ብረሃን እንተድኣ ደሊኻ ካብ ጸልማት ውጻእ
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ክፍሊ ዜና
ሓምለ 13-2006
- መእተዊ
- ተቓወምትን ወድዕነትን
- ፖሊሲን ዝምድናታቱን
- “ኪዳናዊ” ዋዕላ
- መደምደምታ
1፦ መእተዊ፡ ወድ-ሰብ ንመሰል ምቅላስ ምዓስ ከምዝጀመረኳ እዚ ክንበሎ እንተዘይክኣልና ንመሰል ምቅላስ ካብ መግዛእትን ምልክን ጭቆናን ከምዝነቅል ግን ኩላትና ንሰማምዓሉ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተርኡ በጺሑዎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ጭቆና ዛዚሙስ ካብ ወጽዓታት ውሽጣዊ ምልካዊ ስርዓት ክገላገል ኣብ ምትሕንናቕ ይርከብ። ብሓጺሩ ቃልሲ መሪር ጒዕዞ’ኳ እንተሃለዎ ከም ውጺኢት መሪር ሂወት ዝግለጽ እምበር ከምቲ መለኽቲ ህግደፋውያን ዝብልዎ መግለጺ ናይ ቀበጥበጥ ወይ ሕንቃቐ ኣይኮነን።
መሪር ጒዕዞ ግን አብ መንጎ ውሽጣዊ መልክን ጸረ-ምልክን፡ ኣብ መንጎ ግዳማዊ መግዛእትን ጸረ-መግዛእትን ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን። ናይ ቃልሲ ምረት መስ ረቂቕን ግሁድን መልክዓቱ ኣብ ውሽጢ ናይ ለውጢ ሓይልታት’ውን ከይተረፈ ህያው ምዃኑ ታሪኻዊ ተመክሮ ኢዩ። ወጹዕ ህዝቢ ዋና ናይ ጒዳዩ ንኸይከውን ካብ ዝዓግቱን ንዓወታቱ ካብ ዘናውሕዎን ነገራት ድማ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ዝርከቡ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝዋፈሩ ናይ ሕልኽልኽን ድንግርግርን ኣሉታዊ መልእኽትታት ዘመሓላልፉ መትንታት ኢዮም። ነዞም መርዚ ናይ ቃልሲ ዘመሓላልፉ መትንታት ከየለለኻን ከይወገንካን ከም ኣድላይነቱ’ውን ከይበተኽካን ናብቲ ቀዳማይ ዕማምካ ከተስተባህልን ንዕኡ ዝኽውን ተግባራዊ ስጒምቲ ክትወስድን ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ክኣዩ ብኣባሃህላ ህዝብና ገፈል ናይ ካልኦት ከተውጽእ ምእንቲ ክትበቅዕሲ መጀመርያ ካብ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ገፈል ተገላገል ዝበሃል።
ሎሚ ብግህዶ ከም እንዕዘቦ ዓቢ ዕንቅፋት ወይ ናይ ቃልሲ ምረት ኰይኑና ዘሎ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ እቲ “ዓቢ ኢየ ዝብል” ናይ ሓባር ተተርጓሚ ኣረኣእያ ከይወነነ ሸንኰለል ዝብልን እንደገና ክኣ ኣብታ ውሽጢ ከስዕኡ ዓብን ንእሽቶይን እንዳበለ ዝመቓቕልን “ኪዳን” ኢዩ። ህግደፍን ከምኡ ድማ ምስጢር ናይ ቃልሲ ብዙሕ ዘይበርሃሎም መደናገርቲ ሓይልታትን ከምዝብልዎ፡ ኣብ ምንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ናይ ዶብ ሽግር እንተዝፍታሕ ጸገምና ምተፈትሐ ነይሩ ብማለት ንተቓለስቲ ሸታሕ-ታሕ ከብሉን ንዕድመ መለኽቲ ከናውሑን ህርድግ ይብሉ ኢዮም። ”ኪዳን” ነዚ ትሕዝቶ’ዚውን የጠቓልል ኢዩ። ብወገንና ግን ጸገምና ዝፍታሕ እቲ አብ መንጎ ተቓወምትን ኣብ መንጎ ህግደፍን ዘሎ ዶብ እንተዝንጸር ኢዩ ካብ ንብል ካብ ንብገስ ሒዝና ነዊሕ ኰይኑ አሎ።
