ዜናዊ ባህላዊ ፖለቲካዊ ብልሽውና

ህ.ግ.ዲ.ፍን፡ ሓዳስ ኤርትራን

 

ኣብ ሕጽኖት ህ.ግ.ዲ.ፍ 1991-1997፡ ንኤርትራውያን ዝመሓላለፍ ዜና ሓዳስ ኤርትራ፡ መበገስን መሰረትን ካብ ዘይብሉ መንቐሊ፡ ንጸሊም ሕብሪ፡ ጻዕዳ እዩ እንዳበሉ ንህዝቢ ዓለም ከእምኑ ዘይገብርዎን ዘይሰርሕዋን ኣይነበረን።

 

ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ግዜ ሕጽኖት ብምንባሩ ከኣ፡ ከም’ቲ መርዑት ኣብ ውሽጠ ኣብ መደብ ኮፍ ኢሎም ብሕንቓቐ ዝበሉኻ እንዳሰማዕኻ ተሳስዮም። ህ.ግ.ዲ.ፍውያን ንህዝቢ ዝበልዎ ኩሉ ተሰማዕነት ይረክብ ነበረ። እዚ ከኣ ህዝብና ነቶም ንቃልሲ ዘፋነወም ደቑ ምስ ተመለሱ ዘይ ከም ቀደሞም ኣለዉ ካብ እምነት ዝተለዓለ ነበረ።

 

ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ነዚ ካብ ክቡር ህዝቢ ዝረክብዎ እምነት፡ ንውልቀ ረብሓታት ክጥቀምሉን፡ ንኩሉ ዝጻረሮምን ዝፈልጦምን ወገናት ታርጌት ብምግባር ሓሶት ክነዝሑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ቀጸለ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብፍላይ ከኣ ነቲ ከጸልምዎ ዝደለዩ ሓቂ፡ ክሳብ ዝጥቕር፡ ነቲ ከጻዕድዉዎ ዝደለዩ ሓሶት ከኣ ክሳብ ዝልለየሉ ሕብሪ ዘይብሉ ኮይኑ ዝተርፍ ይዛረብሉን ይጽሕፍሉን ጀመሩ። መወዳእታ ዘይብሉ ንውልቐ መራሕቲ፡ ጸለመ ንውድባት፡ ጸለመ ንህዝቢ፡ ጸለመ ንሃይማኖታትን ባህልን ዘጠቃለለ ዝከኣሎም ኩሉ ዓይነት ጸለመ ተነዝሐ።

 

ይኹን’ምበር ነዚ ጸለመታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከይተበገሰ እንከሎ፡ ኣበይ ክበጽሕ ምዃኑ ዝፈልጥ ዝነበረ ሓይልታትን ወገናትን፡ ንህዝቡ ከጠንቕቕን ከማሕጽንን ጀመረ። እዚ ጉዳይ ካብ ፖለቲካውያን ውድባት ሓሊፉ ፡ ሞራላዊ ሓልፍነት ህዝቦም ዝግድሶም ወገናት ከም ጋዜጣታት ብርሃንን፡ ሓቕን ሂወትን ኣብ ሕቝፎ ህዝቢ  ኮይነን ነቲ ሰሪቡ ዝነበረ ኣሉታዊ ምዕባለ ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ሕማቕ ኣንፈት ከም ዝመርሕ ነጊሮም፡ ግዳይ ናይ’ቲ ቀዳማይ መድረኽ እገዳን መቕጻዕትን ድማ ኾኑ።

 

ሓደ ካብ’ቲ ብሓልዮትን ሓላፍነትን ብትብዓት ንህዝቢ ኣብ ዘምሓላልፍዎ ዘይርሳዕ መልእክቲ ከኣ ኣብ ጋዜጣ ብርሃን’ዩ። ብርሃን ነቲ ኣብ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝተኽፍሎ ዋጋ ነጻነት፡ ንከም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ጓይላ ጽላለን ዕብዳንን ዝተቃወመ ነበረ፡ ህዝቢ ክሕጎስ ኣለዎ፡ ግን ከኣ ምጡን ሓጎስ፡ ደቁ ተቐቢሉ ንስርሑ ክምለስ ኣለዎ፡ ክብሉ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ዕላማታቱ እንታይ ከም ዝነበረ ኣግሃድዎ።

 

ግን ህ.ግ.ዲ.ፍ ካልእ ትሕዝቶ ስለ ዘይነብሮ ነቲ ዝርካቦም ጋይላን ጸወታን ብዘይምቁራጽ ክዝውተር ነጻ ዕድል ከፈቱ፡ ነዚ ዝረኣዩ ከኣ ትግርኛ ዝዛረብ ደርግ መጺኡ ክብሉ መሰልሉ።

 

