ሃገራዊ ዋዕላ መ ማህራን ንቐባሮ መ ርድእ ምርዳእ ኒሩ ሚ/ሪ ትምህርቲ ካብ ሞት ናብ ካልኣይ ሞት ዝተሰጋገረሉ ህሞት

አብዚ ለንቅነ ህግደፍ ካብቲ አትይዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ባህላውን

ቅልውላው አንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ብጉዳይ ሶማል ክጣላዕን ናይ ህዝቢ አንፈት

ንምጥምዛዝን ክጥቀመ ሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጁ ድማ ካብቶም አብዚ እዋን ንገለ

ቁሩብ መዓልትታት ድማ መ ጻንሒ እንተኾነኒ ኢሉ ነቲ ከም ሕሱም ዳግም ህይወት

ከይረክብ ኢሉ ናብ ሞት ዘብጽሖን ሓመድ ድበ ዘልበሶን ሚ/ሪ ትምህርቲ ተመ ሊሱ

“ ሃገራዊ ዋዕላ መ ማህራን” ብዝብል ተዋስኦ ክሰርሕ መሪጹ። እዚ ተዋስኦ ግን ነቲ

አብ ባጽዕ ዝተጸምበለ ስርሒ ት ፈንቅል መዳመ ቕን ንቲቪ ኤርትራ ድማ ንገለ

መዓልታት መ ጻንሒ ዝኸውን ናይ ሐሶት መደባት ንምዝርጋሕን ብቐንዱ ድማ ነቲ

አብ ሰደት ዝነብር ህዝቢ ንምድንጋር ዝዓለመ እዩ።

ሚ/ሪ ትምህርቲ ኤርትራ ከም ኩለን ሚ/ሪታት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብሰንኪ

ብልሽው ምሕደራ፡ ዘይርጉእን ዘይኑጽርን ፖሊሲን ሕጊ አልቦነትን መ በገሲኡ እዚ

ሚ/ሪ ድማ ንዝሓለፉ ዓመ ታት ለሚሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ አካል ወተሃደራዊ ክፍሊ

ሚ/ሪ ምክልኻል ኮይኑ መንእሰያት ዕድሜኦም ንጉዱድ ውትህድርና ስጋብ ዝኣክል

መቆጻጸርን መጻንሕን ትካል ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝኸነ ዜጋ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

መምህርና ክቡር ሞያ እዩ። መምህር ሓደ ስርዑ ዝኸነ ትምህርትን ጥበብን ሞያን

ፍልጠትን ንቖልዑ፡ ንመንእሰያት፡ ንዓበይትን ድስንቕ እዩ። መ ምህር ንባህላውን

ቁጠባውን ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርን ከገልግሉ ዝኽእሉ መ ንእሰያት ዘፍሪ ሰብ እዩ።

ነዚ ዕላማ ድማ ንምውቃዕ ብሃገር ደረጃ ዝተዋደደ ሰርዓተ ትምህርቲ ድማ

ብመንግስቲ ይሕንጸጽ። እዚ ሰርዓተ ትምህርቲ ድማ ንነዊሕ ዝጠመ ተን ባህላውን

ደረጃ ምዕባለ ሃገርን ጸጋታት ሃገርን አብ ግምት ዘእተወ ይኸውን። ንአብነት አብ

ከም ሃገርና ዝኣመ ሰለ ሃገር ኤርትራ አስታት 1000 ኪ/ሜ ዝኣክል ባሕሪ ትውንን

ሃገር ከም ምኻና እቲ ስርዓተ ትምህርታ አብ ምምዕባል ሃብቲ ባሕርን ዓሳን

ቱሪዝምን ብገለ ሸነኹ ከተኩት ባህሪያዊ ኒሩ። እቲ ንኾርዓሉ ባሕርና ብሰሜንን

ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ሃገርና እዩ ዝርከብ። እነተኸነ እዚ መ ንእሰይ

ንምዕራብ ኤርትራ ንሳዋ ተወሲዱ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራን ወተሃደራዊ

ትምህርትን አብ መ ዓስከራት ብወትሃደራዊ መራሕቲ እናተመሓደረ ህግደፍ አብ

ርእሲ ህዝቢ ወፍሪ ነውፍር አለና ይብል። እዚ ዝኸነ ዜጋ ባዕሉ ብዓይኑ ዝርእዮን

ዝፈርዶን ጉዳይ እዩ። አብ ኤርትራ ስጋብ ሕጁ ብተደጋጋሚ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ

