ተቓውሞና በየናይ ቅዲ ቃልሲ

ሳልሳይ ክፋል!

ኣብቲ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ብዛዕባ ጎነጻውን ሰላማውን ኣገባብ ቃልሲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ኪዳን ኣቕሪበ ኔረ። በዚ መሰረት እዚ ዘሎ ንኡስ ይኹን ዓብይ ነጥበ ፍልልይ ንመደባት ኪዳን ክሳብ ክንደይ ይጸልዎ ኣብ ዘሎ ከይዲ ናይ ቃልሲ ብመጠኑ ኣብሪሄዮ ሓሊፈ።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ኪዳን እቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ኢና ንጥቀም ዝብሉ ድልየቶም ንኢሳያስ ከም ሰብ ኣልጊሱ እቲ ዝተረፈ መሳርሒ ከም ዘለዎ ቅሙጥ ህግድፍ እንተጸንሖምውን ከም ቀሊል ሽግር ይወስድዎ እንተልዮም ይጋገዩ ኣሎው። ኩሉ መሳርሒታት ላዕለዋይ ቀጸላ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ዝጸንሔ ምሓውር ምስ ኩሉ ጸጣትዊ መርበባቱን ከይኣለኻ እትህነጽ ናይ ሰላም ኤርትራ የላን ኣብ ዓለምውን ኣይተረእየን። ነዚ ሓቂዚ ኣይበጽሕዎን ክበሃል እንተኾይኑ ድማ ኣብ ዓለም የለውን ወይ ሰላም ናይ ኤርትራ ኣይምነዩን ጥራይ ኢለ ክሓልፎ እመርጽ።

ኣብ,ዚ ክበሃል ዝከኣል ብዝተሓተ ኣገባብ ቃልሲን ብዝተሓተ መስዋእትን ንኽ -ፍጸም ብዙሕ ጻዕርን ጥንቓቐን ምግባር እንተዘይኮይኑ ንድለዮ ኣይንድለዮ ኢሳያስ ኣብ ዝተኣልየላ መዓልቲ ድያ ለይቲ ዋላ ብደገ ኣይፈጸም ካብ ውሽጢ ብዝለዓል ናዕቢውን እቲ ጎንጺ ዘይተርፍ,ዩ። ኩሉ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶር ዝጸንሕ ዓቕልን ወጥርን ኣብ ዓለም ተመስኪሩ,ዩ። ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እቶም ብሰላማዊ ጥራይ ዝብሉ ሸነካት ኣብ ኪዳን ሓሳባቶም ከስተኻኽሉ ንጽበዮም።

ነዚ ሓቢረ ኣብ ኪዳን እቲ እንኮን ሓያልን ንኺዳን ዝያዳ ዓጊትዎ ዝርከብን ጉዳይ ጀሃድን ጉዳይ ብሄራት ክሳብ ምግንጻልን ዝብል ኣጀንዳ እዩ።

እዚ ማለት ንምንታይ ከም መትከል ዝኣምንሉ ውድባት ተጠርዮም ወይ ተመስሪቶም ማለተይ ኣይኮነን!! እንታይድኣ እዚ እምንቶ,ዚ ብዙሓት ውድባት ዘይሰማማዓሉ ክነሰን ንምንታይ ኣብ ኪዳን ከም መድረኻዊ መደብ ዕዩ ኣትዩ? ከም ግቡእ ኣብ ቻርተር ክኣቱ ዘለዎ እቲ ዘሰማማዓካ ነጥብታት ክኸውን ይግብኦ። ዘየሰማማዓካ እንተኾይኑ ከም መደብ እቲ ዝውንኖ ውድብ ከም ናይ ግሉ እምንቶን መትከልን ከሰርሓሉ ኣብ ዘራኽበካ ናይ ሓባርካ ዝኾነ ባይታ ጥራይ ብዘይ ተቓውሞ ተጻዊርካዩ ኪትሓልፍ ግን ትግደድ።

