ካብ ዕንወት ህንጸት ኣይንጽበን

መቐጸልታ ናይ”ቲ ኣብ ቀዳመይቲ ሕታም ብዛዕባ ሓጽቢ፤ ጽርግያ፤ ህንጻ፡ ሎሚ ድማ ነቶም መንግስትና ተዓዊቱ  ንመንግስቲ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ዓሪቕዎም ነተን ኣብኡ ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝነበረ መደበረን ዳርጋ ዓጽዩዎን፤ መንግስትና ንኢትዮጵያ ብኹሉ ሸናኻት ዓጽዩዋ ሕጂ ድማ ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ሶማል ሓገዝ እንዳሃበ ብሶማል ኣትዩ ንኢትዮጵያ ፋሕፋሕ የእትዩላ። ውግእ ኣብ ሃገርና ካብ ዝእጎድ ብሶማል ኣቲኻ ንኢትዮጵያ ሓምሽሽካ ልዕልናኻን ዶብካን ምምላስ ቅኑዕ እዩ ዝብሉ ዘይሓፍሩ ሃዋርያት ህግድፍ ንኽርድኡ በዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከብርሆ ክፍትን እየ።

መንግስቲ ኤርትራ እታ ዝቐለለት ክገብራ ዝነበሮ ምስ ናቱ ተቓወምቲ ዘለዎ ሽግር ምጽባብ፤ ካብ ኣብ ምእመናን ሃይማኖት ዘለዎ ኢድ ኣእታወነት ምስሓብ፤ ካብ ኣብ ዓለም ዘየለ ኣብ ሕጊ ሃምረቢ ዘይተገበረ ኣብ መሰርሕ ምሕደራ ዓለም ዘየሎ ንዓቕሚ ኣዳም/ሂዋን ዝበጽሑ ውላድኩም ካብ ሰራዊት ስለ ዝሃደሙኒ ወይ ኣምጽእዎም ወይ 50.000 ናቕፋ ክፈሉ ወይ ኣብ ማእሰርቲ ትበልዩ ዝብል ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ምቚጣብ ካብ ፓትሪያሪክ ብዘይ ገበን፤ መሻይኽ ብዘይ-ገበን ምእሳር እንተዝቚጠብ ቁሩብ ናይ ስልጣኑ ጊዜ መናውሔ እንተዝብሉ ሰብ ዝቕበሎ ሓሳብ ምኾነ። ነዚ ጽቡቕ ህንጸት,ዚ ግን ንሱ ኣይገብሮን ሰዓብቱዉን ኣይመኽርዎን ከም ሸልቶን ሪመርኪዮን ጎደና ዕንወት እንበር ጎደና ህንጸት ስለ ዘይመረጹ።

ካብዚ ብምንቃል እዚ ጉጅለ,ዚን ሰዓብቱን ናይ ውድቀቶም መንገዲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ካብ ዝበጽሕ ሓያለ ኣዋርሕ ሓሊፉ ናብ ዓመታት ተጸጊዑ ከም ዘሎ ባዕሎም ከም ዝርድእዎ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ተቓዉሞ ዝበሃል ንዓዓቶም ምስ መራሕኦም ኣብተን ብግሉጽ ብዋሕዲ ድዩ ብብዝሒ ዝቃወማ ዘለዋ ውድባት ተሓጺሩ ዘሎ እዩ ዝመስሎም ዘሎ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ብኸብዱ ጽልኣቱ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ እዘን ውድባት በጺሑ ከም ዘሎ ግን ዝተረድኦም ኣይመስሉን። እተን ውድባት ዘለወን ተጻብኦ ሕጋዊ ፖለቲ -ካዊ ኣምር እዩ። ህዝቢ ኤርትራን ህግድፍን ዘሎዎም ተጻብኦ ግን ድጉል ቂምታ ዝተሓወሶ ምዃኑ ህግድፍ ኣብታ እትመጽእ ተካሊት ማዓልቱ ዝንበብ,ዩ። እዙይ ድማ ስቕ ኢሉ ዝበቖለ ኣይኮነን ብደገን ብውሽጥን ካብ ዝኸይድ መሰርሕ ተቓዉሞታት እንዳዓበየን እንዳዓኾኸን ዝመጸ ውጽኢት ቃልሲ ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ። ሕዱር ሕማምን ምሕደራ ህግድፍን እቱይ ናብ ሞት እቱይ ናብ ወድቀት ተጸበይቲ ምዃኖም ዓለም ዝሰማማዓሉ ኣድማሳዊ ስነ-ሞጎት እዩ። ምኽንያቱ ካብ 1994 ብሓፈሻ ካብ 2002 ድማ ብፍላይ ንስልጣን ህግድፍ ዘሕጽር እንበር ንስልጣን ህግድፍ ዘናውሕ ስራሕ ኣይተራእየን።

