ንህግደፍ ምእላይ ዕብይ ዕማም ናይ ህዝቢ እዩ

አብዚ ግዜ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኸነ ግዜ ንላዕሊ አብ ዝኸፍኣ

ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ወዲቑ ይርከብ።

እዚ ድማ ካብ ባዶ ተበጊሱ ዝተፈጥረ ጸገም ዘይኮነስ ብመ ጀመ ርያ

አብ እዋን ናጽነትና ዝረኸብናሉ እዋን ክዕመ ሙ ዝግብኦም ከም

ቅዋምን፡ አብያተ ፍትሕን፡ ንመ ሰል ህዝቢ ክጣበቓ ዝኽእላ ሲቪካዊ

ማሕበራት ዘይምህላውን ብሓፈሻ ቀይዲ አልቦ ዝኸነ መ ንግስቲ

ክህልወና ብምኽአሉ ዝተፈጠረ ዓብይ ጸገም እዩ።

እዚ ሎሚ አብ ስልጣን ኮርሻ ዝረከብ መ ራሒ ዲክታተርያዊ ስርዓት

አካይድኡ ንድሕሪት ተመ ሊስካ ክርኣይ ከሎ ነዚ ሎሚ ሒ ዝዎ ዘሎ

ስልጣን ንምድልዳል ብዝተፈላለየ አገባባት እናተጠቐመ ብቐንዱ

ድማ ምስ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝጥቀሙ ሎም ዝነበሩ ከፋፊልካ ናይ

ምግዛእ ሜላታት ብዝኸፍኣ አገባብ ብምጥቃም ብአውራጃ ብወገን

ብሃይማኖት እናመ ኻነየ እናጠቀወን ንብዙሓት ደቂ ሃገር አብ ሜዳን

አብ ከተማታትን እናሃደነ ዝመ ጸ መ ራሒ ምኻኑ አብዚ ሕጅ እዋን

ብንጽር ንኹሉ ሰብ ብሩህ ብዝኾነ መ ንገዲ ይርኣ አሎ።

አብ እዋን ናጽነት ናይ ኩሉ ሰብ ተስፋን ባህግን ዝነበረ ሃገርና ከም

ሓዳስ ሃገር መ ጠን ዋላ እኳ ድሩት ዓቕምታት እንተነበራ ህዝቢ

ደገፉን ተገዳስነቱን ብዝተፈላለየ ደረጃ ከርእይ ድሕሪ ምጽናሕ አብ

1993 ብረፈረንደም ድማ ንዓለም ብዘስደምም መ ንገዲ ዝነበሮ ባህጊ

ንነጽነት ብድምጹ አረጋጊጹ። ካብኡ ንነጀው ግን ብጃካ ብንዴራ

ምስቃልና እቲ ዝተመ ነናዮን የሕዋትና መ ዋእሉም ዝተንከራተቱሉን

ህይወቶም ዝበጀውሉን ዝተፈጸመ ነገር የለን። እቲ ዝረኸብናዮ ነገር

እንተሎ ሞትን ስቓይን ብዕጽፍታት ወሲኹ ራህዋን ቅሳነትን ተሰፋን

ተጸንቂቖም፡ ስደት ብሓደ ክልተ ዘይኮነስ ብዓሰርተታት ኣሽሓት፡

ሬሳታት የሕዋትና ካብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ክእረ ጀሚሩ።

ብዓሰርተታት አሸሓት መ ንእሰያት ድማ አብ ፈቖድኡ ተደርብዮም

አለው። ህዝቢ ብድርቅን ህግደፍ ብዝፈጥሮ ናይ ዕዳጋ ቅልውላው

አብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት ህግደፍ ንሕና ሓገዝ አየድልየናን እዩ እቲ