ተቓወምቲ ሓድነት ዘይበሎም ሓድነት፡ ዕብየት ዘይብሎም ዕብየት፡ ንጹር ዕላማ ዘይበሎም ንጹር ዕላማ፡ ንኣኼባታቶም ከም ዓወት ንሕድሕዳዊ ምርጫታቶም ከም ሽመት ዝዓግብሉ እንተድኣ ኰይኖም ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ እቲ ለውጢ ደልዩ ኩሉ ተወዲኡዎ ዘንባሁቝ ዘሎ ህዝብን ዘራኽብ ገመድ የለን። ምናልባት ዘራኽብ እንተድኣ ኣሊዩ፡ ንመሰልን ብልጽግናን ውጹዕ ህዝቢ ንቃለስ ዝብል ጭርሖ ህግደፍ’ውን ከይተረፈ ዝጭድረሉ ኢዩ። እዚ ዋንኡ ዘይፍለጥ ጣቓ ዘደብዘዞ ጭርሖ ከይተቐንጠጠ ናብ ብርሃን ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና። ተቓወምቲ ብናይ ብሕታዊ ሕልምታቶም ኣብ ተዋጠጥ እንዳሃለዉ እናክእከቡ ዝሓለፈ ገምጊምና ናይ ዝመጽእ ክኣ መደብ ኣውጺእና ብዓወት ዛዚምና እንተበሉስ ኣበይ የብጽሓና? ስለዚ ነዚ ካብ ኣኼባ ናብ ኣኼባ ጥራይ ዘሰጋግር ሓረግ እንተዘይበቲኽናዮን መተካእትኡ ድማ ካብ ኣኼባ ናብ ተግባር ዘሰጋግር ሓረግ እንተ ዘይፈጢርናን ጸረ-መላኺ ጭርሖታትና ደርቢኻ ዘይተርክበሉ ናይ ማዕዶ ሃለውለው የላኻ ኰይኑ ምትራፉ ክቕጽል ኢዩ።
ኣብ ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ ዝዀነ ይኹን ኣካል ”ኪዳን” ይኹን ወጻኢ ካብ ”ኪዳን” “ዝክኣል” እንተዝኸውን ንስርዓት ህግደፍ ብናይ ብሕቱ ዓቕምታት እንተዘፍርሶ’ውን ኣነ እየ ዓቢ ክብል መሰል የብሉን። እቲ ምርጫ ናይ ድላይካ ምባል ግን ኣሎ፡ ንሱ ክኣ፡ ወይ ብጒልበተካን ብኢደ ወነንካን መተካእታ ናይ ህግደፍ ትኸውን እቲ ሽግር ድማ ከም ዘለዎን ናብ ዝበኣሰን ይቕጽል፡ ወይ ደማ ነቲ ሓላፍነት ናይ ዕብየት ሚዛን ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ተረክቦ። ብዝተረፈ ከይተወዳደርካ ዕብየት ከይተቐዳደምካ ዋንጫ ምስ ስነ-ሞጐት ናይ ዲሞክራሲ ዝወሃሃድ ኣይኮነን።
2 – ተቓወምትን ወድዕነትን፡ ኣብ ቃልሲ ወድዕነት ዋሳኒ ግደ ክጻወት ማለት ህዝባዊ ኣተሃላልዋ ብኹሉ መለኪዒታቱ (ፖሊቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ከባብያዊ፡ ዋላውን ሓደ-ሓደ ግዜ ባህርያዊ ኲነታት) ኣብ ረብሓ ለውጥን ምቅልጣፍ ብዓልቤታዊ መድላዋትን ምትዕርራያትን ከም ዝውዕል ዘተሓትት ኣይኮነን። እንተዀነ ግን ወድዓዊ ኲነታት ብምልኣት ጣጢሑ ቅሩብ ምኣዲ ኰይኑ ክጽበየካ ካብ ናይ ቃልሲ ተረድኦ ወጻኢ ኢዩ። ብዓልቤታዊ ድልውነት ማለት ኣመራርሓ፡ ወድዓዊ ኲነታት ገለ-ገለ ዕንቅፋታት ስለ ዘርኣየ ጸገም