ልሳን ጽግዕተኛ መለኽትስ ዘይትብሎ የብላን

ሐምለ 20-2006

 ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ክፍሊ ዜና

ኣብ ቃልሲ ብፍላይ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ርብዒ ውድቀት ናይ ጨቆንቲ ሓይልታት ዝተፈላለየ ፈንጠርጠራት ከንጸባርቕ ግድን ኢዩ። ህልም ዝበሉ ጠበቓታት ጨቆንትን መለኽትን ሕውስውስ ዝበለ ሓሳባት ዘርጠብጠብ ክብሎም፡ ሕያዎት መሊሎም ክቐርቡ፡ ኣእመሮ ተቓለስቲ ሰሪቖም ዝሰልል እንተተረኸቡ’ውን አስሊሎም ኣዝማድ ከጥርዩን ናይ ገዛእ ርእሶም ሳጓታት ናብ ዝከታተልዎም ክስንድዉን ይፍተንን ይጸዓርን ኢዩ። ግን ክኣ ሓባልሲ ሓባል ኣይበልካ ዝበሃል አሎ።

ከምዝብልዎ ክትሃድም ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ሽግር ግን ምሕባእከ ብቐሊሉዶ ይርከብ? ኣብዚ እዋን’ዚ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝወስድኦ ናይ ባዕለን ምርጫ ኣብ ቃሕ ዝበለን ሃግርን ቦታን ጒባኤታት ክገብራ ብምውሳነን ብዓይኒ ምትዕጽጻፍ ከተማሓይሾ ካብ ምፍታን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጌጋ ኢየ ዝነብር ኔሬ ምባል ምቐረበ። ሎሚ ናብ ኢትዮጲያ ከይደን ስርሓተን ከሰላስላ ዝደልያ ውድባት ቀደም ዝኸድኦ ዝነበራን ንተማጻደቕቲ ናይ ለብዘበን ተማጐትቲ ናይ ሽዕኡ ረጊጸንኦም ዝሓለፋ እምበር ሓደሽቲ ገያሾ ኰይነን ነዚ ናይ ሕጂ ጐዕዞአን ብተዓጻጻፍነት ተመዚኑለን ካብ ጽግዕተኛታት ይጽደቕ ዝጽበያን ኣበሃህልኦም ዕርክነታዊ ኰይኑስ ታሪኽ ዘረስዐን ኣይመስለናን።

ጠበቓታት ”ሰላማዊ ፍታሕ” ሕጂ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ጎቦ-ጎቦ “ኪዳን” ክትከይድ ምፍታንን ኣዝማድ ከተጥሪ ምጽግጋዕን ዕላምኡን ትርጒሙን እንታይ ምዃኑ ንዝከታተል ስዉር ኣይኮነን። “ኪዳን” ካብ ዘለዎ ድንግርግር ከይወጽእ፡ ሸንኰለል ናይ ተቓውሞ ክናዋሕ፡ እግሪ መለኽቲ ካብዚ ሕጂ ትኸዶ ዘላ ንላዕሊ ኣብ ከባቢኣ ክትስጒም፡ ኪዳን መሓውር ዘይብሉ ኣብታ ዘለዋ ተዀኲዱ ክተርፍ፡ ኩሉ ተቓውሞ ኣፉ ተለጒሙ እግሩ ተኣሲሩ ጎረባብቲ ከከምኲነታቱ የማን ጸጋም ከጋላትዕዎ፡ ተቓወምቲ ምጽዋተኛታት ናይ ዘየተኣማምኑ ተዀብቲ ኰይኖም ክተርፉ፡ ህግደፍ ትንፋስ ክሰኲዕን ተቓወምቲ ክኣ ኣብ ንዕኡ ዘርብሖ ዋጋ-ዕዳጋ ክወድቁን ኢዩ። እዚ ክውንነት’ዚ ክፍጠር ዓቢ ትኽእሎ ኣሎ። ኣብ መንገዲ አሎ እትብለሉ ምልክታት’ውን ሕምብሊል ዝብል ዘሎ ኢዩ። ሰላም ክፈጥር ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ግን ንመትካላውያን ተቓወምቲ እንተዘይኰይኑ ንጽግዕተኛታት መለኽቲ እንታዮም ኣይኮነን። ጽግዕተኛታት መለኽቲ መልእኽቶም ሰላም ይሃሉ ኣይሃሉ ምስ ምንዋሕ ዕድመ ህግደፍ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።