ገንዘብ ሃቡና እናበለ አብ ዝባንን ጸገማት ህዝብን የሽካዕልል አሎ።

እንተኸነ ምእንቲ ሃገር መ ዋእሎም ዝተጋደሉ ተጋደልቲ ንሃገርን

ህዝብን ክርምሱ እዮም ኢልካ ዝሕሰብ ጉዳይ አይነበረን። እንተኸነ

እቲ አብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ዝበቖለ ዲክታተርያዊ መ ራሒ

ንነብሱ ሓቢኡ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ህዝባዊ ስልጣን

ክውሕሱ ይኽእሉ ዝብሎም ሰባት ክቐርሞምን ክሕይሮምን ጸኒሑን

አሎን። ናይ ብዙሓት ብሉጻት ዜጋታት ህይወት ብዝተፈላለየ

አስማት አናጥመ ቐ አናንኣኣሰን እናደሰከለን እናቐንጸለን እንሆ ነቲ

ዝሓልሞ ዝነበረ ስልጣኑ አረጋጊጽ ነዛ ሃገር ረሚ ስዋን አመ ራሲሕዋን

ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ድልየቱ እዩ።

እንተኸነ አብ ሕግን መ ሰል ወዲ ሰብ አብ ዘይከበረሉ ሃገር

ክተነበርን ክትንቀሳቐስን ዘይሕሰብን ክሕሰብውን ዘይክእል ስለዝኸነ

ህዝቢ አብ ስቓይ ወዲቑ ይርከብ። ዝኸነ ዲክታተርያዊ ስርዓት

ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ምስ ዝህልው ጥራሕ

እዩ። ወጥርን ዘይምርግጋእ ብምፍጣር ናይ ህዝቢ አንፈት ካብ ቀንዲ

ጉዳያቱ ናብ ዕግርግን ዘይምርግጋእን አንፈቱ ብምጥዋይ ካብ ቀንዲ

ጉዳያቱ እናመ ሳመ ስካ ምጽናሕን ነቶም ዘስግኡኻ ሰባት ድማ ብስም

ክሓድትን ረዓድትን እና ኣጥመ ቕካ ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ እዩ።

እዚ አካይዳ ንምፍላጥ ብዙሕ ናይ ታሪኽ መ ጽሓፍቲ ምግንጻል

አይድልን እዩ። አብ እዋን ስርዓት ኢትዮጵያ ደርጊ ንህዝቢ

ኢትዮጵያ ሃገር ካብ ተገንጸልትን ጸበብትን ኣድሕን ብዝብል ስም

አብ ዝተናወሓ ኩናት ብምእታው ንስልጣኑ ዝቃወሙ ኩሉ አብ

ምውቃዕ የሕሊፍዎ በዚ ድማ ኮነሬል መ ንግስቱ ሃይለማርያም ናይ

ስልጣን ዘበኑ ን17 ዓመ ት አናዊሑ ። ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ናይ

መሰል ሰብ ተጣበቕቲ፡ አዘዝቲ ሰራዊት ድማ ቀንጺሉ። ንኹሎም

ዝኸሶም ዝነበረ ከምዚ ሕጅ ዲክታተርያዊ ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ

ከሓድቲ ሃገር፡ ናይ ኤምፒርያሊዝም ተልኣኽቲ፡ግቦኛታት፡አሸበርቲ፡

ወገናውያን፡ ጸበብቲ፡ተገንጸልቲ፡ ድሑራት ዝብላ እየን ኒረን። እዘን

ቃላት እዚኣትን ድማ ሎሚ አብ ኤርትራ ደቀባት ደቂ ሃገር

ንምጥፋእ ህግደፍ ነዘን ቃላት ይጥቀመ ለን አሎ።

እቲ ህልው ኩነታት ሃገርና ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። እቲ ጸገም

አብ ዘይፍትሓሉ ደረጃ ተበጺሑስ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ብዘለዎ ዓቐሚ

ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክዋሳእ ዝግብኦ ግዜ ኢና ንረከብ። ሃገር

ራሕሪሕካ ምኻድ ፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግብራዊ ስጉምቲ

ምውሳድ እዩ። ቃልሲ ድማ ብዝተፈላለየ አወዳድባን አገባባትን

ክካየድ ይኽእል እዩ። እቲ ዘገድስ ነገር ብምክብባርን ምጽውዋርን

ህዝባዊ ዕላማ ተሰኪምና ስሙ ር አረኣእያን ንዋታዊ ዓቕምታትና

አወሃሂድና ነቲ አብ ቅድሚና ኮይኑ ንህዝቢ አብ ናይ ባርነታዊ

ሰንሰለት ሓኒቑ ሒዙ ዘሎ ስርዓት ንሓዋሩ ክነልግሶ ይግባእ። ድምበ

ተቓውሞ ድማ ነቲ ዓበይቲ ብድሆታት ከልግስ ዝኽእል ህዝባዊ

ዕላማን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክሰከሙ ን ነቲ ዝግበር ምርብራባት ናህሪ

ክውሱኹ ሉ ይግባእ። ብቐንዱ ግን እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ስለዝኸነ

ኩሉ ዜጋ ብዘለዎ ዓቕሚ ክዋሳእ ይግባእ። ምእንቲ ምንታይሲ ጉደይ

ሃገር ጉዳይ ኩላትና ስለዝኸነ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ብ. ሓጎስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2585

Posted by on Jan 16 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net