ካብ ዕንወት ህንጸት ኣይንጽበን

ሳልሳይ/ ክፋል

እንበኣር እቲ ኣምሲልካ መተዓረቒ ዝተጠቕመሉ ስልቲ ከመይ መጺኡ መን ደልዩዎ ንምፍላጥ ኣብ,ቲ መጀመርያ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ምርኣይ ይከኣል,ዩ።

ብዝኾነ ንግዜ ንግደፎ እንበር ከምቲ ባዕሉ ዘምጽኦ ቀንጠብጠብ ክብል ባዕሉ ከም ዘፍርሶ ዘማትእ ኣይኮነን። እቲ ኣጀንዳ፡ ኣጀንዳ፡ ናይ ውድባት ድሕረ-ግንባር ምዕጻው ኣይነበረን እዙይ ዘይምንባሩ ዘረድኣካ እታ ዕርቂ ኣብ ቆጸሮ ከላ ትተዓወት ኣይትተዓወት ኣብ ናይ ነዳዲ ኲንትራት,ዩ ተቓላጢፉ ዝተፈራረመ። እዚኣ ናይ ጠቕሚ ጉዳይ ስለ ዝኾነት እቶም ተቓወምቲ ካብታ ዝቐረበትሎም ፍታሕ ዕጥይጥይ እንተዝ -ብሉ ኔሮም በንዚኑ ይርከብ እንበር ካብ ኣስመራ እክብ ኣቢሉ ከረክቦም ተዳልዩ ከም ዝነበረ ተዓዘብቲ በጺሔሞ ኔሮም። ንሱዳናውያን እንበኣር ኣብታ ጊዜ እቲኣ ክልተ ጽቡቕ ዕድል ኣጋጢምዎም። እቲ ሓደ ንተቓወምቶም ህግድፍ ብጸገሙ እንተኣብዮም ከረክቦም ኣብ ቀረባ ከም ዘሎ ፈሊጦም። ካላኣይ ድማ ኣብቲ ጊዜ,ቲ ብሰንኪ ጉዳይ ዳርፎር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቁጠባ ማዕቀብቲ ክግበረሎም ኣብ ጸቕጢ ናይ ኣመሪካ ይፋጠጡ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ስለ ዝነበረ ብሕጊ ዓለም ዘይግዛእን ዘይሰምዕን ጸማም (Customer)ዓሚል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዉዑል ክኣትወሎም ተረባሕቲ ኔሮም። ስለ,ዚ ዋላ,ኳ ህግድፍ ቤት/ጽ/ ተቓወምቲ ክዕጸወሉ ሕልሙ እንተ- ነበረ ኣብቲ ጊዜ,ቲ ኣጀንዳ ህግድፍ ካልእ ምንባሩ ኣብሪሄዮ ኣሎኹ። ስለ,ዚ ድማ ካርድ ህግድፍ ኣብ ናይ ባዕሉ ታኼላ ከመይ ይወጽእ ዝዓለመ ምንባሩ ብሩህ,ዩ። እቲ ክዕጾ ዝተሓልመ ናይ ማዕዶ ሰዓብቱ ናይ ባዕሉ ናይ ቁጠባ ማሕነቕቲ ከም ዘለዎን ከም ዝነበሮን ንሕብሮም። እንተተዓጸወ ድማ ካብ ከሰላ ነቒልካ ናብ ሕምብርቲ ኤርትራ ምጥቃዕ ዳንጋ እንተተረኺቡ ካብ ዓዲ ግራት ዛላ-ኣንበሳ ዶሽካ ተኺልካ እሳያስ እንዳሸነ ከትርክበሉ ይቐልል።  

ሓሩጭን ስንቅን ጥራይ የድሊ። በቲ ይኹን በዚ ከም ናይ,ዚ ዘለናዮ መዋእል ዝምችእ ድሕረ-ግንባር ተረኺቡ ኣይፈልጥን። ተጠቒምናሉ,ዶ ኣይተጠቐምናሉን ከም ተቓውሞ ኣቐዲመ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ናይ ኪዳን ሓተታ ስለ ዘቕረብኩዎ ክደግሞ ኣይደልን። ምእንቲ,ዚ ሽግር ህግድፍ ከም መሽንቕቖ ክጸብብ እንበር ክሰፍሕ ከም ዘይክእል ነቶም ህግድፍ ነቕ ዝይብል ዓንዲ ጌሮም ዝሓስብዎ ክርድኡ ይግባእ። ኻልእ ሰዓብቲ ህግድፍ ክፈልጥዎ ዘለዎም ኣብዚ ሕጂ ዘሎ መድረኽ ተቓወምቲ ህግድፍ እዘን ናይ ነዊሕ ዓመታት ብግሉጽ ክቓወምኦ ዝጸንሓ ምንቕስቓሳት ጥራይ ይመስሎም ይኸውን። ሳላ ኣሳራርሓ ህግድፍ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሰዓብቲ መንግ ስቲ ኢና በሃልቲ ኩሉ ገለ  ብኸብዱ ገለ ብግብሪ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ከም ዘሎ እንዳፈለጡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቤት/ጽሕፈት ተቓወምቲ  ይተዓጾ ኣይተዓጾ ንህግድፍ ካብ ጉዕዞ ውድቀቱ ዘድሕኖ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ መልእኽቲ ናይ ምቅዋም ኣብ ኩሉ ስድራ ኤርትራ ኣትዩ እዩ። እዚ ድማ ካብ ብተቓወምቲ ኣቢሉ ዝበጽሔ ብኣሳራርሓ ህግድፍ ዝበጽሔ ናይ ምቅዋም ስምብራት ይሕይል። በዚ ምኽንያት ምውዳቕ እዚ ጉጅለ,ዚ ዘይተርፍ ዕዳ እዩ።

