ዓመተ 2006 ብሚሔ

ምትኽኻእ ካልኢታት ናብ ደቃይቅ፡ ደቃይቅ ናብ ሰዓታት፡ ሰዓታት ናብ ማዓልታት፡ ማዓልታት ናብ ኣዋርሕ፡ ኣዋርሕ ናብ ዓመታት ግድን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሂወት ውልቀ-ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ሃገርን ኣህጉርን ናይ ጊዜ ሰሌዳ ዓቢ ተራ ይጻወት። ኣብ’ዚ ውሽጢ’ዚ ሕጊ ተፈጥሮ ኮንና ኢና፡ ዓወታትናን ድኽመታትናን እንግምግም።

ሂወት፡ ናታ ኣካይዳን መስርሕን ስለዘለዋ ሰባት ኣብ ውሽጢ’ዚ እንዳ ሓንበስና ኢና እንነብር። ሂወት ጸገማት ትድርብየልካ፡ ጸጋታት ተፍስሰልካ። ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ’ዚ ይተሓጋገዙ፡ ይተዓማመጹ። እዚ ስለዝኮነ ድማ ኣብ ዓለምና ዝዕምጽን ዝዕመጽን ክህሉ ግድን’ዩ። ብሰሪ’ዚ ድማ ገለ ዓማጺ፡ ተዓማጺ፡ ተቃላሳይ ክህሉ ግድን ይኸውን።

ዓመት እንክውዳእ፡ ወዮ ዓመት ከመይ ነበረ ምባል ልቦና እዩ። ማዕረ ክንደይ ማዕቢልናን ንቅድሚት ሰጉምናን፧ ዝኣመምናዮምን ዝተለምናዮም ነገራትን ከነዐውቶም ክኢልናን ድክመታትና እንታይ ኔሩ ክንግምግም ዝሕግዝን ነገር እዩ። ውልቀ-ሰባት’ዃ ዓመት መጸ ናይ ውልቂ ነፍሰ ተፍታሽ ዘካይዱን፡ ነቲ ድክመቶም ገምጊሞም ሓድሽ ዓመታዊ እማመ ምውጻእ ዝህቅኑ’ሲ፡ ከም ሃገርን ህዝብን መጠን፡ እስከ ኤርትራዊያን ኣብ 2006 እንታይ ጌርና ንበል፧ ነዚ ምስ ገምገምና ድማ ንዓመተ 2007፡ ብሓድሽ ኣተሓሳስባን መደብን ንክንገጥማ ንኽእል።

ኣብ እንግምግመሉ እዋን፡ ዓቅምና ብዘፍቀደልና ሓቀኛ ስእሊ እቲ ዓመት ከነቀምጥ ይግባእ። ስምዒታዊ ገምጋም ምስ እንገብር ኣብ ጌጋ ንኣቱን ዝምቡዕ ናይ ስራሕ መደብ ነውጽእ። ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ናይቲ ስራሕ ሕማቅ ይኸውን። ንኩነታትናን ኩነታት ሃገርና ኣብ እንግምገሉ እዋን ከፊላዊ ክኸውን ኣይግባእን። ንክሎም ሮቃሒታት ኣብ ግምት ምእታው ኣጋዳሲ’ዩ።

ንፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና ኣብ እንግምግመሉ እዋን፡ ንሕብረተሰብና ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታ ምምዳብ ይክኣል። እቶም ክልተ ክፋላት፡ ንመንግስትነት ኤርትራ ተቆጻጺሩ ዝርከብ ህግደፍን ንዕኡ ኣብ ምቅዋም ዝርከባ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት፡ በርገሳዊያን ማሕበራትን፡ ውልቀ-ሰባትን ዝርከብዎ ደምበ ተቓወምቲ እዩም። ነዞም ክልተ ክፋላት ብርትዓዊ መገዲ ክንግምግም እንተኺኢልና፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብኸመይ ይመሓየሽ፧ እንታይ እንተገበርና’ዩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፍትሕን ዲሞክራስን ክረጋገጽ ዝክእል፧ እንታይ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ እንተተጠቀምና’ዩ ኸ ዝሕሸና፧ ዝብሉን ካልኦት እስትራተጂካዊ ረብሓ ዘለዎም ሕቶታት ንምምላስ ይሕግዝ። ጽፉፍ መደብ ዕዩ ኣውጺና ድማ ዓመተ 2007  ብዓወት ክንዛዝሞ ንክእል።

ህግደፍን ንጥፈታቱን ኣብ 2006፡

 

ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ብስነ-ሞጎት ሓይሊ በትረ-ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ስርዓት እዩ።  ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ማዓስከር ወተሃደራት ቀይሩ፡ ንኩሉ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር  ብምእታው፡ ኣብ ዲቅ ዝበለ ወተሃደራዊ ምልኪ ሸሚምዋ ይርከብ። እቲ ግንባር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ዋና-ጻሓፊ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ውሑዳት ሳዓብቱን ወዲቁ ይርከብ። እቲ ግንባር ዳርጋ ፍሉጥ ወግዓዊ ኣኼባታት ፈጻሚት ኮሚቴ ይኹን ናይ ባይቶ ኣየካይድን። ስለ’ዚ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም፡ ብሃውሪን፡ ዊንታን ድሌትን ሓደ ውልቀ-ሰብ’ያ ትምራሕ ዘላ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ንኩሉ ኣባል ህግደፍ ብሓደ ዓይኒ ከም ረገጽቲ ምጥማት ግን ቁኑዕ ስነ-ሞጎት ኣይኮነን። እቲምንታይሲ ዝበዝሑ ኣባላት ህግደፍ ግዳያት እቲ ስርዓት እምበር፡ ዝከሰቡ ሰባት ኣይኮኑን። ስለዚ ህግደፍ ኣብ ዝብሃለሉ ጊዜ ነቲ መርሒነት ዘቶኮረ ኣጻዋውዓ ሙዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

1.     ውሽጣዊ ጉዳያት

ኣብ ዓመተ 2006 ህግደፍ ካብ ዝሰርሖም ነገራት እንተሪኢና፤ እቶም ዝተሃንጹ ጽርግያታትን ዲጋታትን ገዲፍካ፡ ንሰብኣዊ ዓቅሚ እቲ ሃገር ንምሕያል ዝተወስደ ስጉምቲ ኣይነበረን ክብሃል ይካኣል። እቲ ዝተሰርሐ ዲጋታት፡ ጽርግያታት ብቁጽሪ ብዙሕ ሙዃኑ፡ ዓብን ነባሪን ፍታሕ ህዝቢ ገጠራት ኤርትራ ክኸውን’ዩ። እንተኸነ፡ እዚ ዲጋታት ብመጽናዕቲ ዝተሰርሐ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ ሕርሻዊ እቶት ህዝቢ ዘለዎ ጽልዋ ግን ዝተፈልጠ የለን።

ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሎ ሓቂ ግን ኩሎም ምልካዊያን ስርዓታት፡ ህዝቢ ብቀረባ ክርእዮ ዝክእል ዲጋታትን ጽርግያታትን ብምህናጽ ንህዝቢ የደናግሩን ህቡብነት የጥርዩን። ህግደፍ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ’ዩ ህዝቢ ካብ ዕብይ ዝበል ፖሊቲካዊ ሕቶታት ብምግላስ፡ ኣብ ንእዋኑ ዘብለጭልጭ ነገራት ከምዘተኩር ዝገብሮ ዘሎ። ፕረሲደንት እቲ ስርዓት ካብ ኣብ ካልእ ዕብይ ዝበለ ነገራት ዘተኩር፤ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ብምጉዓዝ፡ ኣስታት ዓሰርተ ዝበጽሑ ዲጋታት ምምራቑ ዘምስክሮ ሓቂ እንተሃለወ፡ ነዚ ጉዳይ ከም ዓቢ ናይ ፖሊቲካ ኣቅሓ ይጥቀመሉ ከምዘሎ’ዩ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ስኢንዎ ዘሎ ኽብሪ ንምሕዳስ፡ ናብራ ህዝቢ ዘገድሶ መራሒ ንምምሳል ዝጥቀምሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃልኪ እዩ።

ውጽኢቱ ቀስ ኢልካ ዝርአ፡ ብብሻ ዝፍለጥ ትካል ዝግበር ዘሎ ናይ ማዕድን ምድህሳስ ገዲፍካ፡ ካልእ ኣብ ቁጠባ ሃገር ጽልዋ ክህልዎ ዝክእል ወፍሪ ኣይተራእየን። ህግደፍ ኣውፈርቲ ንምስሓብ ኢሉ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ናይ ፖሊሲ ምቅይያር ስለዘይነበረ፡ ቁጠባ እቲ ሃገር ንቁልቁል ተኖቁቱ፡ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ድኽነት ይርከብ ኣሎ። ስጋብ ሕጂ ቁጠባዊ ፖሊሲ እቲ ሃገር ከመይ ኣሎ፧ ኣብ ዓመት እንታይ ወጻኢታት ተጌሩ እንታይከ ኣታዊ ኮይኑ፧ ዝፈልጥ የለን። እታ ሃገር ብሃውሪ እያ ትጓዓዝ ዘላ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ካብ ዳህሳስ ማዕድን ይኹን ካልእ ወፍሪ ዝተረክበ ኣታዊ ናብ ጥቅሚ ህዝቢ ክውዕል ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ። በዚ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፡ መህጠር ጁባ ውሑዳት መራሕቲ ህግደፍን ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ንምጽናሕ ዝውዕል ኣታዊ እዩ።

