ምስጢር “ሰላማዊ ኣገባብ” ‘ዳ ቪንቺ ኮድ ኣይኮነን’

10-15-06 ሰ.ጒ.ኤ.(ስትራተጂ ዓዲ)

ብሰንኪ ምኣዝኑ ዝሰሓተ ስርዓት ኣስመራ፡ ኤርትራ ናይ ባዕላ ፓርትታት ክንዲ ትምልምል ባህርያቶም ብዘየገድስ ናብ ድኾን ተቐይራ ግዳማውያን ተቓወምቲ ክትጫጭሕ ብይን ናይ መለኽቲ ኰይኑ ኣሎ። ንመለኽቲ ሽግር ኤርትራ ካብ ምፍታሕ ግዳማውያን ተቓወምቲ ብምርባሕ ንጎረባብቲ ቅሳነት ብምኽላእ ዕድሜኻ ምንዋሕ ዝብል ኣገዳስን ናይ መወዳእታን ጥበብ ኢዩ። እዚ ጥበብ’ዚ ንጽገናዊ ዘተታት መንገዲ ከፊቱ ንመንግስታት ጎረባብቲ ናብ ኣጽንሓኒ ከጽንሓካ ኣወዓዒሉ ንህዝቢ ኣብ ዘለኻዮ ተገዛእ ብማለት ቀጻልነት ምልኪ ብዝዀነ-ይኹን መንገዲ ኣረጋጊጹ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ትሕቲ መሬት ዝቐብር ኢዩ።

ህግደፍ ፖሊቲካዊ ኣትኲሮ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝዘልቀሉን ዝሃሰሉን፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ዝንሃሃረሉ ኲነት ፈጢሩ ንጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ናይ ውሽጣዊ ሽግራት ምሓዙት ክገብረን ብቝጠባ ብብረት ብኣካል ብዲፕሎማሲ ዓቕምታቱ ክሳዕ ዝጽንቀቕ ክቃለስ ኢዩ። ይቃለስ ክኣ ኣሎ። ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ዕዳጋ ናይ ዝሓረኻዮ ጥረ-ነገር ዘይኮነትስ ዕዳጋ ናይ ዝሓረኻዮ ቃርሳታት ጎረባብቲ ሃገራት ኰይና ኣላ። እቲ ዝብላዕ ዝስተ ተሳኢኑ ዝበሃል ዘሎ’ውን ኤርትራዊ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኲነት ብውሕዱ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምዃን ስኢኑ ማለት ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ ኣድህቦ መንግስቲ ስለዝተቐየረን ካብኡ ነቒሉ ድማ ህዝቢ ናብ ምልካዊ ዕስክርናን ስደትን ተገፊዑ ኣፍራይ ሓይሊ ስለዝመኸነን ኢዩ።

መለኽቲ ብድሕሪት ዘጥብውዎን ዝዕንግልዎን ቆልዓ ስለዘይብሎም ንቕድሚኦም እንዳፍረሱ ምኻድ ኣመሎም ኢዩ። ኣብ ዓዶም ብዛዕባ ሕጊ ተዛሪቦም ዘይፈልጡ ኣብ ግዳም ሰብ ሕጊ ኰይኖም ክርኣዩ ሸምገልቲ ክዀኑ ህርድግ ይብሉ። ይስለጥ ኣይስለጥ ይሽምግሉ ክኣ ኣለዉ። እንተሰለጠ ለቕሓይ ይመለሰለይ ይብልሉ፡ እንተዘይሰለጠ ድማ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ግዜ ይዕድግሉ። እቶም ኣብ ግዳም ዝተመደቡ ምስሌኔታቶም ድማ በዝስ ግዲ የብልኩምን እንተ “ብሰላማዊ” እንተ “ብቕዋማዊ”፡ ነዚኦምሲ ባዕልና ኣለናልኩም እንዳበሉ ብምዝንጋዕ ንተቓወምቲ ሓይልታት ክንእከብን ክፍንፍንጣሕን፡ ወጢጥና እንተተባሃልና ክኣ ፈቖድኡ ህልዉ ኲነታት እንዳበልና ኣሻመዳ ክንብል ህልዊ ኲነታት ሓዲጉና ከም ዝኸይድ ይገብሩና ኣለዉ።

