ሰነድ መደረ Pal talk ብተስፋይ ደጊጋ ።

Reported by shumdehan

1       ዕለት 11-12  ወርሒ 05     2006።

       2       ቦታ pal talk Room Democracy for all።

       3       21.07 – 03.18  (6,51 ሰዓት)።

       4       ኣማሓደርቲ መደረ room Democracy for all።

5       @Ex_fbi

6       @Segem100

7                     @Shumdehan

8                     @Hishum

9                     ብዝሒ ተኸታተልቲ 101 ነይሮም።

10                 ከሓቱ ኣብ መስርዕ ዝተመዝገቡ 28 ሰባት ነይሮም ።

11                 ኣብ መስመር ሕቶ ኣርኪቦም ዝሓተቱ 21 ነይሮም።

12                 ተመሳሳሊ ሕቶታት 4  ነይሩ።

13                 ምሉእ መደረ ትግርኛ ነይሩ ሕልፍልፍ ኢሉ ከኣ ብዓረበኛ ተተርጒሙ።

14                 ዘይሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሞም ነቲ ሃዋህው ክጸልዉ ዝፈተኑ 2 ሰባት ነይሮም።

15                 ምሉእ መደረ ኣብ CD ተሓቲሙ ስለዘሎ ክሕተት ይካኣል እዩ።

16                 ንዕለት 03/06/2006 ኣቶ ገረዝገሄር ተወልደ ተመሳሳሊ መደረ ኣቕሪቡ ኣሎ እዩ።

17                 ህዝቢ፡ሓደ ንኪዳን ወኪሉ ተመሳሳሊ ከቕርብ  ሓቲቱ።

18                 ኣርእስቲ መደረ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ጸገማት ደንበ ተቛውሞን ብዶሆታቱን ዝብል ነይሩ።
ንመደረ ዝቀረበ ኣቶ ተስፋይ ወ/ሚካኤል(ደጊጋ) ወሃብ ቃል ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ

ብመጀመርያ ንክቡር ሓው (ደጊጋ) ተስፋይ እንቛዕ ብደሓን መጻእካን ኢሉ ንመደረኡ ኣሳልጦን ዓወትን እንዳተመነየሉ ምስቶም ሽዑ ኣብቲ ክፍሊ ምስ ዝነበሩ @ex_fbi ኣላሊዩዎ።ቀጺሉ ንኹሎም ብጽሞናን ብኽብሮትን ንኽንረዳዱኡ ብግቡእ ከኣ ከሓቱ ንተሳተፍቲ ተማሕጺኑ።ቀጺሉ ከኣ ዝኾነ ሕቶን ርእይቶን ብሓላፍነት ክወሃብ ሰናይ ምሽት ክኾነና ተመኒዩ።

ጸገማት ፖልቲካ ደንበ ተቛውሞን ብዶሆታቱን።

 ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ብመጀመርያ ንኹሎም ተካፈልቲ ናይቲ ክፍሊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ፤ቀጺሉ ኣብ

ተ.ሓ.ኤ. – ሰ.ባ ምስ መዝነቱ ኣላሊዩና።ደጊጋ ሳጉኡ ምዃኑን ምሉእ ሽሙ ተስፋይ ወልደሚካኤል ክምዝኾነን ሓቢሩ። ክምኡውን ብ1973 ኣባል ተ.ሓ.ኤ ዝነብረ ሕጂ ከኣ ኣባል መርሕነት ተ.ሓ. ኤ. ሰ. ባ ኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ኣቦ ወንበርን ወሃብ ቃል ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ ምዃኑ ሓቢሩ።ስለዚ ደጊጋ በዚ ተዋሂብዎ ዘለዎ መዝነት ንውድቡ ወኪሉ ብዛዕባ ውሳኔታት፤ኣራእያታት፤ዕላማታት ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ ክገልጽን ክምልሽን ክምዝኽእል ኣመልኪቱ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ሰናይ መደረን ምርድዳኣን ክዓስለና ኣንዳ ተመነየ ናብ ቀንዲ ኣርእስቱ ኣድሂቡ።

