ጠቕላላ ጕባኤ ኪዳን ንምንታይ ኣድለየ?

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
12.07.2006

ኣብ’ቲ ኣብ ሚያዝያ 2006 ዓ.ም እተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት፡ ቅድሚ ምዝዛም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ጠቕላላ ጕባኤ ኪዳን ክግበር ተወሲኑ። ዕላማኡ ድማ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ኪዳን ዘሎ ደረጃ ናይ ስኒት ክብ ብምባል፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ብብቕዓት ምምካት ኢዩ። ቅድሚ 6 ዓመት ኣትሒዙ ዝተመስረተን ስሩዕ ኣኼባታቱ ከካይድ ዝጸንሐን ምሕዝነት፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ ዝድለ ስትራተጂካዊ ስኒት ኣብ መንጐ ኣባላቱ ዝዀና ውድባት እንተደኣ ዘየረጋገጸ ኰይኑ፤ እምበር’ዶ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምርግጋጽ ተስፋ ኣለዎ’ዩ? ዝብል ቅቡል ሕቶ ክለዓል ይከኣል ኢዩ። ብሰንኪ ግጉይ ተግባራት ዲክታቶርያዊ ጕጅለ፡ ኣብ ኤኮኖምያውን ጸጥታውን ፖለቲካውን መዳያት ዝሰዓበ ወጥርታትን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ህጹጽ ምዕባለታትን፥ ሃገርና ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ኣብ እተምርሓሉ ዘላ እዋን፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ክለዓል ባህርያውን ቅቡልን ኢዩ። ነዚ ቅቡል ሕቶ’ዚ እንህቦ መልሲ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምምካት ሰፊሕ ሓባራዊ ግንባራዊ ዕዮ ምክያድ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ መንጐ ውድባት ክውለድ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ነቲ ካብ ኣርብዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ዓብሊሉ ዝጸንሐ ናይ ካልእ ርእይቶ ዘይቅበልን ንህላወ ናይ ካልኦት ዝኽሕድን ኣተሓሳስባ ቀስ ብቐስ ባይታ እናጻበበሉ ክመጽእ ተራእዩ ዝብል ኢዩ። እዚ ናይ ካልእ ርእይቶ ዘይቕበል ኣተሓሳስባ እዚ ከኣ’ዩ፡ ነቲ ህዝብና ንዳርጋ 60 ዓመታት ዝኸውን ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘረጋገጾ ዓወታት፡ ንረብሓ ናይ ሓደ ንሃገርና ናብ ገሃነም እሳት ገጹ ዝመርሓ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክውዕል ባብ ዝኸፈተሉ።

ልክዕ’ዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ ውድባት ተረጋጊጹ ዘሎ ስኒት፡ ነቲ ትጽቢት ዘየማልእ ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ነቲ መድረኻዊ ብድሆታት ንምምካት ውን ዘብቅዕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምዅናን ምስምማዕ ጥራሕ፡ ሃገር ንምህናጽን ሓድነት ናይ’ቲ ብብዙሕነት ናይ ባህልን መበቆልን ዝልለ ህዝቢ ንምርግጋጽን እኹል ኣይኰነን። ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ንኣብነት፡ ንባህግታት ናይ ህዝብና ዘይኰነስ፤ ብኣንጻሩ፡ ንውልቃዊ ባህግታት ናይ’ቲ ገዛኢ ጕጅለ ዘርወየን፤ ንናይ ህዝብና ስቅያትን ግርጭታትን ዘዕመቈን፤ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ናይ ህዝብና ናይ ዘይምትእምማን ሃውህው ዝፈጠረን ምዃኑ ምጥቃስ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕ ዝብል መደብ ዕዮ ጥራሕ ነቲ ኣብ መንጐ ክፍልታት ህዝብና ዝፍጠር ግርጭታትን ቅልውላዋትን መቐጸልታ እንተዘይኰይኑ ካልእ ፍሉይ ውጽኢት ክህልዎ ኣይኰነን። ስለ’ዚ፡ ብመንጽር’ቲ ነጊሱ ዝጸንሐ ምክፍፋላት፡ እዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ስኒት ከም ንቕድሚት እንስጕመሉ መበገሲ ክንወስዶ ደኣ’ምበር፤ ንድሕሪት ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ናብ ናይ ካልእ ርእይቶ ምንጻግ መድረኽ ክንመልሶን፤ ንኵሉ ሓቅታት ክንሰግሮን ኣይግባእን።

ሓቀኛ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር መታን ክንምስርት፡ ምስ ሓድነት ህዝብና ምትእስሳር ዘለዎ ጕዳይ መሰል ናይ ሃብቲ ምክፋልን፥ ጕዳይ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ናይ ዝተፈላለዩ ባህላውን ሃይማኖታውን ክፍልታት ምርግጋጽን፡ ብግልጽነት ክንዛረበሉ ግዜኡ ዝኣኸለ ኢዩ ዝመስል። ገለገለ ዓንቀጻት ናይ’ቲ ቻርተር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ርሱን ክትዓትን ምስሕሓባትን ምፍጣሩ፡ ካብ’ቲ ንኤርትራ መን የመሓድራ፡ መን’ከ ይርብሓላ ዝብል ኣተሓሳስባ ወጺእና፤ ናብ ኤርትራ ከመይ ትመሓደር ዝብል ኣተሓሳስባ ምስጋርና፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ምዕባለ ይርአ ከምዘሎ ዝሕብር ኣወንታዊ ምልክት ኢዩ። ጠቕላላ ጕባኤ ኪዳን ከኣ፡ እዚ ጕዳይ’ዚ ዝለዓለሉን፡ ምስ ኣወንታውን ኣሉታውን ተመኵሮታት ጕዕዞ ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ብምዝማድ ብግልጽነት ክትዕ ዝካየደሉን ንትጽቢታት ናይ ኵሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ እተማልአ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝወጽኣሉ መድረኽ ክኸውን ምዃኑ ድማ፡ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2533

Posted by on Jul 12 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net