ምዓልቲ ጉባኤ ኤ.ሃ.ዲ. ኪዳ ሕጂ’ኸ ከምይ

ብገብሪሂወት (ኣቡዓሸራ)

ዝኸብርኩም ናይ ኩለን ውድባትን ኣባላት ከም’ኡውን ኩሉኹም ተዳናገጽትን ሓፋሽ ህዝብናን ኣቐዲመ ክብ ዝበለ ልዑል ሃገራዊ ሰላምታ ይብጻሕኩም ብምቕጻል ነቲ ን 30 ዓመት ብሰፍ ዘይብል ከቢድን መሪርን መስዋእትን ስንክልናን ዝመጸት ናጽነት ሃገር ኤርትራ ማዕረቲ ዝተኸፈሎ መስውዋእትን ስንክልናን ኣዋዳዲርና ሎሚ ኤርትራዊ ብዲሞኩራሲያዊ ስርዓትን ፍትሕን ምዓርነትን ቅሳነትን ሰላምን ራህዋን ተሰንያ ሓድነታ ኣራጋጊጻ ዜጋታታ ብዘይ ገለ ስግ’ኣት ናብሮኦም መሪሖም ናብ ጎደና ዕብየት ሃገር ከምርሑ ምስ ተገበኤ ነይሩ።

 ሕማቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ ግን ኤርትራና ነዚ ጸጋዚ ኣይ ተዓደሎቶን ሎሚ ኤርትራ ብተራእዩ ዘይ ፈልጥ ራዕድን ሸበራን ሕሱም ባርባራዊ ግፍዕታት ጭኳኔ ብግዛት ውልቀ መላኺ ተሓይሩን ተቀይዱን ዓስቢ ሃፈ ጻማ ዘይርከቦ ወፍርን ዕስክርናን ኮይኑ ህዝብና ብሻቦጥ ሓለንጊ ህ.ግ.ደ.ፍ እና ተገርፈ ኣብትሕቲ ኣርዑት ውልቀ መላኺ ካብ ዝቑረን እኖሆ 15 ዓመት ሓሊፉ። እዚ ጥራሕ ማዓስ ኮይኑ ኣብዚ ውሽጢ 15 ዓመት ዝሓለፈ ሕሰመ መከራ ብኽያትን ሓዘንን ረዳኢ ዝሳኣነ ህዝቢ ኡይ ዝበልን ዝተቓወመን ኣብ ካርሸሊ የእትዩ ዘሕቀቖም/ቐን ምዓስ ቁጽሪ ኣሎዎ።

  ክብራት ዜጋታት ኤርትራ   ባህርያትን ክድዓታትን ጥልመታትን ግፍዕታትን ጭኳኔን ብዘይ ቕዋም ሕጊ ዝመርሑ  ህግዳፋውያን ዘርዚርካ ስለ ዘይ ውዳእ ብዛዕቦኦም ኣልዕልካ ምዝራብን ምጽሓፍን ግዜኻ ምብኻን እምበር ፍታሕ እውን ኣየምጽእን’ዩ፡ እቲ ፍታሕ ናባና ንሕና እንታይ ክንገብር ኣሎና ንህግደፍ ዕድሚኡ ነሕጽረሉ ኣቛራጭ መገዲ ዳህሲስካ ዕጥቅኻ ተደልድለሉን ተቓውሞኻ ተደንፍዓሉን ሕብረተ ኤርትራዊ ዜጋ ዝናደየሉ  ድሕነት ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኹሉ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዕላማ ጌርካ ኣማራጺ ዘይ’ብሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጥራሕ እዩ።

     ዝኸበርኩም/ክን ተቓወምቲ ክኽሰብ ዝነበሮ ኩነታት ብሰንኪ ዘይ ምስራሕ ምቹእ ክነታት ንተቅምና ክውዕል ዝግቦኦ ህግደፍ መዝሚዙዎ ጎራባብቲ ሃገራት ክንሕግዘኩም ሓድነትኩም ኣርእዩ ኢሉም ምኽሮም ዝልግሱ ዝነበሩ ዘይ ውራዮም ነቶም ሰብ ውራይ ተቓውሞ ብዙሕ ጺዒሮም’ዮም ጸማም እዝኒ ተዋሂቡ ስጋብ ምኽሮምን ሓገዞምን ከም ዝንገፎም ገይረን ዝምድናታተን ከሲረን ኣብ ዓዘቅቲ ቑጠባ ከም ተሸኼላ ሩኡይ ዘየማትእ ክሉና ንሳማምዓሉ እካ እንተኾና ከም ተመኩሮኸ ተማሂርናሉዶ???

