ካብ ዕንወት ህንጸት ኣይንጽበን

ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ዘመናዊ ምሕደራዊ ፖሊሲታት ወይ ዲታተርነት ወይ ዲሞክራሲያውነት ባህሪ ዝለበሰ ኮይኑ ኩሉ ተዛማዲ ድኣ እንበር ማዕረ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ እቶም እዚ ክልተ ባህሪ ምምሕዳር ዝብገሰሎ -ም ሕገ ህንጻታት ዋላ በቲ ንገዛእቲ ዝጥዕሞም መንገዲዉን ዝተማልኤን ኣብ ባይታ ዘየሎን ገይሮም ከመሓድሩ ስለ ዝፍትኑ።

ኣብ ኤርትራዉን ዲክታቶር የመሓድራ ኣሎ ካብ በልና ሓደ ባህሪ ካብ ክልቲኡ ክሕዝ ነሩዎ። እንተኾነ ግን ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ግዲ ካብ,ዚ ክልቲኡ ጠባያት ምሕደራ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት መዛመዲ ባህሪ የብሉን፡ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ሰዓብቲ ህዝቢ ኣለውዎ። ንኣብነት ካብቶም ዝስዕብዎ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ሰሩዓቱ ከምዚ ይብሉ “ ንስኻትኩም ከም ተቓወምቲ ነቲ ኣወንታ ናይ መንግስቲ ጨሪሽኩም ትንክፍ ከተብልዎ ኣይትደልዩን፡ ኣበይ ኣላ ድኽምቲ ነጥቢ ሃሰስ ኢልኩም ከተካፍእዎ እንበር በዚኣስ ኣወንታ ኣላቶ ክትብሉ ሰሚዕናኩም ኣይንፈልጥን” ወ.ዘ.ተ ክብሉ ኣነ ብወገነይ እሰምዕ።

እስከ እታ ብወገንኩም ኣወንታ እትብልዋ ስራሕ ናይዚ መንግስቲ ኣየነይቲ እያ? ኢልካ ምስ እትሓቶም ጽርግያ ይሰርሕ ኣሎ፡ ሓጽቢታት ( ዲጋታት ) ይኮዓት ኣሎ፡ገዛውቲ ይህነጽ ኣሎ፡ ትብል ናይ “ጸማም ሓደ ደርፉ” መዝሙር ኣብ ኣመሪካ ዘለው ኣብ ኤውሮጳ ዘለው ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎው ሓንቲ ምዃና ቴማ ናይዞም እንዳፈለጡ ይኹኑ ከይፈለጡ እትዝመር መዝሙር ከም ዘላ በሪሁለይ ነዚ ከም እውን(ጭቡጥ) ፍርያት ገይሩ ዝወሰዶ መንግስቲ ህግድፍ ድማ ኣብ ቲቪ ኤረ  እንተተመልከትካ ትራክተራት ይኹና ቡልደዘራት ምስ መዓት ዶሮና ዑብ ክብላ ይረኣያ። ኤረ ሓደሓደ ጊዜስ ኣገኒንካ ድኣ ከይትብሉኒ እንበር ከም ሲነማ ወይ ዜና ነታ ሓንቲ ቦታ ክደጋግምዋ ይረኤ እዩ። ህዝቢዉን ደናጉላ ክስከም፡ ክዂዕት፡ ኣብ ጥሙ ከብዱ ክለፍዕ ትርኢ ኢኻ።

እዚ እንተኾይኑ እቲ ህንጻ ትብልዎ እዚ 1% ስራሕ መንግስቲ ዘይኮነስ ስራሕ ናይ ሓንቲ ዘደኸመት ካምፓኒ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዝግበር ቀሊል ተግባ -ር’ዩ። ንህዝቢ ሓልዮት ድዩ ወይስ ሻቕሎት ንተመራመርቲ ገዲፈ ጣልያን እቲ ባዕዳዊ ገዛኢዉን ተመሳሳሊ ህንጻን ጽርግያን ሰሪሑ ኔሩ። ንጠቕሚ መን? ንተመራመርቲ ንሕደጎ። እቲ ቀንዲ ነገር ህዝቢ ኤርትራ (5) ካብ ሓደ ስድራ ኣሰዊኡ ነጻነት ከምጽእ ከሎ ነቲ ናይ ባዕዳውያን ክደግም ወይ ክምልስ ኣይነበረን፥ ትጽቢቱ ብኣንጻሩ እዩ ኔሩ።

እንበኣር እቶም በዚ ከም ዓብይ ኣስተዋጽኦ ናይ መንግስቲ ስራሕ ጌርኩም ተመጉሱ ዝነበርኩም እንካዕ ደስ በለኩም!! ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ትሕበንሉ ዝነበርኩም ጽርግያን፥ ዲጋን(ሓጽቢ)፥ ገዛውቲን፥ ካብ ዝተረጋገጸ ምንጪ ሓበ ሬታት ሓሶት ክትብልዎ ወይ ክትኣምንዎ ዘይኮነስ ምዕብልና ከም ዘይነበረ ንኽትፈልጡ ውጽኢቱ እንሆ!!……………………………………..

