መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክድዓትን ስርቅን ሓሶትን ብግህዶ

          2ይ ክፋል  ብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ

 

ኩብራት ተኻተተልቲ ብዛዕባ መራሕ ህግደፍ ኣብ ምስሪ ዝገበሮ ቃለ መጠየቕ ኣብ ዝሓለፈ ኣቕሪበ ነይረ ብናይ ግዜ ምሕጻር ግን ክሉ ከቕርቦ ኣይካልኩን ይኽን ድ’ኣበር ክቕጽሎ ከም ምዃነይ ሓቢረ ነይረ እሞ ናይ ሎሚ ካላኣይ ክፋል ሓተታን መልስን ከቕርበልኩም ምስ ዘለኒ ግዜ ኣጻቢበ ተፈደሉ።

  ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ?  ምስተር ፕረሲደንት ኤርትራ ምስ ሃገራት የዕረብ ኣባልነት ኣለዋ ክባሃል ንሰምዕ ኣባልነት ሃገር ኤረትራ ናብ ሃገራት የዕራብ ሓቂድዩ?

 

   ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ   እወ ኣባላት ሃገራት የዕራብ ኢና ክብል መልሱ ሂቡ።

 ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ  ሕቶ ? ምስተር ብረሲደንት ኣብ ጉዳይ ፈለስጢም ምስ እስራእየል ዘሎ ግርጭት ብወገንካ እንታይ መፍትሒ ኣሎዎ ኢልካ ትሓስብ እስከ ሓሳብካ ብሓጺሩ ግለጸልና?

 

ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  ኣነ ንጉዳይ ፈለስጢም መፍትሒ ክረክብዩ ኣብ ማዓሉቡኡ ክበጽሕዩ ዝብል እምነት የብለይኒ ክብል መልሲ ሂቡ።

 

ሓታቲ ጋዜጠኛ ምስሪ ኣስዒቡ ሕቶ?  ስልምንታይ  እንታዩ እቲ ምክንያት?

 

ብኢሳያስ መራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተዋህበ  መልሲ  ጉዳይ ፈለስጢም ኣመሪካ ስለ ዝ’ኣተወቶ ኣመሪካ ዝ’ኣተዎቶ ጉዳይ መፍትሒ ክረክብዩ ዝብል ትጽቢት የብለይኒ።

 

            ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መቸም ከም ኩሉኹም ትፈልጥዎ ግዳይ ሃገርና  ኣነ ናይ ቅርህንትን ጸለመን ጠቕነን ዘይኮነስ እቲ ሓቂ ኣብ ኣርእስቲ ዝጠቕስኩዎ ኣርእስቲ መግለጺ መራሕ ህግደፍ ከም ምኻኑ ከብርህ ይፍቱ።

1.  ብዛዕባ ክድዓት

2.  ብዛዕባ ስርቂ

3.  ብዛዕባ ሓሶት

እዘን ሰለስተ ነጥቢ እዚኤን በቢ ነጥቢ ብሕጽር ዝበለ ጭብጣዊ መርቶዖ ነውሰከፍ ሓቀኛ ዜጋ ዝዓግበለንን ዝሳማማዓለን ከም ምዃኑ ርግጸኛ እኮ ትራጋገጸ እኳ እንተኾነ ነቶም እናረኤዩ ዝዓወሩ ነቶም እና ሰምዑ ዝጸመሙ ነቶም እናፈለጡ  ዘስቐጡ ንምብራህ ዝ’ኣክል እየ’ሞ ናብ ነጥበይ ክመልሰኮም።

1. ብዛዕባ ክድዓት እዚ ናይ በለጽ ማዕከን መራሕ ህግደፍ ንዕላማ መስዋእትን ስንክልናን ተኸፍሎ መብጻዓታት ኪሕዱ ዋጋ መስዋኣትን ስንክልናን ኣብ ክንዲ ንሃገራውን ህዝባውን ረብሓ ዝውዕል መብጻዓ ጠሊሙን ኪሒዲን ንረብሓ ስልጣኑ ገይሩ ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ሽግርን ጸበባን ሕሰምን መከራን ተደመሮ ንህዝቢ ብጽልእን ቅርሕንትን መቓቂሉ ኣብ ድቕ ዝበለ ዓዘቕቲ ሸሚሙ ዋጋ መስዋእትን ስንክልናን ዋጋ ሃላኽ ገድላዊ ጻዕርን ናብ ግለ ረብሑ’ኡ ኣውዒሉዎ ከምዘሎ ግደፍዶ ኤርትራዊ ዜጋስ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ዓገብ ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ ውቕቲ ኢና ዘለና ካልእ እትረፍስ በዳልን ተበዳልን ብሕጊ ዝዳነዩሉ ቅዋም ተሓሪሙስ ኤርትራ ህዝባ ብሓለንጊ ህግደፍ እና ተገርፈ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ህግደፍ ተቖሪኑ ምስ ሕላገት ጹዖቱ ይነብር ኣሎ።

