Pal talk room Eritrean Democracy for all

www.paltalk.com

by shumdahan

ኤርትራውያን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብሓልዮት pal talk ፖሊቲካዊ ግጥሚዮኦም ይቕጽሉ ኣሎዉ። ብዕለት 24-25ናይዚ ወርሒ ካብ ዝተፈላለያ ሃግራት ናይ ዓለም ብኩነት ህዝቦምን ሃገሮምን ተገዲሶም ዝተፈላለየ ናይ ሃገርና ዝምልከት ዛዕባ ኣልዒሎም መዲሮም።እቶም መብዛሕቶኦም ብሰናይ ድልየቶም ምኽርን ኣስተምህሮን ንምልጋስ ተዳልዮም ብምምጾኦም ብልቢ ክሙጎሱ ይግባኦም።እቶም ንናይ ሃገሮም ምኽርን ኣስተምህሮን ወይ ኩነት ብህድኣትን ኣተኩሮን ዘስተብህሉን ብልቦና ክሓቱን ክምልሹን ተቐሪቦም ዝመጹ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ሃገራዊ መዳይ ምእንቲ ሓድነትን ሓርነትን ደሞክራሲን ማዓርነትን ንምዕዛዝ፤ ብብዝሕን ብተኸታታልን ኣስተምህሮ ንሃብ ድልዋት ኰኖም ዝመጹ ውሑዳት ኣይኮኑን።እሞ ሎሚ ነዚ ዛዕባታት እዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ Pal talk ዝምደር ዝነበረ ዝፈልዮ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልካ ምሕታትውን ንቡር እዩ።

ብዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ብጐናዊ ወይ ብከፊል ኣብ ውሽጢ ኤርትረዊ ሕብረተስብ ንመደረ ዘይቀረበ ሓሳብ ወይ ጉዳይ ኣሎ ኢልካ ኳ ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ።ግና ፍሉያት ዛዕባታት ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ብሓደ ተጠሚረን ኣብ ሓደ ግዜ ኣሉታውነተን ሳዕበነን ተጻቦኣንን ኣብ Pal talk room Eritrean Democracy for all ንምይይጥ ቀሪበን።ኣብቲ ክፍሊ ካብ ዝነበሩ ሓደ ዓቢ ክፋል መደርቲ ከኣ ደገፍቲ መንግሥቲ ህግድፍ ክኾኑ ከለዉ፤ እቲ ካልኣይ ክፋል ናቶም ከኣ ኣባላት ተቋወምቲ ወድባት እዮም ነይሮም።ምስዚ ኹሉ ተዓዘብቲ ውን ብብዝሒ ክምዝነበሩ ይፍለጥ።እቲ ናይ ዘተ ዕማም ግና፤  ብግዝኣተ ሕጊ ዝተቀየደት፤ ደሞክራስያዊት፤ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ዝተተኽለትሉ እዋን፤ብኸመይን እንታይ ክሕሰብን ክስቘርን ኣለዎ፤ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዝብል እዩ ነይሩ። ካብኡ ሓደ ንብረት ኣብ ትሕቲ መንግሥቲ ህግድፍ ዝተጠርየ ኰይኑ መሰረቱ ግና ናይ ህዝቢ ንብረት ብኸመይ  ክፍታሕ እዩ ዝብል ነበረ።

ስልዚ እተን ንመደረ ዝቀረባ ኣርእስታት ኣዘን ዝስዕባ እየን።

 

1 መሬት ካብ ታርኻውያን ዋናታቱ ብመንግሥቲ ህግድፍ ተመንዚዑ ናብ ስብ ዶላር ክምዝተሸጠ

  ኩልና ንከታተሎ ዘሎና ሓቂ እዩ።እዚ ብኸመይ ክፍታሕ እዩ ዝብል ሕቶ ንመደረ ተቀሪቡ።

2 ካብ መንግሥቲ ህግድፍ መሬት ብገንዘቦም ዝዓደጉ እሞ ኣባይቲ ወይ ትካል ውይ እውን ጃርዲን

  ዘጥረዩ ኣለዉ።እዚ ንብረት እዚ ብኽመይ ክፍታሕ እዩ?

