ሰላም ንቋንቋ ሰላም ዝርድኦ፤ በትሪ ከአ ንበትሪ ዘስምዖ!

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ከመይ ትዀኑ?

ሎሚ ንሕሉፍ ተግባራት ዋህዮ ዘዛኻኽር ኣርእስቲ ሒዘ ቀሪበ ኣሎኹ፡፡ መቸም „ምስ ኣድጊ ዝኸደ ህላ’ኳ እንተዘይለመደስ ጥራት“  እንዶ አይተባህለን፤ ገለ ንክብረትኩም ዘይበቅዕ ቃላት እንተዘንዚረ ክትዕገሱኒ ብትሕትናን ብቐዳምነትን አማሕጽን፡፡

ድሕረባይታዊ ሓበሬታ፦

አብ ዝሐለፍናዮም ወርሐት መስከረምን ጥቅምትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት መጠነ ጽዑቕ ክፉት ኣኼባታት ንተቐማጦ ሃገር ጀርመን ዝዀኑ ኤርትራውያን አካይዶም፡፡ ብዕለት 23 መስከረም 2006 አብ ከተማ ፍራንክፎርት 1) ብብጻይ ወልደሱስ ዓማር ኣቦመንበር ውድብ „ተጋድሎ ሓርነት ሰውራዊ ባይቶ“ 2) ብብጻይ መስፍን ሓጎስ ኣቦመንበር ውድብ „ኤርትራዊ ሰልፊ ዲሞክራሲ“ 3) ብብጻይ ዓብደላ ኣደም ሓላፊ ወጻኢ ጕዳያት ውድብ „ግንባር ሃገራዊ ድሕነት“ …ወዘተ ዝተመርሐ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብሰፍ ዝበለ ዓወት ተዛዚሙ፡፡ አብ ሰሙኑ ማለት ብዕለት 30 መስከረም ድማ አብ ከተማ ከሎን ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር አብ ዝተጸውዐ ክፉት ኣኼባ ንህዝቢ ብጾት ኣቦመንበር ወልደሱስ ዓማርን ምክትል ኣቦመንበር ተሓኤ ሰ/ባይቶ ዝዀነ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤልን ከም ዕዱማት ተዛረብቲ ዝነበርሉ ዓሚቚ መግለጺታት ቀሪቦም፡፡ አብ ወርሑ ማለት ብዕለት 28 ጥቅምቲ ከአ ብዞባ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝፍለጡ መራሕቲ „ግንባር ሃገራዊ ድሕነት“ ዝተጸውዐን ኣቦመንበር ናይቲ ግንባር ዝዀነ ብጻይ ዶክቶር በየነ ኪዳነ ከም ዕዱም ተዛራቢ ዘማእከሎ ሲፊሕ መግለጺ ቀሪቡ፡፡ ኩሉቲ ብጾት መራሕቲ በብመግለጺኦም ንሰማዕቲ ዘመሐላለፍዎ መልእኽቲ ከአ አብዚ ዝስዕብ ምልኦ ሓሳባት ክጠቓለል ይከአል፡፡ ማለት አብ ሓድነትን ሐባራዊ አሰራርሐን ዝደፍእ መግለጺታቶም ከብርሁ ከሎዉ፤ አብ ወውድብካ ተሓጺርካ ነናትካ ሸነኽ ምሕዛእ ፍርያም ዘይምዃኑን ከም ዝአረገ ኣገባብ ቃልሲ ከም ዝውሰድን አብሪሆም፡፡ ዘበናዊ ኣገባብ ቃልሲ እምበርከስ ኵነታት ኤርትራ ዝጠልቦ ብቅድምያ ብምስላፍ፣ ተቓዋሚ ኤርትራዊ ሓይሊ በብጐደናኻ አብክንዲ ምህላኽ ነዚ ሐያልነትዚ አብ ሐደን ሓድነትን ጠርኒፍካ ዓዲ ዘእቱ እስትራተጂ ምኽታል እዩ ኢሎም፡፡ አብ ኪዳን ይኹና ወጻኢ ካብኡ ዘለዋ ሃገራዊ ውድባትን ምንቅስቓሳትን አብ አስታት 3 ከፊሎም ከአ ብከምዚ ዝስዕብ ይውድንወን፦

