ህዝቢ ይጠሚ ይስደድ፡ ቲቪ ኤረ ድማ፡ ብዛዕባ ዘየለ ልምዓት ትዝምር

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
10.12.2006
 
 

ሓረስታይ ኤርትራ፡ እትረፍዶ 50,000 ናቕፋ ከም መቕጻዕቲ ክኸፍል፡ 50,000 ዝብሃል ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ህይወቱ ርእዩን ሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዝተሰውኡ ውሉድኩም ኢሉ ንገለገለ ስድራ ቤታት ዝሃቦ ደገፍ ውን፡ ካብ 10,000 ናቕፋ ዝበዝሐ ኣይኰነን። እዚ ከኣ፡ ብሓደ ኢድካ ሂብካ፡ በቲ ካልኣይ ኢድካ ኣኻዕቢትካ ምምንዛዕ’ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለናን። እዚ’ዩ እቲ ከኽስስን ከእስርን ዝግብኦ ዝነበረ ተግባር። 10,000 ሂብካ፡ 50, ምምንዛዕ፡ ናይ ሕልና ዘይብሎም ተዃሉን ገበነኛታትን ተግባር ደኣ’ምበር፡ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣይኰነን። ኢሳያስን ጕጅልኡን ግን፡ ሓሰኻ ደምበስ ናብ ዝለስለሰሉ ከምዝብሃል፡ ንነጋዶ ሓላፍነት ዘይስምዖን ስሱዓት ብዝብል ጸለመ ክኣስርን ከሳድድን’ዩ ዝውዕል ዘሎ። ነጋዳይ፡ ካብ ዝሸጦ ኣቕሓ ሳንቲም ወዲ ሳንቲም ኣጠራቒሙ’ዩ ናብራኡ ዘካይድን ዝህብትምን። ከም’ዚ ዘይገብር እንተደኣኰይኑ ከኣ’ሞ፡ ነጋዳይ ምዃኑ ውን ኣይመድለዮን። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንነጋዶ ክኸስስን ክኣስርን ዝደረኾ መሰረታዊ ምኽንያት ግን፡ ልዕሊ’ቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሃብቲ ከይውንኑ እሞ፡ ካብ’ቲ ስርዓት ዝለዓለ ተሰማዕነት ከይረኽቡ ስለዝሰግአን፤ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ቅልውላው ናይ መነባብሮ ንካልኦት ኣሳቢቡ ንነብሱ ንምሕባን ጥራሕ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንስልጣኑ ክብል ንኤርትራውያን ምድካይ ከም ፖሊሲ ሒዙ ይሰርሓሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ኮንትራክተራትን ኢንጂኔራትን ዝተወስደ ናይ ማእሰርቲ ስጕምቲ ውን፡ ተወሳኺ ጭብጢ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ነጋዶ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ፍጻሜ’ዩ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን፡ ኣብ ባንክ ዝተቐመጠ ናይ ሃብታማት ገንዘብ ከይወጽእ ምኽልካል፡ ብኸም’ዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ምስምሳት ኣቢሉ ንሃብቶም ዝራስየሉ ሜላታት ይባላሓት ምህላዉ ዝሕብር ደርሆ ጻሕቲራ እተውጽኦ ምስጢር ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ውጕኣት ሓርነት ማይ ሓባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣድማ ዝገበሩ ተጋደልቲ፡ ኣብ ልዕሊ ብጕጅለ 15 ዝፍለጡ መራሕቲ ዝፈጸሞ ቅንጸላን ማእሰርትን ንስልጣኑ ንምሕላው እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት የብሉን። ሕጂ ተሪፍዎ ዘሎ፡ ነቶም ክሳዕ ሕጂ እሙናት’ዮም እናበለ ክቅሽሾም ዝጸንሐ ጀነራላቱ ምእሳርን ምህዳንን ከፋፊልካ ምግዛእን’ዩ። እዚ እንሰምዓሉ ግዜ ውን ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብ ሕቝፊ ወለዶምን ካብ መኣዲ ትምህርትን ተመንዚዖም፡ ናብ ግንባራት ውግእን መደበራት ታዕሊምን ተጓሪቶም ኣደዳ ህልቂትን ዓመጻን ዓዘባን ሕማምን ኣስገዳድ ባርነታዊ ሸቕልን  ኰይኖም። ባኒ ብመስርዕ ኰይኑ፡ ካብ እትረኽበሉ ከይረኸብካሉ እትምለሰሉ ዝበዝሕ፤ እንተረኸብካ ውን፡ ንሓደ ስድራ ቤት ዘይኣክል ባኒ ዝውሃበካ፤ ነዳዲ፡ መብራህቲ፡ ሽኮር …ወዘተ ብመስርዕ፤ ስራሕ ኣልቦነት ሳዕሪሩ፡ ካብ ዝሰርሕ ዘይሰርሕ በዚሑ።  እዚ መነባብሮ’ዚ ኣንገፍጊፍዎም፡ ንስደት እንተምርሑ ድማ፡ እግሪ እግሮም፡ ዶላር ኣህሪፍዎም፡ ሃገሮም ጠሊሞም …ወዘተ ዝብል ናይ ጸለመ ወፈራ ይስዕቦም። ኣብ ምድረ-በዳታት በጽምኢ ናይ ዝሞቱን ኣብ ውቅያኖስ ናይ ዝጠሓሉን መንእሰያት መርድእ ንዝበጽሐ ይኹን ወይ ድማ ውላደይ ሞይቱ ኢሉ ንዘልቀሰ ቤተሰብ ምቕጻዕ ውን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝመሃዞ ሓድሽ ናይ ራዕዲ ምእታው ተግባርን ሓድሽ ምንጪ ናይ እቶትን ኢዩ።

መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ፡ ማለት ረድዮን ተለቪዥንን ጋዜጣን ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ትንፍስ ኢሎም ክዛረቡ ኣይስምዑን ኢዮም። ብኣንጻሩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ኢሳያስ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ድምጺ ሓፋሽን ኤሪ-ቲቪን ንኤርትራ ከም ተወዳዳሪ ዘይብላ ገነት ኣብ መሬት፤ ንኢሳያስ ከም ተካኢ ዘይርከቦ፡ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓሊ መራሒ ገይረን ዘየለ ሕብሪ ክቐብኣ ኢየን ዝስምዓ። እዚ ድዩ፡ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት፡ ፕረስ ሚዛናውን ሓላፍነታውን ክኸውን ኣለዎ እናበለ እዝኒ ናይ ሰማዕቲ ክሳዕ ዝድንቍር ስርዓት ኢሳያስ ዘጽመመና!!!!

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ ከምዝብሃል፡ ስርዓት ኢሳያስ ነቶም ካብ ኤርትራ ርሒቖም ኣብ ስደት ዝርከቡ ገለገለ ግሩሃት ዜጋታት በቲ ብመራኸቢ ብዙሓኑ ኣቢሉ ዝዝርግሖ ሓሶትን ሃበስቀደስን ከታልል ይሓስብ ይኸውን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ከባቢኣን ዝርከብ ህዝብና ግን፡ ብዘይካ ገለ ውሑዳት ኰነ ኢሎም ክጸሙ ዝመረጹ፡ በዚ ክደናገር ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ፈጺሙ ዘይሕለም ኢዩ። እቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ነበርቲ ሓወልቲ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዮም። እቲ ስርዓት ስልጣኑ ንምሕላው ዝጥቀመሉ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስርሓት፡ ሎሚ ዕርቃኑ እናወጸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እትረፍዶ እቶም ብዕድል ኣምሊጦም ዝወጹ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት፡ እቶም መንግስቲ እሙናት’ዮም ኢሉ ኣብ መንግስታዊ ናይ ዜና ትካላቱ ከስርሖም ዝጸንሐ ዜጋታት ከይተረፉ ጠንጢኖምዎ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። በዚ ዝባህረረ ስርዓት ኢሳያስ፡ ድማ ንጋዜጠኛታት መንግስቲ ክኣስርን ንሰራሕታኛታት ሚኒስትሪ ዜና ባህልን እንታይ ትሓስቡ ኣለኹም፡ እከለን እከለን ከመይ ኢሎም ሃዲሞም፡ ክሃድሙ ምዃኖም ትፈልጡ ኔርኩም እናበለ ከፈራርሕን ክምርምርን’ዩ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ንናጻ ፕረስ ከም ቍሪ ከምዝፈርሖ ዘይከሓደ ሓቂ ኢዩ። እትረፍዶ፡ ካብ ናጻ ፕረስን ካብ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ካብ ውልቀሰብ ንዝስንዘረሉ ነቐፌታ ውን ዝጸውር ስርዓት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኢዩ ውን፡ ንናይ ረዲኤት ትካላትን ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ኤርትራ ከባርር ዝርአ ዘሎ። እዞም ትካላት እዚኣቶም ነቲ ንህዝቢ ዘጋጥም ጸገማት ንመሳርሕቶምን ህዝቦምን መንግስታቶምን ክፍልጡ ምዃኖም፡ ስለዝርዳእ’ዩ ዘባርሮም ዘሎ። ናይ ዜና ትካላቱን፡ ናጻ ዝዀኑ ናይ ዜና ትካላትን ናይ ረዲኤት ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝህብዎ ሓበሬታ ተጋራጫዊ ክኸውን ምዃኑ ኣቐዲሙ ስለዝተረድአ’ዩ ዘሳጕጎም ዘሎ። ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ፡ ጆኒ ፊሸር፡ ኤርትራውያን ወለዲ ናይ’ቶም ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝተሰውኡ ደቆም መርድእ ክሕበሮም ከሎ በኽዮም፡ ኣልቂሶም ኢሉ ስለዝሓበረ’ዶ ኣይኰነን ካብ ኤርትራ ክባረር ዝተወሰነሉ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣቦታትን ኣደታትን ንመስዋእቲ ደቆም ብእልልታ ተቐቢሎሞ እናበለ ናይ ሓሶት ወረ ይዝርግሕ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ። ናይ ጣልያን ኣምባሰደር፡ ናይ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ወኪል ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ባንዲኒ ዝተባህለ ዲፕሎማሰኛ፡ ብዛዕባ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ጕጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ስለዝሓተተ’ዶ ኣይኰነን ካብ ኤርትራ ተባሪሩ? ቀይሕ መስቀል እተባህለ ዓለማዊ ትካል፡ ንእሱራት ከይበጽሕ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት፡ ክፍኣት ናይ’ቲ ስርዓት ናብ ግዳም ከይወጽእ ምኽልካል ሓሊፉ፡ ካልእ እንታይ ትርጕም ክውሃቦ ይከኣል? ከምኡ ውን፡ ሩት ስምኦን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሱዳን ንምውጋእ ዝተለሞ መደባት ስለዘቃልዐት’ዶ ኣይኰነትን ዝተኣስረት። ኤርትራ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ፡ ኣብ ዓለምና ድማ ሳልሰይቲ ምዃና ናይ ኣጋጣሚ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንናጽነት ፕረስ ዘይቕበል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስለዝዀነ ጥራሕ ምዃኑ ሎሚ ህዝብናን ዓለምናን ዘይፈላለየሉ ጭቡጥ ሓቂ ኢዩ።

ስለ’ዚ ኢየን ውን ቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግርን ጸገምን ፈውሲ ክርከቦ ናብ ጽሓይ ዘውጽኣ፡ ዝበዝሕ ግዚአን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገማት ክዛረባ ዝውዕላ ዘለዋ። እቲ ዘገርም ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ንኢትዮጵያውያን ዘጋጥሞም ጸገማት ዝዛረብ፡ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ናጻ ጋዜጣታት መሊኡ እንከሎ’ዩ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣባላት ፓርላማ ኰይኖም ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ድላዮም ኣብ ዝዛረበሉ ዘለዉ ኵነታት ምዃኑ ውን ኢዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2575

Posted by on Dec 10 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net