ኣብ መአተዊ መደረኡ ጸገማት ፖልቲካ ደንበ ተቃውሞን ብዶሆታቱን ክመርጽ ዘኽኣለኒ ምኽንያት ይብል ደጊጋ፤ ክልቲኡ ኣርእስቲታት ሰፋሕቲ ይኹን ዳኣምበር ንሕና ብመንገዲ pal talk ተራኺብና ዘሎና፤ ንገለ ወገናቱ ከም workshop ክኾነና እሞ መሰረታዊ ክፋላቱ ተመያይጥናን ተረዳዲእናን ክንድምድም ብማለት እዩ።ሰለዚ ደጊጋ ካብ ግዜኹም ነውሕ እንተወስድኩ ነቲ ዘልዓልናዮ ጉዳያት ብዕምቖት ክርእዮ ስለዝደለኹ እየ በለ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምፍልላይ ካብ ዝተራኣየሉ እዋን ጀሚሩ፤ ናይ ሓድነት ጻዓርታት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ክፍልታ እውን ይካየድ ነበረ።ግና ፍረ ዝሃበ ስምማዓት ብዙሕ ኣይኮነን።ኣብዚ ኣምባኣር ሓደ ዘሻቅል ሕቶ ክላዓል ግድን እዩ።ንሱ ኸኣ ስለምንታይ ኢና ብግብሪ ዘይንትርጕሞ ውዑላትን መብጻዓታትን ንገብር፤እንታይ ከ እዩ ነቲ ዝገበርናዮ ስምማዓት ክንዕቅብ ዘይንኽእል።ሕጂውን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ናይ ኪዳን ኣኼባ ቀኒዩ።ስለዚ ብዙሓት ሕጂኸ እንታይ ገሮም ክብሉን ክሻቀሉን ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ።እንተኾነ እቲ ዝድለ ዘሎ ወይ መባእታዊ ዕዮና ብከመይ ኪዳን ንመላእ ደንበ ተቃውሞ ብዘይ ኣፋላላይ ይውክሎምን ንውሽጣዊ ትርግቶኦም ከኣ የንጸባርቕሎም ዝብል ክኸውን እንከሎ፤ነዚ ንምዕቃቡን ንምምዕባሉን ከኣ ሓባራዊ ሓላፍነት ይሓትት።እሞ ንሕና ኣዞም ኣብዚ ዘሎና በብወገንና ኣነ እንታይ ክሕግዝ እኽእል ፤ ኣነ ኸ እንይታ ክዕድም እኽእል እንተበልና፤ መልሱ ፍሉጥ እዩ ሓደን ድልዱልን ንማሓበራዊን ፖሊቲካውን ክውንነትና ዘንጸባርቕ ኪዳን ክንገብሮ ኣሎና።

ንሕጂ ግና ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክምርምር ንኹልኹም እዕድም ኣሎኹ።

1                     ፖሊቲካዊ ደንበ ትቃውሞ ኣብ እንታይ ይርከብ?

2                     ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንደንበ ተቃውሞ ዝፈጥሮ ጸገማት ከመይ እዩ?

3                     ንሕና ኸ ብሕሉፍ ታሪኽና ግዙኣት ዲና?

4                      ድኽመት ፖሊቲካዊ ደንበ ተቃውሞ እንታይ እዩ?

5                     ብርገሳዊ ማሕበራትና ከመይ እዩ?ዝምድኑኡን ምዕባሌኡን ከመይ እዩ

6                     ኣብ መጨርስሽታ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ነጥብታት መርሚርና መኸተታት ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ክንረኽቦ ኢና ስለዚ ንመኸተታት ብኸመይ ንገጥሞም ከኣ ናይ ኩልና ደንበ ተቃውሞ ዕዮ ገዛን ስጋብ ንዕወት ዕለተዊ ስራሕና እዩ።

1

 