ኰይኑና ዝብል ምኽኒት ይቐርብ ኢዩ፡ እዚ ግን ቅቡል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ ይተረፍዶ ኣብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ግሁድ ኩሉ ከንብቦን ክማረረሉን ዝኽኣለ ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት ዋላ’ውን ኣብ ዘዕግብ ወድዓዊ ኲነታት ዘይበሰለሉ ኣተሃላልዋ ዕላምአን ዘነጽራ ውሽጣዊ ሓድነተን ዘረጋግጻ ዘተኣማምን ናይ ሓባር ውደባ ዝምስርታ ውድባት፡ ፓርትታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ክምስረታ ይክኣል እዩ። እቲ ወሳኒ ዕላመኻ ምንጻርን ንዕኡ ዘሰማማዕ ብቕዓታዊ ተበግሶ ምውናንን ጠራይ ኢዩ።
ነዚ ዝተጠቕሰ ታሪኻዊ ክውንነት ወድዓዊ ዘይብስለት ንዓወት የደናጒዮ እምበር ንስምረታዊ ተበግሶ ተቓወምቲ ክዓግቶ ግድን ኣይኮነን። ወድዓዊ ብስለትን ዘይብስለትን ቀንዲ ኣድማዕነቱ ምስ ምፍጣርን ሓድነትን ናይ ብዓልቤታዊ ረቛሒታት (አመራርሓታት) ዘይኮነስ፡ ብዓል ቤታዊ ረቓሒታት ማለት ናይ ኣመራርሓ ውደባታት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዚያት ኣብ ምቅልጣፍ ዓወት ናይቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ዘበርክቶ ግደ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ዝተፈጥረ ናይ ለውጢ ኣመራርሓታት ናይ ሓድነት ገመዱ ምስቲ ወድዓዊ ኲነታት ከተኣሳስሮ ኣብ ዝበቕዓሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ክውንነትና ኣድማሳዊ ወዘተ… ወድዓዊ ኲነታት ገለ ዕንቅፋታት ስለዝርከብዎ ዘይኮነስ ብመሰረቱ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኣብ “ኪዳን” ንዝቃለስን ዘተዓናቕፍን ሓዋዊሱ ኣብ ሓደ ብምእጓሩ ብቕዓት ከምዝጓደል ስለዝገበረ ኢዩ። እዚ ዘይብቕዓት’ዚ መሰረቱ ማለት ሀ ሁ ናቱ ባህርያት ናይ ቃልስናን ኣገባብ ኣፈታትሕኡን ብማዕረ ምጥላቡን ምርድኡን ምትግባሩን ዘይምኽኣል ኢዩ። ብላህመታዊ ተገፋፊ ኣተሓሳስባ ካብ ጎቦ ናብ ሩባ፡ ካብ ሩባ ናብ እምባ ክትመላለስ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዝበሃል ዳንጋ ዘይብልካ ባሕሪ ኣይውረድን ኢዩ፡ ብሕጽር ዝበለ ናብ ህዝቢ ክትበጽሕ ህዝባዊ ለውጢ ከተመዝግብ ብንጹር ዕላማን ብተግባራዊ መምርሕን ብምእዙዝነት ናይ ዝዓገብካሉ ቅርጻን እምበር ጭርሖ ተኸዲንካ ካብ ተግባር ርሒቕካ ነንፋንጣኻ እንዳዘመርካ ካብ ጸልማት ወጺእካ ናብ ብርሃን ክትኣቱ ኣይክኣልን። ኣብ ውሽጢ ወድዓዊ ኲነታት ክህሉ ንዝኽእል ዕንቅፋታት ዋላ’ውን ድሕሪ ዕንወት ምዕናዉ ዘይተርፎ ህግደፍ ከጋጥም ምዃኑ ክስገር ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን