ኣስገዳድ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ መንእሰያት ናይ ምምልምል መደብ ወይስ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኤርትራ

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
13.06.2006

ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ወይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣጸዋውዓ ገለገለ መንግስታት፡ ኣብ መዳይ ስነ-ስርዓትን ምፍጻም ግቡኣት ብስሩዕ ኣገባብን ዘትኰረ መደብ  ምልመላ ናይ መንእሰያት ኰይኑ፤ ነዚ መደብ’ዚ ኣብ ምትግባር ንዓቕምታት ተመልመልቲ መንእሰያት፡ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ናይ መንግስታዊ ትካላት ናይ ማእቶት መስርሕ ብምጽማድ፡ ተወሳኺ ዓቕሚ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዝዓለመ ኢዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ዕድመ ናይ ውግእ ወይ ምስ’ቲ እታ ሃገር እትሓልፎ ዘሉ ፍሉይ ኵነታት ዘተኣሳስር ነገር የብሉን። እንታይ ደኣ፡ መንእሰያት ኣብ ሓደ ውሱን ዕድመ ምስ በጽሑ ዝሕወስዎ ቀጻሊ ወይ ዘየቋርጽ መደብ ኰይኑ፡ ኣብ’ዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝጸንሕሉ ግዜ ድማ፡ ብሕጊ ዝተወሰነ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስነ-ስርዓትን ግቡኣት ምፍጻምን እተሰረተ ሕግታት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን፥ ንሃገራዊ ስምዒት ናይ መንእሰያት ዘዕሙቕ፡ ሓላፍነቶም ብተኣማንነትን ብክእለትን ንምፍጻም ዘኽእል፡ ንምምሕዳራዊ ብልሽውናን ሸለልትነትን ዘየተባብዕ ክኸውን ከምዘለዎኝ፤ ብኸም’ዚ ኣገባብ ናይ ምልመላ ዝተዋህለለን ዝተጠርየን ኣወንታዊ ክብርትታት፡ ነቲ ኣሉታዊ ልምድታት ኣብ ምስዓር ግደ ክህልዎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን፡ ብዅሉ መዐቀኒታቱ፡ ካብ’ቲ ካልኦት መንግስታት ዓለም ዝጥቀምሉ ኣገባብ ዝተፈልየ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ንሃገሮም ብንቕሓትን ብክእለትን ክከላኸሉን ከገልግሉን ዘኽእሎም ናይ ሓላፍነት ጾር ንኽስከሙ ዘዳሉ ወይ ዝሕግዝ ዘይኰነስ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብመላኡ ዝፍጸም ናይ መቕጻዕቲ መርሆ ኰይኑ፤ ወጽኢቱ ድማ ብኣንጻር ናይ’ቲ ንምርግጋጹ እተበገሰሉ ሃገራዊ ዕላማታት ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ፡ እዚ መደብ’ዚ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን፡ ዕድመ ናይ ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሕሉ ግዜ ይኹን ኣገልግሎት ክህቡ ዘለዎም ክፍልታት ናይ ህዝብና መነመን ምዃኖም ብመሰረት እተወሰነ ሕጊ ስለዘይኰነን፤ ነቲ ሃይማኖታዊ ክብርታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእቱ ስለዝዀነን ኢዩ። ናይ’ቲ ስርዓት ናይ ኣስገዳድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ 18 ዓመት ንታሕትን ካብ 50 ዓመት ንላዕልን ዝዕድሚኦም ዜጋታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፤ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ትምህርቲ ዕድሚኦም ክሳዕ ዝውድኡ ውን ዝፈላሊ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ክፍሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተመሃሮ፡ ኣብ ፍልጠት ክቕስምሉ ምቹእ ዘይኰነ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ኰይኖም ነታ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቶም ክከታተሉ ዝገብር መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጀሚሩ ኣሎ። ተመሃሮን መምህራንን ኣብ’ዚ መደበራት’ዚ ብዘጋጥሞም ኣካላውን ኣእሙራውን ጸቕጥታት፡ ነቲ ናይ ምስክርነት ወረቐት ዘውህቦም ዝተወሰነሎም ኣካዳሚካዊ ትምህርቲ ዕሽሽ ኢሎም፡ ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ናይ ስርዓት ናይ ፕሮፓጋንዳ መደብ ዕዮ ከተኵሩን ካብ ሃይማኖታውን ሞራላውን ክብርታት ክርሕቑን ይግደዱ ኣለዉ።