ህግድፍ ደንቆሮ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይሓስብ ምኳኑ ንምግማት ዝኣክል ኣብ ኤርትራ ፓትሪያሪክን ሙፍትን እሞ ኸኣ ህዝቢ ዝድግፎም ክኣስር ከሎ ኣብ ጥራይ ዝባኑ ቀትሪ መዓልቲ ቆፎ ንህቢ ይሰብር ከም ዘሎ ክርድኦ ኔሩዎ። ስለ,ዚ ህግድፍ በትረ-ስልጣኑ ዘላ እመስሎ ይኸውን። ብወገነይ ደፋኢ ሲኢኑ ኣንበር የሎን በሃላይ እየ።

እቲ ከገብሮ ዝነበሮ መሰረታዊ ዕዮ ገዛ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኮይኑ እቲ ኣብ ሱዳን ፈጺምዎ ዝበሃል ናይ ዕርቂ ሓገዝ ናይ ሓቅን ዘላቒ ፍታሕን ዘምጽእ ከም ዘይኮነ ነቶም ከም ፍታሕ ዝተረኸበ መሲልዎም ንግዚኡ ፈኽፈኽ ዝብሉ ዘለዉ ንኸይርድኡ ዝተማህሩ ሰዓብቱ ምእንቲ ክፈልጡ ንመንግስቲ ሱዳን ምስ ናይ ምብራቕ ተቓወምቶም ገይረዮ ዝብሎ ዕርቂ ምስ ሱዳን ንባዕሉ እዩ ታዓሪቑ እንበር ንመንግስቲ ሱዳን ከጥቅዕ ኢሉ ከምቲ ዝውረ ክሳብ ብኸቢድ በርትን ድሩዓት መኻይንን ዝውንን ሓይሊ ሃደንደዋ ኣይነበረን። እዙይ ምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ይፈልጡ ተቓወምቲ ይፈልጡ ባዕሉ ህግድፍ እዉን ይፈልጥ እዩ። እዙይ ማለተይ ግን ንይምሰል በቲ ሕ/ሰብ ብጃ ዝዛረቡ ጉጅለ ኣይነበሩን ማለተይ ከም ዘይኮነ ኣንባቢ ክርድኣለይ ይደሊ። እዞም ነዚ ዓሌት እዚ ንውክል ኢና ዝብሉ ውልቀ-ሰባት ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኣቢሉ ኣብ ራድዮ እንዳዛረበ ታንክታቱን ድሩዓት መኻይኑን ኣምሪሑ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ይዋግኦም ከም ዝነበረ ንመንግስቲ ሱዳን ክሳብ ተራ ወተሃደራቱ ዝፈልጥዎን ኣብቲ ውግእ ውዒልና ዝብሉን ኣብዚ ዘሎኹዎ ሀገር ይርከብዎም። ብፍላይ ብፍላይ እኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሰብ ገዲፉ ንብረቱ ብፖርት-ሱዳን ወደብ ክጥቀም ምስ ጀመረ ናይ ነዳዲ ውዕል ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውዑል ምስ ተፈረመ የኽፍኣለይ ከይበለ ከም በዓል ጀ. ተኽለ ማንጁስ ዝመርሖ ክ/ሰራዊት ኣብ ዶብ ሱዳን ቀዋሚ መደበር ክሳብ ሕጂ ኣሰሩ ኣሎ እዩ።