ከም ምኽኒት ተወሲዱ ንስምረትን ጽንዓትን ናይ ተቓወምቲ ዝዓግት ደንደላ ክኸውን የብሉን። ብመሰረቱ መስዋእቲ ዝኽፈል ነቲ ዝተረፈ ቀዳዳት ናይ ወድዓዊ ኲነታት ክትዓብስ ምእንቲ ኢዩ። ከይደፋእካዮን ከይሃሰየካን ብጥራዩ ዝፈርስ ጸላኢ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኣይፈልጥን። እቶም ዝብልዎን መደናገርትን ግን እዝኒ ጥዑያት ከጽምሙ ለይትን መዓልትን ክግዕሩ ይርከቡ።
3- ፖሊሲን ዝምድናታቱን፡ ኣብ ቃልሲ ፖሊሲ ዘየጠቓልል ስትራተጂ ኣይዕወትን ጥራይ ዘይኮነስ ዋላውን ብጒንዱ ንዕኡ ዝሰምዕ እዝኒ የለን። እንደገና ፖሊሲ ንባዕሉ ኣገልግሎቱ ነቲ ስትራተጂ ምክልኻል እንተዘይኮይኑ ውጽኢቱ ንዋያ ማለት እቲ ዝርከብ ዓወት ዋናታቱ ጸላእቲ ኢዮም ዝዀኑ። ኣብ ክውንነትና ህግደፍ ምዃኑ ኢዩ። ዘተ ሐደ ኣካል ናይ ፖሊሲ ኰይኑ ምስ ግዳማውያን ይኹኑ ምስ ውሽጣውያን ሓይልታት ናይ ምግባር ተኽእሎ አሎ፡፡ ክካየድ ከሎ ግን ምስ መንን ብዛዕባ ምንታይን ንጹር ክኽውን ኣለዎ። ምስ ቀደማይ ጸላኢኻን፡ ህዝብኻን መሬትካን ንብረትካን ዘብረሰ፡ ምስ ህላዌኻን ኣሰር ህላዌኻን ክድምስስ ኩሉ ዓይነት ዓቕምታቱ ዘዋፍር ብፍላይ ክኣ ኣብ ድኹም ተዘራዒ ኣተሃላልዋኻ ከተቕንዖ የማን ጻጋም ዘይብሉ ኣላሻነት ኢዩ። ኣላሽነት መወዳእትኡ ነብሰ-ሕቀት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። ዘተ ናይ ሓይሊ ሚዛን ዝጥምትን ንስትራተጂካዊ ጠለብ ሓፋሽ ዘይሸራርፍን ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ክኣ ስትራተጂካዊ ጠለብ ሓፋሽ ማለት መሰረታዊ ክስን ብይንን ናይቲ ኩሉ ዝተኸስረ ሂወትን ንብረትን፡ ስንክልናን ማእሰርትን፡ ጥምየትን ዕርቃንን፡ ስደትን ውርደትን ኩሉ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝወረደ ቀዛፊ ኣስካሕካሒ ሳዕቤናትን ከምዘጠቓልል ቅድሚ ልሳንና ሊው-ሊው ምባላ ካብ ኣእምሮና ዘይፈሓቝ ሓሳብ ምዃኑ ከነረጋግጽ ይግባእ።
ሎሚ አብ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ክኣ ኣብ “ኪዳን” ኣላሻዊ ምልክታት ንርኢ ኣለና። ምስ ህግደፍ ክትዝትን ህግደፍ ክጽውዓካ ጭትም ምባልን ዘይቅኑዕ ጸረ-ስትራተጂካዊ ተቓውሞን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተዘይተኣሪሙ ኣላሻውን ነብሰ-ሕቀታውን መስመር ምዃኑ ዘይተርፎ ኢዩ። እዚ ተመኲሮ’ዚ ኣብ ታሪኽና ከይተረፈ በሰላ ኣለዎ። ዝምልከተን ውድባት ታሪኸን ሃሰስ ክብላ ንገድፈለን። ናብዚ ዝፈሸለ ታሪኽ ምውጣጥ በሰላኻ ምሕንጣጥ ስለዝዀነ ካብዚ ጸልማት’ዚ ምውጻእ ናብ ብርሃን ዘእቱ ዘተ ክኣ ምምራጽ ከድሊ ኢዩ። እቲ ተመራጺ ናይ ዓወት ዘተ ደጋጊምና ገሊጽናዮ ኢና፡ ንሱ ድማ ኣብ ንጹር ስትራተጂ ዝተሰረተ ሂወት ዘለወን ተቓወምቲ ውደባታት ኣናዲኻ ዘተኣማምን እስስራትን ፍሕሶታትን ናይ ቃልሲ ምግማድ ኢዩ። ከም ዝብኢ ማዕረ-ማዕረ እንዳኸድካ መን መንጨተ መንከ ተመንጨተ ክትብልን ክትተሓላሎ ክትነብርን እንተድኣ ኰይኑ ግን ተቓውሞ ክበሃል ኣይከኣልን።
ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ነዚ ስትራተጂካዊ ዘተ ናይ ዕላማ ምሓዙት እስስራት ኢዩ ናይ ዓወት ዘተ ኢሉ ዝኣምነሉን ዝቃለሰሉን። ዘተ ምስ ሓቀኛታት ተቓወምቲ’ምበር ምስ መለኽትን ገበነኛታት ተኸሰስትን ኣይኮነን። ምስ መለኽትን ገበነኛታትን መጎተ አብ ቤት-ፍርዲ እምበር ዘተ አብ ባይቶ ተሓታትነት ረጊጹ ስለዝኸይድ ንሕና እንርድኦ ጭብጢ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ “ኪዳን” ዝጥመሩ ውድባት እቲ ዝጥመሩሉ ገመድ ልሕሉሕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ዕላዊ መግለጺታት ናይ “ኪዳን” ብጒዳይ ዘተ ይኹን ካልእ ብማዕረ ይምልከቶም። ናይ ተቓውሞ ርእይትኦም ክሳዕ ዘይሃቡን ነብሶም ካብቲ ልምሰታዊ መስመር ክሳብ ዘየግለሉን ክኣ ናይ ዘኸትሎ ኣላሻዊ ሓላፍነት ተሰከምቲ ክዀኑ ግድን ኢዩ። ኣላሽነት ሽፋኑን ዝተመሓየሸ ስሙን ጽገና ኰይኑ ኣቃላልሳኻ ምስ ኣረገን ሕልና ምስ ኣዕረብካን እትግንበወሉ ንእዲ ድኹማት ኢዩ። ኣብ ንእዲ እንተተበጺሑ ድማ ዝሃቡኻ መድሃኒት ተቐቢልካ ዝበሉኻ ትኸውን እምበር ዝደለኻዮ ክትገብር ኣይከኣልን። ኣብ ክውንነትናን ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽን ብመልክዕ ጽገና ተለጒሞም ዘለዉ ጠያይቲ ናይ አላሽነት፡ ቅዋም ናይ 1997 ንበገሰሉ’ሞ ዝተረፈ ቀስ ኢልና ንምልኦ፡ ቃልስና ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ፡ መጀመርያ ዶብና ይተሓንጸጽ፡ ህግደፍ ስረ እንተልይዎ ንዘተ ይጸውዓና ወዘተ… ላልማየ ላሎ ኰይኖም፡ ዘዕግብ ውህላለ ናይ ሰማዕትን ደለይትን ምስ ተመዝገበ እቲ ቃታ ናይቲ ተለጒሙ ዘሎ ጠበንጃ ክሰሓብን እቲ ተዂሲ ድማ ክስማዕን ኢዩ። ሕጋውነት ናይዚ ተለጒሙ ዘሎ ጠበንጃ ብዝዀነ ይኹን ዋዕላ ኢልካ እትጽውዖ ክረጋገጽ ክፍተን ኢዩ።
4– ኪዳናዊ ዋዕላ፦ ከምቲ ደጋጊምና እንበሎ ዋዕላ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዝዀነ’ውን ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ጭርሖ ኰይኑ ኩላትና ካብ ንዝምሮ ነዊሕ ኰይኑ አሎ። ”ኪዳን” ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብቲ ኣነ ኢየ ዓቢ ዝብል ኣምር ከም ቀደሙ ተኣሲሩ ኣነ ኢየ ዋንኡ ይብል ኣሎ። ዋዕላ ብመሰረቱ እንታይ ንግበር ኢዩ ትርጒሙ። ብዝህበካ መምርሒ ተንቀሳቐስ ጸብጻብካ ክኣ አረክበኒ እንተዀይኑ ግን ትርጒሙ ናይ ወዳእ ነገርን ፈጻሚ ኣካልን ከይዱ-ከይዱ ክኣ ናይ ምልኪ ባህሪ’ምበር ምሰ መንፈስ ናይ ህዘባዊ ዋዕላ ዘተኣሳስር ገመድ የብሉን። ኪዳን ክበሃል ከሎ ኣብ መነጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ዘሎ ማሕላ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ እንተድኣ ኰይኑ፡ ሳዕሪ ዝተኸድነ ህጒም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። በዛዕባ ዕብየትን ብቕዓትን ተመሊስና ከነዕልል ኣይንግደስን። ኣነ ንእሽቶይ ኢየ ኢሉ ዝኣመነ ክኽተሎም ግን ካብ ምኽሪ ሓሊፍና እንብሎ የለን።
እዚ ተብተብ ናይ “ኪዳናዊ” ሽማግለ ዋዕላን መምሪሒታቱን ብትሕዝትኡ ካብቲ ልሙድ “ኪዳናዊ ጒባኤ” እናሳዕ “ብዓወት” ዝዛዘም ዘይፍለ ምዃኑ ግን ብዙሕ ዘደናግር ምስጢር የብሉን። ትኬት ካብ “ኪዳን” ተቐቢልካ ዝእቶ ዋዕላ ብግስ ከይበለ ናይ ሓባር ርእይቶ ምቕባል ስግድግድ ዝበሎ መፍትሕ ናይቲ ኣደራሽ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ እንተደለየ ዝኸፍቶን እንተዘይደለየ ክኣ ዝዓጽዎን “ኪዳን” ጥራይ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ’ውን ንዕኡ ኢዩ ዘረጋግጽ። እዚ ኣገባብ’ዚ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ዘየተኣማምንን ዘይጥጡሕን ባይታ ናይቲ ክንዳለወሉ ዝግበኣና ቅድመ-ኲነት ዋዕላ ኢዩ። ብዛዕባ ዋዕላ ብዙሕ ስለዝበልናን ብኻልኦት ዝምልከቶም’ውን ስለ ዝተባህለን ከምኡ ድማ ብተገደስቲ ሓላፍነት ዝተዋህቦም ምስ ክህሉ ዝኽእል ተኣራሚ ሕጽረታት ብዘየገድስ መጽናዕቲ ከይተረፈ’ውን ስለዝቐረበን ሓተታ ከነናውሕ ኣይነደልን።
5- መደምደምታ፦ ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ደንደስ ናይ ቃልሲ ንርከብ ኣለና፡ ማለት ናይ ተቓውሞ መኽሰባትን ካብ ከባቢና ዝርከብ ዲፕሎማሲያዊ ረብሓታትን ህግደፍ ካብ ኢድና መንዚዑ ንመዛትይትና ናብ ጐድኑ ንምስግጋርን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታውን ኣብ ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ባሓደ ሸነኽ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ድማ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ “ኪዳን” ኣብ ዘንባዕን ልሙስን ናይ ዘተ መስመርን ኣብ ምኩሕ ናይ ዋዕላ ተብተብን ይዋፈር ብምህላዉ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣተሃላልዋ ነቲ “ሰላማዊ ፍታሕ” ጒልባብ ጌሩ ዘንባዕ ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ቀቢጸ ተስፋዊ መስመር ኣላሻውያን ናይ ዝምድናታት ሽታ ዘናዲ ምዃኑ ንሕና ከም ሰለፊ ጒባኤ ኤርትራ ከምቲ ኣቦታትና ዝመሰልዎ ዑፍ ጩቝ ክብል ጽሓይ በርጭቕ ክትብል ንሕብር ኣለና። እዚ እንሰምዖ ዘለና “ኪዳናዊ” ዋዕላ ይሰላሰል’ሞ ህዝቢ ውዒሉሉ ኢዩ ብማለት ከምቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህግደፍ ዝተወረቐ ቅዋም ጸቕጥታት ክግበረሉ ምዃኑ ፒለቲካዊ ተቓዋሚ ክግምግሞ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ኩሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ቀደም ዝነደየ ቅዋም ይተግበር እንዶ እንዳተባህለ ዝልፍለፍ ዘሎ’ውን ሓደ ካብቲ ባይታታት ኣላሻዊ ዘተን ንዕኡ ዝሰማማዕ ዋዕላን ንምንዳይ ምዃኑ ስለ እንርዳእ ኣቐዲምና ’ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ’ ከይበልና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኲነታት ዞባና ብስንፍናና ድሮ ህግደፍ ኣዘናቢዒዎስ ተቓወምቲ ውድባት እንተ ብግርህና እንተ ብሕጽረት ምክትታል ኣገዳሲ ናይ ጒባኤን ስምረትን መደባተን ከሰናኸልን ክናዋሕን ክኢሉ ኣሎ። ገለንከ! እንተ ተሓቢሮምን ተመኺሮምን ብብጊሓቱ መንገዶም ጸሪጎም ከምዝጸንሑ ዝተኸታተለ የስተባህለሉ ዘይተኸታተለ ድማ ኣብ ወ ይ ለ ይ! ይኣቱ።
እዚ ዝተጠቕሰ ክውንነት’ዚ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱን ኣርቂቕካ ክትሓስበሉ ዝግባእን ኢዩ ንብል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ደርስቲ ናይ ጽገና መሰልን ማዕርነትን ናይ ኩሉ ዘረጋገጸ ዘተኣማምን ህዝባዊ ዋዕላ ተኻይዱ ዝሰመረ ናይ ሓይሊ ቅልጽም ምእንቲ ከይፍጠር ሓድሽ ግልቡጥ ስነ-መጐት ከም ናይ “ዓወት” መርሖ ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሱ ክኣ ንህግደፍ ብሰላማዊ መንገዲ ጠራይ ምውካሱ ኰይኑ “ሓይሊ ዘዘውትሩ መራሕቲ ንባዕሎም ብድሕሪት ኰይኖም ንህዝቢ ደማ ኣብ ቅድሚት ሰሪዖም ንጥፍኣት ዝዕድሙ ኢዮም፡ ብኣንጻሩን እቲ ቅኑዕን ግን፡ መራሕቲ ብቕድሚት ህዝቢ ክኣ ብድሕሪት ሰሪዖም ብሰላማዊ መገዲ ማዕጾ መለኽቲ ዝዂሕኲሑ ውፉያት ኢዮም” ዝብል ኢዩ። ዘገርም’ዩ! እዚ አበሃህላ’ዚ ጽገናውን ኣላሻውን ምምችቻእ ኰይኑ ብመንገዲ ቅዋም 1997 ናይ ብቐዳማይ ሂወት ህዝባዊ ግንባርን ናይ ሎሚ ናይ ሓባር ህግደፍን ክትህሉ ዝናፍቕን ዝጽውዕን ተዓራቒ መስመር ኢዩ። እዚ መጐት’ዚ ሕልምታቱ ከተግብር ክብል ብገልጠምጠማዊ ፍልስፍና ዋላ’ውን ነቲ ሃገራዊ ነጻነትና ዘዕቈብናሉ ናይ ሓይሊ ስጒምትን ጅግንነታዊ ተጋድሎን ስለምንታይን እንታይን ምርጫ ከምዝወሰድና ዘንጊዑዎ ታሪኹ ዝረስዐ ኣረኣእያ ኰይኑ ንረኽቦ። ምናልባት’ውን እቲ ነጻነት ብዘይዕግበቱ ዝመጸ ከይከውን መን ይፈልጥ?