 

2.  ብዛዕባ ስርቂ   ተሕቢኡ ተኸዊሉ ዘይ ክነስ ብዘይ ቅዋም ሕጊ ብምልኪ ሓይሉ ንብረት ህዝብን ርስቲ ህዝብን ዝምንዝዕ ካብ ሽፍታ ሰራቒ ምባል ሓሊፍና ካልእ ሽም ህሰስ ኢልካ መግለጺ ክትረኽበሉ ኣይ ይካ’ኣልንዩ ገለ ዕድመ ዝደፋእኩም/ኽን የሕዋት ኣሓት ብ60ታት ብሸፋቱ ብረት ዝዓጠቑ ተኸቲርኩም ትኾኑ ዋይ ዝተኸትሩ ሰባት ትፈልጡ ትኾኑ ሸፋቱ ቐደም ብረት ስለ ዘሎዎም ኣፋራሪሖም’ዮም ከቲሮም ገንዘብካን ንብረትካን ዝወስዱልካ እዚኦም ሸፈኣቱ ሰረቕቲ ይባሃሉ።

 

መራሕቲ ህግደፍ ክኣ ብረት ስለ ዝዓተቑ ርስቲ እንዳ ማቶም መንጢሎምን መንዚዖምን ይሸጡን ይልውጡን ኣለዉ ንብጹሓት መንእሰይ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ካብ ናብሮኦም ኣዛናቢሎም ንስልጣኖም ክሕሉዉ ብሓይሊ ይውስድዎም ብድሕሪዚ ማዓልቲ ወሲዶም መሊቖም ናብ ስደት ይሃድሙ ብድሕሪዚ ደቕኹም ንስልጣና ምሕላው ኣብዮምና ሃዲሞም ብዝብል ዘይ ምኽኑይን ዘይ ቅቡልን ተመሊሶም ናብ ስድሮኦም ከይዶም ደቁኹም ሃዲምሞም እሞ ሓላፍነት እሱኹም ኢኹም ትስከሙ ክብሉ $50.000 ናቕፋ በስገዳድ ትኸፍሉ ኢሎም ነስድራቤቶም ኣደራዕ ይወድቁዎም ናይ ብሓቂ ብዘይ ቅዋም ሕጊ ዝኸይድ መራሒ ህግደፍ ካብቶም ናይ 60ታት ሸፋቱ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ በረኻ ጫካ ስለ ዘይሰፈረ ጥራሕ እንተ ዘይ’ኮይኑ ባህርያቱን ጠባያቱን ልምዱን መግለዚኡን ክብቶም ናይ ሱሳታት ሰረቕትን ከተርትን ሸፋቱ ካብ’ኣቶም ከም ዘይ ፍለ ብሓቂ እዚ ንዕዘቦን ንምልከቶን ዘለና እኹል ገምጋም’ዩ።

 

3. ብዛዕባ ሓሶት   መራሕ ህግደፍ ጉልባብ መኸወሊ ዘይቡሉ ሓሶት ስንቁ ኣብ ቦኽሪ ምልኪ ስልጣኑ ዝተዛረቦ ኣብ ኤርትራ ብውድባት ኣልዕልካ ክትዛረብ ሓሸውየ’ዩ ሕጂ ውድባት ዘየለዋ ውድባት ክንጭጭሕ ኣይኮናን ክብል ሓሰቱ ሰሚዕናዮ። ኣብዚ እዋንዚ ንመምዘኒኡን  መፈዲሒኡን ኣብ ምስሪ ኣብ ዝኸደሉ ብዛዕባ ተቓውምቲ ኤርትራ ብኸመይ ክትፈትሕዎ ኢኹም ምዓስዩኹም’ከ ክትፈትሕዎ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ተቓወምቲ የብልናን ክብል ውጹእ ሃሶት ክሕሱ ሰሚዕና። መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክድዓትን  ስርቅን ሓሶትን ብግህዶ ኢለ ኣርእስቲ ዘመረጽኩሉ ምኽንያት  ክ’ኣ ስዓብትን መጣቃዕትን ህግደፍ ካኣ ይውሓተልኩም ኣይዋሓጠልኩም እዚዩ እቲ ሓቂ።

 

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትን ንስንኩላትን

   ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2601

Posted by on Jan 23 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net