በዚ መጠን ድማ ኣብ ህዝቢ ባይታ ኣለዎን የብሉን ኣብ መድረኽ ይርኤ።

ብዝተረፈ ኪዳን ዘለዎ መደብን ዝምድናን ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ከወቕዖ ዝደሊ እንተኣልዩ ዘሎ ቀላጽም ተቓውሞ ኣብ ሓደ ጠሚሩ ሃገር ካብ ዲክታቶር ምምንዛዕ ጥረይ እዩ። ኣብዚኣ ጠቕሚ ዘለዎ ተቓዋማይ እየ ዝብል ድማ ከም ዓቕሙ ይኸትት። ብዝተርፈ እቲ ነጥቢ ናይዚ ክልተ ርእይቶ ዓለም,ዚ ኣብዛ ሕጂ ዘለናያ መድረኽን መዋእልን ብህዝባዊ ተቐባልነቱ ብሃገራዊ ተቐባልነቱ ብዓለም-ለኻዊ ተቐባልነቱ ብዘይካ ሃልክን ክሳራን ንኺዳን ካልእ ዝህቦ ደገፍን ዓወትን ስለ ዘየለ ብፍላይ ድማ ኣብ ቻርተር ምስፋረን እዘን ክልተ-መድባት ክሓስበለን ይግባእ ኔሩ ሕጂውን ክሓስበለን ኣለዎ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ። እዚ ማለት ግን እቶም ናይዚ እምንቶ ዘለዎም ውድባት ዘዋጽኦምን ዘየዋጽኦምን ባዕሎም ስለ ዝፈልጡ ከም መትከላዊ ሃብቶም ክውንኑዎ ተቓውሞ የብለይን ካብ ኪዳን ክርሕቑውን ኣይመርጽን።  

ስለ,ዚ ኣብ ኪዳን ክሰፍር ዝግብኦ እቲ ብሓንሳብ ንምስራሕ ዝተዓጋገብካሉ ነጥብታት ጥራይ ምስ ዝኸውን ኪዳን ክስጉም ይኽእል። እቲ ዘየሳማማዓካን ዘይትቕየደሉን ነጥብታት ድማ ከም ነጥበ-ፍልልያት ኣብ ህዝቢ ትወርደሉ ምስ ዝኸውን ንግሉጽነት ስቡሕ ባይታ ምሃበ በሃላይ,የ። ብዝተረፈ እቶም ኣጸቢቖም ዘፋላልዩኻ መትከላት ኣብ ቻርተር ኣቐሚጥካ እንተድኣ ሃሊኻ ዋላ ዘይትሰማማዓሎም ከሎኻ ክትከላኸለሎም ክትግደድ ኢኻ ማለትዩ።

ምኽንያቱ መደብካ መድረኻውን ኣብ ቻርተር ኪዳን ዘሎን ክሳብ ዝኾነ ንዑዑ ኣብ ግብሪ ከተውዕልን ከተተግብርን ምእዙዝ ስለ ዝኾንካ። እዚ ድማ እዩ እቲ ኣብ ኪዳን ዝጸንሔ ሓቂ። ካብዚ ነቒለ ድማ እየ እቶም ከነዔውቶም ዘሎና ንኪዳንን ንመድረኽን ዘዔውቱ መደባት ቅድሚት ሰሪዕና እቲ ህዝቢ ዝጽበዮን ዝጠልቦን መደባት  ኣብ ክንዲ ምንጻር ኣብ ምክልኻል ናይ ውልቀ ውድባት መደብ ዕዮ ኣቲና ናይ ምንቕቓሕን ምክልኻልን ሓገዝ ንገብር ኣሎና ኮይኑ ይስምዓኒ። ምእንቲ,ዚ እቲ ኣብ ቻርተር ዝሰፍር መድብ ኩሉ ዝኣመነሉን ኩሉ ዝምእዘዘሉን ጌርካ ክውቀር ይግባእ ባሃላይ,የ። ብባህርያቱ ቻርተር ከም ቻርተር ንኹለን ተቓወምቲ ውድባት ዝጥርንፍ ዝተሓተ ነጥበ ስምምዕ መዝጊቡ ዝምርሽን ዝብገስን ድኣ እንበር ነቲ ዝለዓለ ነጥበ ፍልልያት ኣብ ቻርተር ኣስፊርካ ባዕልኻ ናብ ሸንኮለል ምእታው ኣየድልን ኔሩ።

ብርእይቶይ እንበኣር ካብዚ ክሊ,ዚ ወጻኢ ዝኾኑ ንኹለን ውድባት ዝሕቚፉን ብመንጽር መድረኽ ዘገልግሉን ዝተሓቱ ነጥበ-ስምምዓት ኣለዉ ኢዮም።  

ከም ኣብነት!!!!