ሎሚ ሕጽረታት “ኪዳናዊ” ጒዕዞ ብምርኣይ ብሓደ ወገን ሕያዋይ ክትከውን ምፍታን ኣብ መንጎ ምትዕሽሻውን ምቅዋምን ዘሎ ኣተሓሳስባ ተቐርቂርካ ብትቦታት ብርዒ ንኣድላይነትን ጻዕርታትን ናይ ምንጻር ቃልሲ ንድሕሪት ክትጎትት ምፍታን ንዓና ሓድሽ ሽጣራ ኣይኮነን። ንስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ምውጋኑ ዝኣረገን ዝተመንውን ኣገባብ ተባሂሉ። ዝኣረገን ዘተመንወን ኣተሓሳስባ ንህግደፍ ብዘሎና ዓቕሚ ብጽኑዓትን ስተራተጂካውያን ውድባትን ምስኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ እስስራትን ጌርና ከነዕንዎ ኢና፡ መንገድና መንገዲ መሰረታዊ ለውጢ ኢዩ ምባል ዘይኮነስ፡ “ሰላማዊ አገባብ” ብዝብል ለዋህን ሕያዋይን ደንጋጽን ዝመስል ብተግባር መሳርሒ መለኽቲ ዝዀነ ጥበብ ጸገንቲ ተጠቒምካ ዓሰርተ ዓመት ለሚንካስ እንደገና ክንድኡን ንዘልኣለምን ንወስኸሉ መባል ኢዩ።

ሎሚ ግዜ ኩላትና ሓቀኛን ተቓዋምን ሰላልን መደናገርን ብሓንሳብ ተሓዋዊስና ንህግደፍ ከነዕንዎ ንፈትን ዝብል ጎታቲ ፍልስፍና ጸገንቲ ተሪፉ፡ ግዜ ምንፍፋይ ስለዝጀመረ ብዓል ጽግዕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ግድን ኢዩ። ንህግደፍ ብጒስጢ ድዩ ብጭልግሚት፡ ብብረት ድዩ ብእምኒ ናይ ምውዳቑ ጒዳይ ናይ ጽግዕተኛታት ኣምሰሉ ተቓወምቲ ዝይኮነስ ናይቶም በፍንጫ ከነብርሶ ኢና ዝብሉ ጥበብን ጸገምን ኢዩ። እቶም ብ“ሰላማዊ” እንዳተባህለ ናይ በዀራ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝተላኣኩ ምስሌነታት፡ ህግደፍ ብሓይሊ ምስተወገነ ኣይንሰማምዓሉን ኢና ኢሎም ከም መቐጸልታ ናይ ሎሚ እምነቶም ይወርቑ። ነመትከላውያን ተቓወምቲ ንዘልኣለም ብ”ሰላማዊ” ኣገባብ እንዳበልካ ኣብ ኲምራ ናይ ኣኼባታት ምንባር ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ። ምናልባት እቲ ሰላም ዝበሃል ነቶም ክእከቡ ዝነብሩ እንተዀይኑ ልክዕ ኢዩ ብመጠኑ ንዕኦም ጥራይ ትኸውን ሰላም ኣይስእኑን ይዀኑ፡ እንተ ህዝብና ግን ካብ ቅዝፈት ናብ ቅዝፈት፡ ካብ ስደት ናብ ስደት ክሰጋገር ጥራይ ኢና ንርኢ ዘለና። ንህዝብና ሓንቲ ጸጸር ኣብ ዓይኒ ህግደፍ ምድርባይን ንኣረኣእያ ህግደፍ ምድብዛዝን ግን ሓይሊ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ዓይኒ ህግደፍ እንድሕሪ ዓዊሩ ጥራይ ኢዩ ሰላም ዝርከብ።

