መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክድዓትን ስርቅን ሓሶትን ብግህዶ

ብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ

ቅድሚ ናብ ሕመረት ኣርእስተይ ምእታወይ መራሕ ሃገር ከይ ይብሎ ሃገር ክባሃል ከሎ ህዝብን ጥሪትን ዝነብረላ ከም ምዃና ተንተና ዘየድልዮ ንሳማማዓሉ ሓቂ’ዩ ንሃገር ብሙሉኡ ሰባን ጥሪታን ሓል’ዩን ሓብ’ሒቡን ብቕዋም ብሕጊ ዘየማሓድር መራሕ ሃገር ኤልና ክንገልጾ  ኣይንኽእልን ኣቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩውንነት ኢሳያስ ነታ ናቱ ፓርቲ ህግደፍ ተባሂላ ትፍለጥ ትራሕ እዩ ዝውክልን ዝመርሕን ዘሎ እንተ ቲ ኻል’እ 70/100 ን’ኣዕናዊ ስርዓቱ ብቃልዕ ዝቃወምን ብፍርሒ ሪዒዱ ብዘይ ዕግበቱ ሓዘኑ እና ተቐበለ ብሓለንጊ ግዝ’ኣቱ ኣና ተገርፈን ዝነብር ህዝቢ ናይዚ ታሓላቕን ኣላይን መራሕን ክኾውን ስለ ዘይክእል ካብዚ ተበግሰየ መራሕ ሃገር ገዲፈ መራሕ ህግደፍ ከብል ዝተገደድጉ።  

  ናብ ሕመረት ኣርእስተይ ክመልሰሙም ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ክሉኹም ከም ዝሰማዕኩሞ ተንኮልን ህውከትን ንክፍሕስ ኣብ ቀሪኒ ኣፍሪቃ ዑደት ናብ ምስሪ ገይሩ ምስ መራሕ ሃገር ምስሪ ሑሰን መባረክ  ተራኺቡ  ብድሕሪ ርክብ ሑሰን መባረክ ብቃልዕ ብካሚራ ጋዜጠኛ ምስራዊ እና ተሓተተ ኾሎ ኣብ ተለቪዥን ባዕለይ ዝሰማዕኩዎ ጉሁድ ውጹእ ሃሶት ከም ዘለዎ የቕርበልኩም።

ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ ብቅቐዳምነት ዑደትካ ናብ ምስሪ እንታዩ ዕላሙኡ ኣብሪህካ ምገለጽካልናዶ?

ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ  መምጽ’እየይ ናብ ምስሪ እዚ ሓድሽ ተረክቦ ምትእትታው ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍርቃ ነቲ ዝና ሰላምን ርጋትን ዝኽልእ ካብ’ኡ ሓሊፉ ንማእከላይ ምስራእ ኣስያ ዝጸሉ ሓደጋታት ምኻኑ ክግበር ዘለዎ ምስ ፕረሲደን ሑሰን መባረኽ ክዛራረብ እየ መጺኤ ይብል።

   ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ  ብወገን ፕረሲደንት ሑሴን መባረኽ’ከ ነዚ መምጺኣኻ ዝጠቐስካልና ዛዕባጣት ብ’ኸመይ ተቐቢልዎ?

    ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ  ስም ፕረሲደንቲ ሑሰን መባረኸ ተራዳዲኣና ኣሎና ኣሱውን ፈሊጡዎሎ እቲ ሃዋሁ ይብል።

    ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ  ምስተር ፕረሲደንት ብዛዕባ ምትእትታው ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ነቲ እስላማዊ ሓይሊ ሓገዝ ኤርትራ ኢድ ነይርዋ ዝብል ክስታት ኣሎ ነዚ ብኸመይ ትምልሰልና?

   ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ  እዚ ክስታት እዚ ካብ ሓቂ ዝርሓቕ ክሲ እዩ

ህዝቢ ሶማል ባዕሉ ሽግሩ ንኽፈትሕ ፕሎቲካዊ ደገፍ ጥራሕ እዩ ዘድልዩ ኣብ ሶማል ጣልቃን ወረራን ዘካየደ ስርዓት ኢትዮጵያ ብመሰነይታን ሓገዝን ደገፍን ኣመሪካ ኣብ ሶማል ወራር ገይሩ ነቲ ዝተቛቖመ መንግስቲ ገምጢሉ ብውጻእተኛ ብባዓል ኣመሪካ ዝምወል መንግስቲ ኣቛቒምካ ነቲ ዞባ ሰላም ምኽላእከም ተኻየደ ኢና ንፈልጥ ካልእ ልዕሊዚ ንፈልጦ ምትእታው ኢድ ናይ ዝኽነት ትኹን ሃገር ከም ዘይነበረ ኢና ንፈልጥ።

