ዘይእዉጅቲ፡ ርእሲ ከተማ ኤርትራ !!

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ 1994/95 ኤርትራ ክትመሓደሩ ዘለዋ ቅርጺ ንምቕያር፡ ካብ ዘካየድ ጻዕርታት ሓደ ነበረ። “ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ፡ በይኑ ዝጎይዪ ዝቅድሞ የብሉን” ከም ዝበሃል ምስላ ከኣ በቲ ዝቅረቦ ሓሳብ ተዓዊቱ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም ማእከል ሃገራዊ ባህላዊ ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ኣውራጃታት፡  ከም’ቲ ህጻናት ኣሻኻኻት ዓለም ኢሎም ዝሳሓቕሉን ጸወትሉን፡ ኣውራጃታት ብምብራቕ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ፡ ብምዕራብ፡ ክብል ምስ’ቲ ናይ  ክሊማት ሰብ ሞያን፡ ብስነ ምድራዊ ኣቐማምጣ ዝመራመሩ ምሁራት ዝጥቀምሉ ኣስማት ኣጠመቐ።

 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 25 ጥሪ ሕታም ካብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡

 

      ”ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣህጉራዊ ምዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ዝተበገሰሉ፡

            ሚኒተራት ዝርከብዎም ሰብ-ስልጣን መንግስቲ ኣፋንዮምዎ”  ትብል።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ነዚ ጉዳይ ከትኣታቱ እንከሎ፡ ከም ቀዳማይ ዕላማ ዘቐምጦ፡ ስልጣኑ’ምበር፡ ንማሕበራዊ፡ ንቁጠባዊ፡ ዕብየት፡ ንፖለቲካዊ ገልሉነት ከም ዘይነበረ ዝስሕቶ ሰብ ኣይነበረን።

ኤርትራ ነቲ ዝነበራ ባህላዊ፡ ልምዳዊ፡ ስልማት ቐንጢጦም ጥራሕ ኣይኮነ፡ ታሪኻዊ፡ ኣመጻጽኣ ደቐ’ባት ናይ ሎሚ ኤርትራ’ውን ፈጺሙ ዝሰረዘን ዝደምሰሰን ውሳኔ ምንባሩ’ዩ።

ሓደ ንነጻነት ዝተጋደለን መሪር ኩነት ዘሕለፈ ውድብ፡ ነዚ ውሳኔታት ክሕልን ፈጽምካ ትርጉም፡ ትምህርቲ፡ ተምክሮ ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ፖለቲካዊ መግለጺ’ዩ። ብኣንጻሩ ዓለምና፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ነውጽን ኵናትን፡ ዝተነጻጸሉ ሕብረተ ሰብ፡ ክኣኻኽብን፡ ክተሓዋወሰን ኽሓብርን፡ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ነቲ ናይ ሓባር ዝውንንዎ ታሪኽ ክዕቅቡ ክፍትኑ እንከለዉ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከኣ ኣብ ኤርትራ፡ ምስ’ዚ ኩሉ ዝሓለፈ መግዛእትን፡ ህሰም ናብራ፡ ስደት፡ ቅትለት፡ ማእሰርቲ ንዝተዓቐበ ታሪኽ ብገዛእ ደቃ ክትዝረጉን ክትብታትኑን ክትርኢ እንከሎኻ፡ ካብ’ቲ ዝሕዝን ተርኽቦ ፍሉይ መድረኽ ፖለቲካዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዝሕብረካ።  ካልእ ትውስኸሉን ትብሎን የብልካን።

ግን ከኣ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ካብ’ቲ ዝሕጉሰካ ነገር ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰማማዓሉን ዝድግፎን፡ ዝተጸነበሮን ስለ ዘይኮነ፡ እቲ መደብ ምስ ምዕናው እዚ ስርዓት ከም ዝጠፍእ ምዃኑ ታሪኽ፡ ርዱእ ምዃኑ’ዩ።

ሓደ ካብ’ቲ ሎሚ ብዘይተፈልጠን ዘይተኣወጀን ኣገባብ፡ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ከተማ ባጽዕ ኮይና ምህላዋ’ዩ። ባጽዕ ትኹን፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ዓሰብ፡ ናቕፋ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ኣቁረደት፡ መንደፈራ፡ ኩለን ሓደ ዝብጽሓና ከተማታት’የን፡ ፍሉይነት የብሉን። እንተዀነ እቲ ዘሕዝን ኣብ ነጻ ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ታሪኹ ዘለዎ ዝድምና፡ ምስ ክህልዎ ዝግባእ ነጻነት፡ ብወግዕን ድሌትን፡ ክእውጅ ዘይምኽኣሉ ጥራሕ’ዩ።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ዕላማታቱ ንመሰል ህዝቢ ክሕሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህዝቢ ምክፍፋል ከተኣታቱን ዘይምርድዳእ ክፈጥርን ዝተዓጠቐ ስርዓት ስለ ዝዀነ ነዚ’ውን ህዝቢ ኣቃሊብሉ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ቀንዲ ዘበገሰኒ ጉዳይ ክምለስ፡ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ድሕሪ ተርኽቦን ቅንጸላን ዓዲ ኣበይቶ፡ ናይ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣኼባ ብቀጥታ ኣብ ባረንቱ ኣካይድዎ፡ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ባጽዕ ከካይዶ ምጅማሩ ኣብ ብዙሓት ወገናት ኤርትራ ብዙሕ ሕቶታት ኣልዒሉ’ዩ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝምድናታት ህዝብን መንግስትን፡ እንዳኸፍአ ኣብ ዝከደሉ ዝነበረ እዋን፡ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዝዀነ ይኹን ኩነታት ካብ ህዝቢ ክመጾም ዝኽእል ተጻብኦታት እንጽርጽሮትን ተቃውሞን ንምክልኻል፡ ኣብ’ቲ ክቆጻጸርዎ ዝኽእሉ ቦታ ክጸንሑ ስለ ዝነበሮም፡ መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንባጽዕ ክግዕዝ ተገደደ። ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከኣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ታሪኻዊት ባጽዕ ኣብ ትሕቲ ጉልባብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዋና ከተማ ኤርትራ ኮይና ተገልግል ኣላ።

ነዚ ኣብነት ዝዀውን ድማ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቒ ካብ ባጽዕ ተበጊሱ፡ ናብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ይብገስ ምህላው ሓዳስ ኤርትራ ትሕብሮ ዘላ’ዩ። ስለ’ዚ ኩሉ ምስ ፕረሲደንት ክራኽብ ዝደሊ ባጽዕ ክወርድ ግዱድ’ዩ።

መደምደምታ

ዋና ከተማና፡ ንቱሩብሊ ወይ ከኣ ንመቓድሾ ፡ ኣይትግዓዝ’ምበር ከተማ ባጽዕ ምስ ዘለዋ ሕቝፊ ሃብታም ታሪኻዊ ሕቆ ፡ ብቕዓት ከተማ ባጽዕ ንማንም ኤርትራዊ ዝሕጎስ’ምበር፡ ከም ዘይሓዝንን ዘይጕሂን፡ ፍሉጥን ርዱእን’ዩ።

ሰላም ምስ ኩሉ

29 ጥሪ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2604

Posted by on Jan 29 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net