ሕጂውን ምትእትታው ኣብ ሶማል ምስ ግብረ ሸበራ ዝተገብረ ብህግደፍ ክንሕዞ ዘለና ሓይሊ ዝምድናና ክነደልድለሉ ዘለና ወገን ዋሕስ ቁጠባና ከነራጋግጸሉ እንኽእል ሃዋሁ ተፈቲሩ እነሆ ክሳብ ሕጂ ውን ንግብረ ሸበራ ይሕግዝ ኣሎ ስርዓት ህግደፍ ዝብል ጹሕፍ እምበር ምስተን ኣንጻር ግብረ ሸበራን ብግብረ ሸበራ ዝተሃስያን እንታይነት ተግባራት ህግደፍን ገሊጸን ዝኸሰበኦ ሓይልን ማሕበረሰብ ዓለምን የብለን ንባዕሉ እዚ ኹነታት እዚ ከምቲ ዝሓለፈ ንጠቕሚ ተቃወምቲ ሙቹእ ኩነት’ዩ ግን ዝጥቀመሉ ኣይ ረኸበን መን ምስ ተጓየየሉ ኣንታይ ኣማሊኡ ኢዩ’ኽ ኹጓየ በቢ ናፍጣኻዶ ይጓየ እዩ መንዩኸ ክሰምዖም ነዚ ኣብ ግምት የእቲና ኢና ኽ’ኣ ሓድነት ኢልና ክንጭድር ዝጸናሕና።

ኤ.ሃ.ዲ.ክዳን ሕጂ ውን ንየካቲት 2007 ጉባኤ ይገብር ኣሎ   ነንሕድሕዶም ዝማራረጹሉ ተሓጺሩ ዝተርፍ ጉባኤ ድዩ ዋላስ ብሓድሽ ቅዲ ሃገራዊ ቃልሲ በሊሑን ተሳሒሉን ተመኩሮኡ መዚኑን እቶም ብዕላማን መትከልን ዝራኸቡ ብሓንሳእ ከም ናይ  ግንባር  ድሕነት ውድባቶም ዘይ ጸናብሩሉ ምኽንያት ኣንታዩ?  እዛ ጉባኤ እዚኣ ከምተን ዝሓለፋ ጉባኤታት ምሕዝነት’ን ኪዳን’ን ከም’ኤን ኮይኑ ንኸይተርፍ ብዕላማ ምሳኻ ዘይ ይሳማማዕ ሓቂፍካ ተመሊሹ ዝወግ’ኣካ ብሓንሳብ ምኻድ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቁብል ኣይ ኮነን።

ዓቢ ሃገራዊ ስክፍታ   ኣብ ቻርተር ምሕዝነት ቁጽሪ 3ን4ን ዘለዋ ክታኻኸል ዘለዎ ጉዳዩ ካቡ’ኡ ሓሊፉ ኣብ ምህራም ንህግደፍ ዘይ ይሳማሙዑ መስራቲ ጉባኤኦም ከም ዘራጋገጾ ናይ ጸገና እምበር ንፍጹም ለውጢ ከምዘይ ኣምኑ ኣሚቶምን ኣብሪሆምን ከለዉ ሰልፊ ዲሞኩራሲ ንሰማዒ ገረሞ ኣባላት ኪዳን ኩኾኑ ድጉል ትሕቲ ባይታ ዘሎ ሕቡእ ኣጀንዳ ክሳብ ዘይተዳህሰሰ ምሕዝነት ሃረምቶም ይሕብሕቡ ከም ዘለውዩ ንህዝቢ ዝርዶኦ ኣብ ዝተፋላለዩ ኣባላት ተቓወምቲ ድማ እዚ ስክፍታ ኣሎ።

ኪዳን ማሕላዩ  ብሓንሳእ ኬና ንስራሕ ኢልካ ተሳማሚዕካ ከተብቅዕ ግደፍዶ ብሓንሳብ ኬንካ ተጻኢ ጸላኢ ክትሃርምስ ናይ ጸላኢ ውልቀ መላኪ ኩርኩር እውን ብሓንሳብ ኲንካ ስግምቲ ክሳብ ሕጂ ኣይ ተወስደን ኣይተሰምዔን ዋላውን እኮ ብሓንሳብ ኣብ ኣገዳስቲ ሃገራዊ ግዳያት ብሓንሳብ ክጽንብላ ኣይ ካኣላን። እሞ ኸድ’ኣ ኣበዩ ዘሎ እቲ ኪዳን ዝብል ሽም ማሕላ ንህዝቢ ቃላት ምሂዝካ ምብሳር ጥራሕ ዋጋ ሸርፉ ዕዳጉኡ ሑሱር ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ካልእ ከሳጋግረና ኣይክእልንዩ።