3 ክምዝፍለጥ ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ወይ ብሓፋሽ ዝፍለጡ ኣለዉ እዚኦም ኣብ ናጽነት ኤርትራ

  ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ እዮም።ግና እቲ ውድብ ትሕጃታት ይሕዘሎም ነበረ።ንኣብነት Nackfa

  Corporation, bonds..ወዘተ።እዚ ትኻላት እዚ ብገንዘቦም ዝተተኽለ እዩ።ኪዳን ነዚ ንብረት እዚ

  ብከመይ ክፈትሖ እዩ? ዝብል ነበረ።

4 ኣብዚ እዋን እዚ ገሊኦም ንወለዶም ካብ ቀይዲ ህግድፍ ንኽተፍትሑ ኣብ ዘዘለውዎ ዓዲ ናብ

  ምባሲ ኤርትራ ብምኻድ እሞ ዶላር ምኽፋል ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ ይበሃል ኣሎ ዝብላ

  ነበራ። 

                            1

ክምዝፍለጥ ኣብ ሕብረተስብና መሬት ምስቲ ናይ ህዝቢ ባህልን ታሪኽን ከምኡውን ምስቲ መዓልታዊ ሂይወቱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ መደርቲ Pal talk ተሰማሚዖም።እሞ ኣብ ገለ ቦታታ ናይ ኤርትራ መተካእታ ባይቱኡ ቀሪብካውን ምስ መሬቱ ንዝነበሮ ስምዒት ከረዊ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል ክምዘይኮነ መደርቲ Pal talk ኣሚቶም።እሞ ተቓወምቲ መንግሥቲ ህግድፍን ተደናገጽቲ ህግድፍን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብኽምዚ ዝስዕብ ፍልልያት መዝጊቦም።ተቓውምቲ መሬት ንዋናታቱ ብዘይ ቀይዲ ክምለስ ኣለዎ ኢሎም ክድምድሙ ከለዉ ፤ተደናገጽቲ ህግደፍ ከኣ እቲ ንብረት ኣብ ባይታ ዝፈሰሰ ናይ ዋንኡ ዘይገብሮ ምኽንያት እንታይ ኣለዎ እናበሉ ብሕቶ መልክዕ መዲሮም።

ሰልፍታትን ወድባትን በዓቢኡ ከኣ ኪዳን ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ናይ መሬት ብኸመይ ክፈትሖ ምዃኑ ሓፈሻዊ ሕቶ መደርቲ Pal talk ኰይኑ ቀሪቡ።መሬት ንኤርትራውያን ብስሚዕትን ብቁጠባን ዝሃሲ ስለዝኾነ ንጹር መርገጽ እንተሃበ ሓጋዚ ምኾነ ዝብል ለበዋን ምሕጽንታን ንኪዳን ኣቕሪቦም።ንሓበሬታ ኣብ ግዜ ደርጊ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተመንዘዔ መሬት ኣባይቲ ሰሪሖም ዝሓተቶም ሰብ የልቦን።እሞ በዚ ኣገባብ እዚ ብዙሓት ኤርትራውያን መንግሥቲ ተቀያራይ እዩ ንብረት ግን ናይ ዋናታቱ እዩ ዝብል ሰላሕታ ወረ ወይ መህመሊ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ክምዝነበረን ክምዘሎን ኣብቲ ባይታ ናይ መደረ ተሓቢሩ።እሞ ኪዳን ንህዝቢ ንጹር ሓበሬታ እንተሃበ ሓላፍነት ናይቲ ውልቀስብ ይኸውን ማለት እዩ ተባሂሉ ክምሕቶ ቀሪቡ ካብ መደርቲ Pal talk።

