ምስትውዓል

ምስሊ ደቂ ሰባት ዝለበስካ ወዲ ሰብ ምዃንካ ክትፈልጥ ይግባእ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ፍጡር ዝፈልየካ ካኣ ናይ ምስተውዓል ክእለትካ እዩ፡፡

       ምስትውዓል መገዲ ቅንዕናን ተንኮልን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡፡ ርእሱ ኣትሒቱ ዘይርኢ ሰብ ብትዕቢትን ልዕልናን ንዕቀትን ኮታ ኩሉ ሰይጣናዊ ስራሓት ይውንን፡፡ ነቲ ኩሉ ጉዕዝይን ኩፉእን ሰይጣናዊን ኣተሓሳስብኡ ሽፋን እናገበረ ንህዝቢ እንዳታለለ ብትእዛዙ እተፈጸሙ ግብረ እከያት ብቕጽበት ናብ ካልኦት እንዳኣልገበን እንዳወንጀለን በሓሶት ነዊሕ ይጓዓዝ፡፡ እወ እንዳወንጀለ ክንደይ ንጹህ ህዝቢ የጥፍእ፡፡ ካብዘይ ምስትውዓልን ጥልቕ ኢልካ ዘይምርኣይን እትገብሮ እከይ ተግባራት ዘልኣለም ከይተቓላዕካ እትነብር ኮይኑ ይረአየካ፡ ግዜ እንዳነውሐ ምስ ዝኸይድ ኣንነትን ንዕቀትን ኣብ ሓንጎለካ ተሕድር፡ ንብጾትካን ህዝብኻን ከም ሓደ ኣቕሓ ዘይርኢ ዘይሰምዕ ዘይዛረብ ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ዘይብሉ ገርካ ትቖጽሮ፡ ካብ ብዙሕ ምድግጋም ነቲ ዕለታዊ እከይ ሰይጣናዊ ስረሓትካ ሓንጎለካ ከም ቅኑዕ ገሩ ይወስዶ፡፡ እቲ ኣሰራርሓኻ ጉድለት ከምዘለዎ ሕልናኻ እንዳፈለጦ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ህዝቢ ከምኡውን መሳርሕትኻ ተቢዑ ብቕንዕና ትጋገ ኣሎኻ እንተበለካ፡ሰይጣናዊ ትዕቢት ስለ ዘሕደርካ፡ ንወለድኻ ነሕዋትካ ንመሳርሕትኻ ንመራሕቲ ሃይማኖት ንዓበይቲ ዓዲ ኮታ ንኹሉ ብንዕቀትን ትዕቢትን ትምልሰሉ፡ ኣብ ልዕልኡ ከአ መዘና ዘይብሉ ግፍዕታት ትፍጽም፡፡ እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝኽተል በጀካ ኢሳያስን ቁሩባት ኮራኹሩን ካልእ የለን፡፡

      ናይ ቅንዕና ምስትውዓል እንተወኒንካ ወይ እንተተኸቲልካ ብቐዳምነት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘለካ ሚዛን ንምልላይ ንነብስኻ መን ምዃንካ ክትፈልጥ ትፍትን፡ ትዕዘብን ትመራመርን፡ ካብ ከምዚ ከማኻ ደቂ ሰባት ብዙሕ ጠቓሚ ነገር ክትመሃር ትግደድ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ተኽብር፡ ንዓበይቲ ዓድን ንምራሕቲ ሃይማኖታትን ተኽብርን ካብኦም ካኣ ብዙሕ ትመሃር፡፡ (ካብ ምህሮ ኣእምሮ) ብሕጊ ዓደቦ ትምእዘዝ፡፡ ብንዕቀት እንተድኣ ቀሪብካዮ ንሱውን ንዓኻ ክንዕቀካ ስለ ዝጅምር፡ ተደርቢኻ ስምካ ኣርሲሕካ ከም እትነብር ትርዳእ፡፡ ስለ’ዚ ብኣሕዋትካ ብህዝብኻ ንጹግ ንኸይትኸውን ነቲ ብቕንዕና ዘፍረኻዮ ስነስርዓትን ፍልጠትን ብዘይ ስግኣትን ፍርሕን  ጥርጣሬን ሓሳብካ ትገልጽ፡ ተቐባልነት ከኣ ትረክብ፡ ንዝእርመካ ብትሕትናን ምስጋናን ትቕበሎ፡፡ ኣብ ኣኼባታት፡ ኣብ ባይቶ፡ኮታ ዝኾነ ይኹን ምስ ህዝቢ እትዘራረበሉ ግዜ፡ ነቲ እትብሎ ኣብ ግብሪ ዘይትትርጉሞ እንተኾንካ ንዕለታዊ ተግባራትካ ብደቂቕ ዝመዝኑ፡ በረጋግጻ እግርኻን ምንቅስቓስ ከናፍርካን ብቕጽበት ከለልዩኻ ዝኽእሉ ሰባት ከምዘለዉ ኣሚንካ፡ ነቲ እትብሎኣብ ግብሪ  ዘይትትርጉሞ ምዃንካ ዝፈልጡ ከም ዘልው ብምርዳእ፡ ክትገብሮ  ዘይትኽእል ካብ ምዝራብ ትቑጠብ፡፡   

     ስለዚ ኣቱም ንቃወም ኣሎና ንቃለስ ኣሎና እንብል ኩልና ነየናይ ስልጣን ክንውንን ኢና እነቃለስ ዘሎና፡ ስልጣን እኮ ህዝቢ ሒዝካ እዩ፡ ንሕዝቢ ሓርነቱ ምስ ኣጎናጸፍካዮ ናይ ስልጣን ቆጽሊ ዘውድቐልካ፡ ስለዚ ቃልስና ንውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ይኹን፡ ነስተውዕል ደጊምና ነስተውዕል፡ ነዚ ክነስተውዕል እንተዘይኪኢልና ግን ካብቶም 4 ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማሕዩር ሒዞም ዝቕጥቅጥዎ ዘለዉ ኢሳያስን ክልተ የማነን ሐጎስ ኪሻን ኣይንሓይሽን ኢና፡፡ በጃኻትኩም ነስተውዕል ሕልናና ንመርምር፡ ነቶም ብዓቕሞም ዝቃለሱ ዘለው፡ ነቐፍቶምን ኣረምቶምን ድኣ ንኹን እምበር ተቓወምቶምን መጸሎምቶምን ኣይንኹን፡፡ ንህዝቢ ሓራምውጻእ ናይ ኩልና ስራሕ ይኹን፡፡ ንኹልና ተቓወምቲ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን  ነዞም ኢዶም ኣጣሚሮም ከምዘይናቶም ዝርእዩ ዘለዉን ነዚ ሽፍታ መንግስቲ ክነባርር ክንበቅዕ ኣምላኽ ሕብረትን ዓቕምን ይሀበና፡፡

     ዝኽሪ ንስዉኣት ሓርነት

     ስኒትን ሓድነትን ንተቓወምቲ ውድባትን ንሲቪካዊ ማሕበራትን ህዝብን

  ፍስሓጽዮን ደስታ

21.11.06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2503

Posted by on Nov 21 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net