ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ መልእኽቲ ብኣፍ መርበብ ሓበሬታ መስከረም-ኔት

ስራሕካስ ዋጋ ዓስብኻ እንበር፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ደኣ ናይ ወሃብን ተቐባል ስራሕን ዝምድና ክብተኽ እንድዩ ዘየብል ኣይኮነን ነቲ ኩሉ መልእኽቲ መርበብ ሓበሬታ መስከረም-ኔት ዝከታተል። ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀንዲ ተተሓሒዙዎ ዘሎ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ኣጣጢሑ ንኽነብር ኩሉ ክውሰድ ዝከኣል ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ካብ ምውሳድ ዝገትኦ ሓይሊ የለን። ቀንዲ ዕማሙ ግን  ኣብቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሸነኽ ዘትኮረ ከምዝኾነ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ናይ ደገ ስርሓቱ ኣፍረይቲ ንክኾኑ ከሳልጡ ይኽእሉ’ዮም ዝብሎም ብልሓታት ምጥቃሙ እውን ስዉር ኣይኮነን፡ እቲ ንግዚኡ ዝኽወልሲ እቲ ብጸላም ዝግበር ናይ እንካን ግበረለይን ስምምዓት ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡ እዚ’ውን ብመዓልቱ ክቕላዕ ኢዩ።

ስርዓት ህግዲፍ ንደንበ ተቓውሞ ካብ ብንግህኡ ካብ ህዝቢ ንምንጻሉ ዝጥቀመለን ፕሮፖጋንዳታት፡ ናይ ወያነ ልኡኻት፡ ዑሱባት፡ ሃይማኖታውያን፡ ወገናውያን፡ ወ.ዘ.ተ ኮይነን፡ ኣብ ኩሉ ንክበጽሓ ዝጥቀመለን ሜላታት ከኣ ተቓወምቲ ኣምሲሉ ገንዘብ ኣሕቚፉ ዝልእኮም ባእታታት፡  ናይ መራኸቢ ማዕከከናት፡ ወ.ዘ.ተ. ከምዘለዋ ዘተሓትት ኣይኮነን። መልእኽቶም ምክትታል እኹል ስለዝኾነ ከኣ መንነቶም ምልላይ ዘጸግም ኣይመስለንን።

መርበብ ሓበሬታ መስከረም-ኔት፡ ኣብዚ ጠርጠራዚ ክሰርዖ ዘኽእል ሓቅታት ብዙሕ ኢዩ።

ካብቲ ቀንዲ ስርሐይ ኢሉ ዝሓዞ ህግደፋዊ ስራሓት ከኣ፡ ኣንጻር ምጥርናፋት፡ ኣንጻር ምቅርራባት ተቓውሞ ውድባት ኢዩ። ነዚ ብዘመልክት ዝጸሓፎ ወይ ዘስተናገዶ ጽሑፋት ኩሉ፡ እቲ ጊዜ ኣብ እዋን ምቅርራባት ውድባት፡ እቲ ዝሓልፍ መልእኽታት ከኣ ኣብ መንጎ ውድባትን ኣባላቱን ጥርጥር ዘእቱ ምዃኑ ኣኹል ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል።

ኣብ እዋን ሃገራዊ ምሕዝነት፡ ኣብ ኤርትራዊ ዲምክራሲያዊ ኪዳን፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ባዕሉ ይኹን ዘስተናግዶም ጽሑፋትን ርእይቶታትን፡ ኩሎም ነቲ ዝተጀመረ ተበግሶ ዝዕንቅፉን ዘፍርሱን ምዃኖም ኣንባበብቲ ጽቡቕ ገይሮም ዝተዓዘቡዎ ኢዩ። እዚ ከኣዩ  መልእኽቲ ህግዲፍ ብኣፍ መርበብ ሓበሬታ መስከረም-ኔት ዘብለካ።

ነጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ ተሓሪሙ፡ ዋናታቱ ኣብ መጻወድያ ህግዲፍ ኣትዮም፡ መራኸቢ ህዝቢ (መድያ) ስርዓት ህግዲፍ ብሒትዎ፡ ህዝብና ከም ህጻን ቆልዓ ኣፍካ ሓዝ፡ ከይትዛረብ፡ ከይትጽሕፍ፡ ዝበልናካ ግበር፡ እናተባህለ ምስትንፋስ ስኢኑ ኣብ ዓቕሊ ጽበት እናሃለወ፡ ነቲ ዕድል ረኺቡ ንደገ ዝወጸ ወይ ከኣ ኣንጻርዚ ኣረሜን ክቃለስ ንዝመረጸ ኮነ ኢልካ ንምድኻሙ ዝግበር ወፈራ መስከረም-ኔት ኣካልዚ ኣረሜን ሓሲብካ ኣንጻሩ ካብ ምቅላስ ኣማራጺ ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።

ኩለን ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነጻ ፕረስ ብዓቢኡ ከኣ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ኣብ ውልቀ-ውድባውን ሓባራውን መደብ ዕዮታተን ኣስፊረን ዝቃለሳ ዘለዋ ምዃነን መስከረም ተሰዊሩዎ ኢዩ ኣይንብልን። ተቓወምቲ ውድባት ድኹም ጎድንታት የብለንን እውን ኣይንብልን። ነቲ ጽቡቕ ሸነኻት እናተባባዕካ ነቲ ድኹም ጎድንታት መኣረምታዊ ነቐፌታ እናቕረብካ ምኻድ ገዲፉ፡ ብኣንጻሩ ክሰርሕ ካብ መረጸ ዕጫ ናይ ለኣኽቱ ይብጸሓዮ ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃል የለን።

ካብቲ ብድሙቕ ኣብ ዋና ዓምዲ ጽሑፋቱ ዘስተናገዶም ናይ ሎሚ ቅነ ተረኽቦታት ንምዝካር፡

Ø      ንሕናን ዕላማናን፡ ቻርተር ኪዳንን ክልተ ገጽ ናይ ሓደገኛ መስመር።

Ø      ረድዮ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኤርትራ ከተልግሰሉ ዓዲሙ ።

Ø      ካልእ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ወገንን ዘለዓዕልን ንምፍልላይን ሕንፍሽፍሽን ዝዓለመ  ጽሑፋት ብሕርያ ከስተናግድ ምጽንሑ።

ዋላኳ በዚ ስልትዚ ዝታለል ኤርትራዊ ብዙሕ ኢዩ እንተዘይተባህለ፡ ኣቕልቦ ደቂ ሰብ ዝጥምዝዝ፡ ካብ ዋና ዝተተሓሓዝካዮ ጉዳይ ዘላግስ ሜላ ህግዲፍ ስለዝኾነ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ሕንፍሽፍሽ ሜላዚ ብቐሊል ክርኤ የብሉን ካብ ዘብሎ ቀንዲ መኽንያት ከኣ፡ ነቲ ብነዊሕ ጻዕሪ ዝተጠርየ ሃዋህው ምትእምማን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝዘርግ ንፋስ ስለዝኾነ፡

ንለዋሃትን ገርሀኛታትን ቅልጡፍ መልሰ-ተግባር ዝዕድም፡ ንተንኮለኛታትን ጉድለታት ንዝጽበዩን ከኣ ተረኽበ ኢሎም ከይደቀሱ መሽረፈት ንኸንበድብዱ ዝዕድም ሓደገኛ መልእኽቲ ስለዝኾነ ኢዩ። ስለዚ መልእኽቲ ህግዲፍ ብልሳን መስከረም-ኔት ዕድል ክወሃቦ ዘይግባእ ፍሹል ዝኣረገ ሜላ ስለዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ከስተውዕለሉን በዚ ዝቐነየ ይኹን ብሕጂ ዝመጽእ ብርግኣትን ልቦናን ክገጥሞ ከምኡውን መስከረም-ኔት ካብ ልሳን ህግዲፍ ልሳን ህዝቡ ክኸውን ዘሎኒ ትምኒተይ ደረት የብሉን።

ራህዋን ሰላማን ንህዝብና

ህግዲፍን ኣገልገልቱን የጥፍኣልና

ለምለም ጸሃየ

ሆላንድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2542

Posted by on Apr 19 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net