ሕጂውን ሕፍር ከይበሉ መንግስትና ንኢትዮጵያ ብመንገዲ ሶማላዊ እስላማዊ መጋባእያ ኣቢሉ ከዕንዋ እዩ። በዚ ኣቢሉ እቲ ውግእ ኣብ ዶብናን ኣብ ህዝብናን ዘለዎ ስለ ዘይኮነ ብሶማል ኣቲኻ ንኢትዮጵያ ፋሕፋሕ ከነብላ ኢና ዝብሉ ትምክሕተኛታት ድማ ኣሎዉ። ምዃንኳ ካብቲ ጸረ ምዕባሌ ዝኾነ ጉጅለ ዘረኽብዎ ሃበሬታ ምዃኑ ብሩህ እንተኾነ ንኹሎም ምእንቲ ክርድኡ ሓንቲ ምስላ ከም ዛንታ ንሰምዓ ኣላ ንሳ ድማ ህበይ ሓጋይ ኮይኑ ቀለብ ምስ ሰኣነት እቲ ዝዓበየ ናይ ጨንቂ ሓሳብ ኣምጺኡ “ ዓልም እንተትግልበጥስ ክንደይ ኲዕንቲ ምጸገብና ምስ በለ እቲ ዝነኣሰን ዝጎርሔን ካብ ህበይ ትቕብል ኣቢሉ ንሕና,ሞ ኣበይ ክንጸንሕ ኢና ኢሉዎ ይበሃል” እቲ ከምዚ ዝበለ እቲ ዝጎርሔ ክፍሊ ካብቲ መጋርያ ናይ ህበይ ቃውጽ ይበሃል። 

ህጂ ድማ እዞም ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ሓደ ቃውጽ እንተተረኸቦም መን ይፈልጥ ንሕብሮም ምኽንያቱ እቲ ውግእ ክሳብ ንኢትዮጳያ ናይ ምጥፋእ ዝዓለመ እን -ድኣ ኮይኑ ጎረበት ክሳብ ዝኾነት ኤርትራውን ኣይተርፋን ጅቡቲውን፤ ከንያ ሓዊስካ ኣበይ እሞ ክጸንሓ እየን ንብሎም። ስለ,ዝ እዚ ዝሓልምዎ ዘለወ ውግእ እንተድኣ ተባርዑ ኣብ ሓጺር ጊዜ ናብ ጅቡቲ፤ ከኒያ፤ ኤርትራ ክልሕም ግዜ ዝህብ ከም ዘይከውን ክርድኡ ኣለዎም። እቲ ሕማቕ ናይ ጎረበት ዝምነ ሰላም ናቱ ክትሕሎ ኣይጽብን,ዩ። ህግድፍ ምስ ሰዓብቱ ግን ስለምንታይ ኢዮም ከምኡ ዝጽበዩ ምስ ዝበሃል ግን እቲ ሓቂ ንዕንወት እንተ -ዘይኮይኑ ንህንጸት ስለ ዘይብገሱ እዩ መልሱ። እቲ ዝምነይዎ ዘለዉ ኲናት መልክዑ እንታይ ክመስል,ዩ ኣየናይ ሓይሊ ኣበይ ክስራዕ እዩ ሀይማኖታዊ መልክዕ እንተሒዙ ናበይ ገጹ እዩ? ህግድፋውያን ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ክሓስብሉ ኣለዎም። ዓለም እንተኾይኑ እዚ ውግእ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጳያን እንተድኣ ተባሪዑ ሓደገኛ ስለ ዝኾኑ ዓለም ምሕልፎ የጠንቅቕ ኣሎ ህግድፍ ከኣ ይህንደድ ኣሎ ውጽኢት ድማ ከምታ ናይ ባድማ ኣብ ጣዕሳ ከይንኣቱ ምጥንቃቕ የድሊ። ካብዚ ውግእ,ዚ ድማ ተጠቃሚ መን,ዩ ህዝቢ ሶማል? ኢትዮጳያ? ጅቡቲ? ኤርትራ? ከኒያ? ኩሎም ኣይመስለንን ምናልባሽ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ደለይቲ ዕንወት,ዮም። ዕንወት መንይደልያ?……………………..