ኣይተታት “ሰላማዊ ፍታሕ” ናይ ሰላም ኣገባብ እቲ ጒንዲ ገረብ ህግደፍ ፈንፊኑዎስ ኣምሰይኡ ብማእሰርትን ብመቕዘፍትን ካብ ዝትክኦ ነዊሕ ኰይኑስ ይቕጽል ከምዘሎ ኣይፍለጦምን ኢዩ። ሕጂ ጨናፍር ጒንዲ ገረብ ህግደፍ፡ ሓድሽ መዝገበ ቃላት ናይ “ሰላማዊ ፍታሕ” ክሓትሙን ክሽየጠሎምን ህርድግ ይብሉ ኣለዉ። ዝገዝአ ክገዝኣልኩም ኢዩ ይገዝኣልኩም ክኣ ኣሎ፡ እታ ባርኔጣ ናይ በለጽ ኣብ ርእስኹም ዘላ ግን ናባና ከተግዕዙዋ ኣይተፈትኑ። እንተ ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ በርሓት ኢና ዘለና፡ ባርኔጣና ገና ተሰፍያ ኣይተወድአትን፡ ተሰፍያ ምስተወድአት እንታይ ከም እትመስል ክትርእዩዋ ኢኹም። እታ ባርነጣና ዓቐንኩም ስለዘይኮነት ብሓይሊ ልበሱዋ ኣይንብለኩምን ኢና። ነታ ናትኩም ክኣ ብሓይሊ ከተልብሱና ኣይትድከሙ፡ ምኽንያቱ ዘይዓቐንካ ዘበለ ኩሉ እንተጸበበ ተቐዳዲ እንተገፍሐ ክኣ ዓናቓፊ ኢዩ።

ጽግዕተኛታት መለኽቲ፡ እንደራሴታት ሃልኪ ሕጂ ናብ ክትዕ ክንኣቱ ይዕድሙ ኢዮም። ሕጂ ብዛዕባ ምልኪ እንታይ ማለት ኢዩ? ምልኪኸ ብምንታይ ክፍታሕ ይግባእ? ህግደፍ መላኺ ድዩ ኣይኮነን? ህግደፍ በሰላም ተፈቲኑ ዲዩ ኣይተፈተነን? ኩሉ ዓቕምታትና ጸንቂቕና ዲና? ናብ ኢትዮጵያ ከም ተቓዋሚ ክእቶ ይከኣል ድዩ ኣይክኣልን? ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎዶ የብሉን? ምትዕጽጻፍ የድሊ ድዩ ኣየድልን? ወዘተ… ዝኣመሰሉ መደናጎይቲ ኣርእስትታት ቀደም ተሓይኾም ዝተዋሕጡ ክትዓት ኰይኖም ዘይሰምዐ እንተልዩ ቤት ንባብ ወይ ሰነዳት ናይ ነብሲ ወከፍ ውድብን ተቓለስቲ ውልቀ-ሰባትን ስለዘሎ ከከምኣድላይነቱ ደብተራትን ሰነዳትን ምግነጻል እምበር ኣብ ምዉት ነገር ንድሕሪት ምምላስ ኣድላይነት የብሉን። ናይ ቃልሲ ጒተታ ክፈጥሩ ዝደልዩ ግን ናይ ደጋምነት ፍልስፍና ክዝርግሑ ኣመሎም ኢዩ።