      ብሓንሳብ ክስራሕ እንተ ተወሲኑ ቅድም ቅዳድም ኪዳን ነብሱ ይስራዕ ኣብ ዓለም ጉለባል ዘለዉ ኣባላቱ ብሓንሳብ ኩይኑ ከ’ሰርሕ እንተ ኾይኑ ስርሩዑ የካይድ ኣብ ዓለም ነውሰከፍ ሃገር ከም እምባሲ ዝዓይነቱ ውክልና ይግበር ናይመን ውድብ ውኪል ብዘየገድስ ብሓንሳእ ክንሰርሕ ዝብል ሽም ማሕላ ኪዳን ካብ መረጽና ኣብ ማሕላና ንጽናዕ።

 

 ግልጽነት   ከምዚለ ጉድለታትና ብምትንካፈይ ነዚ ግድለታት እዚ ሩኡይን ቁሉዕን ከይ ገበርና ናብ መንገዲ ዓወት ከምዘይ ንበጽሕ ካብ ዘለኒ ሓጺናዊ እምንቶዩ፡ ነዚ ብቓልዕ ብምውጹኡ ግን ከም ኣልታዊ ገይሮም ዝሪእዎ ኣለዉ ግደ ሓቂ ኽ’ኣ ቃልዕ ኣዛራርባን ቃልዕ ጹሑፍን ማንም ክህበካን ክኸል’ኣካን ዘይብሉ ጸጋዊ መሰል’ዩ ንዝሰርሔ ክንእድ ዝደቀሰ ከነባራብር  ታራናዩ ታራና ከይ ተጻወትና ንታራ ካልእ  ኣማዕዲና እቫልወይት ክንገብር ቅንዕና ዘለዎ ኣይኮነን ስለዚ ንሕና መዋእልና ተቓሊስና መዋልና ኣብ ስደት ዓድና ከይ ረኤና ከም ጋቢ ክንበሊ ኣይኮናን ክንገብሮ ዘለና እና ኣማላኣና ክንዛረቦ ዘለና ንምዕባሌና ብዘይ ሕብእብእ ግልጽነት ኣብ ቃልሲ ክጅመር ኣለዎ ሽዓብያ ብዓንተቦኦም ግልጽነት ስለ ዘይ ኣታኣታተዉ ኢሳያስ ዝገብሮ ዝነበረ ተንክልን ዝፍጸም ዝነበረ ገበንን ሓሶትን ስለ ናብ ቃልዕ ዘየውጹኡ ፓፕሊክ ሬከርዱኡ ሕቡእ ስለ ዝነበረ ከም ቁኑዕ ተሓሲቡን ተኣሚኑን ኣብ ኩርሲ ምስ በጽሔ ሓይሉ ምስ ኣደልደለ ኣርሓ ዝሰወደ ሕጊ ዘይ ብሉ ውልቀ መላኺ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዚ ሕጂ ድከታ ሲሒና ዘላ ሃገርና ኤርትራ ህያው ምስክር ዶ ኣይኮነን ።

    መልእኽቲ ንኹሎም መሰረታት ኣባላት ኪዳን  ነቲ ዘይ ሕለል ጹኑዕ ቁዱስ መርገጽና ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብና ደው ዝበልናሉ ተቓዉሞና ሃናጺ ዝኾነ ናይ ስምረት መልእክቲ እነማሓላልፈሉ እዋን ጉባኤ ኺዳን ስለ ዝኾነ ብቓልዕ ብጹሑፍ ህዝቢ ኣንታይ ይብል ኣሎ እንታዩ ድልየቱ ክግበር ዘለዎን ክስራሕ ዘለዎን ተጣበቕቲ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ሕድሪ ዘይ ረሳዕኩም መር’ኣያ ናይዚ ሓቂ ዚ ዝምስክሮ ነቅ ዘይብል ሓዝጺናዊ ተቓውሞ መርገጽኩም ዝምስኩሮ ጉዳዩ ኣብ ዝሃሎና ሃሊና ብዘይ የገድስ ብሓደ ዘሳርሕ ብልሓት ገለ ካብ ኣሻሓት ሓሳብ ስለ ዘይሳኣን ሓሳባትና ካብ ብቃልዕ ምግላጽ ኣይንቆጠብ  ይናሕ ይሕጸር ብዘይ የገድስ ክንዕወት ኢና

  ናይ ኩሎም ሰማእታትና ዕላሞኦም ክሳብ ዘይ ተዕወተ

   ስቅ ዝመርገጹ እና ሰምዔ ዳርጋ ብደው ከም ዝመተ

   ዓወት ንዕላማ ደም ኑጹሃት ኢርትራውያን

    ውድቀትን ዕንወትን ንህግደፋውያን

          ኣምየን…ንሽ’ኣላህ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2596

Posted by on Jan 11 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net