ብዓይኒ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2006 ዝተራእየን ዘሎን ድኽነት ምስ 1990 ኣብ ጊዜ ደርግ  ዝነበረ ድኽነት ይማሳሰል። ሰብ ኣብ ምዕቡል ጊዜ ሪጋ ባኒ ይውዕል። ብዙሓት ስድራ-ቤታት ጠዋሪ ዘይብለን ስለዝተረፋን፡ ደቀን ኣብ ሃገራዊ ክተት ካብ ዝኣትዉ ስጋብ ሕጂ ስለዘይተጣየሱን ካልእ ኣማራጺ ስለዝሳኣና ኣብ ምልማን ተዋፊረን ይርከባ። ቁጽሪ ለማኖ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ ኣብነት‘ዩ። ነዚ ሕምቀት ንምሽፋን መሪሒነት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ናይ ሓሶት ዘመተ የካይድን ብቀጻሊ ነጋዶ ይኣስርን ኣሎ። እዚ ግን ግዝያዊ  እንበር ዘላቂ ፍታሕ ኣይኮነን። ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ዝላዓለ ጠርዙ ስለዝበጽሐ ኣብቲ ሃገር ዳርጋ እትንቀሳቀስ ናይ ግሊ መኪና የላን። ከም ውጽኢቱ፡ ሕጽረት መጓዓዝያ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

እዚ ንቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ዝምልከት ኮይኑ፡ ንምምሕዳር ዝምልከት ግን ካብ ቁጠባዊ ኩነታት ዝኸፍአ’ዩ። እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕንደራ ወተሃደራዊን ጸጥታዊ ሓለፍቲ ህግደፍ ሰለእትርከብ፡ ግፋን ጭውያን እዚ ኢልካ ክቁጸር ኣይክኣልን። ከተማታትን፡ ቤት-ትምህርትታት ከም ማዓስከር ጸላኢ ተቆጺረን፤ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከም ናይ ጸላኢ ሰራዊት ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ከረን፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕን ካልኦትን ንምግፋፍ ቤት_ምህርቶም ተከቢበን፡ ተማሃሮ ተሃዲኖም። እቶም ተዓላሞ ኣብ መንጎ ትምህርቶም ምግፋፎም ጥራይ ከይኣክል፡ ንታዕሊም ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ምስ ስድራ-ቤቶም ዝኾነ ዓይነት ርክባት ክገብሩ ኣይተፈቀደሎምን። ካብ ማዓስከራት ሃዲሞም ንሱዳን ከይኣትዉ ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝርከብ ኪሎማ ዝብሃል ቦታ ከምዝዕለሙ ተጌሩ። ካብኦም ክሃድሙ ፈቲኖም ተባሂሉ 60 ዝኮኑ ኣብ ቅድሚ ተዓላሞ ተረሺኖም።

ፖሊሲ ትምህርቲ ናብ ታሕቲ ሙንቛቱ ከይኣክል፡ እታ እንኮ ትካል ዝለዓለ ትምህርቲ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ብወግዒ ተዓጽያ። እቲ ዘሕዝን ድማ መተካእትኣ ብትሑት ናይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም፡ ብወተሃደራዊያን ሓለፍቲ ዝምሓደራ ኮለጃት ምትክኣ’ዩ። ዋላ’ዃ በቲ ስርዓት ዝተዋህበ ምኽንያት፡ ትምህርቲ ናብ ኩሉ ዞባታት ብማዕረ ምብጻሕ ዝብል እንተኮነ፡ እዚ ግን እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ትምህርትን ምሁራትን ዘለዎ ጽልኢ ብሽኮር ቀቢእካ ምቅራብ ጥራይ’ዩ። ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ ልዕሊ’ታ ዩኒቨርስቲ ዝነበሮ ጽልኣት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣርእይዎ’ዩ። እዚ ምዕጻው ድማ ውልቃዊ ሙዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ኣብቲ ሃገር ዝህልዎ ስምብራት እዩ። ብሰሪ’ዚ ክልተ ግጉይ ፖሊሲታት፡ መንእሰያት መጻኢኦም ዝጸልመተ ኣንፈቶም ዘይፈልጡ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ሃገሮም ጊልያታት መራሕቲ ህግደፍን፡ ግዳያት ጉጉይ ፖሊሲታት ኮይኖም ኣለዉ።

ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ሕማቅ ፖሊሲታት መንእሰያት ዓዲ ራሕሪሖም ናብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ይስደዱ ኣለዉ። እቲ ነብሶም ከማዕብልሉን ክሰርሕሉን ዝግባኦም ዕድመ ኣብ ከርተት ይሓልፍ ኣሎ። ከርፋሕ መነባብሮ ስደት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝጸልእዎን ነብሶም ንምምሕያሽን ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን የቃሙቱ ኣለዉ። ኣብ ዓመተ 2006 ካብዚ ዘስካሕክሕ መነባብሮ ንምምላጥ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝሰጋገሩሉ ዝነበሩ እዋን ጥራሕ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ኣስታት 300 ኤርትራዊያን ሞይቶም። ልዕሊ 350 ዝኾኑ ኤርትራዊያን ኣብ ሊብያ ኣብ ስግኣት ጥርዝያ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ እቲ ብማዕከናት ዜና ዝተፈልጠ ጭቡጥ ጸብጻብ’ዩ። ኣብ ምድረበዳ ሊብያ ስድራቤቶምን  የዕርክቶምን ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጥ ብዙሓት ኣለው። እቶም ዕድለኛታት ኮይኖም ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ክኣትዉ ዝክኣሉ’ውን ብጥርሑ ኣይነበረን። ኣብ ሱዳን፡ኢትዮጵያ፡ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቁጸር ዶላራት ካብ ቤተሰቦምን ኣዝማዶምን እንዳተላእከሎም እቶም ዝነብሩን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝወጹን። እዚ ብተዘዋዋሪ ነቶም ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ዘይእቶ ኣትዮም ገንዘብ ዝምእርሩ ዘለዉ ኤርትራዊያን ዓቢ ቁጠባዊ ጸቅጢ ጌርሎም ይርከብ። ሰለዚ ህግደፍ ኣብ 2006 ዝፈጸሞም ነገራት እዚኦም እቶም ጎሊሖም ዝተራእዩ እዮም።