“ኪዳን” ኣብ ጸገማት ናይ ስትራተጂካዊ መርገጽ ይርከብ ደጋጊምና ኢልና ኢና። እዚ ንጽግዕተኛታት መላኺ ስርዓት ሓደ ካብቲ ነዊሕ ዝጽዓርሉ መባእታዊ ትርጒም ሕልምታቶም ኢዩ። ግን “ኪዳን” ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ኣረኣእያ ከተዓራርዮ ኢየ ዝብል ተግባራዊ ስጒምቲ እንተድኣ ወሲዱ መፍቶ ጸገንትን ኣብ ትሕቲ ንዕቀት ስርዓት ኣስመራን ኣትዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሂወቱ ኣብ ህዝባዊ ጠመተ ክምለስ ኢዩ። ኣብ ዘለኹዎ ክምርሽ ኢየ እንድሕሪ ኢሉ ግን፡ ምንገዲ ኲርዓትን ዓወትን ዘይኮነስ መንገዲ ውድቀትን ሕፍረትን ምዃኑ ብምፍላጥና ኣብዚ መዋድቖ’ዚ ዘይወደቕኩም ኢሉ ዘይሽምና ከጠምቐና ዝፍትን ጽግዕተኛ ዘበለ ኩሉ ንሕና መደቀሲና ከመዘይኮነ ንሕብሮ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ቃልሲ ምርጫ ክልተ ኰይኑ ድሮ ኣብ ምትሕንናቕ ይርከብ ኣሎ። ንሱ ክኣ፡ ቀልባዕ-ባዕ ዘይተሓወሶ ናይ ነጹር ዕላማ ምእዙዝን ተሓላቕነት ህዝባዊ ዲሞክራስን ብመሰረት ጸረ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ደው ዝብል ናይ ቃልሲ ሓይልታትን ናይ ዜና ማዕከናትን እስስራትን ናይ ተግባር ምዕባሌኡን ምጽዓይን ምዕኳዂን ብሓደ ወገን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ናቱ ማዕዶ ድማ ብስም “ሰላማዊ ፍታሕ” ጩራ ናይ ህግደፋዊ ቆላሕታ ዘለዎ ሃሰስታ ዘተን ንዕኣ ዘገልግል ቅድመ ኲነታዊ ናውትታት ንምድላው ኩሉ ዓይነት ሸፍድፈድ ምባልን ኢዩ። እዚ ክልቲኡ ናይ ዕላማ ምርጫታት ድሮ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኢዩ። ጽግዕተኛታት ህግደፋዊ መልእኽቲ ዝበልኩም እንተበልኩም ነቲ መገሻ ክትቅይርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ ሙዚቃኹም ዝጠዓሞ ሰሚዑኩም ኣሎ እቲ ዘይሰምዓኩም ግን ንዓና ብዘይሳጓና ክትጽውዑና ብምፍታንኩም ዘድህበልኩም ኣይኮነን። ብዙሕ ምመሰልናልኩም ግን ኣብ ረቂቕ መጋረጃ ተሓቢእኩም ስለዘለኹምሲ ኩሉ ይርእየኩም ብመህላዉ ኣድላይነት የብሉን።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ ጽግዕተኛታት ምልካዊ ስርዓት፡ መኸርቲ “ኪዳንን” ሓለይቲ “ኪዳንን” ክትኰኑ ኣይትፈትኑ። “ንኪዳን” ልዕሌኹም ንሕና ንፈልጦን ተጣቢቕናሉን። ሕጂ’ውን መንገዱን ምኣዝን ናይ ቃልሲ ዕላምኡን ናብ ዝግብኦ መዝገብ (ድፋዕ) እንተኣነጻጺሩን መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና እንተዘኪሩን ብሸፈፍ ትሕቲ መጋረጃ ዘይኮነስ ብቐጥታን ብግህዶን ክንከላኸለሉ ኣይጽግመናን ኢዩ። ንሕና ካብ ስዉር ብዓቲ ብውጥም ቅልቅል ኣይንቃለስን ኢና። ጎደና ተበላጺ መርገጽ መን ከም እተዛወረሉን መን ኣብኡ ከምዝመላለስን በብተግባርና እንምዘነሉ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ቅድሚ አዕንቲ ውጹዕ ህዝብና ድቅን ክብል ምዃኑ ንተኣማመን ኢና። ኣይትፈልጡናን ኢኹም እምበር ካብ እንፍጠር ክሳዕ ሕጂ ምስ ዝተበደሉ ተሰሪዕና እሾዂ ክንረግጽ እንተዘየኰይኑ እትረፍ ጨው በለጽ ክንጥዕምስ ዕዳጋ ጨው በለጽ እኳ ብጥቕኡ ሓሊፍና ኣይንፈልጥን።ልሳን ኣመለኛታት ከም ኣመላ ትልፍልፍ ስለዝዀነት ግን ኣመላ ክትቅጽል ትኽእል ኢያ።