ሎሚ ስትራተጂካውያን ተቓለስቲ ምዓንጥኦም ሸጥ ከብሉን እቲ ሓቀኛ ናይ ተቓወምቲ ዋዕላ ንምግባር ክለዓሉን ጸረ ዝዀነ ይኹን ምኽኒት ሒዙ ዝቐርብ ኣላሻዊ መስመር ደው ክብሉን ንህግደፍን መሰነይትኦምን መላዝብቶምን ከምቲ ንሶምን ባህርያቶምን ከምቲ ንህዝብና ዝገፍዕዎን ዝገፍዕዎ ዘለዉን ከፈልጦምን ክምክቶምን ንጽውዕ፡፡ ሎሚ ጽገናዊ ተብ-ተብ ክርአ ከሎ ምቅልጣፍ ናይ መሰረታዊ ትንዕታን ምድላዋት ኣድማዒ ስጒምትን ድማ ከርዕዶን ከምክኖን ደጊምናን ኣትሪርናን ንጽውዕ። ሎሚ ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ንጐረባብትና ከም መአከብን መለመን ስንቅን (መሳርፍ) እምበር ከም መስመርን ሓቀኛ መታግሮ ሓይልን ብዘይምጥቃምና ህግደፍ ዘበላሽወልናን ዝምንዝዓናን ዘሎ ዞናዊ ዲፕሎማሲያዊ መኽሰባት ክንወዳደሮን ክንምንጥሎን ኣብ ረብሓና ከነውዕሎን ክንጓየ ንጽውዕ። ሎሚ ብዝኸሰርናዮ ዘይኮነስ ብዘኽስበና ኣገባብ ቃልሲ ክንብገስ ካብ ጠነግን ሰኪዔትን ጸገንትን ኣላሻውያንን ነብሰ-ሕቀታዊ መስመራትን በታቲኽና ክንወጽእ ንኹሉ ክርዳእ ዝኽእል ናይ ቃልሲ ምንጭታት ንጽውዕ። ናይ ዘራእቲ ኣዋስብን ናይ ቃልሲ መኣዝንን ዘይፈልጥ ሓረስታይን ተቓላሳይን ክኣ ሓዲኦም ክጠሚ ሓዲኦም ክኣ ክስዓር ዘይተርፎ ምዃኑ ኣቐዲምና ብርሃን ዝደለየ ካብ ጸልማት ክወጽእ ከምዘድልዮ ንጽውዕ። መንገድናን መጋይሽትናን ፈሊጥና ሰሚርና እንተድኣ ጌሽና እቲ መንገድና ከም መጽዓን ይጥቕለል፡ እቲ ክብርን መጐስን ንስውኣትና ይዕደል፡ እቲ ባንዴራ ህዝባዊ ዲሞክራሲ ድማ ይንብልበል።
(ሰ.ጒ.ኤ. ከፍሊ ዜና)
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2569