ብኻል ሸነኽ፡ ብዘይካ ፈጣሪኦም ምምላኽ ካልእ ኣበሳ ዘይብሎም ምእመናን ኣብ 2006 ጥራይ ኣስታት 1000 ዝበጽሑ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ቤተ-ክርስትያን ኦርቶደክሳዊት ሃይማኖት ኣብ ሙልእ ቁጽጽር ህግደፍ ኣትያ ትርከብ። ፓትርያር ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት፡ ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ስርሓት ሃይማኖት ሰለዝተቛወሙ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሞባእ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ክኸውንን ነፍሲ ወከፍ ቤተ-ክርስትያን ክንደይ ዝኣክሉ ኣቅሽሽቲ ከምዘድልይዋን መንግስቲ ክውስነላ፡ ኩሉ ካልእ ዝተረፈ ናብ ዊዓ ከመልክት ሓድሽ መምርሒ ወጺ ኣብ ተግባር ይውዕል ኣሎ። እዚ ክልትኡ ፍጻሜ ቀንዲ ኣብነት ምግሃስ ናይ እምነት ናጽነት’ዩ።

እቲ ኣብ ጊዜ ስርዓት ደርግ ተጌሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ነገር ምእሳር ወለዲ’ዩ። ወለዲ ዓቅሚ ኣዳም ዝበጽሐ ውላዶም ኮብሊሉ/ላ ተባሂሎም ይእሰሩ ምህላዎም’ዩ። ኣብ ዞባ ደቡብን ማእከልን ጥራይ ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ወለዲ ተኣሲሮምን ይእሰሩን ኣለዉ። እቶም ዓቅሚ ዘለዎም ንነፍሲ-ወከፍ ካብ ሃገር ዝወጸ ውላድ 50.000 ናቅፋ እንዳከፈሉ ይወጹ ኣለዉ። እቶም ዓቅሚ ዘይብሎም ግን ንሽድሽተ ወርሒ ኣብ ቤት ማሕቡስ ይዳጎኑ ኣለዉ። እዚ ንኮራኩር ህግደፍ ካዝና መምልእን ነቲ ህዝቢ ቁጠባዊ ዓቅሙ ንምድኻምን ንወለዲ ከምዘይቀስኑ ምግባርን ነቶም ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ካብ ምቁዋም ንምዕጋትን፡ ዝተወሰደ ሓደገኛ ስጉምቲ እዩ። ድሮ ተቋውሞታት ከጋጥሞ ጀሚሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ንኩሉ ኣታዊታት እቲ ሃገር ንምግባት ዝዕላምኡ ንብውልቂ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኢንጂነራትን ኮንትራክተራትን ኣብ ቀይዲ የእትዩ። ድሮ ብዙሓት ኣባላት እንዳ ዜናን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሰራሕተኛታትን ነቲ ስርዓት ብምርሕራሕ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ዑቅባ ይሓቱ ስለዘለዉ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ብሕታውያን ትካላትን፡ በይኖም ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያን፡ ንዓዶም ገዲፎም መታን ከይስደዱ፡ ዋሕስ ክተኽሉ ዝእዝዝ መመርሒ ተመሓላሊፉስ ኣብ ተግባር ክውዕል ጀሚሩ ኣሎ።

2.     ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት

 