ፖሊሲ ለውጢ ክግበር ጸኒሑ። ንምንታይ እዩ ብተደጋጋሚ አብ ውሺጢ 15 ዓመ ት

ለውጢ ዝግበር ዝብል ለባም ሕቶ ምስ ዝለዓል። እቲ መልሲ እቶም ፖሊሲ

ዝሕንጽጽ ሰባት አይተቐየሩን እሶም እዮም ሰለዚ ወይ ንነብሶም ይመሃሩ ስለዘለው

ወይውን ብቑዓት ስለዘይኮኑ እዩ። ንዝሓለፈ አስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ብረት

ሓንጊጦም ዝነበረ ሰባት እንታይ ዝኣመ ሰለ ስርዓተ ትምህርቲ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ

ንምግባትውን አየሸግርን እዩ። ክሕንጽጽዎ ዝኽእሉ ስርዓተ ትምህርቲ ምስ

ውትህድርና ዝተኣሳስር ጥራሕ እዩ።

አብ ሃገርና ኤርትራ ተራን ቦታን መምህር ብመንጽር እዚ ዘለናዩ ኩነታት ክርኣይ

ከሎ፡ አብ ግዜ መግዛእቲ እዝዩ ክቡር ኒሩ። አብ ግዜ መግዛእቲ ዋላ እካ እቶም

ዝነበሩ ስርዓታት ተምሃሮ ብዘይርጉእ ኩነታት ክመ ሃሩ የገድዱ እንተነበሩ

መምሃራን ግን አብቲ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦታ ኒርዎም እዩ። መ ምህራን ስራሕ ካብ

ዝጀመ ሩሉ ግዜ አብ ከክልተ ዓመ ት ናይ ዶሞዝ ወሰኽ ኒርዎም እዩ። ዋላ እኳ

ውሑዱን አኻልን ደሞዝ እንተነበሮም፡፡ መ ምህራን ናይ ጥሮታ ደሞዞም ሕልው

ኒሩ። መ ምሃራን ነጻ ናይ መምሃራን ማሕበር ኒርዎም እዩ። በቲ ማሕበር ድማ

ንመሰሎም ይቃለሱ ኒሮም። መ ምህራን አብ ብረታዊ ቃልሲ ንነጻነት ዓብይ ግደ

ዘበርከቱ እዮም። መምህራን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዕጽፊ ክሰርሑ ን ሓድሽ

ወለዶ ብትምህርትን ፍልጠትን ሞያን ክስንቑ ድልዋት ምንባሮም ኩልና ንፈልጦ

ሓቂ እዩ።

መምሃራን ድሕሪ ናጽነት እንታይ ረኺቦም? ግቡእ ክብሪ ዶ ረኺቦም? ብሓፈሻ

ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ ጸገም ክረኽቡ ናይ ግድን እዩ። ድሕሪ ናጽነት ካብቲ

ህግደፍ ዝተጓየየሎም ነገራት ሓደ እንተሎ። ንሚ/ሪ ትምህርቲ ምጥፋእ ስለዝነበረ

ብመጀመ ርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ አብ 1994 ንማሕበር መምሃራን ምፍራስ እዩ ኒሩ።