ኣብዚ ንነውሰከፍ ተዓዛባይን ሰማዓይን ዘደንጹ ጉሁድ ውጹእ ሓሶት መራሒ ህግደፍ ኣብ ሰማልያ ኢድ ኣይ ነበረንን ክብል ንመን እዩ ዘዳናግር ዘሎ ነቲ ንወያነ ባዕልና ኣብ ስልጣን ኣምጺእናዮ ባዕልና ድማ ካብ ስልጣን ከም እነውርዶ ዝታዓጻጸፍ ብቕዓት ኣሎና ዝብሎ ዝነበረንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኹሉ ክርናዓት ሓዊ ኩኣግደላ ከይ ደቀሰ ዝሃድር ዘሎ መንዩ። በዚ መልሲ ኢሳያስ ዝዳናገር እንተልዩ ህልው ክነታት ዘይካታተል ጥራሕዩ።   ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ኣካታታሊ ሕቶ መልስን ክመልሰኩም

 ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ  ኣብ መንጎ ተቓወምት መንግስቲ ስዳንን ዘር’ኣኹሞ ናይ ዕርቂ ኣውንታዊዩ  ምስ ናይ ተቓወምቲ ዳርፈር’ከ ክትቕጽልዎ ዲኹም?

   ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ ኣብ ዞባና ሰላምን ርግ’ኣትን ንምፍጣር ከይ’ተሓለለና ክንጽዕር ኢና ክብል መልሱ ሂቡ።

  ደላይ ሰላም እንተትኾውን ነይሩ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ከቢድ ሕድሕድ ናብ ሃገራዊ ውግእ ዘንጸላሉ ዘሎ

ናይ መሰልን ሃርነትን ሕትቶን ምፈትሔ ነይሩ ደላይ ሰላም ክመስል ንሱዳን ሓድነትኩም ግበሩ ኢሉ ክጭድር ከሎ ድሕረ ግምባር ተቓወምቱ ሰፈር ክኸልእ ዝገበሮ ዲብሎማስያዊ ፖሎቲካዊ መክሰቡ ድ’ኣምበር ሰላም ህዝቡ ዘይ ሓለየ ሰላም ጎረቤቱ ክዓጦ ኣይ ውራዩን እዩ።

 ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ ብዛዕባ ናታትኩም ተቓወምቲኸ ብኸመይ ትፈትሕዎ ምዓስ’ዩኸ ክፍታሕ ?

     ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ  ተቓወምቲ ዝባሃል ኣብ ኤርትራ የለውን

ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ህዝባ ብሃደዩ ንሃገሩ ዝድግፍን ዝሕግዝን ይብል ኣስዒቡ ዝስዕቦ ሕቶ ስለ ዝፈለጠ ከይተሓተተ ብዛዕባ ዲሞኩራሲ እንተ ኾይኑውን ግድን ምርጫ ጌርካ ኣይኮነን ዲሞኩራሲ ብዛእባ ዲሞኩራሲ ክንዛረብ እንተ ኾይና ክብቲ ከባቢና ዝሓሽናን ዝበለጽናን ንሕና ኢና ብዛዕባቶም ምርጫ ገይሮም ዝተመርጹ ክንሪኢ እንድሕሪ ኴና ኣብ ኤመሪካ ንጀርጅ ዳብሊው ቡሽ ህዝቢ ኣመሪካ 65/100 ኣይ ድግፎንዩ ስለዚ ማጆሪቲ ህዝቢ ዘይ ደገፈካ ናይ ምምራሕ እኮ እውን ኣሎ ኢሉ መልሲ ክህብ ከይ ሓፈረ ብቓልዕ ኣብ ካሜራ ዘለዎ ጋዜጠኛ ሓሶት ብጉህድ ንገበኑን ተግባራቱን መንጸፍ ክገብር መልሲ ዘይተሓተቶ ወሲኹ ይገልጽ።

          ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ    ኣብ መንጎኹምን መንጎ የመንን ጎንጺ ተፈጥሩ ፍታሕ ተገይሩሉ ርክብኩምከ ከመይ ኣሎ ?

ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ   ርክብናን ርክብ የመንን ብጣዕሚ ጹቡቕ ኣሎ ግንጺ ከም ዝነበረና ቐደም ተረሰዔ ጉዳዩ ሕጂ ተዛኻኽረኒ ኣሎኻ ክብል መልሱ ሂቡ።

ኣብዚ ንመራሕ ህግደፍ ክንገልጸሉን ከነብርሃሉን ዘለና እቲ ኣብ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጎንጺ ኣቡኡዝጠፍ’ኡን ዝጠሓሉን ሰራዊት ኤርትራ ግን ከምዘይ ንርሶዕም ሓላፍነትውን ኣብ ክሳድካ ከም ሰላ ክየፍለጥናኻ ክንሓልፍ ኣይንደልን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2599

Posted by on Jan 17 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net