መሪሕነት ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኩነታት፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓመተ 2006 ዝሓሸ ስጉምቲ ከምዝገበረ ይፍለጥ። እቲ ስርዓት ካብ ኣትይዎ ዘሎ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ንምውጻእ፡ ነብሱ ንክሕሾን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝገበሮ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምጥቃስ ይክኣል። መንግስቲ ህግደፍ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተሰላሰለ መስርሕ ሰላም ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓዋሚኡ ግንባር ምብራቅ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ብወግዒ ከምዝክተም ጌሩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም፡ ግንባር ምብራቅ ሱዳን ጸጋታት ሱዳንን መዝነት ኣብ ማእላይ መንግስትን ኣውራጃዊ ባይቶታትን ክመቓራሕ ሙዃኑ ተፈሊጡ። ዛጊት መዝነት ኣማኻሪ ፕረሲደንትነትን፡ ሾመንተ መናብር ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር፡ ዓሰርተ መናብር ኣብ ባይቶታት ከሰላን ቀይሕ ባሕርን ከምዝርከብ ተኣሚሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ህግደፍ ኣብ ጉዳያት ሱዳን ብተዘዋዋሪ ጽልዋ ንክህለዎ ዝገብር ዓቢ ዓወት’ዩ ኔሩ። ነቲ ድሮ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳንን፡ ምክትል ፕረሲደንት ሳልቫ ኬር ዝረክቦ ጽልዋ ኣራጉድዎ ይርከብ። ህግደፍ እንድሕር ብኸምዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ መስርሕ ሰላም ዝዓበየ ተራ ክጻወት ጀሚሩ ንሱዳን ካብ ኣስመራ ኮይኑ ክዝውራ ክኽእል’ዩ። ስለዚ ኣብቲ ዞባ ጽልውኡ ብምዕባይ ካብ ተቓወምቲ ከጋጥሞ ዝክእል ተጻብኦታት ምሉእ ብምሉእ ኽቆጻጸር ይኽእል። በዚ ሕጂ ጌርዎ ዘሎ ርክባት ጥራይ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ዝርርብ ዳፉር ክኸውን ምኽኣሉ ዓቢ ፖለቲካዊ እስትንፋስን ተፈላጥነትን ከኻዕብት ኣክኢልዎ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ገለ ካብቶም ምስ መንግሰቲ ሱዳን ውዕል ሰላም ዘይተፈራረሙ ተቓወምቲ ሓይልታት ጽቡቅ ርክብ ስለዘለዎ፡ ንሽግር ዳፉር ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ስርዓት ህግደፍ ኣዎንታዊ ተራ ንኽጻወት ብመንግስቲ ሱዳን ከምዝተሓተተን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ሒዙ ይሰርሓሉ ከምዘሎን ይፍለጥ። ነቶም ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ዳፉር ወይ ብቐስበን ወይ’ውን ብፍትወት ነቲ ውዕል ሰላም ከምዝፍርሙ እንተጌሩ፡ ኣብ ሱዳን ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ክገፍሕ ይክእልን ቀንዲ ተዋሳኣይ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን’ዩ። ኣብ ህዝቢ ሱዳን ዓቢ ህቡብነት ክረክብ’ውን የኽእሎ። እንተኾነ ግን ኣብ ጉዳይ ዳፉር ከም ኣብ ናይ ምብራቅ እቲ ጉዳይ ብቀሊሉ ክፍታሕ ኣይተኻእለን።

መንግስቲ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኣልበሽር ተመሻጢሩ ንክልትኦም መንግስታት ብዘርብሕ ቅልጡፍ ፍታሕ ንምምጻእ ይህቅኑ ምህላዎም ገለ ጽንጽንታት ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ተቓወምቲ ዳፉር ኣብ ኤርትራ ብጽቡቅ ይሕብሐቡ ከምዝነበሩ፡ ድሕሪ ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ግን ምንቅስቃሳት መራሕቲ እቶም ተቓወምቲ ኣብ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ከምዝተደረተ ሓበሬታታት ኣሎ። እቲ ዝሓየለ ተቓዋማይ መንግስቲ ሱዳን ሙዃኑ ዝፍለጥ ዓብደልዋሂድ ሞሓመድ ኣልኑር ዝተባህለ መራሒ ምንቅስቃስ ሓርነት ሱዳን ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ኣስመራ ናይ ቅትለት ፈተነ ከምዝተኻየደሉ ገሊጹ። ሕጂ እቲ ዝርርብ ካብ ኣስመራ ናብ ኣቡጃ፡ ናጄርያ ምቅያሩ ከምዘሐጎሶም፡ ብጸጥታዊ ምኽንያት ካብ ኣስመራ ምውጽኦም ተፈሊጡ ኣሎ። ሞንጎኝነት መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ዳፉር፡ እቶም ተቓወምቲ ጥራይ ኣይኮኑን ብዓይኒ ጥርጠራ ዝርእይዎ ዘለዉ፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን እንተላይ እዮም። እቲ ስምምዕ ሰላም ብመሪሕነት ክልቲኦም ውድባት ክኸውን እቲ ናይ ኤርትራ ሽምግልና ክተርፍን ኣብ ርክባቶም ኣፍሊጦም። ‘እዚ ኩሉ ሓሸውየ እንታይ ኣምጽኦ?’ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ምስ መንግስቲ ሱዳን ጽቡቅ ዝምድና እንተ ዘይሃልይዎ ብቁጠባውን ፖለቲካዊ ቁልውላው ተሓሚሱ ባዕሉ ንባዕሉ ክፈራከሽ ሙዃኑ ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ’ዩ።

እንተኾነ ግን መንግስቲ ሱዳን ንምእታው ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ዳፉር ምቅባሉ፡ ገለ ጉጅለታት ተቓለስቲ ዳፉር ‘መንግስቲ ኤርትራ ብሓይሊ ውዕል ሰላም ንክንፍርም ኣገዲዱና’ ክብሉ፡ ካብቲ ውዕል ሰላም ምውጽኦም ንመንግስቲ ህግደፍ ዝልዓለ ዲፕሎማሲያዊ ጽፍዒት እዩ። ብተደጋጋሚ ግዜ መንግስቲ ኤርትራ ንሱ ዘይፈልጦ ውዕል እንተ ዘይተጌሩ ንረብሕኡ ስለ ዘይከውን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ንምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ከምዝቃወም ኣፍሊጡ።