ስዉኣትና ኣይምለሱን ኢዮም፡ ዝስዕብዎም ግን ምዓልቲ-ምዓልቲ ይርኣዩን ይስምዑን ኣለዉ። እቲ ጠንቂ ህግደፍ ኢዩ። ነቲ ጠንቂ ኣመሓይሾም ነቲ ሓላፍነትን ተሓታትነትን  ናይቲ ኩሉ ብርሰት ነቲ ዝተበደለ ኣካል ክካፈሎ ብሽም “ሰላማዊ ፍታሕ” ናብ “ዕርቂ” ምግዳድ ናይ ብሓቂ ሕማም ዕርቂ ስለዝዀነ ንሕና ምስ ህዘባዊ ፍታሕን ሰላማዊ መቐጸልታን ጌርና ኣይንወስዶን። ንገብሮ ዘይብልና ብብርዒ ህግደፍ መላኺ ስርዓት ኢዩ ክንብል እንተነበርና፡ እተን ከብቲ’ሞ ወሲዶመን ጸርፊ ግን ዝገደፍና የብልናን ካብ ምባል ብምንታይ ንፍለ? መጐትቶ ጽገና ብሓይሊ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ከግዕዝዎ ጸሊኦም’ውን ኣይኮኑን፡ ግን ሓደ ንሳቶም’ውን ዘኽስሶም ነገር ኣበይ ከይስኣን፡ ካልኣይ ድማ ኣብ ጥራይ ኢድክን ኢሎም ከሽካዕልሉልና ከለዉ ኢዩ። ንሕና ግን ሓይልን ኩሉ ንዕኡ ዘድሊ ትሕዝቶን ስምረት ጽኑዓት ተቓለስትን ንዕኡ ዘዕኲኾን ዘዐውቶን ወከልቱ ዝኣመነ ቀላጽም ውጹዕ ህዝብን ኢዩ ኢልና ንምልሰሎም። እቲ ኩሉ ሕጂ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ኰይኑ ዝርአ ዝመስሎም ዘሎ፡ ጸባሕ ኣፍራይ ዝናብ መሬት ሃገርና ክኸውን ኢዩ።

* ንእግሪ መንገድና፦ ክቡር ሓው/ ብጻይ ኣንቶንዮ ተስፋይ ኣብ ልዕሊ ሰ.ጒ.ኤ. ከፍሊ ዜና ዘለካ ትዕዝበቲ ርኢናዮ። መጀመርያ በቲ ብመጠኑ ልዙብ ኣወኻኽሳኻ ከየመስገንናካ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣረዳድኣኻ ኣብቲ ዘወጻእናዮ መልእኽቲ ግን ብትኽክል ናብቲ ብልዕቲ ወይ ከርሰ-ነገር ናይቲ ትሕዝቶ ኣየተኰረን። ምኽንያቱ ምስ ሓደ ተቛዋሚ ኣካል ብፍላይ ክኣ ምስ’ቲ ንዓኻ ዝመሰለካ ጌርካ ወሲድካዮ። ኣረኣእያኻ ካብ ምስትብሃል ውጽእ ኢሉ ግምታዊ ኰይኑ፡ ኣብ ምንታይ ከምእተመርኰስካ ንዓኻ ይምልከት።