                            2

ካብ ህግድፍ መሬት ዝተዓደሉ ውይ ብገንዘቦም ዝገዝኡ ሃግራውያን ኣለዉ። እቲ መሬት ካብ ጋባር ወይ ሓረስቶ ኤርትራውያን ዝተመንዘዐ ኰይኑ ክምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ መተካእታ ዘይተዋቦ እዮም። እቲ ሕቶ ብኽመይ ወድባትን ሰልፍታት ብፍላይ ከኣ ኪዳን ነዚ ክፈትሖ ይሓስብ ብዝብል ሕቶ ተደምዲሙ። ንሓበሬታ ብዙሓት ኣብ ወገን ተቋውሞ ዝረከቡ ሃገራውያን ክምቶም ኣባይቲ ወይ ትካል ዘይገበሩ ኣለዉ።ብኣንጻሩ መሬቶም ወይ ኣባይቶም ንኻልኦት ሰባት ዝተዓደለ ወይ ዝተሸጠ ውን ኣሎ።ብኸመይ ክምለሶም እዩ እንተዳኣ ክምለስ ኰይኑ ዝብል ሕቶ ናይ pal talk መደርቲ ሕቶ ኰይኑ ቀሪቡ።ኣብዚ መርገጽ ተቋወምቲ ወድባት ከመይ ይመስል ዝብል ብህግደፍውያን ቀሪቡ።ኣብዚ ውን መሬት ናይ ዋናታቱ እዩ ዝብል ተሪር መልሲ ብተቃውምቲ ተዋሂቡ።

3

ኣባላት ህግሓኤ ወይ ብሓፋሽ ዝፍለጡ ኣብ ናጽነት ናይ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሓያል ጥርናፈ ዘማለኣ ማሓበራት ክምዝነበሮም ዝዝከር እዩ።ውደብ ህግሓኤ ኣብ መዳይ ቃልሱ ዝተፈላለየ ናይ ቁጠባ ትሕጃታት ከማልኡ ይግድዶም ክምዝነበረ ይፍለጥ።ንኣብነት Nackfa corporation ትካል ናይ ሓፋሽ ምዃኑ ይፍለጥ፤ ክምኡውን Bondes ክገዝኡ እሞ ንሱ ከኣ ንረብሓኹም እዩ እናተባህለ ኣባላቱ የሀምሎም ክምዝነበረ ተሓቢሩ።እቶም ኣባላት ሓፋሽ ግና ንናይ ሃገር ናጽነትን ዕብየትን ነገልግል ኣሎና እናበሉ ብሓበንን ብልዑል ተወፋይነትን ይዋስሱኡ ክምዝነበሩ ይፍለጥ።ገሊኦም ስጋብ ካብ ባንክስ ናይ ዓለም ተለቂሖም የወፊዩ ክምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።ተቋውምቲ ወደባትን ሰልፍታትን  ከምኡውን ኪዳን ነዚ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ቁማር ተበሌዕካ ዲዩ ክብሎ ወይስ ካልእ መፍቲሕ ኣለዎም? እንተዳኣ ፍታሕ ክግበር ኰይኑ ከኣ እንታይ ዓይነት ፍታሕ እዩ ክግበር ዝብል እዋናዊ ሕቶ ኰይኑ ናብ ናይ Pal talk  መደረ ቀሪቡ። ኣባላት ተቃውምቲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ሕቶ ኣመልኪቶም ናይ ሓፋሽ ንብረትን ኣገባብን ኣሰራራዓን ንምልእቲ ሃገር ብሓድነት ዝጠመረ ኣይነበረን፤ ግና ሓላፍነት ናዚ ዝተባህለ ዝስከሙ ፍሉያት ሰባት ክኾኑ ኣይኽእሉ ዝብል ክፋል መደረ ናይ Pal talk ኰይኑ ሓዲሩ።                     