ብመጀመርያ ኩነት ደንበ ተቓውሞ ኣብ ኪዳን ዝተጠርነፈን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎን ብብርገሳዊ ማሓበራት ዝቆመን ብውልቐ ተቃውሞ ዝርአን እዩ።በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ባእታታትን ኣብ ስልጣን ምቅጻሎ ዝጠራጠሩሉ እዋን እዩ።ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ነታ ንሕና ኣባላታ ዝኾና ውድብ ወይ ስልፊ ክምንኣምን ጥርጥር የልቦን።ኣብ ሞንጎና ናይ ስነሓሳብ ፍልልይ ክህሉ ከምዝኽእል ውን ጥርጥር የልቦን።ግና ሰርዓት ህግድፍ ናብ ሃገርና ለውጢ ከምጽእ ከምዘይከኣለ ውን ርኡይ ጉዳይ ምዃኑ እዩ።እሞ ንሕና እዞም ንፖሎቲካ ከምሓደ ሰላምዊ ለውጢ ኣምር ኣሚና ብኡ መስረት ከኣ ለውጢ ኣብ ሃገርና ከነምጽእ እናሓስብ ዘሎና ባእታታት ወይ ውድባት ብናይ ዝሓለፈ ተርኸቦታት ግዙኣት ክንከውን የብልናን። ምኽንያቱ ደቂ ሰባት ብውልቀ ፍሉይ ሓሳብ ኮነ ብሃይመኖት፤ ብዓለት ኮነ ብወገን ነንበይኑ ኣረዳዳኣ ሒዞም ክጓዓዙ ንቡር እዩ።እሞ እቲ ሰላምዊ ለውጢ ተምጻኣሉ ፖሊቲካ ክበሃል እንከሎ ነዚ ግርጭታት እዚን ንተመሳሰሊ ግርጭታትን ብግቡእ ክትኣሊ ምስ እትኽእል እዩ።እሞ ኩሎም ደንበ ተቃውሞ ኣብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉን ከኣ ነዚ ዓይነት መስርሕ ከተግብሩ ትጽቢት ይግበረሎም።እዚ ማለት ግን ኣማዓዲኻ ንስግር ምጥማት ዘይኮነ፤ቅድመኹሉ ካብ ውልቐሰብ ይኹን ካን ወድባት ቅሩብነት ንለውጢ ይሓትት። ንሕና ከምደቒ ሃገር ንለውጢ ቅሩባት ምስእንኸውን ከኣ ኣብ ሞንጎና ንዘለዉ ፍልልያት ክነስተብህልን ፈሊና ብሽሞምን ጸዊዕና ክነላልዮም ንኽእል ማለት እዩ።ንጹር ፖልቲካዊ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ፖልቲካውያን ውድባት ምስ ዝህሉ ኣብ እትራኸበሉ ሓቢርካን ተሳኒኻን ተኽባቢርካን ትሰርሕ።ኣብ ዝፈላልዩኻ ነገራት ከኣ ንጹር ዝኾነ ፍልልይካ መዝጊብካ ተኸባቢርካ ትተርፍ ማለት እዩ።ስለዚ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ መብዛሕቱኡ ደንበ ደሞክራስያ ናይ ዓለም ዝሰርሐ ስለዝኾነ ንሕና ውን ዘይንግልገለሉ ምኽንያት የልቦን።

2

 

ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ፖሊቲካውያን ውድባት ደንበ ተቃውሞ ናይ ሃይማኖትን ናይ ቀቢላን ከምኡውን ዕልማናውያን ወድባት ከምዘለዋና ጠቒስና።ስለዚ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ናይ ዓለም ክርከብ ዝኽእል ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ብምዃኑ ንሕና ውን ከምዚ ዓይነት ፖሊቲካዊ መስርሕ ከምዘሎና ክንዝግዕ የብልናን። እቲ ብወገን ህግድፍ ዝንዛሕ መርዛም ሓበሪታን ክምእኒ ጀሃድ ይመጸኩም ኣሎ፤ ሃይማኖት ጵንጠን ሃይማኖት ጆሆቫን ይመጸኩም ኣሎ፤ሓምሻይ መስርዕ ወይ ክንፊ ክመጹኹም እዮም፤ስለዚ ኣነ ንበይነይ ጥራሕ እየ መድሓኒኹም እናበለ ንብዙሓት ከታልል ይፍትን ምህላዉ ዝገርም ኣይኮነን።ምኽንያቱ ንስልጣን ገቢትካ ሒዝካ ናይ ብሕትኻ ክትገብሮ ምስእትደሊ፤ ገለ ምኽንያት መፈራርሒ ዝኸውን ንኸረክብ ሃሰውሰው ይብል ማለት እዩ።ብኣንጻሩ ኸኣ ፤ ንስልጣን ናብ ዋናታቱ ንኽትመልስ ወይ ብግቡእ ክተመሓድር ትጥለብ እምበር፤ ክምቲ ንሱ ዝብሎ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ፤ሓደ ውድብ ዝብል እንባገነናዊ ጭርሖኡ ሓቂ ኣይኮነን።እዚ ንህዝቢ ኣብ ፍርሕን ጥርጠራን ኣጥሒልዎ፤ኣባላት ስድራቤት ኣብ ነንሕድሕዶም ዝጠራጠሩሉ ኩነታት እዩ ክምህዝ ደሊዩ።በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ዝኾነሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ብፍሒ ተዳሂሉ ንዝበልዎ ጠለብ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተገዲዱ ንኽነብር እዮም ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ።ግና ንሕና ደንበ ተቃውሞ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተኣፋፊ ሓበሬታ ኣብ ውሽጥና ከይኣቱ እሞ ብጥርጥር ተገዚእና ካብ ሓባራዊ ስራሓት ክይንጐናደብ ከነላልዮም ዘሎና መስረዓት ከኣ ኣለዉና።እቲ ብመጀመርያ ክሕሰብ ዘለዎ ንሓደ ውድብካ ናይ ቀቢላ እዩ፤ ወይ ናይ ሃይማኖት እዩ፤ወይ እውን ናይ ጸጋም እዩ፤ የማን እዩ …ወዘተ እሞ ንኽተፍርሶ ኣሎካ ኢልካ  ዝፍረስ ውድቡ የልቦን።ንኸምኡ ኣገባባት ክብል ዝኽእል መሰል ዘለዎ ሰብ ውን የሎን።ስለዚ እቲ ኣብ ኪዳን ኣቲዩ ዘሎ ወድባት ብኪዳን ኣቢሉ ተሳኒዩን ተሓባቢሩን ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ኪዳን ከኣ ናይ ኩሎም ተቃወምቲ ውድባት ጽላል ኰይኑ ንዅለን ብሓባር ዘስርሕ ደሞክራስያዊ ባይታ ከጠጥሕ ኣልዎ ማለት እዩ።