  ካብዚ ነቒለ ድማ ነቶም ብልኡላውነት ኣመኽንዮም ንህግድፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ብፍላጥ ዝከላኸሉ ተዃሉ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ፈሊጣውያን ምሁራት ኢና በሃልቲ  ገለ መልሲ ኣሎኒ ነቶም ይብሉ ኣለው ኢሎም ዝስዕብዎም እንተኣድሓንኩ። ብትኽክል እቲ ኣባሃህላ ዶብ ከይተሓንጸጸ ሕቶ ቅዋም፤ ሕቶ መሰል፤ ሕቶ ዲሞክራሲ ክውንዘፍ ኣለዎ ማለቶም,ዩ።

ንምዃኑ ሕቶ ልኡላውነት ሕጊን ህዝብን ዘይፈልጥን ዘየኽብርን መንግስቲ መስል እምነትን ሃይማኖትን ዘየኽብር መንግስቲ ንስጣን ቤተ.ክርስትያንን መስጊድን፡ዝግህስ ንመንበረ ፓትርያሪክ ዝደፍር መንግስቲ ከመይ ገይሩ እዩ ሕቶ ልኡላውነት መሬት ከምልስ ትጽበይዎ? ሕቶ ልኡላውነት ህዝቢ,ዶ ይቕድም ሕቶ ልኡላውነት መሬት? ሰብን ሃይማኖትን ዘይከብሩላ ምሬት ንመን ከተገልግል,ያ ትድለ? እታ ትበሃል ዘላ ሸፈጥ ህግድፍ ስሱዕን ናይ ጉጅልኡ ዘገድሶን ስለ ዝኾነ መን ክነብረላ ኢሉ ብዛዕባ ልኡላውነት ይግደስ?

ህግድፍ ብዛዕባ ልኡላውነት ዘገድሶ እንተዝኸውን ብዘይካ ፍልይቲ ቦታ ባድማ ምሉእ መሬት ኤርትራ ልኡላውነት ኔሩዎ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎራባብቱ ተኸባቢሩን ኮሪዑን ካብ ዝነብረላ ዝነበረ ዝተከበረት ሃገር ናብ ኣስጋኢ ልኡላውነት የእትዩዋ? ስሱዕ ስለ ዝኾነ ሕጂ,ኸ እንታይ መረጋገጺ ኣሎኩም ልኡላውነት ንምምላስ መድብ ኣሎውን የብሉን? እንበኣር ብርእቶይ ህግድፍ ልኡላውነት መሬት ክመልስ ኣይብቅዕን ጥራይ ዘይኮነስ ኣይደልን እዩ ባሃላይ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ድሕረ ምምላሽ ህቶ ዶብ ዝመጾ ቅሙጥ ናዕቢ ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ። ኣንቱም እትካላኸልሉዉን ስለ ትፈልጡ። ከም ግቡእ ዋላ,ኳ ውዕል ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ነናተን ጉድለት ይሃልወን ኣብ ምፍትሑን ተግባራውነቱን ግደ ሓቀኛ ዳንነት ናይ ሕ. መ. ዓለም ጸቕጢ ዘይምግባሩ ንገዛእቲ ሓይልታት ዕድል ዝኸፍት ንተገዛኢ ኣህዛብ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ድማ ናብ ድኽነትን ሕማምን ድንቚርናን ዝሸምም,ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ቀንዲ ተጎዲኡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ብቐዳምትነት ዝስራዕ እዚ ድማ ከም ናዕቢ( ጠንቂ) ውግእ ጉጅለ ህግድፍ ከም ሳዕቤን ድማ ዓለም ንህግድፍ በቲ ዛኣተውዎ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣይተሓጋገዝዎን ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ስለ ዝኾነት። ኣብ ባድመ ውጻእ ክበሃል ከሎ ዝሓለፎ ጌጋ ሕጂ ክኽፈሎ ንርኢ ኣሎና። በዚ ይኹን በቲ ኣብ ጉዳይ ዶብ ዘሎ ጸገም በዚ ዝኸዶ ዘሎ ብናይ ህግድፍ ኣገባብ ክፍታሕ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። ስለዝኾነ መፍትሕ ሽግር ዶብ ይኹን ካልእ ናይ መሰል፤ ናይ ድሞ/ሲ፤ ናይ ሰላም፤ ናይ ቅዋም፤ ሕቶ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራን ባዕሉ ብዝመረጾም መራሕትን ባዕሉ ብዝገብሮ ቅዋምን ጥራይ,ዩ ዘላቒ ሰላምን ፍታሕን ዝመጽእ። ኣብዚ ብምእማን ድማ ህዝቢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰሪዑን ተወዲቡን ስኑ ነኺሱ ክገጥሞ ኣለዎ። ኣብ ካልእ ዓንቀጽ ክሳብ ንራኸብ ሰናይ ንባብ።

ርሑስ በዓል ልደተ-ክርስቶስ ንኹሎም ምእመናን

ፍስሓጽዮን ገብረ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2516

Posted by on Dec 24 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net