ህልው ኲነታት ሎሚ ብኽልተ መልክዑ ከተንብቦ ዝካአል ኢዩ፡ ማለት በቲ ሓደ ወገን ባኒ ብመስርዕ ኰይኑ ክበሃል ከሎ በቲ ሓደ ክኣ ህግደፍ ዲጋ (ግድብ) ሰሪሑ ይበሃል። እተን ኣእዛን ድማ ከም ድላየን ይትርጒምኦ። ወረ ሓደ-ሓደ ግዜስ “እንድሕሪ ዲጋ ተሰሪሑ ድኣ ክሳዕ እንዳፎርኖ ዘበጽሕ ክሳዕ ዝስንከት ኢዩ’ምበር እንታይ ክሰኣን ድኣ” ባኒ ዘይኮነስ ዓቕሊ ኢዩ ተሳኢኑ ከም ዝበሃል ይኸውን። እዚ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ህልዊ ኲነታት ናይ ተቓወምቲ ውድባትን ከምኡ ድማ ናይ ህግደፍን ስዓብቶምን ኢዩ። መምርሒኻ “ሰላማዊ ኣገባብ”፡ ዕጥቅኻ ህልዊ ኲነታት፡ ኣድራሻኻ ግዳማዊ ዓለም፡ ትጽቢትካ መተካእታ ህግደፍ ጌርካስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ መሰረታዊ ለውጥን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ክተሰጋግር ምሕላምስ ኣይገርምንዶ? “ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ኰይኑና’ምበር ሓይሊ ዘይትጥቀም ዓለም ክትህሉ ቅድሚ ኩሉ ምፈረምና። እቶም ኣብ ዓለም ዝለዓለ ሃብትን ሓይልን ዝውንኑ መሉእ ዓለም ለሚኑዎም ዕጭ ወደኹ ኢሎም፡ ሓይሊ ንኣመለኻኽትኦም የማን ጸጋም ከገላትዖ ንርኢ ኣለና።

ናይ ሕጂ ህግደፋዊ ሜላ ከረድኣና ዝኽእል እቲ ጥበብ (ፎርሙላ) ናይ ህግደፍ ብትኽክል ሓይሊ ሚዛን ብዘለዎ መንገዲ ይሰርሕ ምህላዉ ኢዩ። ተቓወምቲ ውድባት ክሳዕ እሱራት ናይ “ኪዳን” ዝዀናን እዚ ዘሎ ወድዕነት ክሳዕ ብስትራተጂ ዓዲ ዘይተተክአን ሓይሊ ሚዛን ህግደፍ ክብደቱ ኣይክትንከፍን ኢዩ።“ኪዳን” ንኣታሃላልውኡ እንድሕሪ ዕድመ ሂቡዎ ክልተ ዕድል ክገጥሞ ኢዩ፦ እቲ ሓደ ብለቕሓ በሰሮ ከምቲ ህግደፍ ዝሽምግሎ ዘሎ ንይምሰል ተሸምጊሉ እንዳ ጽገንኡ ክኣቱ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንዕኡ’ውን ዘይበቅዕ እንተዀይኑ ብዝተፈላለየ ጥበራታት ዘይዕላዊ ኣምባሳደር (እንደራሴ) ህግደፍ ኰይኑ ክሳዕ እቶም ዘውደቑ ዘውድቕዎ ዕድመ-ልክዕ ስም ተቓውሞ ለቢሱ  ፎቖድኡ ምዂብላል ኢዩ።

ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ከተማታት ምዕራባዊ ዓለም ብመለሳ ዘይብላ ሓንትን ዘይትቕየርን ኣጀንዳ ኰለል ክብሉ ከለዉ፡ መንእሰያትና ብሓንቲ መሳርያ ናይ ህግደፍ (ግፋ) ፈልሲ ተቓውሞ ምእንቲ ከይፍጠር ካብ ከተማታት ኤርትራ ይባረሩ ይእሰሩ ይስደዱ ኣለዉ። እቶም ዝተሰዱ ብኣምባሳደራት ህግደፍ (ጠበቓታት ሰላማዊ ፍታሕ) ናይ መንበሪ ወረቐት ይሰላሰለሎም። ህግደፍ ብውሽጢ ይገፎም መሊቖም እንተወጹ ክኣ ብግዳም ወኪል ይቕበሎም እሞ ኣብ ምስመር ጽግና ተር የብሎም። እቲ ህዝባዊ ኣብያ ወይ ህዝባዊ ናዕቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሕምብርቲ ከተማታትናን መዓስከራትን ምምሕዳራዊ ትካላትን ስርዓት ህግደፍ መን ከምዘካይዶ እንድዒ! ኣብ ግዳም ተሰማሚዑ ሓያልን ተሪርን መልእኽቲ ኣምሪሑ ክስለፍ ዘይክኣለ ተቓውሞ፡ ኣብ ውሽጢ ተለዓሉ ኢሉ ዝልእኽ ኣመራርሓ ኣብ ታሪኽ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን። ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ነዚ ኩሉ ማሕለኻታት’ዚ ስለዝከታተል ኢዩ ንኣተሃላልዋን ኣከያይዳን ተቓወምቲ ብሓይሊ ሚዛን ደረጃ ክዕቀን ከሎ ናብ ህግደፋዊ ረብሓ ከምዝዛዘወ ጌሩ ዝግምግሞ። እዚ ስለ ዝዀነ ክኣዩ ነዚ መድረኽ-መድረኽ ምስግጋር ምእንቲ ክኽውን መርገጽካ ከተነጽረሉ ከምዝግባእ ለይትን መዓልትን መልእኽትታቱ ዘመሓላልፍ። ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ምስ ጀጋኑ መርገጾም ዘነጽሩ መሓውራት ቃልሲ ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ ንሓይሊ ሚዛን ናይ’ዚ ዘለናዮ ኣተሃላልዋ ክቕይሮ ይቃለስ ኣሎ። መድረኽ ምስግጋር ድማ ብተግባር ኣብ ቀረባ ንዘለዉ ብዓይኒ፡ ኣብ ርሑቝ ንዘለዉ ድማ ከም ክውንነት ዘፍቅዶ ብኸሻፋ ከምዝርአ ከኸውን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውዕላ ዘይብሉ ኩዳ ኣብ ሸንኰለል ክነብር ዝፈረዶ ብዘይካ ህግደፍን ተሓባበርቱ ጸገናውያንን እንተ ዘይኰይኖም ዋላ ሓደ የለን። ንሰልፊ ጒባኤ ኤርትራን (ስትራተጂ ዓዲ) ንጀጋኑ ብመዂባዕቲ ዝሓልፉ ካብ መደብ ዕዮኦም ብተግባር ፈልከት ዘይብሉ ምሓዙቱን፡ ኪዳናዊ ምስጢር፡ ክልተ ምዕጒርቲ ናይ ሞናሊዛ ናይ “ዳ ቪንቺ ኮድ” ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ ተኸሺሑ ዝተርፍ ሂወት ስለዝዀነ’ውን ንዕኡ ዝዀውን መጽሓፍ ምድራስን ተዋስኦ ምስራሕን ኣየድልን ኢዩ። ንዓና ዕግሽግሻዊ ሂወት “ኪዳን” ናይ ዕዳጋ ሚስጢር ስለዝዀነ፡ መስመርና ማለት መስመር ስትራተጂ ዓዲ ናብ ህዝቢ እንዳ ኣንጸባረቐ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ቻርተራዊ መማእከሊ ዘይብሉ ሂወት ዝሓጸሮ ቅርጻ ተጎልቢቡ ብኣሰራርሓ ዘይቃዶ ብዳንጋይ ረጎደን ብናተይ ሕንባሻ ይውዕን ኣብ ከተማታት ዓለም ዝዛውን ዘሎ ተቓውሞታት፡ ብዕሊ ካብቲ ጎዶ ናይ ኪዳን ኣንቍሩ በብዝምልከቶ ሽም ተመሪሑ ነናብ ዝምልከቶ ቆጽሊ ክዓስል ኢዩ።