እንሆ “መዓልትን ከልቢን ከይጸዋዕኻዮ ይመጽእ”  ከም ዝበሃል ምስላ፡ ግዜ ንኩሉ ግብሪን ስራሕን ህ.ግ.ዲፍ ይፍድሖን የካሽሖን ኣሎ።

 

ሓዳስ ኤርትራ፡ መጽሔት ሓበንን፡ ሕድርን፡ ቅድሚ ገገለ ዓመታት ቅድሚ ዶባዊ ኵናት ኤርትራ-ኢትዮጵያን ብዛዕባ እዚ ሎሚ፡ ብዕለት 6 ተጻሒፉ ዘሎ “ ናይ ሓዳስ ኤርትራ ሰሙናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዜና” ዝተጻሕፈን ዝተዘርበን ተመሊስካ ክትርእዮ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ትምኽሕተኛታት ትሓፍር።

 

መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍን ብፍላይ ከኣ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቒ፡ ካብ ዝበልዎ ክትቆጽር እተን ዘይበልወን ክትቆጽር ዝቀለሉ’ዩ። መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ደረጃ ጽፍሕን ሃገርን ኣህጉራዊ መዳያትን ካብ መጠን ኤርትራን ህዝባን ንላዕሊ ክዛረቡን ክገብሩ ፈቲኖም። ኣማስይኡ ከእ እንሆ እቲ ዝዘርእዎ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ኣዝመራ ይሓፍሱ ኣለዉ።

 

ከም’ዚ ትሕት’ልኩም ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ቀጺልኩም ተንብብዎ፡ ድርሰት ጋዜጠኛታት ሓዳስ ኤርትራ ትማሊ እንታይ ከም ዝበሉ ዝረስዑ፡ ወይ ከኣ ግበሩ ተባሂሉ ዝተባህሎም ጥራሕ ዝውርቑ ምዃኖም ካብ ዘብርህ ናይ’ዚ እዋን ኣገዳስነት ዘለዎ’ዩ።

 

ቅድሚ ነዚ ጽሑፍ ምንባብኩም ግን፡ ካብ ግዜ ምእዋጅ ነጻነት ማለት 24 ግንቦት 1993 ኤርትራ ኣብ መድረኽ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኣብ ዝተቐልቐለትሉ፡ ንዕብየት ሰላምን ራህዋን ህዝባ ኣየቋመተትን፡ እንታይ ደኣ ኤርትራ ሓዳስ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖሊስ ኮይና ተራእየት።

 

ካብ’ቲ ኩሉ ከኣ ነዚ ናይ ዕለት 6 ጥሪ መንቐሊ ጽሑፈይ ዝዀነ፡ ሓሶትን ጸለምን ህ.ግ.ዲ.ፍ ብተግባር ንምርኣይ’ዩ።

 

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ኡንጋንዳ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣብ ምስግጋር ሓድሽ መንግስቲ ብምንባረን፡ እቶም መራሕቲ ከኣ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትኽሉ ትጽቢት ዝተገበረሎም ብምንባሮም፡ እዘን ሰለስተ ሃገራት ጥቡቕ ጽቡቕን ምሕዝነት መስረታ። ኣህጉራዊ ዜና ዓለም ከኣ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብዘርኢ ብፍላይ ዲሞክራሲያዊ ጉዳይ ንዝምልከት ነዘን ሰለስተ ሃገራት

 

ሎሚ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ’ታ ጋንታ የለውን። ግን ቅድሚ ካብ’ታ ጋንታ ምውጽኦም፡ ካብ 1994 ኤርትራ ነቲ ምስ ሱዳን ዝፈጠረቶ ክስትታት መሰረት ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዝተለዓለ ግርጭት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ፡ እዋን ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ዘይበሎን ዘይገበሮን ኣይነበረን።

 

ኣብ መወዳእትኡ ከኣ፡ ከም’ቲ African Confidencial ዝተባህለ ጋዜጣ ከም ዝሓበሮን፡ እዘን ሰለተ ሃገራት ንፍሉይ ዕማም 30 ሚሊዮን ዶላር ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ተዋሂብወን ዝብል’ዩ። እዚ ገንዘብ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ንሱዳን ንምህራም ተባሂሉ ዝተዋህበ ከም ዝነበረ እቲ ጋዜጣ ይሕብር። ህ.ግ.ዲ.ፋውያን’ውን ንድሕነትን ጸጥታን ሃገር ብምስባብ ነቲ ጉዳይ ከም ቅቡል ገቢሮም ወሰድዎ። ሎሚ ከ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ እንታይ ይብሉ ? ሓዳስ ኤርትራ እንታይ ትብል ኣላ ? ቀጺልኩም ኣንብብዎ።

 

ሓዳስ ኤርትራ 6 ጥሪ 2007

 

ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ዕለት 6 ጥሪ ካብ ዘቕረበቶ ናይ እዋናዊ ዜና ካብ ዝበለቶ’ዩ።

 

ላንግሊ፡ መተካእታ ናይ’ቲ ብድምጺ ህዝቢ ተደርቢዩ፡ ብሕጊን ብግብሪን ህላውኡ ዘክጠመ ጭፍራ ወያነ ብምዃን ኒትዮጵያ ብቐጥታዊ ትእዛዝ የምሓድረሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ጭፍራ ናይ ጽባሕ ዕማሙ ብርግጽ ኣብ ዘይፈልጠሉ ኩነተ-ኽድምና እዩ ዝርከብ። በዚ ድማ ተሓጋጋዚት ጉዳያኣት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ጃንዳየ ፍሬዘር፡ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ፡ ድሕሪ’ቲ ኣሜሪካ ብውክልና ናይ’ቲ ጭፍራ ኣብ ሶማል ብዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ዝቕጽል ዕማም እንታይ ምዃኑ፡ ንእሙን ጊላኣ፡ ተወሳኺ ሓበሬታታት ኣውሲኣትሉ ምኻዳ ናይ’ዚ ቅኒያት’ዚ ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ኣሎ።ብዘይካ’ዚ ናይ ኡጋንዳ መራሒ ዩወሪ ሞሶቪኒ፡ ኣብ’ዚ ኵናት ናብ ንግዲ ተለዊጥሉ ዘሎ እዋን፡ ዕዳጋ ስለዝተረኽበ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ሃገሩ ኣብ ሶማል ዓቓቢ ሰላም ከተዋፍር ድልውቲ ምህላዋ ነጊሩ። ወይ ልክዕ ንምዃን ተመሳሳሊ መምርሒ ካብ ወሃብቲ ትእዛዝ ተቐቢሉ፡ ምስ መራሒ ጭፍራ ወያነ ብሓባር፡ ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ብቀንዱ ድማ ናብ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝቐንዐ ናይ ልማኖ ሎቖታ ምዝርግሖም ና’ዚ ቅንያት’ዚ ካልእ ዘሕፍ ዜና ኣብ ዞባን’ዩ።

 

እሙን ጊላ፡ ናይ ኵናት ዕዳጋ፡ ልማኖ ሎቖታ ዝብላ ቃላት፡ ከም ዘለወአን ኣልዒልኩም፡ ኣብ’ታ ኢንዲያን ኦሽያን ዝበለታ ጋዜጣ እንተኣእተኹመን፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን እውን ጊላታትኵናት ዕዳጋ ዝመስሎም፡ ሎቖታ ልማኖ ዝዝርግሑ ምዃኖም ከ ዘብርሁ ኮይኖም ዶ ኣይቁጸርን ? ሓዳስ ኤርትራን ባዕላ ትጽርፍ ኮይና ዘላ ኮይኑ ጥራሕ’ዩ ዘምስል።

 

ካልእ ብተወሳኺ ነዚ ሓቕቃትን ህውተታ መራሕቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ በዚ ጥራሕ ኣይውዳእን ከም’ቲ ኣብ ቃጻሊ ዝብልዎን ዝጽሕፍዎን ተመሳሳሊ ተግባራት መቐጸልትኡ ጥራሕ’ዩ።

 

ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ፈነወ ቲቪ፡ ምስ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ዝገበሮ ቃል መሕተት ዝተረኽበ’ዩ። እዚ ቃል መሕተት፡ ብዕለት 27 ነሓሰ 2003 ተኻይዱ።

 

ካልእ ነዚ ብዝምልከት ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈውርቂ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሎሚ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝበሎ፡ ሕጂ ግጉይ ዝብሎ ዘሎ ቅዋማት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብዝምልከት’ዩ።

 

እዚ ቃል መሕተት፡ ኣብ ሓደ ኣዋን ንክልተ ነጥቢ ተጋላባጢ መስመር ህ.ግ.ዲ.ፍ ገሊሁ ኣነጺሩን ከርእየና ይኽእል፡ ሓደ ኣብ’ቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ብመንጽር ሱዳን ዝነበሮ ኣረእእያን ኣፈታትሕኡን ክኸውን እንከሎ። በቲ ካልኣይ ሸነኹ ከኣ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ወጻኢ ሓይልታት ከም ኣብ ኢራቕ’ዩ።

 

 

The following is excerpt from an interview he gave to the Lebanese-based New-Sat TV station on Wednesday 27 August,

 

New Sat TV It is said that the Eritrean government continues its hostilities against Sudan. What is your answer?