ካብኡ ድማ ብወልቂ ወይ ብማሕበራት ዝውነና አብያተ ትምህርቲ ዓጺወን። ካብኡ

ብምቕጻል ድማ ነቲ ሞያ ብዝኸነ ሓላፊ መ ንገዲ ክስራሕ ከምዝኽእል ተጊሩ

ስለዝተወሰደ ብስም ሃገራዊ አገልግሎት ናይ ሞያ ብቕዓቶም ብዘየገድስ እኹል

ስልጠናን ትምህርትን ብዘይረኸቡ መ ንእሰያት ትምህርቲ ክምዝወሃብ ስለዝተገብረ

መምህርና ሞያ ምኻኑ ተሪፉ ናብ መንእሰያት ዕድሜኦም ንውትህድራና ስጋብ

ዝኣክል መ ጻንሒ ቦታ ኮይኑ። ሃገርና አብ ዝተናወሓ ስቓይ ንኽትወድቕን

መንእሰይ ከይሓስብን ከይመራመርን ድማ ንምዕጋቱ ዝተመ ህዘ ፖሊሲ እዩ።

መንእሰይ እኹል ትምህርትን ምዕባለ ዝማዕባላ ሃገራት ክፈልጥ ምስ ዝጁምር

መሰሉ ክሓትት ስለዝጁመር ካብዚ አንፈት እዚ ምርሓቑ ድማ አገዳሲ ኮይኑ

ስለዝተረኸበ ህግደፍ ከይሰልከየ ድሰርሓሉ ዘሎ ነገር እዩ።

እቲ ዝበዝሕ ክፋላት ኤርትራ ቅድሚ ነጻነት አብያተ ትምህርቲ ስለዘይነበሮ

ብድሕሪ ነጻነት ነዘን ቤት ትምህርቲ ብሓደስቲ መንእሰያት መ ምሃራን እኳ

ንምሽፋን ተበግሶ ዝተወሰደ እንተመሰለ እቶም መ ምሃራን ሃገራዊ አገልግሎት ብዘይ

ደሞዝን ናይ መ ምህርና ስልጠና ዘይረኸቡ ክኾኑ ከለው እቶም ምዱብ መ ምሃራን

ዝብሃሉ ድማ ሃገራዊ አገልግሎትኩም እናመሃርኩም ተገልግሉ ተባሂሎም ንዓመታት

ብ 145 ናቕፋ ንወርሒ ከምዝኽፈሉ ተጊሩ ይስርሓሉ አሎ። እዞም መማህራን ክብሪ

ናይ ሞያ ጥራሕ ዘይኮኑ ዝስኣኑስ ንነብሶምን ደቆምንውን ሰለስተ ግዜ አብ መዓልቲ

ክዕንግሉ አይክኣሉን። ጸገሞም ዝተረድኣ ህዝቢ አብ ገጠራት እኽሊ ከዋጽኣሎም

ማይን ዕንጸይትን ድማ ብመ ንእሰያት ወፈራ እናተገብረ ንኽቐርቦሎም ዝገብራ

ዘለዋ ዓድታት ህዝቢ ባዕሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ሃገራዊ ዋዕላ መ ማህራን እቲ

ተዋስኦ ዝግበር ዘሎ ብቐንዱ ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዝጠመተ አይኮነን

እንታይድኣስ ነቲ አብ ወጻኢ ዝርከብ ንምትላሉን ብስም ዝተፈላለየ ነገራት ድማ

ገንዘብ ንምስሓብን እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ተሓሲቡ ተኾይኑ ግን

ንቐባሪ መርድእ ምርዳእ እዩ።

ነጻነትና ካብ ንረክብ 15 ዓመት ኮይኑ እዚ ማለት ድማ አብ ግዜ ናጽነት ትምህርቲ

ዝጀመ ረ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ወዲኡ መ ምህር ክኾነሉ ዝኽእል ግዜ እዩ ክኸውን

ዝኽእል ኒሩ። እቲ ሓቂ ግን ንዝሓለፉ 15 ዓመ ት ብስሩዕ ትምህርቱ ክከታተል

ዝኽኣለ ሰብ ኒሩን አሎን ዶ? እንተሎ ክንደይ ክፋል ናይ ህዝብና እዩ?። እታ እንኮ

ዩኒቨርሲቲ አስመ ራ ዓጺኻስ ነቲ ሕጽረታት ንምቅላሉ ወጻእተኛታት አምጺና ነቃሎ

አለና ክብል እቲ እንኮ ጸገምና ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ መራሒ ኤርትራ ከምዚ ኢሉ

ክዛረብ ከሎ ቁሩብ ሰብ እንታይ ይብለኒ ከይበለ እዩ። ሓደ ኤርትራዊ መ ምህር

ንወርሒ ብ145 ናቕፋ ክሰርሕ ከሎ ተመሳሳሊ ትምህርትን ደረጃ ክፍልን ዝምህር

ኢሲያዊ መምህር ግን 800 ዶላር ወይ ብናይ ህግደፍ ሸርፊ (1ዶላር = 21.00

ናቕፋ) 16 800 ናቕፋ ንወርሒ ይኽፈል አሎ። ነዚ ንምርዳእ ድኣ እንታይ ዋዕላ

መምሃራን አድልዩ። እዚ ስርዓት ንመ ምሃራን ንጥምየትን ስደትን መከራን አቋሊዑ

ክብሮም ዝገፈፈ ስርዓት እዩ። ነቶም ብሀገር ደረጃ ተሓንጺጹ ስርዑ ትምህርትን

ፍልጠትን ክዝርግሑ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር ምልካዊ መ ራሒ አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ

ነቶም አብ ደቡብ አፍሪቃ ዝርከቡ ተምሃሮ አብ ክንዲ ንሃገሮም ክሃንጽ

ድልውነቶም ንምሕያልን መ ንግሰቲ ድማ ከም መንግስቲ ንዜጋታቱ ክገብሮ ዝግባእ

ከማልእ ምኻኑን ኩሉ ድጋፍ ክግበረሎም ምኻኑ ከም መ ራሒ ሃገር ክንዲ ዝመ ክር

ከም ሓደ ቁማርተኛ አነ እንተዘየለኹ ብድሕረይ ሳዕሪ አይብቆላ እንተደለኹ ም

አይትመ ለሱ ምሁራት ብሕሱር ክነምጽእ ኢና ዝብል ናይ መ ንግስቲ ዘይኮነስ ናይ

ሽፍታ ዘረባ ምስምዑ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ተዘክሮ እዩ። ነዚ ድማ ታሪኽ አብ

መጻኢ ከዘንትዎ እዩ።

እዚ ስርዓት ንህዝቢ ንምምዕባል ኢሉ ዘውፈሮ ወፍሪ የለን እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ነቲ

ብገዛእቲ ዝተሰርሓ ሓደ ሓደ ትካላት አብ ምዕናው ተዋፊሩ። መሰልጠኒ ናይ

መባእታ ትምህርቲ መምህራን /ቲቲኣይ/ አብ አስመራ ዝርከብ ብሰሩዕ ተምሃሮ ናይ

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ወዲኦም ከይቁጸሩ ምእንቲ ሓደ ክፋል ናይ ምክልኻል

ክኾነሉ ተምሃሮ ብቐጥታ ዘይኮነስ ብመ ንገዲ ሳዋ ክምዝምልመሉ ጊሩ ናይ ፖለቲካ

መሳርሒ ጊርዎ ይርከብ። ብኻልእ መ ንገዲ ድማ ነቶም ብጀካ ትግርኛ ቋንቋ

ብኻልኦት ናይ ብሔራት ትምህርቲ ብቛንቋ አዲኦም ክምሃህሩ ብዝብል ጉልባብ

አብ ማይ ነፍሒ ቅድሚ 4 ዓመ ት አቢሉ ዝተኸፈተ መሰልጠኒ መ ምህራን ናይ

ፖለቲካ ካድረታት መ ፋረይ ትካል ጊርዎ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ

ምልካዊ ስርዓት ነቲ አዳኺሙ ዝቐተሎ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ

አገባብ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክስርሓሉ ጸኒሑ። ብድሕሪ ናጽነት ህ.ግ. ካብ ሜ ዳ

ዝተማልኦ ካሪክለም አዝዩ ጹቡቕን ጠቓምን እዩ ብዝብል ብዘይ ናይ ህዝብን

ሙ ሁራትን አካላት ተሳትፎ ብቐጥታ ንኽሰርሓሉ ተጓዩ ተምሀሮ ሓደ ክፍሊ

ንድሕሪት ክምለሱ ጊሩ እዚ ድማ ንኣብነት 4ይ ክፍሊ ዝነበረ ን3ይ ክፍሊ 10ይ

ዝነበረ ን9ይ ጊርዎ ህዝቢ ንደቅና ዘርብሕ እንተኾይኑስ ሓንጎፋይ ኢሉ ድማ

ተቐቢልዎ። እዚ ግን አብ ድኻ ቤተሰባት ዘብጹሖ ማህሰይትን አብ ርእሲ ሃገር

ዘስዓቦ ክሰራን ግዜን አብ ግምት ክኣትው ከሎ ቀሊል አይነበረን። ምእንቲ

ምንታይሲ እዚ ሰርዓት ሒዝዎ ዝመ ጸ ፍሉይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይውን ብሓጺር