ብኣረዳድኣ ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ጠለብ ናይዚ ግዜ’ዚ ተኣከብ ተፈንጣሕ ዘይኮነስ፡ ተኣከብ’ሞ ስጒምቲ ውሰድ ኢዩ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ክሳዕ ዘይተርጎምናዮ ስደት መንእሰያትና ክዕገት ወይ ኣድህብኡ ክቕይር ኣይክእልን ኢዩ። ህግደፍ ክጐየና ንሕና ክንሃድም ክንነብር ኢና። እቲ ኩነታት ንግዚኡ ብጒድለት ምኣዝኑ ዝሰሓት ተቓውሞ ናብ ረብሓ ህግደፍ ተቐይሩ ኣሎ። ናብ ረብሓ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክንቅይሮ ስትራተጂ ዓዲ ብትኽክል ምርዳእ ከድልየና ኢዩ።

ስትራተጂ ዓዲ ኣጽቢቦም ንዝጥምቱ ምናልባት ወድ ዓዲ መን ኢኻ? ናብ ዝብል ጥራይ የጸግዕዎ ይዀኑ። እዚኣቶም ብዛዕባ ኣገባብ ዝሰሓተ ስልጣን እምበር ብዛዕባ ሃገር ዝግደሱ ኣይኰኑን። ስትራተጂ ዓዲ ትርጒሙ ሰፊሕ ኢዩ። ኣብ ዓድን ኣውራጃን፡ ኣብ ሩባይን ጎቦይን ኣብ ህድሞይን መረብዓተይን ቀንዲ ዘየማጒት ታሪኻዊ ሰረቱ እኳ እንተኾነ ኣብኡ ኣይሕጸርን። ኣብ ሰረታት ሃገርን ዶብን መሬትን ባሕርን ጠፈርን ጥራይ’ውን ኣይውሰንን ኢዩ። ስትራተጂ ዓዲ ንልኡላውነት ኤርትራ ብኽብረትን መሰልን ማዕርነትን ናይቲ ብደሙ ኤርትራ ሃገር ንኽትከውን ዝተበጀወ ህዝቢ ከይዘንግዐ ቀዳማይ ጠመትኡ እውን ዝገብር ልዳት ኢዩ። ንመሰልን ማዕርነትን ይትረፍ’ሲ፡ ንብግዜ ገዛእቲ ሓይልታት ዝነበረ ተራ ናይ ድኽነት ውፈር-እቶ ሂወት ዘዀነነ ስርዓት ህግደፍ ብልኡላውነት ክሽቅጥ ብዶብ እንተለፍለፈ፡ ምስ ዕላማ ስትራረጂ ዓዲ ዝቃዶ ኣይኮነን። ብስም ልኡላውነት ዘዕገርግሩ ናይ ዶብ ምዚቀኛታት ዝባኖም ዝቐልዑ ሰብ ልፍንቲ ህግደፍ ዘንጊዕና ህዝባዊ ዕጥቅና ዘለቕለቕ ከነብሎ ምስ እንፍትን ታሪኽና ብናይ ጥልመት ኣርባዕተ ነጥቢ ከም ዝዛዘም ንፈልጥ ኢና። ዶባት ኤርትራ በቲ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ብይን እንተተግበረ ጸቡቕ፡ ደይ “ቀንጠብጠብ ክብላ ኢየን ዝተረድኣ” እምበር መን ጠዊቑወን፡ እንተ ዘይተተግበረ ድማ እቲ ዝምልከቶ መሰሉ ተረጊጹ ዘሎ ህዝቢ ደረት ዋንነቱን ኩለንተናዊ ልኡላውነቱን ኣብ ስዓቱ ብዘይ ውግእን ሕማቕ ሳዕቤናቱን  ከረጋግጾ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ትሳቐ ኤርትራ ልኡላውነታ መማጎቲ ስልጣን ኰይኑ፡ ህዝቢ ዘይሕበነላ ብኣንጻሩ እንዳነብዐ ዝሃድመላን ዝስደደላን ሂወት ዘይብላ ግኡዛዊት ሃገር ኢያ። ኤርትራ ሱር ደማ ህዝባ ኢዩ፡ ብዝተረፈ ትርጒም የብላን። ንኤርትራን መሰላት ዋናታታን ዶባታን ብሓቀኛ ትርጒም ልኡላውነት (ስትራተጂ ዓዲ) ዝርድኦ ዘበለ ኩሉ ኣገባብ ኣቀላልስኡ ካብ ሕጂ ከመዓራሪ ብስም ህዝቢ ዋሕስ ክተክልን ወይ ክፍጸምን ይግባእ። ምኽንያቱ “ስጋ ብዓጽሚ ነገር ክኣ ብፈጽሚ” ኢዩ።