ኣነ ከም ሰብ ብርእይቶይ ዘቕርቦ ሓደ ሓቀኛ ክውንነት ናይዞም በጃ ዝበሃሉ ሕ/ሰብ ብፍላይ ሀደንደዋ ብዝብል ዝፍለጡ ኣብ ወተሃደራዉን ቀዋሚ ቦታን ስልጠናን ወሲዶም ኣብ ሓጺር ጊዜ ክሳብ ታንክን ድሩዓት መኻይንን ሚንጣዕን ጌሮም ክንዲ ሱዳን ዝኣክል መንግስቲ ከዳኽሙ እሞ ኸኣ ናይ ደቡብ ውግእ ጠጠው ኣብ ዝበለሉ ጌዜ ክእምነካ ዝኽእል ባይታ የሎን። ኣብ ቦታ እዞም ዓሌት እዚኦም ጀብሃ ልዕሊ 27 ዓመት ዝኽውን ኣብ ንሶም ዘለዉሉ ቦታ ተቐሚጣ 2% ካብኦም ብዕግበት ወይ ብንቕሓት ወይ ብሃገራዊ ጻውዒት ኣሰሊፋ ኣይትፈልጥን ዋላ እንተተፈተኑ ኣብ ሰሙኖም ኣብ ከሰላ ትረኽቦም። ስለ,ዚ ካብዚኦም ዓሌት ንምስላፍ 0% ትጽቢት ኔሩ፡ ይጋገ ተልየ ካልኦት ክእርሙኒ እቕበሎ እየ። ፈውሲ ማሕላ ካብዞም ዓሌት እዚኦም ሐደ ሰብ ከመይ ዓብዩ ብኸመይ ተማሂሩ ኣይፈልጥን ሓመድ-ድሄ ዝበሃል ንፉዕ ካድር ኔሩዎም ኣብ ጀብሃ ብኹሉ ሸነኹ ዳርጋ ምዕቡል ዝኾነ ሰብ ከምቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝበሃል ምስላ እዚ ሰብ እፈልጥ! ዋላ”ኳ ኣፍልጦይ ናይ ውልቀ-ሰብ ይኹን ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቶም እንዳበለ ዘመኽንየሉ ተንኮል ንምቅላዕ እኹል መረዳእታ ንምቕራብ ዝኣክል እየ ኣምጺኤዮ። እቲ ንዓኦም ካብ ምስላፍ ንኸምልጡ ባይታ ዝኾኖም ምኽንያት ሃደንደዋ ናይ ሱዳንን ሃደንደዋ ናይ ኤርትራን ዋላ ብዶብ ዋላ ብወለዶ ክትፈልዮም ኣሸጋሪ”ዩ በቲ ዘሎኒ ኣፍልጦ። በዚ መሰረት እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕርቦ ሸፈጥ ዳርጋ ኣንጭዋ ፊሒራ ትረኽቦ ሚስጢር ምንባሩ ዝሃብኩዎ መረዳእታ እኹል እመስለኒ። ምናልባሽ ሰብ ዝቕበሎን ዝኣምኖን መንገዲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ሓይሊ ዘለዎም  ምንቅስቓስ ፈጢሮም ንምብራቕ ሱዳን ከቢድ ሳዕቤን ከምጽኡ ዝኽእሉ ሓይሊ ሕ/ሰብ ሕ/ሰብ በንዓሚር ብዘለዎም ዓቕሚ ይኹን ኣቃማምጣን ኣሰላልፋን ክእመን ምተኻእለ ህግድፍ ግና እዞም ዓሌት እዚኦም መሳርሒ ክኾኑ ስለ ዘይደለዩ ኣብኡ ኣይነበሩን ኣብቲ ዕርቂዉን የለዉን።