 

 

                     3

 

ብናይ ትማሊ ዝነበረ ክውንነት ከምኣብነት ደኣ ክጥቀመሉ ኣሎና እምበር ክምህልው መስርሕ ኰይኑ ንናይ ሎሚ መስርሕ ወይ ፖልቲካዊ ተዋሶኦና ክዓግተና የብሉን።ናይ ትማሊ ኣብ ናይ ትማሊ ክንውግን ክንክእል ኣሎና።ምኽንያቱ ሕሉፍ ኣብ ሕሉፍ ናይ ሎሚ መዓልት ከኣ ኣብ ሎሚ ብግቡኡ ክንግልገለሉ ክንበቕዕ ክንክእል እዩ ዘሎና።ብኽምዚ ንባዓልና ውን በብዕለቱ ዘጋጥመና ሂወት ብግቡእ ንሳተፎ ኣሎና ማለት እዩ።ብሕሉፍ ታሪኽ ተኸልኪልና ካብ ናይ ሎሚ ተሳትፎና ኣብ ናይ መጻኢ ሂወትና እንተ ተጐናዲብና ፍሉጥ እዩ ዘይስሩዕ መድረኻት ውን ከምዘጋጥመና።ስለዚ ንሕሉፍ ኣብቲ ዝግቦኦ ቦታ ካብ ምቅማጡ ንኽልከል፤ ንሕና ከኣ ኣብ ክንዲ ብናጽነት ኣብ መዓልታዊ ጉዳያትና ንዋሳእ ብገለ ሕሉፍ ታሪኻት ቅዩዳት ንኸውን።ከምኣብነት ኣቶ ኢሳያስ 1991 ኣብ ናይ ኣስመራ ስታድዩም ብዝገበሮ መደረ፤ ህግባር ሓርነት ኤርትራ መሓሪት እያ፤ ናይ ውድባት ሓሸውየ ከኣ ኣይድልየናን እዩ ክብል ከሎ፤ ኣቶ ኢሳያስ ብሕሉፍ ታሪኹ ቅዩድ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።ግና ብኣንጻሩ ንሕና ኣብ መስርሕ ናይ ቃልሲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተፈላሊና፤ እንተኾነ ሎሚ ሓደ ንምልእቲ ሃገርን ህዝብን ዝውክል ደሞክራሲያ ዝመስርሒኡ ሰልፍታት መስሪትና  ዘተኣማምን ፖልቲካዊ ክውንነት ክንሃንጽ ኢና ኢሉ እንተዝነበር፤ ሎሚ ሃገርና ካብዚ ዘላቶ ኣብ ፍሉይ መድረኽ ምሃለወት ነይራ፤ ህዝብና ወን ካብ 60ታት ጀሚሩ ኣብ ስደት ዝበሊ ዘሎ ብብዝሒ ኣብ ሃገሩ ምተመልሰ። እዚ ሎሚ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይና ከኣ ነቲ ንስደትናን ንሃገራዊ ቃልስናን ኣብ ቤት ትምህርቲ ምተመራመረሉ። ኣቶ ኢሳያስ ውን ብሕሉፍ ታሪኽን ህርፋን ናይ ስልጣን ቅዩድ ካብምዃን ነጻ ኰይኑ ክምሰቡ ኣብ መዓልታዊ ፖሊቲኩኡ ብሰላም ምተወዳደረ ማለት እዩ።ንኣብነት ንጆርጅ ዋሽንግቶን፤< ገንዘብን ወተሃደራዊ ኣቅምን ኣሎካ እሞ ስለምንታይ ኢኻ ንስልጣንካ ናብ ህዝቢ ተማሓላልፎ ዘሎኻ> ኢሎም ዝብል ሕቶ  ቀሪቦምሉስ፤ክምዚ ኢሉ መለሰልሎ፤< እወ ልክዕ እዩ እዚ ትብልዎ ዘሎኹም ክልትኡ ኣሎና፤ ግና እቲ ክንገድፎ ንደሊ ታሪኽ ብሰለማዊ መንገዲ ስልጣን ኣብ ሞንጎ ሰባት ዘተሓልፍ ስርዓ እዩ።> ስለዚ ከኣ ንኹሉ ግዜ ብክብርን ዝናን ኣቦ ሃገር ተባሂሉ ይስመ ኣሎ።

