እቲ መዋእል መድረኽ ግሉጽነት እዩ እትኣምነሉ ካብ ጽሕፍካ ግን ኣይትተሓባእ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዕለት 04/ 11/2006 ኣብ መስከረም ዳት ነት ዶ. በየነ ኪዳነ ኣቦ/መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ዝገበሮ ህዝባዊ ሰሚናር ብዛዕባ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ

ዲሞክራስያዊ ኪዳን  ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ጉባኢኡ ክዛረበሉ ኣሎዎ ኢሉ ገሊጹ

ትብል ሓሶት ኣቐምጥ ኣቢሉ ኣብ ጎና ድማ ስእሊ ናይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣቐሚጡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ባዕሉ ዝቃለስ ህዝቢ እዩ ሓገዝ ኣይሓትትን ከም ዝበለ ጌርካ ተጻሒፉ ሪኢና ዝብሉ የሕዋት ረኺበ

ከም መርትዖ ክሕዛ ሃሰስ ኢለ ኣይረኸብኩዋን ተጻሒፋ ከም ዝነበረት ግን ተወሳኺ ሓበሬታታት መዝጊበ።

ካልእ ኣብ ዕለት 19/11/06 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነጋሽ ዓብዱ ዝተባህለ ሓው

ዝጸሓፋ ብዛዕባ ሰሚናር ዓብደላ ኣደም ዝገበሮ ተሳቲፈ ኢሉ “ገለገለ ካብ መልሲ ንሕቶታት ይኹን ኣብ መግለጺኡ ኣብ ኲውንነት ዘይተመርኮሰ ከም ዝነበረ ጌሩ ከቕርብ ፈቲኑ” ምሉእ ጸብጻብ ናብ መስከረም ድማ እዩ ኣቕሪቡ

ቀጺለ ድማ ኣብ ዕለት 21/11/2006 ኣብ መስከረም ነት ከም ሓታታይ ዝመስል ግን ብባህርያቱ ስሙ ዘይጠቅሰ “ኣብ ሱዳን ዘሎ ግፋ እንዳተራእየ መንእሰያት ብግፋ ኣብ ዝኣትውዎ ተፊእዎም እንዳረኣየ ዶ. በየነ ኪዳነ እሞ ኸኣ ኣቦ/መንበር ግሃድኤ ዝኣክል ንብሰይ ኣውጽእኒ ጠንጢንዎም ሃዲሙ ናብ ጀርመን መጺኡ ኣብኡ ኮይኑ ዋላ ኣየድሕኖም ኣብየት ክብለሎም ይግባእ ኔሩ” ተጋግየ ተኾይነ ድማ ኣርሙኒ ይብል።

ኣብ,ዚ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ ከም ትዕዝብተይ እቲ ናይ መስከረም ንኸም,ዚ ጥራይ እሞ ኸኣ ካብ ተቓውሞ ንዝተፈለዩ ሸነኻት ንምጥቃዕ ጥቕሚ እነተ

-ለዎ ባዕሉ ይፈልጣ በዚ መንገዲ,ዚ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝውዕል እዩ

ባሃላይ ተኾይኑ ግን ኣይግድን!! ብዙሕ መቕረብኩ ግን ክምዕድ እንበር ከፍርስ ኣይጽሕፍን። ብዛዕባ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዶ.ር በየነን ኣጒዶ

ሰሪሕካ ቂምኩም ኣይትረስዑ ዝዓይነቱ ጽሑፍን ስእልን ከም ዊን ዝበለካ ምቕራብውን ኣብ ተቓወምቲ ጽልኢ ጥራይ ኣይኮነን ዘለካ ንዕቀት ዝወሰኽካሉ ትመስል። እንተንሕና ካባይ ጀሚርካ ኣድሓኖም ናይ ትማሊ መራሒ ግንባር ድሕነት ጸኒሑ ብሕጂዉን ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለወን ዘሎናን ግርጭታትና ፈቲሕና ሓቢርና ክንምክት እዩ ምርጫናን ተስፋ ህዝብናን። ኣብ ቃልሲ ኸኣ ዘሎ እዩ ምግርጫውን ግርጭትካ ምፍታሕን። ስለ,ዚ እቶም ንኸምዚ እትሓልሙ ደቂ ሰባት ክጠፍእን ክበርስን እንቃለሰሉ ዘለና በሰላታት ካብ ምጒዳእ እንተተቖጠብኩም ድራር ህዝቢ ምኾነ።

ኣብቲ ናይ ነጋሽ ዓብዱ ክመጽእ እቲ ስሙ ብግልጺ ምቕራቡ ብጣዕሚ የምስግኖ። ኣብቲ ዝሃቦ ሰፊሕ ጸብጻብዉን ናብ ዘይቦትኡ ድኣ ሰዲድዎ

እንበር ንፉዕ ሪፖርተር ብዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ጉባኤ  ( ኤህም ) ዝነበረ