4

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብህግድፍ ዝተፈጥረ ወጥርታትን ቅልውላዋትን ኣብ ሃገረና ሰፊሩ ክምዘሎ መደርቲ Pal talk  ኣመልኪቶም።ንሱ ከኣ ምእሳር ወለዲ ስለዝኾነ ንብዙሓት ኣስደሚሞም።ናይ ብውግዘትን ኩናኔን ተቓውሞን ዳኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ተዋሂቦም።ብሰንኪ ናይ ስድራ ቤት ማኣሰርቲ ዝተሻቀሉ ውን ውሑዳት ክምዘይኮኑ ተሓቢሩ።እቲ ምኽንያት ፍሉጥ ኰይኑ ማለት ደቆም ካብ መነግሥቲ ህግድፍ ንሃገር ረሕሪሖም ስለዝሃደሙ ወይ ናይቲ ስርዓት ኣገባብ ክቋወሙ ክብሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለ ዝተሰወሩ ክኸውን ከሎ።ኣብዚ መንግሥት ህግድፍ ክልተ መልኣኽቲ ንህዝቢ ዓው ኢሉ ዘይነግረን ኣለዎ ተባሂሉ።

ንሳተን ከኣ ሓደ ኣብ ቁጠባ ሕጽረታት ሰለ ዝገጠሞ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ከኣ ወተሃደራት ናብ ወገን ተቃውሞ ኣንዳሰገሩ ንስልጣኑ ዘስገኦ ኩነታት ንኸይፍጠር ዝገብሮ መፈራርሒ እዩ ኢሎም ዳምዲሞም መደርቲ Pal talk። እቲ ዝገርም ከኣ እቶም ዝበዝሑ ዝእሰሩ ዘለዉ ወለዲ፤ ጀጋኑ ዝነበሩ ኣብ ግዜ ቃልሲ ናይ ናጽነት ዓበይቲ ስርሒታት ዘመዝገቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።ኣብ ውሽጥ ሃገረን ኣብ ወጻኢን ከኣ ንናይ ሃገራውያን ሕልና ዘጸልመተ ኰይኑ፤ ናይ ብዙሓት ዜጋታትና ስምዕት ተተንኪፉ ብምህላዉ ንግዝኡ መፍትሒ ዝሰኣነ ኩነኔ እዩ ተባሂሉ ኣብ Pal talk።ክምሓበሬታ ነቶም ኣብ ኤርትራ ሓጋዚ ንዘይብሎም ኣብ ወጻኢ ብኤምባሲ ኣቢሎም ገንዘብ (ብdollar) ክኽፍሉ ይዕደሙ ክምዘለዉ ውን ተሃቢሩ ።ምስኡ ተወሳኺ 2% ዝኽፈል ከምዘሎ ውን ኣብ መደረ ተመዝጊቡ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብተቛውሞ ዝፍለጡ ባኣታታ ውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።እቶም መደርቲ ነዚ ኪዳን ብኸመይ ይመዝኖ ዝብል ኣካታዒ ሕቶ ኰይንዎም ንነውሕ ተሰሓሒቦምሉ።

ኣብ መጨረሽታ ተቋወምቲ ወድባት ስለ ህዝብን ሃገርን ድሕነት ኢሎም ናይ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ዘቐራርቡሉ ኩነት ክፍትሹ እሞ ልቢ ኣዕቢዮም ናብ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ከድህቡ ተሪር ላበዋ መደርቲ Pal talk ኣማሓላሊፎም።ከምቲ ፕረሲደንት Coty ዝበሎ ኣብ ግዜ ፖሊቲካዊ ጽልግል ናይ ሃገረ ፈረንሳይ De Gualle ጥራይ የድሊ ነይሩ ንዝበሎ።ኣብ ናይ ኤርትራ ጽልግልግ ከ ፖሊቲካዊ ሓድነት ውድባት ኣድላይነት ክምዘለዎ ናይ Pal talk መደርቲ ለበዋ ኰይኑ፤ንኹለን ወድባትን ሰልፍታትን ናብ ናይ ሓድነት ስራሕ ከድህባ ተማሕጺኖመን።

Room Eritrean Democracy for all

ብሹምዳሓን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2546

Posted by on Apr 27 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net