ሞያ በረኸት መንግስታብ ኣብ ብረታዊ ቓልስን ኣብ ግሃጽሃጽ ዝበለ ጓህሪ ህግደፋዊ ጥብስን

ብ ገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

ኣቶ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ ዘበነ  ብረታዊ ቓልሲ ዝደረፎ ሎሚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዝደረፎን ከም ገዲም ናይ ደረፍቲ መጠን ሕማቕ ኣር’ኣያ ንድሒሮም ዝምዕቡሉን ድስልጡንን ደርፊ ብዘማሓላልፎ መልእኽቲ ኣብ ሃገራውን ፖለቲካውን ገልበጥበት ክብል ንታሪኹን ን’ኣሰሩ ዝኽተሉን ሕማቕ ሽም ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሃገራውን ፖለቲካውን መዳይ ሃናጺ ታራ ክህልዎ ኣይክእልን።

ኣቶ በረኸት መንግስትኣብ ሓደ ካብቲ ኩሉ ሃገርዊ ዝስማማዓሉ ናብ ህዝቢ ዘማሃላለፋ መሃሪት ደርፊ

ንምጥቃስ ምስዚ ሕጂ ወሲድዎ ዘሎ ህግደፋዊ መርገጽ ዘይቃዶ ተኻታተልቲ ትዓዘቡ/ዘባ።

      ኣቶ በረኸት መንግስኣብ ኣብ ሜዳ ኸሎ ዝደረፋ ደርፊ ከምዚ ትብል

 ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግምባር እንታዩ ጠቕሙ ተርዲኢኩምዶ ተላይ ትርጉሙ

ተ  ረ  ዲ  ኡ  ና   ወ  ተላይ ትርጉሙ

 ስምረት  ናይ ምንታይ ስምረት? ናይ’ዞም ሓሮስቶት ሆይሆይ  ንበይንና ነይብልና እቶት

 ስምረት  ናይ ምንታይ ስምረት? ናይ ሰራሕተኛ  ሆይሆይ ንበይንና ታይኩኾነና

 ስምረት  ናይ ምንታይ ስምረት? ናይ’ዞም ትተማህሮ ሆይሆይ ንበይንና እንታይ ክንገብሮ

 ስምረት  ናይ ምንታይ ስምረት? ናይዞም ሸቃሎ ሆይሆይ ንበይንና ኣብይ ንኽእሎ

       ውዘተረፈ ክምዚሉ ከምሓላልፍ ኮሎ ስምረት ናይ ኩሉ ሃገራውያን ህገአር ንኩሉ ስለ ዝኮነት

ጥርናፌ ሃገራውያን ኣድልይ ከም ምዃኑ ይገልጽ ሕሉፍ ታሪኹ ኣቶ በረኸት መንግስትኣብ

ካልእ ብዙሕ ሃገራዊ ደርፍታት እውን ነይርዎዩ ዋላውን   ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ከይ ተሰለፈ ኮሎ

 ሎሚ ግን ኣቶ በረኸት መዲድ ህግደፍ ኮይኑ ንታሪኽ ህዝብን ሃገርን ብዘይኮነ ሓዋውሹ ክጥሕን

ኣብ ውግእ ሰዓርቲ ኣብ ሕጊ ረታዕቲ ትብል ደርፊ ምስ ሰማዕኩ ደንጺኒን ኣሰደሚሙንን ኣብ ውግእ ስዓርቲ ዝብሎ ዘሎ ነቲ ኣብ መንጎ ወያነን ህግደፍን ዝተኻየደ እዩ ኣብ ውግእ ሰዓርቲ ዝብሎ ዘሎ።

 ኣቶ በረኸት ኣብ ውግእ ከም ተሳዕረ ህግደፍ ጭብጥና ሕጅና እነና ንቐርብ ህግደፍ ንስልጣኑ መናውሒ ዝወለዖ ውግእ ካብቲ ወሪሩ ዝሓዞ መርየት ብረዋንዳን ኣመሪካን ሽማግለ ውጽእ ምስ ተባህለ ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሕብና ማለት ጽሓይ ብምዕራብ በሪቓ ምባል ይሓይሽ ዝበለ መንዩ?

ተለሚኑ ምስ ኣበየ ውግእ ኣብቲ ውጽ’ኡ ተባሂሎም ብጻሓይ ዝማሓሉ ኣቡኡ ተኺሉም እቲ ውግእ ምዓስ ኣቡኡ ተደምዲሙ  ካብቲ ብጻሓይ ተመኩሑላ ተሳዒሮም ግደፍዶ ኣብ ዶብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዮም ወያነ ንብረት ህዝብን ጥሪትን ሓውልቲ መቃብር ስዉኣትን ከዕንዉ ከለዉ ተኻላኺሎም ኣድሒኖሞ ድዮም???ብዘበናዊ ዝተመሓየሸ ትካላት ህግደፍ ከይተረፈ ምልየናት ዝወደኤ ናይ ጡጥ ፋብሪካ ዓሊ ግድር ሓሙኹሽቲ ኣይኮነን’ድዩ ህዝብና’ኸ ኣይተኻላበተን ድዩ ኣብ መጨረሽታ ስዕረቶም ምስ ኣራጋገጹ  ነየናይ ስምምዕዮም ተቐቢሎሞ ን’ኣቶ በረኸት ክበርሃሉ ወይ ሰብ ከየዳናግር ካብ ዶብ 25 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ መርየት ተመሊሶም ብኸቢድ ተውንቻፊ ተኪሶም ንዶብ ከምዘይ የርክቡዎ ንውሕስነት ጸጥታ ዋያነ ዘራጋግጽ ሕራይ ዝበሉስ ኣብ ውግእ ስዓርቲ ክትብለና  የቐንየልና ኣቶ በረኸት።

 ኣብ ሕጊ ስዓርቲ ዝበልካዮ ኣቶ በረኸት ዘየካጥዕ መርየት ኤርትራ ብባዓል ባዳ ሰምየን ደንከል ብሸነኽ ባድመ ጠፊኡና ከም ዘሎ ክንሕብረካ ንፈቱ መርየትና ስለ ዝኸሰርና ዲና ኣብ ሕጊ ረታዕቲ ትብል ዘለኻ ኣቶ በረኸት ብዛዕባኻ ብዙሕ ተጻሒፉ ብዙሕ ተነቢቡ ብዙሕ መታሓሳሰብን ለበዋን ርእናን ሰሚዕናን ጺሒፍናን ክሳብ ሕጂግንን ጸማም እዝኒ ሂብካ ኣቅቢጽካ ኣሎኻ ተጻዊትካ ንጁባኻ እንተትኾውንስ ጽቡቕ ነይሩ መኻዕበት እቶት መጽነት ህዝቢ ዝኾነ ብዘይ ቅዋም ሕጊ ዝነገሰ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍን ንመንእሰይ ዋርሳይ እካኣሎ እናበልካ ብዘይ ደለይዎ ናብ ምክልኻል ስልጣን ውልቐ መላኺ ከተዋፍር   ዓገብ   ዓገብ    ዓገብ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2592

Posted by on Jan 27 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net