ግዜ ናብ ቁጠባዊ ዕብየት ከስግረና ዝኽእል ነገር አይነበሮን። አብ 2002 አንጻር

ጉጁለ 15 አብ ዝግበር ዝነበረ ዘመ ተ ሚ/ር ሚ/ሪ ትምህርቲ ዑስማን ሳልሕ አብ

ከተማ ዓሰብ ህዝቢ አኪቡ መንግሰቲ አብ ነፍስወከፍ ዞባ ሓደ ሓደ ዩኒቨርሲቲ

ክኸፍት መ ደብ አሎ ኢሉ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ክንሰርሓሉ ድጸናሕና ካሪኩለም

ምስ ኩነታት ሃገርና ዘይከይድን ንምዕባለና ዝጎትትን ኮይኑ ረኺብናዩ ምባሉ ህዝቢ

ዓሰብ ዝፈልጠ ሓቂ እዩ። አብዚ አኺባ ሓደ መ ምህር ሕቶ አለኒ ኢሉ ተሲኡ ነዚ

ትብሎ ዘለኻ ካሪኩለም የሰርሓና እዩ ተባሂሉ 12 ክንምህር ጸኒሕና ነዚ ሕጁ በጺሑ

ትብሎ ዘለኻ ጉድኣት መ ን እዩ ዝሕተተሉ ክብል ሓተተ። እቲ መልሲ ግን እዚ

ዘረባ እዚ ካብ ወያኔ ፕሮፖጋነዳ ፈልየ አይርእኦን እየ በለ። እቲ ዘሰንብድ ሕቶ

ዝሓተተ እኮ መ ምህር እዩ። እዚ ተባዕ መ ምህርውን ብህይወት ጻወታ ከመዘየለ

እናተረድኣ ምእንቲ ሓቂ ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ እዩ። እቲ ግዜ ህግደፍ ካብ ወራር