እዚ ኩሉ ኸኣ ንሕለፎ ኣብቲ ዕርቂ መን ተጠቒሙ ዝብል ንምጻእ። እንበኣር ተጠቃሚ ናይ,ዚ ዕርቂ መንግስቲ ሱዳን እዩ። ንሶም ድማ ኣይኮኑን ዕረቑና ኢሎም ንመንግስቲ ዝለመኑ መንግስቲ ኤርትራ እዩ እታ ብጸገሙ ክዕረቐኩም ደልየ ትብል ኣምር ስለ ዘሰከፈቶ ምስ ተቓወምትኹም ክዓርቀኩ -ም ክብሎም ከሎ ነቲ ኣምሲሉ ሰላም ከሊእዎም ዝነበረ ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበልዎ ናይ ግድን ይኸውን። እንኳዕ ተጠቐምሉ ኸኣ መንግስቲ ሱዳን ገበርቲ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ። ብዝተረፈ እቲ ኲውንነት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ፤ ካልእ ዝገብሮ፤ ካልእ ምዃኑ ሱዳን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ኢዮም። መንግስቲ ሱዳን በዚ ጥራይ ኣይኮኑን ተዓዊቶም ኣብ ደቡብዉን ተዓዊቶም ነዚ ኩሉ ክዕወትሉ ከለው ዋጋ እንዳከፈሉ ኢዮም። ምኽንያቱ ጠቕሚ ሰላም ስለ ዝተረድኦም ብኡኡ ጥራይ ኣይተወሰኑን ኣብ ዳርፎርዉን ንዘለዉ ተቓወምቶም ኣብ ዘተ ኣትኪሎም ብምሓዝ ምኽንያትን ከምልጥሉ ዝኽእሉ መህደሚ ከሊኦሞም ኢዮም። እዚ ድማ እዩ ሃገርን ንብሰ ምትእምማንን ዝበሃል። ንተቓወምቶም ክቕበልዎም ከለው ካብ ስልጣን በቲ ዝዓግብሉ ካብ ሃብቲ ብሓባር ክጥቀምሉ ሃይማኖትን ባህልን ተኻባቢሮም ክነብሩ ኣምየን ኢሎም ምቕባሎም ንጎረቤት ትምህርቲ ቅንኢ ዘሕድር ስራሕ ሰሪሖም ኢዮም። ስለ,ዚ ንብሱ ዝተኣማመን መንግስቲ ንተቓወምቱ ብድሆ ኣብ ጠረበዛ ክብል ምኽኣል,ዩ። እዙይ መንግስቲ ህግድፍ ክምርጾ ኣይክእልን ምኽንያቱ ንዕንወት እንበር ንህንጸት ሃገር ሓሊሙ ስለ ዘይፈልጥ። መንግስቲ ሱዳን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ብልጫ ዘርእዮ ዘሎ ኣብ ህላዌ ፓርቲታት ዝኣምን ብሕጊን ብቕዋምን ዝቕየድ መንግስቲ እዩ። ካልእ ተወሳኺ ብልጫ ነቶም ክሓቚፍዎም ዝደለዩ ብዘተ ዝተሰማምዕዎም የሕዋቶም ሰብ ደቡብ ይኩኑ ሰብ ምብራቕ ቦታ ግደፍሎም ምስ ተባህለ ምክትል ዝነበረ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ  ናይ መጎዓዝያ ዝነበረ ከምኡዉን ተወሰኽቲ ካልኦት ሚኒስተራት ካብ ቦትኦም ሕራይ ንሰላም ክብሉ  ብዘይ ገለ ሽግር ቦትኦም ክሓድጉ ክትርኢ ከሎኻ ኣብ ኤርትራውያን ምተኻእለ,ዶ ኣብ ዝብል ሕቶ የእትወካ። ካብ ተቓወምቲዉን እትዋትን ዝርኤ ፍርያትን ዘየለ ክነሱ ክዋጠጡ ምርኣይ ልሙድ እዩ ኣብ መራሕቲ ኤርትራ። ኣብ መንግስቲ ኤርትራ እሞ ኸኣ እቲ ቀንዲ ሽግር ዓዲ ዘጥፍእ ዘሎ ነዚኣ ክሓልፋን ክነቕሓላን ስለ ዘይከኣለ እዩ። ብዝተረፈ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ምዕራቕ ፍታሕ ከም ዘምጽእ ዝርዳእ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ተቓወምቲ ይበዝሓ ንዔዔን ክኣሊ ምሓሾ፡ እንተኾነ ክገብሮ ኣይክእልን ንህጸት ስለ ዘይተበገሰ። በዚ እንበኣር እቲ ገይረዮ ዝብሎ ዕርቂ ንሱዳን ዘላቒ ክኸውን እዩ። ንኤርትራ ግን ናይ ጊዚያዊ ናይ ነዳዲ ሽግር ወይ ዘራእትን ኣትክልትን ዝርከበሉ ንኡስ ጊዜ ምሽማት,ዩ። እዙይ ግን መንግስቲ ሱዳን ክሳብ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ወይዉን ህግድፍ ባዕሉ ከምቲ ኣመሉ ክሳብ ዝዕጾ ዝኸይድ,ዩ።

ይቕጽል ……

ፍስሓጽዮን ገብረ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2510

Posted by on Dec 19 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net