  • ሃገርለኸ ወይ ዕልመናዊ ውድባት
  • ሃይማኖታውያን ወይ እስላማዊ ውድባት
  • ብሔራዊያንን ወይ ትሕተ ሃገራዊ ወድባት፡፡

ኪዳን ናይዚ ሰለስተ ግንባራት’ዚ ከአ ከም ሥላሠ ሓደ ይዀኑ ሰለስተ ከአ ይዀኑ ማለት ኢዩ፡፡ ንህግደፍ ክሰጉ ሓደ ይዀኑ – ብአመዓድዋ ራኢታቶም፣ ብደረት እምነታቶም፣ ብምልአት ማሕበርነቶምን ከአ አብ ሰለስተ ይኽፈሉ፡፡ መቸም ኣነን ዘዕለልኩዎም ካልኦት ተሳተፍትን ነቲ እስትራተጂ ዝወጾ ሕፍቲ ከም ዘይብሉ ኢና ርኢና፡፡ ንኤርትራና ደላይ ጽቡቓ ዝዀነ ዜጋ እምበአር ነዞም መራሕቲ ነዚ ቅዱስ ዕላማዚ ክትግብሩ ድአ ግዴኡን ግባሩን የልዕል እምበር ንድሕሪት አብ መድረኽ ሃለኽ ክመልሱና ምስምስ ክኸውን ከቶ አይመርጽን፡፡ ብመንጽሩ ነዚ አብ ትሕቲ ዝተፋላለዩ ቂሐጽልሚ ተመዅልዮም መስርሕ ለውጢ ንምዕንቃፍ ዝተሰለፉ ህግዲፋውያን ግና ኮንቱ ጻዕሮምን ባዶ’ነቶምን ድሒርና ክንርዮ ኢና፡፡ ከምኡ ንድሒሩ ዝበርህ መንቀሊታት ምስ እዚታት ክዝክሮ ዝደሌኹ ተረኽቦ ድማ ብ18/19 መስከረም 2004 ብገለ ግዱሳት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝቐረበ (Focus on Eritrea) ዝብል ስምፖዚዩም አብ ከተማ ከሎን ተኻይዱ ምንባሩ’ዩ፡፡ አብዚ ከአ ምስ ስርዓት ኣስመራ ክገራጨዉ ዝጀመሩን ንነዊሕ ምስ ሰውራና ብፍሉይ ከአ ምስ ህ/ግንባርን ምስ ህግዲፍን ዝተጓዕዙ ጀርመናዊያን ብኵነታት ኤርትራ መግለጺ ሂቦም፡፡ መራሕቲ ውድባት ከም ወልደሱስ ዓማር፣ ዶክቶር በየነ ኪዳነ፣ ዓብደላ አደም እውን ሻቡን አብኡን መግለጺ አቕሪቦም፡፡ ብዘይካዚ ከአ በርከት ተጣበቕቲ ሕግን በርጌሳዊ መሰላትን ዝዀና ማሕበራት ኤርትራውያን ተረኺበን አብ ዘዝምልከተን ዛዕባ ጠቓሚ መግለጺ ሂበን፡፡ ብተናጹል መነመን ነይሮም ከአ ወረቐት ስለያ ህግደፋውያን ከም ዘለዎ ከድቅሎ ስለ ዝዀንኩ „ልዕሊ ቃርማ መን ክቕርሞ“ ድሕሪ ምባል፣ ካብኡ ክትግንዘብዎም ናባኻትኩም አብ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ እገድፎ አሎኹ፡፡