እቲ ዝኮዓት ዝነበረ ሓጽብታት( ዲጋታት ) ከምቲ ኣብ ምዂዓቱ ዝተራእየ ማይ ምስ ዓቖረ  ህዝቢ፥ ይኹን፥ ማል፥ ከሰትያሉ ብፍላይ ኣብ ጊዜ ደርቂ ኣይተራእየን ጥራይ ዘይኮነስ ማይ ከም ዝዓቁር ብኽኢላታት ከም ዘይተሰርሔ መሃንድሳት ናይ ኤርትራ ኣብኡ ዝጸንሑ ይገልጽዎ ኣሎው። ምኽንያቱ ይብሉ እቲ ዲጋታት ክስራሕ ከሎ ፍሉይ ክእለትን መጽናዕትን ኣይተገብረሉን። ከመይ እቲ ናብኡ ዝመጽእ ውሕጅ ዝኽልከል እንበር ንታሕቲ ከይዘልቕ ዝኣክል እምንን ስሚንቶን ስለ ዘይተነጸፈሉ እቲ ማይ ክሳብ ምህራም ዝገድፎ ብመጠኑ ኣቚሩ ጸንሑ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ( October ) ምስ በጽሔ መሬት ጥራይ ከም ዝተራየ እዙይ ድማ ብዙሕ ጉልበት ብኸንቱ ከም ዝባኸነ ይምስክሩ ኣሎው? ንምሕባር ዝኣክል እቲ ዲጋታት ብገለ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዝተሰርሔ ኣብ ዝተፋላለየ ኩርናዕ ናይታ ሃገር ግን ብርግጽ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ ከም ዝወዓለ ይሕብሩ። ነዚ በዓል ሐደ ደርፎም ከመይ ትርእይዎ? እቲ ወገን ሓፋሽ ውጹዕ ህዝቢ,ኸ ከመይ ይርእዮ ንዓኻትኩም ይግደፍ። 

ብዛዕባ ዝተሰርሔ ጽርግያ

እዚ ድማ ብርግጽ ተሰሪሑ ኔሩ መብዛሕትኡ ሓመድ ዝተደላደለ ኮይኑ ገለገለ ናይ ቕጥራን ( ካትራመ ) ዝተሰነየ ምንባሩ ይሕብሩ እንተኾነ ግን እዚዉን ከም ሓጽቢ( ዲጋ ) ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ኣይውዓለን እቲ ናይ ሓመድ ተርፍ ውሕጅ ዝወሰዶ ሳዕሪ ኣብቚሉ እቲ ጽርግያውን ሳዕሪ ከብቁል ቁሩብ ተሪፍዎ ከም ዘሎ ይሕብሩ። እቲ ምኽንያት ድማ መኻይን ኩለን ብዘይካ ናይ መንግስቲ ንሰን ድማ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ በንዚን ተሳኢኑ ጠጠው ካብ ዝብላ ብፍላይ እተን ናብ ርሑቕ ዝወናጨፋ ኣውርሓት ዓመታት ኮይኑ ዋላ ነዳዲ ተረኺቡ ይበሃል ብክብሪ ገዛኢ የለን ስለዚ እቲ ናብ ኩሉ ከራኽብ ተባሂሉ ብዙሕ ጉልበት ኤርትራዊ ዝሃለኸሉ ፍረ ዘየምጽኤ ኣዒንትና ጥራይ ሪኢና ደኺምና ፈረ ግን ኣይሓፈስናን ዝብል ሓበሬታ ኣሎ። ብዘይ ምግናን 70% ካብተን ኣብ ጽርግያ ዝወናጨፋ ዘነበራ መካይን ጠጠው ከም ዝበላ ይሕብሩ። ኣነ ብዓይነይ ኣብ ኢተርነት ሕልፍ ክብል ዝረኣኹዋ ሓንቲ ምሳሌ ከቕርበልኩም…ሓደ ዜጋ ክቕተል ከሎ ኣብ ማእከል ጽርግያ ናይ ኣስመራ እቲ ጎደና ኣይተሕስዉኒ ኣበየናይ ምዃኑ ኣየረጋግጽን ብርግጽ እቲ ፊልም ናይ መዋቲ ዘቕረበ ዜጋ ኣብ ቆንስል ናይ መንግስቲ ጣልያን ሰራሕተኛ በታ ዘቕረባ ቪድዮ ቅዳሕ ቀትሪ ነሩ ጌዜ እታ ጎደና ንውሓታ እንተቕረብኩ ከም ቃል ኣጋንኖ ከይውሰድ እንበር ቅድድ ኢላ ብዘይካ ሓንቲ ማኪና ንሳ ድማ ካብ ጎደና ወጻኢ ጠጠው ዝበለት ካልእ ወይ ፓርክ ዝገብራ ወይ ዝዛወራ ዘይ ብሉ ንነዊሕ ባዶ ጎደና ምስ ረኣኹ ኣስደሚሙኒ!!! እሞ,ኸኣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብምዃኑ ትዕዝብቲ ኔሩኒ ምስ ዘሎኒ ሓበሬታ ኣዛሚደ ክርእዮ ክሎኹ ብርግጽ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቦትኡ ምህላው የምዝነኒ እታ ዝብለኩም ዘሎኹ ሓበሬታ ኣብ እንተርነት ኣቲኹም ንምርኣይ ይከኣል እዩ። እቲ ጊዜ ብርግጽ እኳ እንተዘይ ሓዝኩዎ ኣብ ወርሒ 5ወይ 6/2006 ኣቢሉ ኔሩ።