ኣብ ፖለቲካ ሓፈሻውን ውልቃውን ዝብሃል ኣከፋፍላ ነገራት ኣሎ (Categories: General and Particular)። እቲ ሓፈሻዊ ንዅሉ ኣብ ክሊ ሓደ ጥርናፈ ዝርከብ  ክምልከት ከሎ እቲ ውልቃዊ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ባእታ ወይ አካል ወይ ውልቀ-ነገር ይምልከት። ኣብ መልእኽትና ብዛዕባ ውልቀ-ነገር የለን። ስለዚ ሓደ ውልቀ-ውድብ ኣበሃህላና ዝምልከቶ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ሓባር ኣወዳድባ ብዝህልዎ ተሳትፎን ውክልናን ኢዩ ዝኸውን።

ብዙሓት ውድባት ኣብ ውሽጢ “ኪዳን” ይውከላዘ’ ይከላኸላሉ ይከላኸለለን፡ “ኪዳን” ዝሰርሓሉ ቅርጻን ኣብቲ ጽፍሕታት ናይቲ ቅርጻ ዝውክልዎ ተመዘዝትን ኣለውዎ። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቱ ብዛዕባ ዘተ ምስ ህግደፍ ኣንዳዕዲዖም ዘርጊሖም። እዚ ንኹሎም ኣባላት ኪዳን ይምልከቶም። ከምኡ ክኣ ኢልና፡ ብእኡ ደረጃ ድማ መኽሰብ ይኹን ክሳራ ይካፈልዎ። ኣባሃህላና ኣብዚ መዳይ’ዚ ንምንታይ ካብቲ ዘሎ ክውንነት ወጻኢ ብዝዀነ ሚዛን ይምዘን። ነዚ ተራ ዝዀነ መግለጺ ብግምት ኣብ ዘየድሊ ታሪኽ ኣቲኻ ካሳዕ 1975 ወጢጥካ። ካብ ጎረባብትና ክንከስቦ ዝግበኣና ናይ ፖሊሲ ረብሓታት ምስ ግዜ ክንጥቀመሉ ብዘይምኽኣልና ሕጅን ቅድሚ ሕጅን ብስንፍናና ምዃኑ ኣብሪህና። እዚኸ ርኡይ ሓቂዶ ኣይኮነን? ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ስልጣን ንበለጽን ክድዓትን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ መጀመርያ ብዛዕባ ናቱ ጥቕሚ የገድሶ።ስለዚ ተቓወምቲ ረበሓን ግዜን ጠባያት ፖሊስን ከዛምዱ እንተዘይክኣሉ ጒድለት ተቓወምቲ’ምበር ጒድለት ጎረባብቲ ኣይኮነን። ጽሑፍና ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክትመቓቕሎ ፈቲንካ፡ ዳርጋ ኩሉ ክኣ ኣስፊርካዮ። ብዝመሰለካ ኣጋፊሕካዮ’ምበር፡ እቲ ትሕዝቶና ኣብ ክልተ መልእኽቲ ዝጠቓለል ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ መሰረቱ መርገጽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ክኣ ንመርገጽካ ብምንታይ ኣገባብ ቃልሲ ተዐውቶ ኢዩ።ኣባሃህላና ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዕጥይጥይ ዘይምሕዋስን ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘተ ብኣገባብ ዝመሳሰል ዝምድናታትን ልዕሊ ኩሉ ድማ ብኣገባብ ህዝባዊ ሃገራዊ ዋዕላ ሓድነትን ሓይልን ኣጥሪኻ ንህግደፍ ዕምሩ ኣሕጽሮ ዝብልን ኢዩ።