                            4

 

ብመጀመርያ ድኽመት ፖሊቲካ ደንበ ተቃውሞ ክንብል ከለና ንጹር ፖልቲካዊ ራኣይ የድሊ።ድሕሪኡ ከኣ ነቲ ራኣይ ኣብ ዝሰፍሐ ህዝቢ ንምብጹሑ ኣቅምታት የድሊ ማለት እዩ።ከምግምተይ ንምልእቲ ሃገር ክውክሉ ዝኽእሉ ክንደይ ፖሊቲካዊ ራኣይ ኣየድልዩ እንተተባህለ ፤ ሰለስት ምበልኩ።

1       ዕልማናዊ ራኣይ ኰይኑ ንብዝሐ ሰልፍታት ከሳትፍ ዝኽኣል ብደሞክራስያዊ ጥበባት ከኣ ንግርጭታት

       ናይ ሕብረተስብና ክፈትሕን ንስልጣን ከኣ ብሰላም ናብ ተዓዋቲ ከመሓላልፍ ዝኽእል ትካል ማለት እዩ።

2       መሰረታዊ ግርጭት ኣብ ውሽጢ ህብና ዘሎ ሃይማኖት ስለዝኾነ ሃይማኖት ናይ ፖሊቲካ ራኣይ ኰይኑ ናብ ናይ መንግስት ጀረጃ ዝበጽሓሉ ኣገባብ የድሊ ኣሎ ማለት እዩ።

3      ንሕና ከምህዝቢ መበቖልና ነንበይኑ ስለዝኾነ ኣታሕሳስባናን ኣታህላልዋናን ከኣ ዝተፋላለየ ስለዝኾነ ብበሀራት
ተሰሪዕና ናይ ብሀራት መስል ክንኣምን ክንክእል ኣሎና ማለት እዩ።

ስለዚ ድኽመትና ኣየናይ እዩ እንተተብህለ ኣብ ሃገርና ሰለስተ ፖሎቲካዊ ራኣይ ኣሎና፤ ግና ሰላሳ ወድባት ከኣ

ኣለዋና።እዚ ጥዕና ዘለዎ ፍልልይ ድዩ እንተተባህለ መልሱ ኣይፋሉን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።ምኽንያቱ