ብዛዕባ ዝተሰርሔ ገዛውቲ ( ኣባይቲ ) እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣሎ።

እዚ ተሰሪሑ ዝበሃል ገዛውቲ ኣታሃናንጽኡ,ኳ ክሳብ ክንደይ ነባሪ እዩ ኣብ ግምት ዝኣቱ እንተኾነ ኣብ መን ይንበሮ ጥራይ ኤርትራዊ ክሰፍሮ ኣይኮነን ክነብርውን መዓልታዊ ባኒ ዝረኽበላ ዕድል ተሳኢኑ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ይርከብ ስለ ዘሎ ናብዚ ተሰርሑ ዝበሃል ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ክትካረዮ ሕልሚ እዩ እንተኣትዮሞ እንተዘይኣትዮሞ ወጻእተኛታትን ኣብ ወጻኢ ደቆም ዝሰደዱ ወለድን እንተዘይ ኮይኑ ምእንቲ ርእሱ ሰብን ውላድንዉን ኣብ በረኻን ኣብ ዕርድን ባዓትን ኮይኑ ኣሎ ሰፈርና ክብሉ ዘተረጋገጹ ነበርትን ዓቕሚ ሚዛኖም ብቐሊል ዘይግመቱ ደቂ-ሰባት ይትንትንዎ ኣሎው። እንበኣር ህንጻ ማለት ምዕብልና ማለት እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነቶም ውጽዓት ኣእምሮን ፈሊጣውያን ምሁራት ኢና በሃልቲ ከደምቲ ህግድፍን እቲ ናይ ምዕብልና ጎደና ኣበየናይ ተዓጊቱ ኣሎ ከነርእዮም ካብ ምፍታን ኣይንቚጠ -ብን። እዚ ጥራይውን ኣይኮነን እቶም ዕቡያት ጃንዳታት ህግድፍ ዝቕርብዎ መከላኽሊ ንስጣኑ፡ ብዙሕ እዩ። ከም ኣብነት ልኡላውነት ሃገር፥ ኤርትራ ኣብ ግዝኣት ስለ ዝጸንሔት ዓለምን ኣመሪካን ይዘርያና ስለ ዘለዋ ወ.ዘ.ተ. ይብሉ እዮም እቲ ክሓብእዎ ዝደልዩ ናይ ተንኮለኛታት ገመድ በቲኽካ ንህዝብና ካብዚ ዘይመስመሩ መንገዲ ንምድሓን ከቶ ኣይክንሕለልን ኢና። ስለ,ዚ ኣብ ገዛኢ ጉጅለ ኤርትራ ቅንጣብ ምዕባለ ከምጽእ ከም ዘይክእል ዋላውን ምስ ሱዳን ተዓሪቕና ንኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ኣቲና ከነዳኽማ ኢና ዝብል ፕሮፖጋንዳታት ይነዝሕን ንገለገለ ወይጦታቱ ፈኽፈኽ ዘብሎም ናይ ወረ ዋህዮታቶም ይምልኡወን “ ጥንስትስ ያ እንተጎስዔት ዝሓረሰት ይመስላ” ከም ዝበሃል ምስላ ኣበው ሓንሳብ ኣብ ታኼላ እንድሕር ኣትዩ ሓደ መንግስቲ ብቐሊል ንኩውንነት ክቕይሮ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ናይ የዋሃት ሓሳባት እዩ። ኣበየናይ ታኼላ ከም ዝኣተወ ጉጅለ እሳያስ ኣብ ዝቕጽል ከቕርቦ,የ ክሳብ በታ ትቕጽል ንራኸብ ሰናይ ንባብ።

ፍስሓጽዮን ገብረ

ሃገር ጀርመን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2508

Posted by on Dec 15 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net