እንታይ እዩ ክግበር ዘለዎ?

ካብ ወርሒ ሰነ  2006 ፍርቂ ጀሚሩ እቲ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝነበረ ባይታ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ብዓይኒ ፖለቲካውን ዜናውን ጸጥታውን ኩነታት ናብ ካልእ ጥርዚ እንዳተቐየረ ከም ዝመጸ ንኹልና ብሩህ እዩ።

እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ባይታ ተቓውሞ ኣግዲፉ ናብ ጠቕሙ ንምቕያር ን( 10 ) ዓመታት ጽዒርሉን ሚልዮናት ኣውጺኡሉን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ንዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ (MPLA) ብመሪሕነት ጆንገረንግ ናብ ጠቕሙ ከውዕሎ ብዙሕ ፈቲኑ ኣብ መወዳእታ  ኣመሪካውያን በርቲዖሞ ተሓዲጉ። ከቢድ ጽልዋ ግን ነይሩዎን ኣልዎን። ካልእ ተወሳኺ ናይ ፖለቲካዊ ቁማር ካርድታት ግን ናይ ዳርፎርን ናይ ምብራቕ ሱዳንን ተቓወምቲ ኔሩዎን ኣልዎን። ሕጂዉን ኣብቲ ናይ ዳርፎር እቶም ዝዓበየ ካርድ ዝውንኑ ኣመሪካውያን ምስ ኤውሮጳ ከየሕደግዎ ኣይተርፉን እቲ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ህግድፍ ግን እታ ሳልሰይቲ ካርድ ናይ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ተግባር ዝተዓወተላ እመስለኒ።

እዚ ክካየድ ከሎ ተቓወምቲ ውድባት ይኹና ሰልፍታት ኤርትራ ካልእ ተሪፉ

ምሕዝነት ካብ ዝምስረት ካብ 1999 ጀሚረን ካሳብ 2006 ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ብደገፍ ግንባር ሰንዓ-ፎርም ይኹን ብተናጸል ኣብ ሰለስትኤን

ሃገራት ንዋታዊ፥ ሞራላዊ፥ ሕጋዊ-ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ኣቐዲሙ ንምሕዝነት

ድሒሩ ንኪዳን ክፉት ዕድል ኔሩዎ!!! ነዚ ዕድል,ዚ ተጠቒምሉ,ዶ ኣይተቐመ

ሉን? ናብ ኪዳን ዝግደፍ መልሲ,ኳ እንተኾነ ብወገነይ ግን እዚ ኩሉ ዕድል,ዚ

ኣብ ነንሕድሕዱ ኣብ ምውጣጥን ኣብ ምፍጣጥን ከም ዝሕለፎ እየ ዝርዳእ።

ብዙሕ ምኽንያታት መቕረብኩ ሓጋዚ ግን ኣይኮነን። ሕጂ ንመን ኢና ከነላግበሉ ሕመቕና ዋላ ሓደ ዝቕበለና የሎን ኣነ ኮሎ ንብሰይ ሓዊሰ ተቐባልይ ናይቲ ሕመቕ እየ። ህግድፍ መደባቱ ክዔውት ዋላ ምስ ሸይጣን

ተመሓዝዩ ሚልዮናት ኣጥፊኡ ዋላ ጊዝያዊ ይኹን ዝሓሰቦ ከዔውት ከሎ ብዓይኒ ህግድፍ ኮይና ንርኣዮ ንሕሰብ ድማ!!! ሱዳን ብዓይኒ ሃገራዊ ረብሓ

ነንብቦ። መሰሎም እዩ ካብ ዝኮነ ምንቅስቓሳት ጠጠው ከብሉና የሕሊፎም

ናብ ሞትን ማእሰርትን ናብ ህግድፍ ምርካብን ክሳብ ዘይኮነ ዝወስድዎ ስጉምቲ ሕጋውን ሉኡላውን መሰሎም ምኻኑ ካብ ማንም ዝጽበይዎ ኣይኮነን

ናይ ሱዳን ክሳብ መዓልቱ ኣብዚ ንሕደጎ፥ ሕጂ ዘላትና ካርድ መቃለሲ ናይ እትዮጵያ እያ ንሳ ድማ ብመንፈዓትና ዝተረኽበት ዘይኮነትስ ኩነታት

ዝፈጠራ ምዃና ንማንም ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ነዛ ካርድ እዚኣ ሓደ ጊዜ ኣጥፊኡዋ ኣሎ ንኽሕዛ ብዙሕ ፈተነታት ይገብር ምህላዉ ታቓወምቲ ኣይኮነን ተራ ህዝብና ዝዕዘባን ዝካታተላን ካርድ ኣላ። እዛ ካርድ እዚኣ ብቕንጅት ኣቢላ ብሶማል ኣቢላ ብኻልእ ረቒቕ ናይ መጨረሻ ሕልሚ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዱብ ከብላ ዝኽእል ካርድ ከይትህሉዉን እጠራጠር እየ። ስለዚ እዚ ኣንጻር ኣመሪካ ዝመስል ፈይ ዘብሎ ክስታትን ጸርፍታትንዉን ብርእቶይ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳያስ ብግስ ካብ ዝብል ኣነ ካብቶም ( New Democracy ) ዝኽተል ውድብ እየ ክብል ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ  ኣበይ ከም ዝተጸግዔ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እዚ ተመኩሮታት,ዚ ክንመሃረሉ ይግባእ እዩ።

ሕጂ,ኸ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ሱዳን ዝነበረና ባይታ ክሳብ ነጥፍእ ድቓስ