እቲ ቀንዲ መኽሰብ እቲ ስርዓት ግን ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቅቲ ክወጽእ ዘክእሎ ሃዋህው ምፍጣር’ዩ። ድሮ ካብ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ምዕዋት ዝርርብ ሰላም ዝተጻወቶ ተራ ግንዖ ዝከውን ናይ ነዳዲ ሓገዝን ልቃሕን ተጌሩሉ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ ቀረብ ፍታሕው’ን ምስ ምክፋት ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ከም ዝቃለል ርዱእ ነገር እዩ።

እዚ ቁጠባዊ መኽሰብ ገዲፍካ፡ ዋላዃ ስጋብ ሕጂ ኣድማዒ ዝኾነ ተራ ኣይጻወታ እንበር ዳርጋ ኩለን ተቃወምቲ ውዱባት ኤርትራ ማዓስከረን ሱዳን እዩ። ገለ ካብቲ ውዕላት ሓድ ሕድ ተቃወምቲ ዘይምድግጋፍን ዘይምዕጣቅን ከምዝብል ፍሉጥ እዩ። እዚ፡ንኩነታት ንደንበ ተቃወምቲ ኤርትራ ዓቢ ማህሰይቲ ኣውሪድሉ ኣሎ። ድሮ እተን ተቃወምቲ ኣብ ሱዳን ከካይደኦ ሓሲበን ዝነበራ ዓመታዊ ኣኼባታተን፡ መንግስቲ ሱዳን ስለ ዝኸልከለን፡ ነቲ ኣኼባ ብምትሕልላፍ ኣብ ካልእ ቦታታት ከምዘካይዶኦ ኮይነን።

እታ ብ ‘ሰንዓ-ኣክሲስ’ እንዳ ተመወለት ካብ ሱዳን እትፍኖ ዝነበረት ዝዓበየት ማዕከን ሓበሬታ፡ ሬድዮ ምብራቕ ተዓጽያ ትርከብ። እዚ ዓቢ ጽፍዒት ኣብ ተቃውሞ ደንበ ሙዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ ንምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጠቂሙ፡ ጸለውቲ ዝብሃሉ ኣባላት ደምበ ተቓወምቲ ናብ ሃገር ጨውዩ ክመልስን፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብምዕጋት፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ዘይካኣለ መንእሰይ ኣሜን ኢሉ ኣብ ትሕቲ ምልኹ ንኽነብር ዘኽእል ሓደገኛ ስትራተጂ’ዩ። ድሮ ገዳብ ኒውስ ከምዝሓበሮ ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ብምእታው ንገለ ሰባት ከምዝጨወዩን፡ ስደተኛታት ከምዘፋራርሑን ይዝከር። እዚ ሓደገኛ ውጥን ዘብርሆ ኩነት እንተልይዎ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ንሱዳን ከም መነሃርያ ተጠቂመን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከምጽኦ ዝኽእላ ጽልዋ እንዳማህመነ ይከይድ ከምዘሎ’ዩ።

ስለዚ መናሃርያ ተቓወምቲ ክትከውን እትኽእ እንኮ ኣብ ከባቢና እትርከብ ሃገር፡ ኢትዮጵያ ክትከውን’ያ። ተቃወምቲ ሓይልታት፡ ፈቲየን ረድየን እቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ምንቅስቃሳት ክድርታን ወይ ድማ ጓዘን ጠቅሊለን ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ክጓዓዛ ክግደዳ እየን ማለት’ዩ። ወላ’ዃ ኢትዮጵያ ብቅርበት ተመራጺት ስለዝኮነት፡ ከም መናሃራያ ተቓውሞ ምምራጽ ኣብ ህዝብን ደምበ ተቓውሞን ክፍተት ክፈጥር ይክእል። እቲምንታኢሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኾንካ ምቅላስ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ምባል ስለዝመስሎምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብይን ኮምሽን ዶብ ‘ኣይቅበልን እየ’ ኢሉ እቲ ጉዳይ ብዘይገለ መዕለቢ ይጓተት ስለዘሎን። ማዕከናት ዜና ህግደፍ ንህዝቢ ነዚ ብዝምልከት ወግሐ ጸብሐ የደንቁረኦ ስለዘለዋን፡ እተን ተቃወምቲ ካብ ሱዳን ሓሊፈን ናብ ኢትዮጵያ ምስዝኣትዋ ኣብ ናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳዊ መሸንቆቃ ብዘይፍቃደን ከምዝኣትዋ ይኮና ኣለዋ ማለት እዩ። ስለዚ ዋላ’ዃ ንነዊሕ ጊዜ ዘስርር ፕሮፖጋንዳ’ዩ እንተ ዘይተባህለ፡ ንህግደፍ ንግዚኡ ትንፋስ ዝሰኩዕ ጉዳይ ክኸውን ይክእል’ዩ። 

