎ ቅርሕንቲ ንህዝብና በዲልና ኣብ ምንታዩኢ ከብጽሓና እዩ ኢለን ዘይሓስባ፡፡ ኣቱም መራሕቲ ኢና እትብሉ፡ ነዛ ጽባሕ ንጉሆ ገዲፍኩሙዋ እትሓልፉ ሓሳዊት ዓለም፡ ኣብ ክንዲ ምፍንጫል ዘቀራርብ ዘይትሓስቡ፡፡ ኣረ ምኣስ እዩ ልብኹም ዝርሕርሕ፡ እቲ እትሓልሙዎ ስልጣን ሕዝቢ ኤርትራ ምስ ጸነተ ዲኹም ኸትረኽብዎ፡ ናይ ሓደጋ ሞት ከምዘሎስ እስኪ ድሓን ከም ህዝብኹም ዘንግዕዎ፡ እቲ ብዕድመ ምድፋእከ ከመይ ገርኩም ትርስዕዎ፡ ኹልኹም`ኮ ብሕማምን ባእርጋንን ሓደ እግርኹም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ኢኹም፡ ጽቡቕ ታሪኽ ገዲፍኩም ክትሓለፉዶ ኣይምሐሸን፡ እንዳተቓለሱ ስምረትን ስኒትን ከይራአዩ ዝሓለፉ ብጾት እኮ ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡      ሽግር ህዝብና ከፍታሕ እንተትደለዩ መትከላዊ ፍልልያተኩም ክተጽብብዎ መኻኣልኩም፡ ንምሳሌ ኣበ ኪዳን ተጠርኒፈን ዘለዋ 14 ውድባት  3  ውድብ ጥራይ ከኾና ምኸኣላ፡ 1. እተን ክለተ እስላማዊ ውድባት ተጠረኒፈን ሓደ ክኾና ምኸኣላ፡ 2. እተን ክልተ ብሔር ክሳብ ምንጻል ዝብላ ሓደ ክኾና ምኸኣላ፡  3. እተን ዘተረፋ 10 ውድበ ብቅርሕነትን ብናይ ስልጣን ህርፋንን ተፈላሊየን ዘለዋ ኩለን ዲሞክራሲያውያን ኢና ብሃልቲ እየን፡ ናይ መትከል ፍልልይ የብለንን፡ ስለዚ ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮአን ኣቀራሪበንን ጠርኒፈንን ሓደ ውድብ ክኾና ምኸኣላ፡ ሰብን እዝግን ከኣ ምፈተዎ፡፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ዓባይ ናኽራ ኤርትራ ተሞቚሑ ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ምኾኖ፡፡ ሰለስተ ውድብ ነኽረዳድኣ ኣዚዩ ምቐለለ፡፡ እቲ ዘገርም፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ምፍንጫል እንዳሕዘነናስ እዞም ምስ ህግደፍ ዝነበሩ መስፍን ሓጎስን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዓብደላ ኣደምን በዙህ ተስፋ እተገብረሎም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሰለስተ ውድብ ኮይኖም፡ ብማዕዶ ዝልለ ናይስልጣን ቁረቁሰ ኣርእዮም፡፡      እንሆ እምብኣር ሳኣን ፍልልያትኩም ምጽባብ፡እቲ መንግስቲ ሱዳን ኣዚዩ ሰፊሕ ማዕጾ ነንሕድሕድኩመ ክትሰሓሓቡ ብዝግባእ ከይተጠቐምኩሙሉ እቲ በላዕ ሰብ ኢሳያስ ተቖጻጺርዎ፡፡ መንእሰያተ ኤርትራ፡ መንግስቲ ሱዳን ንኣፍ ዜብኢ ከየረክቦም ብፍርሒ ከብዶም ሓቝፎም ይጽበዩ ኣለው፡፡ ሎምስ መሪሩና እንብሎ ጠፊኡና፡ ንሕና ኣብ ስደት መሪትና፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ገለ ኣብ ቤት ማአሰርቲ ሞይቶምን ኣሪጎምን፡ ገለ ብጥምየት ሓለንጊ ይግረፉ፡ ሃይማኖትና ተደፊሩ፡ ባህልና ሃሲሱ፡ ሕጊ ዓደቦና ተደምሲሱ፡ ሽማገለ ሓሲሩ ብዓዋሉ መዕበያ ዝበደሎም ተደፊሩ፡ መንእሰያት ካብ`ዚ ስቓይ`ዚ ክሃድሙ ኣብ ባሕሪ ይጠለቁ፡ ገለ ከኣ ምድረበዳ ይውሕጦም፡ እዚ እንዳሰማዕካ ከመይ ገርካ ይድቀስ፡፡ ኣቱም ውድባት ቅርሕንትኹም ደምሲስኩም ስለ እግዚኣበሔረ ሕበሩ፡ ቅኑዕ ሕሰቡ፡፡ ኣቱም በረገሳውያን ማሕበራት ብዙሓት ለባማትን ምሁራትን ኣለውኹም፡ ጥርኑፍ ቃልሲ ኣካይዱ፡፡ ንኹሉኹም እገዚኣብሔር ቅኑዕ መንፈስ ይሃብኩም፡፡      ኪዳን በዘን 14 ውድባት ቆይሙ ዘሎ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ፡ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ካባኻትኩምን ካብ በርገሳውያን ማሕበራትን እዩ፡፡      እቲ ብመራኸቢት ሽማግለ ማኒፈስቶ ኻስል እተሰናደወ ሃገራዊ ዋዕላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ዘርእስቱ ዝዎጾ የብሉን፡ እዚ ንኸሰናድዉ ዘጥፍእዎ ግዜን ናይ ሓንጎል ድኻምን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ንኪዳን ምስ በርገሳውያንን ሕዝብን ኮይኖም ኣብ መፈጸምታ ከብጽሕዎ ኣረኪቦሞም፡፡ ኪዳን ግን ክሳብ ሎሚ ነዚ ጉዳይዚ ዝርኢ ጭቡጥ ነገር ዝራአናዮ የብልናን፡፡ በጃኻትኩም ሓደ መፍትሒ ሽግር ሃገርና ሃገራዊ ዋዕላ ጥራይ እዩ፡ ኣቀላጥፍዎ፡ እግዚኣብሔር ልቢ ቅኑዕ የሕስብኩም ሓገዙ ካኣ የወፍየልኩም፡፡      ምረተይ ድሕሪ ምግላጽ ኣብቲ ብጻይ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ ዝሃቦ ሓሳብ ክምለስ፡፡ ከምቲ ቅድም ኢለ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ እኳ ክኸውን እንተዘይተካእለ፡ ከም`ዚ ኣብ ቀረባ ግዜ 3 ውድባት ሓቢረን ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝጽውዓ ዘለዋ፡ እተን ዝተረፋ በቢ 3 ወይ 4 እንተዝጥርነፋ ብዙሕ ዘሐጉስን ንህዝቢ ተስፋ ዝህብን ምኾነ፡ ነዚ ኣብ ገሃነምእሳት ዝርከብ ዘሎ ህዝብና ሕሰብሉ፡፡ ኣሕዋት ምስዝፋቐሩ ጸላእቲ የባርሩ ከም ዝበሃል ውልቀ ጥቕምኹምን ህልልኻትኩምን ወጊድኩም፡ ከም ኣቦታትና ኣብጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሒጅ ይውሰዶ ከምኡውን ተባኣሱሞ ኣብ ባእስኹም ምድሪ ኣይዕረብኩም ከም ዝበሃል በጃኻተኩም ተፋቐሩ ሕበሩ ስመሩ፡፡      ክቡር ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዶክቶር በየነ ኪዳነ ክቡር ኣቦመንበር ተጋዳላይ ወልደየሱስ ዓማር  ተ.ሓ.ኣ. ሰውራዊ ባይቶ ወላ ሓንቲ ዝፈላልየኩም መትከል የሎን`ሞ ከምቶም ዝሓለፉ ምስ ቅርሕንትኹም  ሞት ከየርከበትኩም ከላ ተላዘቡ ሓድነትኩም ኣረጋግጹ፡፡ ኣቱም መሰረታት ናይ ክሊቲኡ ውድባት ነዚ ቅዱስ ሓሳብ እዚ ብትብዓት ድፍእሉ፡፡      ዝኣኽለን ጥሒነን በዓለማሪያም ይብላ ድኣ ከይትብሉኒ እምበር እቲ ህርፋን ሓድነትን ሓርነት ኤርትራን ኣብ ውሽጠይ ዝሳቕየኒ ዘሎ እየ ተፊአዮ ዘለኹ፡ ብዙሕ ብምድፋረይ እቕረታ እሓትት፡፡   ድሕነትን ሓርነትን ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሪ ንስውኣትና ውድቀት ንፋሺሽታዊ መግዛእቲ   ፍስሓጽዮን ደስታ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2501

Posted by on Nov 19 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net