       ኣብ ኪዳን ማዕርነት ኩሉ ሃይማኖታት፣ ምምዕባል ኩሉ ባህልታት፣ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ምቅብባል።

ኣብ ድሒረን ዝጸንሓ ብሄራትን ሕ/ ሰብኣዊ ክፍልታትን ኣብ ኩሉ ሂወት ናይ ምምዕርራይ ቃልሲ ምእማንን ምቅላስን።

ዲክታቶር ኣብ ምውዳቕ ብኹሉ እትኣምነሉን እትውንኖን ዓቕሚ ምግጣም። መንግስትን ሃይማኖትን ፈላሊኻ ምርኣይ።

ምስ ጎራባብቲ ኣብ ናይ ሓባር ጠቕሚ ማእከሉ ዝገበረ ፖሊሲ ምኽታል።

ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ዝመርሕ ካብ ኩሉ ሕ/ሰብኣዊ ሓይልታት ዝወጸ ባይቶ ብሃገራዊ ዋዕላ ኣቢልካ ምቛም።

ንኹሉ መልክዕ ግርጭታትን ፍልልያትን ከእንግድ ዝኽእል ናይ ሰላምን ዘተን ሽማግለ ብደረጃ ሃገራዊ ዋዕላ ምቛም።

ኩሉ ኣብ ቻርተር ዝሰፍር መደብ ምሉእ ተቐባልነት ብህዝቢ ኤርትራ ብሃገረ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ደረጃ እንተድኣ ነዲፍካ ብዘይ ውዓል-ሕደር ኣብ ኣህጉር ደረትካ ነፊሕካ ሓገዝ ኪትሓትት መተካእታ እየ ክትብል እንተዘይተኻኢሉ 16 ውድባት 20 ውድባት ብሓንሳብ ኣልና ጥራይ ናይ ከንቱ ከንቱ ን8 ዓመት ኣዘንጊዑና ስለ ዘሎ ክሕሰበሉ ኣሎዎ።

እዚ ኩሉ ጠቒሰዮ ኣብ ኪዳን ዘሎ ነጥብታት እዩ። እቲ ኣብ ኪዳን ተጠቒሱ ዘሎ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ዘይጠቐስኩዎ ኣብ ውሽጢ ኺዳን ዘሎ ሓደ ካብቲ ዕንቅፋታት ክፈጥር ዝጸንሔ ምዃኑ ኣንባቢ ንኽርድኣለይ

ምእንቲ ገዲፈዮ።

ካልእ ምስ,ዚ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ዕንቅፋትውን ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ መዋእል ቃልስና ክዕወተልና እንበር ክንዕወተሉ ዘይጸናሕና ኣምር,ዩ።

እዚ ድማ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሔ ሓይሊ ወይ ጉጅለ ው/ሰብ ወዘተ ሓንሳብ ብጌጋ ብግባር ድዩ መሲልዎ ካብ ቃልሲ ወይ ካብ ስምምዕ ውጽእ ምስ በለ ከም ኣድላይነቱ የዕግብና ክንመልሶ ኣብ ክንዲ ምፍታን ንኹሉ ከም ቀሊል ኣበይ ከይበጽሕ ዝብል ንዕቀት ነሕድር። ብተወሳኺ ከይቀደመና ንጠቅኖ ኢልካ ኣብ ክንዲ ንምምላሱ ዝያዳ ክርሕቕን ክነፍፅን ንጽዕር። እዚ ቅኑዕ ድዩ? እዚ ሃቂ ድዩ? እዚ እቲ ን( 40 ) ዓመታት ዘይሰዓርናዮ ዝስዕረና ኣብ ኤርትራዊ ዝለዓል ግርጭት መለለይና እዩ። እዚ ንምውጋድ,ከ እንታይ ንግበር። እሳያስ ከልግስ ከሎ ብኸምዚ መንገዲ ከይዱ እንታይ ኣስዒቡ ከም ናይ ተመኩሮ ስንብራትናን መምህርናን ነዚ ባህሊ,ዚ ኣይተጠቐምናሉን። ብሕጂ ክንጥቀመሉ እትስፎ። እዚ ማለት ንሓድነት ምጽባብ ንኤርትራውያን ዓቐብ,ዩ!1 ንሓድነት ምግፋሕ ግን ደቒቕ ኣይወስደልናን። ስለምንታይ ግን መልሲ የብለይን። ከምኡ ክብል ከለኹ ግን ንዝረኤዮ ጌጋታት  ይኹን ጉድለታት ትም ኢልናዮ ንሕለፍ ኣየስምዕን።  

ካልኦት ኣብ ቻርተር ንኡስ ዕንቅፋታት ዘምጽኡ የለውን ማለት ኣይኮነን። እቶም ዝለዓሉ ጥርዝታት ግን እዞም ዝተጠቕሱ ኢዮም ካብዚ ነቒሉ ተስፋ

እገብር ኪዳን ኣብ መጻኢ ጉባኤኡ ክሓስበሎምን ከስታካኽሎምን።

  ክሳብ ኣብ ካልእ ዓንቀጽ  ደጊምና ንራኸብ ሰናይ ንባብ።

ፍስሓጽዮን  ገብረ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2611

Posted by on Jan 15 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net