ዋላ’ኳ ህግደፍ ንሱዳን ብዝምልከት ዝሓሸ ፖለቲካዊ መክሰብ እንተ ኣኻዕበተ፡ ኣብ ሶማል ዝገበሮ ምትእትታው ግን በዚ ኣብ መወዳእታ ዝርአ ዘሎ ውጽኢት፡ ዕውት ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኣይነበረን ክብሃል ይካኣል። መንግስቲ ህግደፍ፡ ንእስላማዊ መጋባእያ ንመቓድሾን ደቡባዊ ክፋል ሶማል ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቁጽጽር የእትዩ ዝነበረ ጉጅለ ናይ ኣጽዋርን ናይ ስልጠና ሓገዝን ይህብ ኣሎ ተባሂሉ ብማሕበረሰብ ዓለም ክስታት ክቀርበሉ ጸኒሑ። ትልሚ ህግደፍ፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢህወደግ ጽልኢ ኣለዎ ዝብሃል ብኢትሓድ ዝፍለጥ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዝምራሕ እስላማዊ መጋባእያ ብምዕጣቅ፡ ብናይ ውክልና ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ሕንፍሽፍ ክትፈጥር፡ ንመንግስቲ ኢህወደግ ካብ ስልጣን ንምእላይ ወይ’ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድሓን ናይ ዶብ ኩነታት ኣብ ሓደ መዕለቢ ንክበጽሕ ዝብል ስትራተጂ ዝሓዘ ሓደገኛ ፈተነ’ዩ ኔሩ። ሳልሕ መኪ ኣብ ፈስቲቫል ኣሜሪካ፡ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራት ኤርትራን’ውን ኣብ ዝተፈላየ ኣጋጣሚታት፡ ብዛዕባ ሶማል፡ ነዚ ስትራተጂ ከይሓፈሩ ሃ…ህ ኢሎም ኣቃሊሖሞ እዩም።

ብውሕድ ዓቀን ኣቃልቦ ዓለም ናብ ኤርትራ ከምዘተኩር ጌሩ። መንግስቲ ህግደፍ ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ጉዳይ ሶማል ተመሲሉ ጽቡቅ ርክባት ምስ ሃገራት የዕራብ  ፈጢሩ። እቲ አብ ባይታ ዝተራእየ ሓቅታት ግን እቲ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ኣጀንዳ ከምዝፈሸለን፡ እቲ ንኢህወደግ ኣብ መንጎ ክልተ ጸላእቲ ንምቅርቃር ዝብል ስልቲ፡ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ። እቲ ብህግደፍ ዝድገፍ እስላማዊ መጋባእያ ናብ ጫካታት ወጺኡ። እቲ ብኢትዮጰያ ዝድገፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንመቃድሾ ኣትዩ።  ‘ኢህወደግ ደገፍ ህዝቢ ስለዘይብሉ ኣብ ሶማል እንተኣትዩ፡ ናይ ኦሮሞን ኦጋዴን ተቓለስቲ ክልዓሉ እዩም’ ዝብል ዘረባታትን መግለጺታት ኣምባሳደራት ፕሮፖጋንዳ ኮይኑ ተሪፉ።

እዚ ግን ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ክነብራ ዝግብኦ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ናብ ዝገደደ ጸገማት ከምዝሽመም ኣኽኢልዎ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ሻባይት ዳት ኮም ዝወጽእ ዝነበረ መግለጺታት፡ ‘ኣብ ጉዳይ ሶማል መንግስቲ ኣሜሪካ ግብረ-ሽበራዊያን ኣለዉ ብምባል፡ ምትካል ማእከላይ መንግስቲ ተታዓናቅፍ ኣላ’ ድሕሪ ምባል፡ ‘እዚ ድማ ነቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቀባልነት ዘይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ከም ናይ ቀረባ መሓዛ ኣብ ጎስጓስ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ብምርኣይ ካብ ስልጣን ንከይእለ ትገብሮ ዘላ ሽርሒ እዩ’ ዝብልን ካልእን’ዩ ኔሩ። እዚ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተገልጸ፡ ‘መንግስቲ ኣሜሪካን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ህጻን ስለ ተረርዋ፡ ነቲ ብኮምሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳኔ ጥሒሳ ክነሳ፡ ብዘይ ዝኮነ ዓይነት ማዕቀብን ጸገምን ሕጊ ጥሒሳ ንክነብር ኣፍቂዳ’ ዝብል ክሲ ዝመሳሰል’ዩ። እዚ ግን ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ድኽነትን ዲፕሎማሲያዊ ሽግራትን ዝሸምም’ዩ። ዓንጾ-ዓንጾ ኣሜሪካ ድማ፡ ርክባት ምስ መንግስቲ ቻይናን ኢራንን  ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ።