Sudan embraced terrorist groups

President Isayas Perhaps these are baseless lies being disseminated by some Sudanese government officials. These lies do not even reflect realities or serve the interests of Sudan. The problem of Sudan is an internal affair of the country itself. The main problem is the that the regime that took power in 1989 by a military coup declared war against the Sudanese people by introducing a new ideology. That was not enough. The regime declared war against neighbouring countries, resorted to assassination attempts and pursued a policy of embracing terrorist groups. When the problem persisted, we sought to resolve the problem bilaterally, but we did not succeed and thus we severed our diplomatic relations with the Sudanese regime in 1994. [….]

New Sat TV Your Excellency, before concluding our interview, it will be good to review global developments, particularly the US presence in Iraq and the crisis into which it is entering. What is your position on the foreign policy being pursued by President Bush, especially on the American invasion of Iraq? Do you agree? Do you agree with the policy of toppling and changing of regimes?

 

New Sat TV Do you endorse the administration council set up in Iraq? Some Arab countries have supported it. Some of them supported, openly or secretly, the American invasion against Iraq. Do you support a council set up under occupation?

President Isayas First of all, we should be able to look into things generally from their historical point of view. We should not dismantle events. We should also not enter into details that have nothing to do with the issue. The crisis the Saddam regime created in the region are obvious. Is the intervention by American and Britain justifiable? Is the council legitimate? One should be able to see and analyse the issues collectively. What we would like to see is a stable and prosperous Iraq that would play a positive role for the development of the region.

Text Box:  ኣድማስ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጣ 1993 ካብ ዝተወሰደ 

 

ቅዳሕ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣሜሪካውያን ኣብ ሶማል ክጸንሑ ሓቲቱ ። ሎሚ ኸኣ ኣሜሪካ ካብ ሶማል ክወጹ ኣለዎም ኢሉ ክሓትት ይስማዕ !!!

                       

መደምደምታ

ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ሕጂ’ውን እንተዀነ ነቲ ዝነብሮም ባህርያት ወሲኾምሉን ኣጋዲዶምን ’ምበር ንመንገዲ ሰላምን ምርግጋእን ዘንጸፍሉ ሓድሽ ተርእዮ የልቦን። ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልስፍና ሒዞም ዝጓዓዙ መራሕቲ እዮም። እቲ ንሳቶም ዝኽተልዎ ፍልስፍና ከኣ ምስ መሳርሕቶም፡ ህዝቦም፡ ፈተውቶምን፡ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ምስ ኩሉ ኣብ ግርጭት ከም ዝነብሩን ይገብሮም ኣሎ።

ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሃቡ’ምበር እንኩም ከም ዘይፈልጥ መጠን፡ ብሰንኪ’ቲ ዝኽተልዎ ግጉይ ፖሊሲ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ምስ’ቶም ዘይመንግስታውያን ናይ ረዲኤት ትካላት፡ ኣብ ክንደይ ምስሕሓብ ከም ዝበጽሐ ኩሉ ዝፈልጦን መረጋግጺ ናይ’ዚ ኣብ ኤርትራዊ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካው ብልሽውና ካብ’ቲ ብዙሕ ሓደ’ዩ።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይብሉ ሽርክና፡ ላምባ ከስኪሶም፡ ንባርዕ ዘቃልዑ እዮም፡ እንተዘይኪኢሎም ከኣ ከም ወትሩ ንጸለምን ምንሻውን ድሕሪ ዘይብሉ ግኒ ጸለመ ዘለዎም ጸሓፍቲ ሓዳስ ኤርትራን ካልኦት ህ.ግ.ዲ.ፋውያን መጽሔታት ዝምስከሮ’ዩ።

ህዝብና ብሰንኪ’ዚ ምልካዊ ኣመራርሓ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳብኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሃለዋቱ ቀንዲን ኣውራ ምስክር ናይ’ዚ ተግባራት ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ፍጻሜታት ህ.ግ.ዲ.ፍን እዩ።

ብድሕሪ’ዚ ዓይነት ተመክሮ፡ እቲ ኩሉ ህ.ግ.ዱ.ፋውያን ክብልዎ ዝጸንሑን ምስ’ዚ ሕጂ ዝብልዎ ዘለው ካብ ኩውንነት ሃገርና ህዝብናን ዝረሓቐ ብሂላት ተዛሚዱ፡ ሓቂ፡ ቅኑዕ፡ ሚዛን ክብሪ ዘለዎ ኣካይዳ ኣበይ ከም ዘሎ ንምርካቡ ዘየጸግም፡ ኣንፈት ጉዕዞ ሰላም ህዝብን ሃገር ኤርትራ ዝሕብር’ዩ ክኸውን።

ሰላም ምስ ኩሉ

12 ጥሪ 2006

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2621

Posted by on Jan 13 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net