ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲያ ክዓቢ ዘለዎ ምክልኻልን ዕርድን፡ ንዲሞክራሲያ

ሀ/ ዕርዲ ዘይብሉ ስርዓት ዲሞክራሲያ

ለ/ ምልኣት ዲሞክራሲያ

ሐ/ መከላኸሊ ዕርዲ ዲሞክራሲያዊ ሕንጸት

ኣብ ተራ ኣዘራርባና፡ ካብ ዝሓለፍናዮም ኣሰቀቕቲ መደረኻት፡ መዋእላት መግዛእቲ፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ጻልጣ ስርዓት ዲሞክራሲያ ምትካል ሓደን መተካእታ ዘይብሉ ፍታሕ ተወሲዱ’ዩ። ኣብ ህንጸት ስርዓት ዲሞክራሲያ፡ ነቶም መሰረታውያን ዓንድታት መትከላት፡ መሰል፡ ነጻነት፡ ማዕርነት ብምግላጽ ከም ኣኻሊ ህንጸት ዲሞክራሲያ ይውሰድ።

ልክዕ’ዩ መሰረታውያን ሕቶታት፡ መሰል፡ ነጻነት፡ ማዕርነት ቀንዲ ናይ’ቲ ክትከል ዘለዎ ስርዓት ትሕዝቶን ግብራውነት ዘለዎም ክዀኑ እንከለዉ፡ ከም ንረግጾ ጡጡሕ ባይታ ወይ ከም ነጽልለሉ ናሕሲ እንተወሰድናዮ፡ ንባይታን ናሕስን ኣብ መንጕኡ ዘራኽብ ዱልዱል ዓንዲ ክህሉ ይኽእል።

ሓደ መንስግቲ ምስ ተመስረተ ካብ ውሽጣውን ግድማውን፡ ተጻብኦታት ክድሕን ሓደ ሃገራዊ መከላኸሊ ሰራዊት የቕውም። ወዮ ደኣ ኣብ ስሉስ ዓለም መከላኸሊ ሰራዊት፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ነቶም ስርዓታት ዘገልግለሉ ዝበዝሕ ኮይኑ’ምበር፡ ሕግን ስርዓትን፡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ንምክልኻል’ዩ እቲ ቀንዲ ሓሳብ።

ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲያ ከኣ፡ ዕርድን መከላኸልን ክግበረሉ ዘለዎን’ዩ። መክላኸሊ ክብሃል እንከሎ ቃል ብቃሉ ሰራዊት ማለት ዘይኮነስ፡ ቅድሚ እቲ ክንምስርቶ ዘሎና ስርዓት ዲሞክራሲያ ጠቢቖም ክኸዱ ናይ ዘለዎም መልክዓትን ባህርያትን ዘንጸባርቑ ናይ’ቲ ስርዓት  መለለዪ ማለት’ዩ።

ስርዓት ዲሞክራሲያ፡ በቲ ኣብዝሓ ሰልፊ፡ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ህዝባዊ መንስግቲ ንምካል ዝኣመተ ብምርጫ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክምሓደር፡ ሰላምዊ ናይ ስልጣን ምቕብባል መሰረትን መበገሲ ሓሳባትና’ኳ እንተዀነ፡ ነቲ ክንተኽሎ ንደሊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ህንጸት’ምበር፡ ነቲ ንሃንጾ ዲሞክራሲያ መከላኸሊ ንፈጥረሉ ኣሎና ማለት ኣይኮነን።

ዕርዲ ዘይብሉ ስርዓት ዲሞክራሲያ

ኣብ ህሉው ታሪኽና ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝዕንድረሉ ዘሎ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ፡ ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲያ ዝዝረበሉ’ምበር ነቲ ዝህንጽ ስርዓት ንመጋበሪያታቶም ከይኸውን፡ ህዝቢ ክግልገለሉ ተባሂሉ መከላኸሊ ኣይተገረሉን።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ ዝፍጽሞ ስርሓት ኣብ ትሕቲ ሰላም፡ ዲሞክራሲያን እዩ ኢሉ ክዛረብ፡ ጌጋ ኣለኻ ቢሉ ክዛረብ ዝኽእል ሓይሊ ዕርዲ መካልኸሊ ዲሞክራሲያ የብሉን። ብሕጽር ዝበለ ስልጣን የልቦን። ምእንቲ’ዚ እቲ ምርጫ ዝተባህለካ ፈጺምካ ምኻድ ጥራሕ’ዩ።

ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ዞባታት ምርጫ ይገብር፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝቢ ኣኪቡ ብዛዕባ ቅዋም ተዛተዩ ይብል፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣዋጅ ይእውጅ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት ዘሕለፎ ውሳኔ፡ ባይቶ ኤርትራ ዝሕለፎ ውሳኔ ተባሂሉ ይጸሓፍ፡ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ዞባዊ ምርጫታት ወይ ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላልየ ቦታታት ዝመጹ ወኪላት ዝርከብዎ፡ ህዝቢ ተዛትዩ ውሳኔታት ኣጽዲቑ ክትሰምዕ እንከለኻ ቃና ዲሞክራሲያ ዘለዎ ኮይኑ ዘስምዕ ይመስል።

ምልካውያን ስርዓታት ኣብ ዝህልዉሉ ሃገራት ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝእከብን፡ ኣጅንዳታቱ መን ከም ዝሰርዖን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብቃላት ናይ መን ከም ዝዕጾን እንተደኣ ፈሊጥና፡ ብሓቂ እቲ ቃና ዲሞክራሲያ ንብሎ ናይ መን ቃና ምዃኑ ኣይክንስሕቶን ኢና።

እቲ ብላዕሊ መዓር ዝተለኸየ ናይ መወዳእታ ቃላት፡ በቲ ብዝሒ ተሳተፍቲ፡ ቁጽሪ ህዝብን ተምሳል ዲሞክራሲያ ከርኢ ዝፍተነሉ ጻዕርታት’ኳ ዝካየድ እንተዀነ። ብድሕሪኡ ዘሎ ምስጢራት ንብዝሒ ተሳታፍነት ዘለዎ ህዝቢ መዝሚዙ ክጥቀመሉ ዝደለየ፡ ፡ ሓይሊ ዝተሓወሶ ኣገዳድ፡ መቕጻዕቲ፡ ውልቃዊ ረብሓ፡ ጽልእን ቂምን፡ ወገንነትን ዘለዎ እንተደኣ ኮይኑ ተሳታፍነትን፡ ብዝሒን፡ ትርጉም ዘይብሉ ባዶ ዲሞክራሲያውነት ምዃኑ ዘብርህ ብዙሕ ዘደናግርን ምርመራታት ዘድልዮ ኣይኮነን።

በዚ ግን፡ ዝደናገር ሓይሊ፡ ወይ ህዝቢ ኣይሰኣንን ይኸውን። ብልክዕ ከኣ ኣሎ። ግን ነቲ ዝስዕቦ ዘሎ ናይ ሓሶት መብጽዓታት በቲ ባዕሉ ጸሓይን፡ ቁርን ዝተወቕዓሉ ባይቶ፡ ተሰዊኡ ዘምጽኦ ነጻነት፡ ተመሊሱ ክስልበጦ ምስ ጀምረ፡ ግጉይ ከም ዘሎ ዝፈልጠሉ መድረኽ ግዳይ ናይ’ቲ ዝተኸሎ ስርዓት ኣዕኑድ ዘይብሉ ናሕሲ ህድሞ ክፈርሶን ዓነውነዎ ክብሎ ምስ ጀመረ’ዩ።  

ጠንቒ መከላኸሊ ወይ ዕርዲ ዘይብሉ ስርዓት ዲሞክራሲያ ማዕረ ክንደይ ተነቓፍን፡ ሃሳይን፡ ውሕስነት ከም ዘይብሉ ዘርድእ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ዝተማልአ ህንጸት ዲሞክራሲያ’ውን ሓደጋታቱ ዝርኣየካ’ውን ኣሎ።

ምልኣት ዲሞክራሲያ

ምልኣት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ናይ ዝለዓል ተቃውሞ፡ ኣብ ብዝሒ ሰልፍታትን፡ ህዝባዊ ምርጭታት፡ ህዝባዊ ባይቶ ዝኣምን ጻዕርታትን ቃልስን ናይ ዝካየደሉ ወገናት ኣሎ።

ምካዊ ስርዓት ስርዓት ንምቕዋም፡ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ክጎልድ ንስለ ዝኽእል ኣብ ቅድሚ ዕብየት ደምበ ተቃውሞ መንገዲ ዝጋርድን፡ ዝኽልክልን ይረአ።