ተርእዮ ሕጂ ናብኡ ተመሊሱ ሓቲቱ ልኻይ ከውጽእ ምፍታኑ ግን ኣይግድን ካብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ) ተሳጊርናስ ሕጂዉን ካልኦት ክመጹና ወይ ኪንከዶም እሞ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ምጥርናፍ ኣብ ምስጓም ከም ዘሎና ግንዛቤ ክህልዎ ኔሩዎ ከም ኣጻሓሕፍኡን ዓቕሙን። ግን ከምቲ ወዲ ሻዉል ዝበሎ ኣብታ ናይ ዓብደላ ዘይኣግሃድካያ 60,ስ ኣላታ። ግን ከኣ ክሓተካ ኣብታ ናይ ዓብደላስ ተሳቲፍካ በቲ ንዓኻ ዝጥዕመካ ጽቡቕ ሪፖርት የሕሊፍካ ኣብቲ ህግድፍ ዝገብሮ ሰሚናራት,ከ ከም,ዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ተገዲስካ ናብ እትኣምነሉ ዘሎካ ውድብ የሕሊፍካ,ዶ ትፈልጥ? ተሪር ሕቶ,ኸ ኣብ ኣኼባ ህግድፍ ሓቲትካዶ ትፈልጥ? ምኽንያቱ ብካልእ ኣይኮንኩን ከም,ዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ እሞ ብረቒቕ ናይ ምጥቓዕ ባህሪ ዘለዎ ካብ ደንበ ተቓውሞ ዋላ ፍልልይ ይሃሉ ኣይሃሉ ህዝብና እዝኑ ክኸፍተሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነ እዚ ማለተይ ግን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዝርከብ ጌጋ ኣይተቃልዕ ማለተይ ጌርካ ኣይትውሰዶ።

ብዛዕባ እታ ከም ሳልሳይ  ኣብነት ጌረ ኣቕሪበያ ዘለኹ ንእሽቶ ሕቶን

ነውሪ ከም ዝገበረ ኣቦ/መንበር ግሃድኤን ጌርካ ዝቐረበት እንተኾይኑ ድማ

ኣርሙኒ ዝብል ስለ ዘሰነያ ዋላ,ኳ ስሙ ኣይጽሓፍ ንምእራሙ እቲ ናይ ሱዳን

ሽግር ብምህላው ዶ/ር በየነ ኪዳነ ዝድረት ኣይኮነን ኩነታት ዘምጽኦ ሃገራውን

ኣህጉራዉን ምዕባሌ እዩ። ኣብ ግንባር ድሕነት ኣብ ዘይህላወ ዶ/ር በየነ ዝሰርሑን ዝገጥሙን ዓሰርተታት ኣማእት ኣሎው። ብኪዳን ደረጃ ናይ ብዙ

ሓት ውድባት ኣቦ/ወንበራት ኣሎው ኣብ ሱዳን። ብውድብና ደረጃ እዉን ኣይትስጋእ ከም,ዚ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣሳራርሓ ሒዝና ንኸይድ ዘሎና ከይመስለካ ኣይትሰከፍ። እቲ ካብ ሱዳን ነብሱ ከውጽእ መጺኡ ዝበልካዮ ድማ ናብ,ዚ ቆጺርዎ ዝጸንሔ ፍሉይ መደብ ስለ ዝነበሮ ካብ ኢትዮጵያ ድማ እዩ ተበጊሱ ብቐንዱ ድማ ኣይናይ መራሒ ይኹን ኣቦ/መንበር ናይ ተቓውሞ ስለ ዝተኣሰረን ሰለ ዝጠርጠረን እዩ,ሞ ሃዲሙ ናብ ምባል ዘሀወኸካ? ብዓንዳ ርእሱ ድማ ናይ ኣሳራርሓ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳይ ኣብ መብዛሕትኤን ውድባት ይኹን ውድብና እቲ ጉዳይ ንቡር ዝምድና እንተኾይኑ ምስ ሱዳን ይኹን ካልኦት መንግስታት ዝራኽብ ቤ/ት ጽሕፈት ኣሎ እዩ። እቲ ጸጥታዊ ኩነት ናይ ሓንቲ ሀገር ኣብ ዘይንቡር ተልዩ ድማ እታ ተዓቚብካላ ዘሎኻ ሀገር ዝደለየቶ ስጉምቲ ከም እትወስድ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ።

መጠቓለሊ ንኹሉ ብጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ብፍላይ ከኣ ሕማቕ ናይ ግሃድኤ

ዝምነ ንጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ይምነ እዩ ዝብል እምንቶ የብለይን ጽቡቕ

ትምኒት ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይኮነን። ሓረድዋ ሞተት ነጸዩዋ ሞተት ናይ

ግንባር ድሕነት ስጉምቲ ቀጻሊ እዩ። ብትምኒት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮ

-ነስ ብትምኒትን ጸሎትን ህዝቢ ኤርትራ ብጸዓት ኣባላቱን ኣብ ተግባር ይርከብ። ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ድማ ዝተባህለ እንተተባህለ በዝን ወዲኪንዲዚን

ንድሕሪት ኣይምለስን ብናይ ሰለስተ ኣርባዕተ ውድባት ተደሪቱ ኪነብርውን

ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ኣይኮነን  ተመሳሳሊ መድብ ዕዮ ዘለወን ምንቅስቓሳት ኩለን ኣብ ሓደ ኽልሕማ ናይ ወትሩ ቃልሱን ዕላምኡ እዩ።

ፍስሓጽዮን ገብረ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2512

Posted by on Nov 23 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net