ካልእ ተመሳሳሊ ወስታ ነፍሰ ቅትለት  ህግደፍ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2006 መንግስቲ ኤርትራ 14 ታንክታት ዝርከባኦም 1500 ወተሃደራት፡ ናብ ናይ ጸጥታ ዞባ ምእታዉ’ዩ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወሰደ፡ ጋና እቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብጥቅምቲ 2005 ንዝወሰዶ ናይ በረራ ማዕቀብ ንከልዕሎ ዝተመሓላለፈሉ እማመ ኣብ ተግባር ከየውዓሎ’ዩ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወሰደ ምንቅስቃስ ናይ ሰራዊት፡ ነቲ ታኣፋፊ ኩነታት ምክባር ናይ ጸጥታ ዞባን ተግባራውነቱን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ዝርክብ ውዕል ሰላም ኣልጀርስን ኣብ ሓደጋ ኣወዲቁዎ ይርከብ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ መዕጸዊ ናይ’ዚ ዓመት ዋና-ጻሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናን ንባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ ንቁጽሪ ዓቃብ ሰራዊት ንክንኪ ሓቲቱ ኣሎ። ዋና-ጻሓፊ ኣናን፡ እቲ ቁጽሪ ካብ 2300 ናብ 1700 ዳርጋ ብፍርቂ ንክጎድል ሓቲቱ ኣሎ። እዚ ዝእምቶ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ብዝምለከት ዝተሰላቸወ ይመስል። እዚ ስጉምቲ ምንካይ ሰራዊት እንተ ተተግቢሩ ተኣፋፍነት ናይ’ቲ ዶብ ከመይ ከምዝመስል ንምግማት ዘጸግም ኣይኮነን።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ጉዳይ ዶብ ከምዝተወደአ እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ። ዝነበረ ናይ ዝርርብ ማዕጾ ‘ኣይቅበልን’ ብምባሉ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ከም ቀደሙ ከሲሩ ይርከብ። እዚ ኩነታት ናበይ ገጹ ከብል ሙዃኑ ዝፍለጥ ነገር የለን። ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ድማ ብቀጥታ ነዚ ጉዳይ ክጸልዎ ሙዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።

3.     መደምደምታ

 

ብሕጽር ዝበለ ክግምገም ከሎ፡ ህግደፍ ኣብዚ ዓመት ዘምጽኦ፡ ፍትሕን ርትዕን ዘይኮነ፡ ግፍዕን ጭቆናን ናብ ዝላዓለ ጥርዙ በጺሑስ፡ ኣብ ኖቕጣ ደልሃመት ዕንክሊል ብምባል፡ ምልክን ገበንን ስለዝሓለፎ ክዕረየሉ ኣብ ዘይክእለሉ ታኼላ’ዩ ተሸሚሙ ዝርከብ። እወ፡ ኣብ ገለ መዳያት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ ጊዝያዊ ዓወት ተጓናጺፋ ክብሃል ይካኣል። ብካልእ መዳይ ግን ከሲሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጥፍሽና ኣጋጢምዎ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣሜሪካ ንዒራቅ ኣብ ምውራር ‘ዶንጉዮም’ ይብል ከምዘይነበረን፡ ‘ወደብና ክንህበኩም ምጹ’ ከምዘይተባህለን ንኣሜሪካ ከም ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ንምትቃን ዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ዘሕንኽ’ዩ ኔሩ። እዚ ዕሸላዊን ናይ ኩራ ሕማቅ ህልኽን ዲፕሎማሲ፡ ንህግደፍ ከም መሪሕነት ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእቱ ነገር’ዩ። መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ዘየድሊ ነገራት ኣንጻር ረብሓ ማሕበረሰብ ዓለምን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ድማ ብቀንዲ ምውፋሮም ዲፕሎማሲያዊ ነብሰ-ቅትለትን ፖለቲካዊ ክሳራን ጥራይ’ዩ። ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ቀሊል ኣይክኸውን እዩ።

ኣብ ዓመተ 2006 ህግደፍ፡ ደገፍ ህዝቢ ዝጽንቅቅ ስጉምትን ምልክን እንተዘይኮይኑ ንፖሊቲካዊ ቅልውላው እቲ ሃገር ንምቅያር ዝገበሮ ጻዕሪ የለን። መሕልፎ ነታ ሃገር ናብ ድቅድቅ ዝበለ ጸልማትን መከራን ዘእቱ ፖሊሲታት ብምሕንጻጽ ዜጋታት የበሳብስ ኣሎ። ካብ ደምበ ተቓወምቲ ንኽመጾ ዝኽእል ተቓውሞታት ንምዕጋትን ንምድካምን ዝወሰዶ ስጉምቲ ግን ዕውት ኔሩ ክብሃል ይካኣል። ኣብ ፕሮፖጋንዳ ምስራሕ ዝልዓለ ወፍሪ ጌሩን ይገብርን ኣሎ። ምክንያቱ እቲ መልእክቲ ስሙርን ሓደን’ዩ ዝነበረ።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ ሓፈሻዊ ገምጋም ብዛዕባ ህግደፍ ሂብና።  እቲ ሚዛን መታን ክቀለልና፡ እስኪ ብመንጽር እዚ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ እንታይ ጌሩ ንምርኣይ ኣብ ዝቅጽል ጽሑፍና ተኸታተሉ።

ኣማኒኤል መድሃኔ

ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ

ደቡብ ኣፍሪቃ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2606

Posted by on Jan 6 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net