ፍልልያቱ ኣብዘይ ንጹር ፖሊቲካዊ ራእያት ስለዝኾነ እዩ።ንኣብነት ሓደ ሓሳብ ካልእ ሰብ እንድሕሪ ኣቅሪብዎ እቲ

ብድሕሪት ዝጅምር ነቲ ዝነብረ ሓሳብ ከምቕቡል ወሲድዎ ካብኡ ዝተፈልየ ሓሳብ ክምህዝ እንከሎ ምዕቡልን ሓዲሽን

ይኸውን።ኣብ ናይ ደንበ ተቃውሞና ግን፤ ራእይ ወይ ናይ ውድብኩም ፕሮግራም  ኣርእዩና ኢልካ ፤ፍልልይ

ዘይትርእየሉ ክንሱ ወድብ እየ ስልዝበለ ጥራሕ ውድብ ኢኻ ኢልካ ኣብ ናይ ትም ምባል ተህድብ ማለትእዩ።

እዚ ኣገባብ እዚ ግን ንምዕባለ ዘዕንቕፍ ሃሳዪ ምዕራፍ እዩ።እዞም ኩሎም ብማሕበራትን ብወልቀ ሰባትን

ውድባትን/ሰፍታትን ዝቖማ ናይ ተቃውሞ መልእኽቲ እንታይ ክኸውን ነይሩዎ ማለት እዩ። እተን ተመሳሳልን

ሓባራዊን ፖሊቲካዊ ራእይ ዘለወን ኣብ ሓደ ዝመጻሉ ሓተታን ተጽዕኖን  ክነቅርብ ክንበቕዕ ኣሎና።እንተ ንሕና

ብሕሉፍ ታርኽና ተገዝእና ንሱ እንተኾይኑ ዝፈላልየና ዘሎ ነዚውን ምስቲ ሕሉፍ ሂወትና ዳኣ ንገብሮ እምበር

ንሕጂ ብምንም ዓይነት ክሕግዘና ክምዘይክእል ክነለሊ ንግደድ።

                            5

 

ብርገሳዊ ማሕበራትና ከመይ እየን ክብል ከሎና እዚ ማለት ኩለን ማሕበረ ስባት ቀንዲ ዕላማኣን ፖሊቲካዊ ለውጢ ናይ ሃገር ምርግጋጽ እየን ዝቃለሳ።ኣብቲ ዝማዕበለ ደረጃ ምስ በጽሓ ከኣ ጉዳይ ደሞክራሲን ጉዳይ ብሰላም ስልጣን ምስግጋርን የገድሰን ማለት እዩ።ኣብቲ ዝመጽእ ለውጢ ከኣ ጥቕሚ ኣልወን ምኽንያቱ ንሰን ዝኣምናሉ ውድብ ስልጣን ክጭብጥ ከሎ መሰል ኣባላተን ሕልው ስለዝኽውን ንሱ ንኽዕወት ይጽዕራ ማለት እዩ።ኣብ ሃገርና ናይ ይምሰል ማሕበራት እንተዘይኰነን ብርኡይ ንመሰለን ክቃለሳሉ ዝክኣል ባይታ የሎን።ኤርትራ ብናይ መድያ ናጽነት ካብ ኩለን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት መጨረሽታ ትስራዕ እያ።ስለዚ እቲ ደሓን ዝኾነ ማሓበረ ሰብ ኣሎና እንብሎ እዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ጥራሕ እዩ።ግና ኣብዚ ውን ናይ ፖሊቲካ ሸለልትነት ወይ ኣብዘን ውድባት ዘይምዕጋብ ጐሊሑ ይረኣ እዩ። ንኣብነት ፖሊቲካዊ ሸለልትነት ኣብ መንጎ ሃገርውያን መንእሰያት ፤መምህራን፤ተምሃሮ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ መደያት ናይ ስራሕ ዝርከቡ ፈሊታውያን ክረኣ እንከሎ ዝነኣድ ማሕበርስብ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእን ኢና።እዚ ሓደገኛ ንናይ ሃገር ፖሊቲካ ሸለል ንኽበሀል ባይታ ዝኸስት ኰይኑ ንለውጢ ውን ዘደናጒ እዩ። ኣብ ጅብሃ ከለና 60 ሽሕ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛ ክንዱኡ ከኣ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ተምሃሮን መንእሰይን ነይሩና፤ እዚኦም ከኣ ብትያትርን ብደርፍን ብጽውጽውይን ብዝተፈላልየ ናይ ቃልሲ መልካዓቱ ንለውጢ መነሃሀሪ መንኰርኰር ዝኾኑ ስርሒታት ይገብሩ ነይሮም። ሎሚ café internet ኣብ ዝኾነ ኣንጎሎ ተፈጢሩ ክንሱ ሰብ ካብ ናይ ሃገር ፖልቲካ ሽለል ክብል እንከሎ ገለ ነገር ጐዲሉና ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ café internet ናይ ተስፋ ዝቈረጹ ምሁራት መዘናግዒ ጥራሕ ክንድዝኸውን፤ ነቲ ንሃገር ገቢቱ ዘሎ ሰርዓት መቃልዕን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ መንገዲ ክጸርግን ክኽእል ኣለዎ በሃላይ እየ።መደረ ነውሕ ነይሩ።