ሓጺር መልእኽቲ ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)፦

1-     ንትርጉም ልኡላውነት ብጒቡእ ምርድኡ

2-     ንመሰል ልኡላውያን ምርግጋጽ

3-     ንቍጽሪ ሓደን ክልተን ዝጣበቕ ቅዋም ምድላው (ብጎደሎ ቅዋም ዘይኮነስ ብጒድለቱ ዘማልአ ቅዋም ምብጋስ)። ንምልኪ ንጸግን ማለት ቀረባ ክኸውን ከሎ፡ ንቕዋም ንጸግን ንምንታይ ረሓቐ? ጒድለት እንዳኣመነ፡ ሓቂ ክጒዕጽጽ ንዘይደሊ ኣካል ኣብዚ ዘለናዮ ኲነታት ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ጥዕና ኣብ ዘለዎ ሃገር ቅዋም ይትረፍ ሓንሳእ፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ ተጸጊኑ ምሃለወ። ቅዋም ንሰብ የመሓድሮ፡ ሰብ ግን ንቕዋም ይሰርሖ፡ ካብዚ ክንብገስ ኣለና።

4-     ጸረ- መላኺ ስርዓት ስሙር ግንባር ክንብል ከለና እንዳ እቶ በሎ ዘይኮነስ እንዳ ንጹር መጐተ ዘልዕሉ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ሓድነት ዘማዕብሉ ሓይልታት ክኸውን ከምዝግባእ ምፍላጥ

5-     ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ዝውሰድ ስጒምቲ መጽናዕታዊ ኰይኑ፡ ንጹር ፖሊቲካዊ ሓድነት ዝወለዶ ፍረ ብምትእምማን ዝመሓደሩ ኣብ ሓደ ጽኑዕ ዕላማ ዝረግጹ ሓይልታት ከኸውን

6-     መጠመቲ ዓይኒ ተቓወምቲ ንጹር ኣመለኻኽታ ዘለዎም ናይ ሓባር ፖለቲካ ኰይኑ፡ ሓይሎም ክኣ ፖለቲካዊ ዓይኖም ዝጠመቶ ክኸውን

7-     ኩለንተናዊ ኣገባብ ማለት ፖለቲካ ዝመርሖ ሓይሊ’ምበር ሓይሊ ዝመርሖ ፖለቲካ ከምዘይኮነ ምርዳእ፡

8-     ነዚ ክሳብ ሕጂ ታሪኽና ዘይኣረሞ ብረት ብቕድሚት (በትሪ ያጸንእ ሃይለ ምንግስት ዝብል ፍልስፍና ገዛእቲ) ፖለቲካ ብድሕሪት ጌርካ ስልጣኔ ህዝቢ ኤርትራ ምዕጋት ሓንሳእን ንሓዋሩን ምቕያሩ። ህግደፍ ፍረ ብረት እምበር ፍረ ፖለቲካ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹስ ኣልቦ ፖሊቲካ ብብረት ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝደለዮ ናይ ምዂብኳብ ዕድል ሓንሳእን ንሓዋሩን ከምዝድምሰስ ምግባር። ኣብ ፖሊቲካ (ፖለቲካ ከም ምምሕዳር ክትርጎም ከሎ) ዝመርሖ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ብረት ናይ ሓለዋን ምክልኻልን ስርሑ ከሰላስል መንገዲ ምኽፋትን ምርግጋጽን።