ናይ ዘተ ኣመላኻኽታ ናይ ኪዳን ኣብ ዝበጽሐ የብሉን ኣብ ቻርተር ኣይሰፈረን ንዝብል ዘቕረብካዮ መጐተ ግን ክንደፍረካ ኣይንደልን ባዕልኻ መልሶ። ኣበሃህላኻ ብኣፎም ኢዮም እምበር ብውሽጦምሲ ኣይውዕልዎን ኢዮም ማለትካ ይመስል፡፡ እዚ ግን ናብ ቃልሲ ዘይኮነስ ናብ ዕላልን ምዝንጋዕን ገጹዶ ኣየምርሐን? ብዛዕባ ዋዕላ እንተዀይኑ ዘደናግር መልእኽቲ ኣየመሓላለፍናን። ናይ ሓባር ኣደራሽ ክተሰርሕ እንድሕሪ ደሊኻ ካብ ሰረት ክሳዕ ቀጽቀጽ ዘሎ ናውቲ ኲልኻ ብምቕራብ ናይ ሓባር ሃነጽቲ ትቕርብ፡ ሃገራዊ ዋዕላ እንድሕሪ ደሊኻ ድማ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ብምእማን መጸዋዕታ ኩሉ ከከምዝጥዕሞን ዘርከበሉን ክገብር እኳ ዝኽእል እንተዀነ፡ እቲ ዋዕላ ግን ከመይ ከምዝግበር ነቶም አብ ዋዕላ ዘኣምኑ ትገድፈሎም ንምባል ዝኣክል ትርጒም ዋዕላ እንታይ ንግበር እምበር እዚ ግበር ማለት ከምዘይግባእ ገሊጽና። እቲ ዝርዝር በዙሓት ይገልጽዎ ስለዘለዉ ንዕኡ ክትምልከት ትኽእል ኢኻ። ብዝተረፈ መጎጎ ምስ ዓረፈ መሶብ ምስ ነጸፈ ንዑ ብልዑ እንተበልካ መን ይነግደካ።

ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ እቲ ንዓኻ መሲሉካ ብዛዕባ ክፍሊ ዜና ናይ ኪዳን ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ ተመኩሮታት ስኽፍ ኣይበልካ ኣብኡ የለናን። ክፍሊ ዜና ናይ ኪዳን ንኪዳን ብምውካል ዝረኸቦ ዜና ዘመሓላልፍ ኣካል ምዃኑ ንፈልጥ’ምበር ናይ ባዕሉን ናይ ብሕቱን ጒድለት ኣይነቐምጠሉን። ብሃሰስን ብግምትን ተወኪስካና’ምበር እቶም ዝኣመትናሎምን እንደራሴታት ጽገናን ጸላዕላዕ ኢሉዎምሲ ክጻረፉናን ፖለቲካዊ ሰጓ ከጥብቑልናን ጀሚሮም ኢዮም። ትግርኛ ዝሰምዑ’ኳ ኣይመሰለናን ነይሩ፡ ከምዝርኣናዮ ግን ጽቡቕ እዝኒ ኢዩ ዘለዎም።

ብዛዕባ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብወገንና ከም “ኪዳን” ክዀኑ ዲዮም ክወዳደሩ ዲዮም ወዘተ… መጐተ ኣይኮነን። ከም “ኪዳን” ክዀኑን “ንኺዳን” ክወዳደርዎን ብፍጹም ኣይንጽበን። ኣብዚ ንቃወሞ ዘለና ስንፍናታት ክኣትዉ ኣይንምነን። ቦታ “ኪዳን” ከይወስዱ ኢልካስ ኣይትሰከፍ። ብዝተረፈ ኣብ “ኪዳን” እንድሕሪ ዘይሃለዉ እንተተኣከቡን ዋላውን እንተተኻኢሉ እንተሰመሩን ምዓስ ሕማቕ ኰይኑ። ስምረት ናይ ክልተ ይኹን ናይ ዓሰርት ኣይጽላእን ኢዩ። እቲ ቀንዲ መጐት ተኣኪብካን ሰሚርካን ብመንጽር እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣጀንዳ እንታይ ትብልን ትገብርን ኢዩ። ስምረት ብኹሉ ይፍተን ኢዩ፡ ህዝባዊ መርገጽ ግን ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ውድባት ክሰምራ ከለዋ ቀጨውጨው ዝብሎም ርኢና ኢና። ንሱን ወድ ከምኡን ተመኲርናዮ ስለዝዀንናስ ኣብ ሰነዳትና ከም ዘገለጽናዮ ንዝክር። ስምረት ይፍተን ኢዩ፡ እንተሰለጠ ሰለጠ እንተዘይሰለጠ ክኣ ምኽንያቱን ኲነታቱን ይምርመር’ሞ እቲ ቃለሲ ካብ ተመኲሮ ዘዋህለሎ ትምህርቲ ሓዊሱ ካልእ ዘዋጽእ መንገዲ ይመርጽ። እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ከተማን ሃገርን ኰንካ ዝግበርን ዝፍተንን ምቅርራባት ንዅላትና ብማዕረ ይምልከተና።