ወያኔ ዝደሓነሉን ጉጁለ 15 ሕቶ ዘልዓሉሉን ብምንባሮ እዚ ዕሱብ ሚ/ር እዚ ሕቶ

ናይ ወያኔ ልኡኻት ዘበግስዎ እዩ ኢሉ ካብቲ ሕቶ ሃዲሙ ። ዋዕላ መምሃራን እሞ

ክነደይ ሕቶታት እኮ መ ልዓለ ግን መምህራን እቲ ሰርዓት መ ዓስ ኮን ይእለየልና

ድኣ ይብሉ ድኣ አለው እምበር አብ ዝባኖም ዝግበር ተዋስኦ ንኽጻወርዎ እቲ ግዜ

ሓሊፉ እዩ።

ሎሚ አብ ገጠራት ኤርትራ መባእታ ትምህርቲ ብወጻእተኛታት ይወሃብ አሎ።

መን ብኸመ ይ ይምህር አሎ ብዘየገድስ አብቶም ንኣሽቶ ቆልዑ ዘብጹሖ ሰነልበናዊ

ጸቕጢ ቀሊል አይኮነን። ብኻልእ ሸነኽ መ ነባብሩኡ ዘይተማዕራረየ መ ምህር ድማ

ብቐዳምነት ጸገሙ ንኽፈትሕ ኒው ነጀው ይብል ድኣ እምበር ቀዳምነት ንስርሑ

ክሰርዕ አይክእልን እዩ። መንግስቲ ዝቐተሎ ሞያ ሓደ መምህር ህይወት ክህቦ

አይክእልን እዩ። ምኽንያቱም እቲ ቀንዲ አደራዕ አብ ዝባኑ ዘሎ በቲ መ ንግሰቲ

ዘለዎ አኽብሮት ባይታ ምዝባጡን ከምኡ ድማ ዝኽፈሎ ዘሎ መጠን ደሞዝ ድማ

ምስ ስድራ ቤትካ አደራዕ ይሕልፍ ተባሂሉ ካብ ዝፍረድ እንሆ 15 ዓመት አቑጺሩን

ይቕጽልን አሎ። ሎሚ መምህር አብ ኤርትራ ወርሓዊ ገዛ ክራይ ከፊሉ ክነብር

አይክእልን እዩ። መ ምህር ንደቁ ንመዓልቲ 3 ግዜ ክምግብ አይክእሉን እዮ። እቶም

ሎሚ ብስግረ ዶብ ናብ ካልእ ሃገራት ንስደት ዘምርሑ መ ብዛሕቶም መ ምህራን

እዩም። ሚ /ሪ ትምህርቲ ካብቲ ሚኒሰተር ጀሚርካ ስጋብ ዳይረክተራት ብብቕዓቶም

ዘይኮኑስ እሙ ናት ናይ ህግደፍ ናይ ጸጥታ መ ሓውራት ብምኻን ዝኸነ ናይ

ተቓውሞ ምንቅስቓስ ዝቆጻጸሩ መሓውራት እዮም። ንኣብነት ከም በዓል ኮሌጁ

ማይ ነፍሒ ምክትል ዳይሬክተር ኮነሪል እዝራ ዝኣመ ሰሉ ንዝሓለፉ ዓመታት

መንእሰያት አብ ሳዋ ዘበሳበሱን እዩም።

እዚ ዋዕላ ከም ኩሉ ዋዕላ ህግደፍ እዩ። ብቐንዱ ግዜ መ ውሰዲ አብ ስልጣን

ንምጽናሕ ዝግበር ተዋስኦ እዩ። ተምሃሮ ወትሃደራት ወተሃደራት ድማ

ዳይሬክተራት አብ ዝኾኑላ ሃገር መን ንመ ን እዩ ዋዕላ ዘካይደሉ? ጀነራል ስብሓት

ኤፍሪም ንመ ምሃራን መደረ ዘስምዓሉ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ?። እዚ ወተሃደር

ምስ ሞያ መ ምህርነት እንታይ ዘተኣሳስር ወይ ከካፍሎም ዝኽእል ፍሉይ ተሞክሮ

ስለዘሎዎ ድኣ መ ደረ አስሚዑ? አቶ አልኣሚን መ ሓመድ ኑር ብዛዕባ ሀገር

ምውሓስ ዝብል አርእስቲ አብ ዋዕላ መምህራን ንኽምድር እንታይ ዘተኣሳስር ጉዳይ

አጋጢ ምዎ? እዚ ዋዕላ አብ ባጽዕ ንክኸውን እሞ ድማ ምስ ጽንብል በዓል

ፈልንቅል ንኽግበር እንታይ አድለየ? ነቲ በዓል ንምድማቕ ድዩ ዋላ ብሓቂ ጸገም

ትምህርትን መ ምሃራንን ንምልላይ ዝተገብረ እዩ?። ንምኻኑ እዚ መደረ ንምንታይ

ቅድሚ 14፣ 13፣ 7 ዓመ ት ዘይተገብረ?። እቲ መ ልሲ ንኹሉ ሰብ ንጹር እዩ። እቲ

ጉዳይ ብቐንዱ ግዜ ስልጣንካ ብኸመይ ተናውሕ ሓዳድሽ ተዋስኦታት ብምፍጣር

እዩ። አብ መ ጻኢውን ካልእ ተዋስኦ ክንዕዘብ ኢና።

እቲ እንኮ አማራጺ ሕጅውን አብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ንሕና ካብ ሓደ

ተዋስኦ ህግደፍ ናብ ካልእ ተዋስኦ ንሰጋገረሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን። ኩላትና

ብሓደ ኮይና ነዚ ስርዓት አልጊስና ህዝባዊ መ ንግስቲ ክንተክል አለና። ቅዋምን

ሕግን ዘየብላ ሃገር ወኒንና ደቂስና ክንሓደር አይግባእን። መማህራን ድማ ናይ

ለውጢ አንቀሳቐስቲ ሓይሊ ክኾኑ ይግባእ። መ ሰልን ፍትሕን ነፍሰወከፍ ዜጋ ምስ

ዝኸበር ጥራሕ እዩ ጸገም መ ማህራን ዝፍታሕ። መምህርና ክቡር ሞያ እዩ ክብሩ

ዝረጋገጽ ግን ብመደረን ብስም ዋዕላ ዝግበር ተዋስኦ ዘይኮነስ ንህዝቢ ተሓታትነት

ዘለዎ ብህዝቢ ዝተመ ረጸ መንግስቲ ምስዝህልው ጥራሕ እዩ።

ክብሪ መማህራን ዝኽበር መ ሰል ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝኽበር እዩ!!

ብ. ሓጎስ

ዓባይ ብሪጣንያ

11/2/2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2589

Posted by on Feb 11 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net