ዘሎዶ እመስለኩም? ብወገነይ ብኻልእ ዘይኮነስ ብብዙሕ ነገራት ኣብ ሱዳን ዝነበረ ምቾት ናይ ድሕረ-ግንባር ኣይርከብን እዩ። ኣብነት ኣብ ሱዳን ሰብ ብዘይ ክዳንን ኣብ ደገን ክድቕስ ይኽእል። ኣብ ክራይ ገዛ እንተመጺናውን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ገዛን ብዘይ ረጒድ ክዳንን ኪንበር ኣይከኣልን ናይ,ዚ

ክብሪ ቀሊል ኣኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ማይን ክራማትን ካብኡ ክትዕቆብን ዘሎ ተኽእሎ ብቐሊል ኣይግመትን። ብዓይኒ መነባብሮዉን ኣዝዩ ፍልልይ ኣሎ ብሓጺሩ ኣብ ሱዳን ዝዕጾ ዝነበረ ክራይ ኣባይቲ ሓገዛት ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ,ኸ ኢትዮጵያውያን በይኖም ክዓጽውዎ ክእለት

ኣሎ,ዶ? ዝፈልጥ የሎን። ካልእ እቲ ቀንዲ ዝበዝሓ ውድባት ዝጽበየኦ ካብ

ኣባልተን ዝርከብ ናይ ውጽኢት ሓገዝ እዩ፤ እዚ,ኸ ምስ,ዚ ሕጂ ኣብ ዓለም

ዝርኤ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ይከኣል,ዶ? ናይ ሕቶ ምልክት እዩ ዝስዕብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ናይ ሱዳን ንቓልሲ ዝምችእ ኩነታት ግን ኣሎ

መሬት ትጻበብ ስለ ዘላ ወይ ቁልፍኻ ሸጥ ኣቢልካ ፍታሓት ከተምጽእ ከይደ

ቀስካ ምሕዳር እዩ ወይ ድማ ካብ ቃልሲ ኣላሽ ኢልካ ምልጋስ እዩ። እዚ ዘብለኒ ዘሎ ኣብ,ቲ መእተዊየይ ክስርሖም ዝነበሮም ዓመታት ስለ ዘጥፋእና

እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ዝብኢ ካብ ዝበልዓካ ዝብኢ በሊዕካ ተነሳሕ ዝበሃል

ምስላ ኣቦታት ከንቱ ኣይኮነን። መራሕቲ ውድባትና ተመኩረኦም ክንደይ ዓመት ይኸውን? መራሕቲ ቅንጅት,ከ ተመኩሮኦም ክንደይ እዩ ኣብ ሓደ

ተጠርኒፎም ናይ ሓባር ስጉምቲ ክወስዱ,ኸ ክንደይ ወርሒ ወይ ክንደይ ዓመት ወሲዱሎም? ንሕሰብ ሓሲብና ድማ ቅንኢ ነሕድር።

ብዝተረፈ ክሳብ ክንደይ ኢና ንሕመቕና እንዳሸፈና ክንነብር ሓደ ጊዜ

ኣብ ሓደ ሽግ ከነርህ ምእንቲ ድኻማትና ከም ተመኩሮ ንምዘን።

ብወገነይ ሕጂ ኪዳን ክገብሮም ዘለዎ ከምዚ እመስለኒ፡

1.     ናይ 10 ዓመት ተመኩርኡ ክመዝን ይግባእ፤ መዚኑ ካብቲ ድኹም ጎድኒታቱ ንምውጻእ ሓዱሽ ስልቲ ሃሰስ ይበል።

2.     እቶም ካብ ውሽጡ ወጺኦም ኣንጻሩ ዝብገሱ ዘለው ይኹኑ ኣብ ውሽጡ

ዘይጸንሑ ይብዝሑ ይንኣሱ ምንቅስቓሳት ኣዛራሪባ ፍታሓት እተናዲ ናይ

ምዝታይ ሽማግለ ክንቀሳቕስ ይግባእ። እዚ ድማ ቅድሚ ዋዕላ ዘሎ ጊዜ ምስ ዝኸውን ኣድማዕነት ኣለዎ እብል ብወገነይ።

3.     ነዚ ፈተነ ድሕሪ ምክያድ ዝኣበዩን ዝታሰማምዑን ዘቐረበሎም ፍታሕን

   ብዘይ ምሽፋን ናብ ህዝቢ ክገልጾ ምፍታን።

 ከም መተሓሳሰቢ

ማግለታት ንስነ ምውጻእ ዘይኮነ ቅድሚ ክልተ ሽማግለታት ኣውጺኤ ይብል

ብፍላይ ናይታ ንውድባትን ማህበራትን ምሁራትን ወዘተ ውጺኣ ስራሓ ከኣ “ብተለፎንዶ ብሓዱሽ ምራኸቢ,ዶ ስርሔይ ውዲኤ” ዝበለት ስማግለ ሓው በሽር ይስሓቕ ዝመርሓ ሽማግለ ኣብይ፤ መዓስ፤ ከመይ፤ ስራሓ ፈጺማ ዝሃበቶ ጸብጻብ ብወገነይ ክንዲ ኪዳንን ክንዲ ዘሎና ጸገማትን ዝኣክል በቲ ዝተባህለ ጸብጻብ እንተዘይተታለልና ይሓይሽ እብል።

ፍስሓጽዮን ገብረ

ኣ/ግሃድኤ ጀርመን።

21.11.06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2514

Posted by on Nov 21 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net