ካብ ክቱር ራዕድን ብዝሒ አሜናዊ ሽምደዳን ሓቅን ፈጠራን ዝተሐዋወሶም ዋህዮታት ህግዲፍ ካብ ናይ ስለያ ደፍተሮም ገለ አስማት ዕቱባት ተቓለስቲ ብምድርጓስ ንክቡራት መራሕቲ ውድባትን ምዑታት ተቓለስትን መጠነ ህግደፋዊ ዓይነሕልና ብምንቊልቋል አስማት ተጣበቕቲ ዲሞክራስያን ፍትሕን ንዝዀኑ ብጾት ከዋርዱ ኮንቱ ጻዕሪ ገይሮም፡፡ ወዮ ድአ እቲ ብፎርማጆ „እንዳደይ ኣመተ“ አብ ልኻይ ዝተለወጦ ሓንጎሎም አሰላሲሉ ዘይሐስብ ኰይኑ’ምበር፣ ንውላዶም ብባኒ ስርዓት ዲሞክራሲ ከዐንግሉ አብ ፈቐዶ ሃገራት-ዑቕባ ንነብሶም ፈጕፊጎም እንዳነበሩ፣ ብኵነታት እቲ ካብ ነብሰገዳይ መንግስቶም ከምልጥ ቀለብ ዓሳን ኣሞራን ዝኸውን ዘሎ ቀረቦም ይኹን፣ ነዚ ክፉእ ሓቂዚ ክስዕሩ ንዝቃለሱ ሃገራውያን ንምጽላም ዘይተዋዕለ ዘረባታት ብምዝርግሖም ህግደፋውያን ብቀዳምነት ሕሰረቶም ኢዮም ዘንጸባርቑልና ዘሎዉ፡፡ ረብሐ-አልቦ ዝኾነ ኳና-ገዛውቶም ክዕቅቡ፣ ንህዝቦምን ንወገኖምን ከጥቅዑ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘሎዉ ንተቃለስቲ ክዉል ኣይኰነን፡፡ ከምቲ ዝበሃል ክሳዕ ብጮማ እትምጭዎ ምስ ዝብኢ’ውን ዕርክነት ዘይክአል አይኰነን፡፡ ቁጥዐ ህግደፍ ድማ ወገንካ ክምቋሕን ክጭንዳሕን ተጠዊቕካ ምሕላፍ፣ ካብኡ ብዝገደደ ድማ ኮንቱ ዕርክነት ህግደፍ ከይንፈገካ ቃርማዊ ስለያ ምክያድ ሳዕቤናቱ ብርግጽ ከቢድ ክኸውን ምኻኑ ምትንባህ ንለባም አኻሊ እመስለኒ፡፡ ንሕና ርእሲ እዞም አብ መንጎና ዝነብሩ ዓለቕቲ ህዝብና ዝዀኑ ህግደፋውያን ግርም ጌርና ኢና ንፈልጦ፡፡ ሎሚ እሞ ኸአ ዕብዳን ሰዓብቲ ህግዲፍ ደረት ሐሊፉ፤ ኣደራዓት መንግስቶም ካብ እንዳ ጐረቤት ሐሊፉ ነናብ ገዛውቶምን ናብ ደቀ’ዲኦምን ስለ ዝአተወ፣ አብ ጥዕንኦም’ውን ጸለወታ ፈጢሩሎም አሎ፡፡ ነንበይኖምን አብ ወውሻጠኦምን ክበኽዩ ከሎዉ፣ ምስክር አብ ዘሎዎ ግና ኤርትራ ናይ ገነት ገነት ከም ዘላ አምሲሎም ክግዕሩ ይርአዩ፡፡ ሕሉፍ ሐሊፉ ከአ ክድብሶም ንዝመጸ ወዲ ገርሂ ልባ  በጽሐይ ዘስደምም ገጻት የርእዩ፡፡ በቲ ሓደ ሸነኽ መቕዘፍቲ አሐዋቶምን አሐቶምን ወይ ከአ ደቆም ብእዝጊሄር ምስ ዝኸውን ሆጭ ዝበለ ሓዘን የካይዱ፡፡ እቲ ሞት ብኢድ ህግዲፍ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን ግና ቴለፎናቶም ክበትኩን ከይተዛርቦም ጎደና ቀይሮም ክሃድሙን ትርእዮም፡፡ ምናልባሽ መዋጽኦ ዘይብላ እንተአኳሊ ምካዮም ድማ ንወዮ ቀለብ ዓሳ ወይ ቀለብ ኣሞራ ዝዀነ ዓጸመስጋኦም ከይሓፈሩ ጽጋብ ሰንጢቕዎ’ምበር ገዛኡ ኮፍ ዘይብል ይብሉኻ፡፡ እቶም መወትቲ አብ ኤርትራ ከሎዉ ብህግዲፍ እንተተቐቲሎም ድማ አብ ሽዕኡ በጺሖም አብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞ ከም ዘሎዉ ይእመኑ፣ እሞ ሰጋእ ከይበሉ ከአ ተቓውሞ ቀቲሎሞም ይብሉ፡፡ እዚ እቲ ኣፎም ዝተፍኦ’ዩ፤ ኣዒንቶም ግና ካልእ ጭንቀት’ዩ ዝደጕሕ፡፡ ኣዒንቲ ናይዞም ብወለንታ ባሮት ዝዀኑ ዓረም ሓሶት፤ ኣዒንቲ ናይዞም ንፍትሒ ዘይተዓደሉ ዓሳኽር ውልቀ መለኽቲ፤ ኣዒንቲ ናይዞም ስጋ-ሓፋሽ እናበሉ ዝምሕሉ ጸረ ህዝቢ፤ ኣዒንቲ ናይዞም ብስም ሃገር፡ ሃገር ዘባደሙ ዘይደቂ ባህልና፤ ኣዒንቲ ናይዞም ሕልንኦም ዝሸጡ ግዙአት-ዃና፤  ብጽሞና ክበኸያ’የን ዝሐድራ፡፡

እምበአር አስዒበ አብቲ ህግደፋውያን ብገለ ዝተጋናዘይሎም ዓያሹ ገይሮም ዝዘርጉሕዎ ወረቐት ከሕልፈኩም እየ፡፡ ህግደፋውያን ከም ልማዶም አብ ጎደናታት ከተማ ከሎን እውን ተዋፊሮም በቲ አረጊት ናይ ራዕዲ ስልቶም ቆልዐ-ሰበይቲ ከፈራርሑ ፈቲኖም፡፡ መንግስትና መታን አብ መዝገብ ተቓውሞ ከየስፍረካ እባ ስእልኻ ብካሜራ ከይልዐል እባ ዝብላ ናይ ሽበራ ቃላት ድማ ይዝውተራ ምንባረን በጺሕናየን አሎና፡፡ አብ መጻኢ’ኳ ንሕና’ውን ብዝርድእዎ ቋንቋ ክንምልሰሎምን ናብታ ገነት መንግስቶም ተነቒሎም ከም ዝስጎጉ ክንገብርን ክህልወና’ዩ፡፡ በሉ ደጊም ምስቲ ጉስሩጥ ጽሑፎም ከቃልዓኩም፤ አብ ዝሕሸ ክውንነት የራኽበና!

Teclesenbet Teclai

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2577

Posted by on Jun 5 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net