ብዛዕባ ሕጽረታትና ማለት ሕጽረታት ሰ.ጒ.ኤ. ምግላጽን ከምኡ ድማ ዝምድናና ምስ ኪዳን ዝነበረን ሕጋዊ ተመኲሮታቱን ኣስፊሕና ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ስለዝዘርጋሕናዮ ሰነዳትና ተመልከት። ተመልኪትካዮ’ውን ኢኻ ኢልና ንኣምን፡ ምኽንያቱ ሓደ ካብቶም ዝከታተሉ ኢኻ። ኣገናዝባኻ ግን ምስ ዝፍኖ መልእኽትታት ኣተኲሩ ክንዲ ዝጥምት ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝዛዙ ዘሎ ይመስል። ሕጂ’ውን ሰልፊ ጒ.ኤ. ክቃለስ እንድሕሪ ኰይኑ ካብ ጒድለት ነጻ ክኽውን ዋሕስ ኣይተክልን ኢዩ፡ ኣብ ስትራተጂካዊ ጌጋ  ከየዘንብል ግን ለይትን ምዓልትን ተጠንቂቑ ክቋመት ኢዩ። ስትራተጂካዊ ጌጋ ምስ ዝገብር ክኣ ይንዋሕ ይሕጸር ህዝባዊ ምሓውር ናይ ቃልሲ ኣይክህለዎን ኢዩ። ምስቶም ሰዳዕቲ ተዘራዕቲ (ተዘነብቲ) ክኣ ይስራዕ።

ኣብ መደምደምታ፡ ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ! ቅድሚ ሕጂ’ውን ኩላትና ብሓደ ተቓሊስናን ኩሉ ሓሳረ-መከራ ርኢናን እንዲና! ንሱ መነሃርያ ኰይኑ ሕጂ ክኣ ኣይዞ ጎበዝ እንዳተበሃሃልና ከቶስ ጸረ-መላኺ ስርዐትን ጽገናዊ ቀበጥ-በጥን መኣዝኑ ዝሰሓተ ረማሲ ምልክታት ህግደፋዊ ዘተን ንመሰረታዊ ለውጥን ብዘሎና ዓቕምታትን ንበገስ’ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውድባት ምህላውና ድለየትና ስለዝዀነ ኣየባእስን ኢዩ። ምስ ከፉት ዓይንናን እዝንናን ከምዚ “ኪዳን” ዘለዎ ሃለዋት እንዳርኣናን እንዳሰማዕናን ኢደ እግርና ከይተወሳወሰ ልሳንና ቆሊፍና ከይተዛረብና እንድሕሪ ከነጽቅጥ ኰንና ንቃለስ ኣለና እንተበልናስ የጥዕመልናዶ? ክቡር ብጻይ ኣንቶንዮ ንኣበሃህላና ንምብራህ ዝኣክል እምበር ንምምልላስ መደብ የብለናን። ወድሓነካ!

ዝኽሪ ንስዉኣት! ዕድመ ንጽኑዓት! ዓወት ንውጹዓት!

ሰ.ጒ.ኤ. ክፍሊ ዜና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2573

Posted by on Jul 20 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net