                            6

 

ዝምድናታት ናይ ደንበ ተቃውሞ ማለት ናይ ውድባትን ናይ ብርገሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን ምስ ኪዳን ከመይ እዩ? ወይ እውን እቲ ርኽክባትና ከመይ ይመስል ዝብላ ነጥብታት እስከ ንመልከት ።ኣብ መጨርስሽታ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ነጥቢታት መርሚርና መኸተታት ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ክንረኽቦ ኢና።ንኣብነት ሓደ ውድብ ኣኼባ ምስጸወዐ ከይትኸድዎ ይበሃል፤እዚ እንታይ ማለት እዩ ንሕና (እቶም ከይትኽድዎም ዝብሉ)ነቲ ኣብ ሃገር ንዝርከብ ጸጋታትን ክስራዓ ዝካኣላ ስልጣናትን ክንብሕቶ ኣሎና ይብሉና ኣለዉ ማለት እዩ። ስለዚ ነዚ ሓሳብ እዚ ክንቅበል ከለና ተረዲኡና እንተ ዀይኑ ገብን እዩ። ከይተረዳኣና ክንቅበሎ ከለና ውን ካብኡ ዝገደደ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሕብረተሰብኣዊ መበቘል ፍልልይ ኣሎና ማለት ብዙሓት ብሀራት ኣለዋና።ከምኡውን ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ካብ ሃለወና ብምፍርራሕ ወይ ብጸለመ ዝዕገት መርሆታት የብልናን።ግና ሰርዓተ ደሞክራሲ ኣብ መንጎ ወድባት ኣማዓቢልና፤ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ሕብረትስብና ክነመቃርሕ ንኽእለሉ ባይታ ክንፈጥር ይግባእ። ካብ ሓደ ንላዕሊ መፍሕታት ክነጥሪ ከኣ ብቓዓት ክነጥሪ ንሕተት።እሞ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጽንሐ ናይ ብርእይቶ ካባኻ ንዝፍለ ብጸለመ ምቕባኣ፤ ከምኡ ውን ብቀቢላውነት ወይ ብወገን ምኽሳስ ፤ መድከሚ ደንበ ተቓውሞ እዩ። ነዚ ኣገባብ እዚ ብርገሳዊ ማሕበራት ኮነ፤ፖሊቲካዊ ወደባት ንኽሰግርዎ ጥራሓ ዘይኮነ፤ መታካእቱኡ ናይ ሃባን እንካን ጥዑይ ሃዋህው ብዝሓዘለ ደሞክራስያዊ ፖሎቲካ ንኽንትክኦ ከኣ ንጥለብ።እዚ ማለት ኣብ ኣኼባ ብስነ ሓስብ ተፍላሊና ኣብ ቤት ሻሂ ብሃንሳብ ኮፊልና ሻሂ ክንሰቲ ክንክእል ኣሎና።እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትና ወይ እውን ኣብ መንጎ ኣዕሩኽና ፍልልያት ምስዝርከብ እገለ ዓርከይ ኣነ እዚኣ እያ ርእይቶይ ክንብል እሞ ነቲ ዝጸንሐ ሕውነትና ድዩ ወይ ዕርክነትና ክንዕቕቦን ክንቕጽሎን ክንበቕዕ ኣሎና።ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ኣስራራሓ ግን ብኽምዚ ኣጋጣሚ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ናይ መደእታ ናይ ምፍልላይ ታሪኽ ይኸውን። እዚ ፍልልያት እዚ ከኣ ንቕድሚት ከይንስጉም ዕንቕፋት ኰይኑና ይነብር ኣሎ።ዝጸንሐ ኣገባብ ፍልልያትናን ተኸቲሉ ዝውሰድ ስጉምትታናን ዝሕዝን እዩ እሞ ካብዚ ንናገፈሉ እስትራተጂ ውን ከድልየና እዩ።