ህዝቢ ኣንጻር’ዚ ኣብ ልዕሊ ደቁ ዝፍጸም ኣዕናዊ ተግባራት’ዚ ዝገብሮ ተቓውሞታት፡ እቲ ስርዓት ብቅንጸላን ሽበራን ንሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ናይ’ቶም ትሕቲ ዕድነ ዝዀኑ መንእስያት፡ ዝግህሱ ሓደስቲ ሕግታት ብምውጻእን ኢዩ ዝምልሰሉ። ውሉዶም ካብ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ስድራ ቤታት ከኣ፡ ክብ ዝበለ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክኸፍሉ፡ ወይ ከኣ፡ ክሳዕ’ቶም ሰበ-ስልጣን እቲ ዝወስኑሎም መቕጻዕቲ ዝኸፍሉ ከቢድ ስራሕ እናሰርሑ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ይግደዱ።

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ታዕሊም ወዲኦም ኣብ ሰራዊት ድሕሪ ምጽንባሮም ከኣ፡ ኣብ’ቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ወይ ወተሃደራዊ መራሕትን ኣዝማዶምን ዝውንንዎም ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ክሰርሑ ይግደዱ። ከምኡ ውን፡ ገንዘብ ከፊሎም ደቆም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዝዀኑሎም ስድራ ቤታት ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጽዒንዎ ዘሎ ዘይሰብኣውን ኣሸባርን መርሆ’ዚ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱን፤ ነቶም ዝነበራኦም ንብረቶም ሸይጦም ጥራሕ ኢዶም ዝተረፉ ወይ ጕልበቶም ኣብ መዓስከራት ናይ ባርነት ዘብልዩ ዘለዉ ወለዶም ንድሕሪት ገዲፎም፡ ብሰላምን ብኽብረትን ንምንባር ክብሉ፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምርጫታት ወሲዶም ናብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ፋሕ ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ። ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ምስዳዶምን ኣብ ከተማታት ምእካቦምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝጽበዮ ዝነበረ ሰላምን ርግኣትን ብዘይምርግጋጹ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያትን ሓዲርዎ ዘሎ ስንባደን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ውን፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ንኣፍራዪ ዓቕሚ ህዝብና ዘልመሰ፡ ሰብ ርእሰማል ዝዋፈርሉ ምቹእ ባይታ ብምኽላእ ንግድ ብሕታዊ ጽላት ዝቐተለ ግጉይ ፖሊሲታት ኢዩ።

እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ካብ’ቲ መንእሰያት ብእልልታ ናይ ወለዲ ተሰንዮም፡ ብወለንታኦም ናብ ሰውራኦም ብብዝሒ ዝስለፍሉን፤ ውድባት ኤርትራ ንምቕባሎም ዓቕሚ ውሒድወን ዝጭነቓሉን ዝነበራ መዋእል ዝተፈልየ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ባይታ ኣብ ክንዲ ምጥጣሕ፤ ህዝብና ኣብ ጕዕዞ ዘጋጥሞ ሽግራት ብዘየገድስ፡ ካብ’ቲ ኣብ ሃገሩ ሰፊኑ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምላጥ፥ ንስደት ከም ዕላማ ክወስድ ዘገድዶ ባይታ ኢዩ ፈጢሩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2536

Posted by on Jul 13 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net