9-     ወከልቲ ስምረት ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ፓርቲ ምንቀስቓስ ወዘተ… ንስምረት ከም ብርጭቆ ክፈርህዋን ከከናኸኑዋን እኳ እንተተገብአ፡ ኣብ ኣኼባ ክፈርህዋ ኣብ ግዳም ድማ ከደፍርዋ ከም ዘይብሎም ምእማን። ንመሰረታዊ እምንቶ ውድብን መደብ ዕዮታቱን ዝምልከት ኣብ ጒባኤን ድሕሪ ጒባኤን ክዘባረቕ ዕድል ዘይምሃብ። “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ዝዓይነቱ ውዕል ናይ ጸገንቲ መተዓየይ ምዃኑ ምርዳእ

10-  መሰልን ማዕርነትን ናይ ዝሰምራ ውድባት ይኹን ስሙር ግንባር ብንጻረ ናይ ዕላማ፡ ማለት ብዓይነት እምበር ብዓቐን ክኸውን ከምዘይግባእ። ስምረታዊ ኣመራርሓ ብዲሞክራሲያዊ ዕግበት እምበር ብሃይማኖት ይኹን ብወገን ክትልክዖ ዘይምህቃን፡ ከም ተቓውሞ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ መጠን ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ፍጥር ክትብል ምጅማሩ፡ መን ዓበየ ዝብል ጎታቲ ሞጎተ ንዝምልከቶ መድረኽ ምውጋኑ፡ ዓብን ንእሽቶይን ዝገብር ህዝብን ቅዋሙን ክሳብ ዝቆጻጸረካ ዘይበሰለ ናይ ስልጣን ፖሊቲካዊ ሃርጋፍነት ተጎልጒሉ ንወሰን ክድርበ ከምዝግባእ ምፍላጥ ወዘተ…ዕጥቂ ሒዝካ ምምካት ኢዩ። ኣብ እንታይ ጌርካ ድኣ ንጸባጸብ እምበር ኣብ ክንደይ ኢኹም እንተድኣ ኰይኑስ ኣድርሩና ምስተባህለ ነርክበሉ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ቃልሲ ተኸቲልና ንመንእሰያትናን ጠቕላላ ህዝብናን ልቡን ቀልቡን ናብ ግዳማዊ ዓለም ዘይኮነስ ናብ ሃገሩ ከምዘድህብ፡ ግዳማዊ ዓለም ድማ ክንዲ ናብቶም ዝስደዱ ናብቶም ንስደት ዝግድዱ ክጥምት’ሞ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ከም ዝግደስን ከም ዝተሓባበርን ንምግባር ምቅላስ ናብ ተግባር ክልወጥ ዘለዎ ራኢ ስትራተጂ ዓዲ ኢዩ። ራኢና ክትግበር ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣ ኣብ ፍርቂ ዓወት ዘይኩለፍ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ከረጋግጽ ኢዩ። ኣጆኹም ደረስቲ! ኣጆኹም ተቓለስቲ! ኣይዞ ጎበዝ ዝብል ናይ መሰረታዊ ተረድኦ ቃልስና ጎላዕ-ላዕ ክብል ንርእዮ ኣለና። ብዓንቀሩ ዝተታሕዘ ናይ ዓቕሊ-ጸበት ዓንገረር ንመስመርና ከምዘይቅይሮ እመኑ። ውልቀ-ቅንጸላታት ረጊጹ ዝመጸ ቃልሲ ኣይዕገትን ኢዩ።

ዝኽሪ ንስዉኣትና

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝበና (ሰ.ጒ.ኤ. ክፍሊ ዜና)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2571

Posted by on Oct 15 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net