ካብዚ ቀጺለ ናይ ስልጣን ኣረዳዳኣና ከመይ እዩ ዝብል ሕቶ ከልዕል ምደለኹ። ማለት ኩሉ ግዜ ስልጣን ምስቲ ክትሓንጾ ዝደለኻዮ ፖልቲካዊ ምደብ ዕዮ እዩ ዝተኣሳሰር።ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ኣሎ። ኣብ ደገ ከኣ ሰልጣን ዝደልያ ውድባት/ሰልፍታት ኣለዋ።ሕጂ እቲ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንኹሉ ወገናት ናይ ፖልቲካ ዘሳትፍ ድዩ ወይ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ እንተልዓልና፤ ሓደ ጨቋኒ ምስ ማንም ክሻረኽ ዘይደሊ ምዃኑ ንግንዘብ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ዲክታቶር ስለዝወደቐ፤ ሃገርና ፍሕት ከምዘትብል ኰይና ማለት እዩ።ፍሕት ምባል ጥራሕ ዘይኮነ ፍሽለት ኣብ ኣቘጠባ፤ ፍሽለት ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት፤ ፍሽለት ኣብ ሕብረትሰባኣዊ መዳየት፤ ኣመዝጊባ ትርከብ።እሞ ኸምዚ ዓይነት ስልጣን ንዝሓዘ ብፍሽለታት ከኣ ንብዙሓት  ሃገራት ዝቀደመ፤ ንስልጣኑ ኣግዲፍካ ብደሞክራስያውን ብዝሐ ሰልፈታትን ተከእካ፤ ንሕብረ በሀራትናን ቘጠባናን ባህልናን ከሳኒ ዝኽእል ፤ ንመሰላትና ከኣ ብማዓረ ከመቃርሕን ዝኽእል ስልጣን ክሳብ ትጭብጥ ምቅላስ ኣድልዪ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ግብእ እዩ እንተብልና ምግናን ኣይኮንን።ስለዚ ኣብ መንጎ ዝተፍላለዩ ረብሓታት፤ ናይ ህዝቢ ረብሓታት ብደሞክራስያዊ ስልቲ ዝዕቕብ ስልጣን የድሊ ማለት እዩ።እሞ ሃገርና ኣብ ከምዚ ኵነት እንዳሃለውት ሓደ ሰብ  እዚኦም ኣይረብሑን እዮም ወይ ከኣ ኪዳን ሓንቲ ኣይሰርሕን እነትበለ ዶ ይሓይሽ፤ ወስ ኣነ ኸ እንታይ ኣበርኪተ እንተበለ! እዚኦም ኣይረብሑን እዮም ማለት እኮ እቲ ዲክታቶር ጽቡቕ ኣሎ ከስምዕ ይኽእል።ወይውን ካብ ናይ ምምሕያሽን ተሳትፎን ናይ ተቃውምቲ ሸለል በሉ፤ እቲ ዲክታቶር ዕምሩ ከናዋሕ ከስምዕ ይኽእል።ኣብዚ እምበኣር ሰብ ኣብዝተሰሞዖ ወድብ ተጽጊዑ ንረብሓ ሃገርን ንደምክራሲን ንሰላምን ንምጽውዋርን ድጋፉ እንተኣበርከተ፤ እቲ ናይ ስልጣን ሕቶ ይፍታሕ ማለት እዩ፤ ኢሉ መደረኡ ደምዲሙ።ምስኡ ብዙሕ ሕቶታት መልሹ ካብቲ ሕቶታት ሓንቲ ደጊጋ ብኽመይ ለጊባትካ ምስበልዎ!ቀደም ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛ ተመዲበ እንዳ ሰራሕኩ ሓደ መሳርሕቱ ኣቶ ሓመድሽኽ ዝባሃል !ብል ላሂ ያ ተስፋይ ደጊጋ ይብለኒ ነይሩ ኣዚ ማለት በጃኻ ተስፋይ ህድእ በል ማለት እዩ ብቛንቛ ዓረበኛ።ብንእስነቱ ዝሓደሮ ናይ ቃልሲ ሽውሃት ሕጂ ውን ዝገደፎ ኣይመስልን ምኽንያቱ ብዙሓት ኣይኮኑን ካብ ኣመሪካ/ኤውሮጳ ንቃልሲ ዝምለሱ ዘለዉ።

እዚ ወዳ ሓንኩም

ሹም ደሓን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2548

Posted by on Jun 6 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net