ምልኣት ዲሞክራሲያ፡ ናይ ውሳኔታት ስምምዕ ምብጻሕ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንምትግባሮም፡ ዕላማ ናይ ዝኸኑ ኣህዛብ፡ ወገናት፡ ሓይልታት፡ ጥሙር ናይ ሓቅነት ኩውን እዋናዊ ሕቶ ዝምለሰ ተቐባልነት ክረአ፡ ምድግጋፍን፡ ናይ ምሕዝነት፡ ሽርክነት ደሚቑ ክረአ ትጽበየሉ ኣጋጣሚ ውሑድ ኣይኮነን።

ናይ ውሳኔታትና ደረት ዕለትን፡ ንትግባረ ክብገሰሉ ዘለዎን መድረኽ፡ ክወቕዖ ዘለዎ ሸቶ፡ ክፉት እንተገዲፈዮን፡ ናይ’ቲ ምልኣት ዲሞክራሲያዊ ደገፋት፡ ትጽቢት ህዝብና ኣብ ገገለ መዳያት ግጉይ ተረድኦን፡ ዝተሳሕተ ጉዳይ ከም ዘሎ ቅልጡፍ መእረምታን፡ ግመገማታትን ክወሃበሎ ከም ዘለዎ የብርሃልካ።

ምልኣት ዲምክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ካብ ናይ ቃል ደገፈን፡ ሞጎስን ንላዕሊ ዝሓትት፡ ረብሓ ኩሉ ዝሕለወሉ ኮይኑ ርድኢት ክውሰደሉ ይግባእ። እቲ ናይ ቃል ደገፍን፡ ሞጎስን ተግባራዊነት እንተዘይተሰኒዎ፡ ብቃላት ጥራሕ ዝዅመር ሰንደ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ ክንብል የኽእለና።

ፍልይ ዝበለ ኣብነት ከቅርብ እንተፈቒድኩምለይ፡ ብወገን ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ከይትሓምዩኒ’ምበር፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ’ቲ ካብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ክሳብ ነሓሰ 2001 ሓሙሻይ ሃገራዊ ጉባኤ ክትወስዶ ዝጸንሐት ታሪኻውን ዲሞክራሲያውን ውሳኔታት፡ ኣብ መበል 6ይ ሃገራዊ ጉባኤ ሓምለ 2006 ጎሊሑ ዝተራእየ ስእሊ መጻኢት ኤርትራ፡ ስእሊ መጻኢ ምምሕዳር ኤርትራ ብዘየካትዕ መንገዲ ዝተነጸረ ጉዳይ ኣሎ።

እዚ ነዊሕ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ናይ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ውሳኔታት ሃገራዊ ጉባኤ፡ ኣብ ናይ ቃል ደገፍ ጥራሕ ጠጠዉ ክብል ዘይብሉ ዕንየት ውድብ’ዩ ክብል ጥራሕ’የ ክብል ዝክእል። ምኽንያቱ እቲ ውሳኔ ንባዕሉ ዝብሎ ስለ ዝበዝሕ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ንኡስ ኣርእስቲ ክበሆ ክፍትን’የ።

መከላኸሊ ዕርዲ ዲሞክራሲያዊ ሕንጸት

ዲሞክራሲያዊ ሕንጸት ንበይኑ ከም ዘየገልግልን ከም ዘይጠቕምን፡ ካብ’ቲ ንባዕሉ ዝሞጎሰን ዝፈከረን ትምክሕታዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ. ዓብይ ኣብነት ኮይኑና ምህላዉ ምስጢር ኮይኑ ዝተሓዝ የብሉን፡ መከላኸሊ ዲሞክራሲያዊ፡ ምስ ህንጸት ዲሞክራሲያ ክቦቅል ኣለዎ።

ከም’ቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ህንጻ ህድሞ’ዩ። ህድሞ ከጽልለካ፡ ምድሪ-ቤት፡ ናሕሲ፡ ከም ዘድልዮ ንኩሉ ጸይሩ ዝኸይድ ዓንዲ ዋሕስ ጽላል፡ ባይታ ክህሉ ይግባእ።

ዲሞክራሲያዊ ህንጸት፡ ብመሰረታውያንን ቀንድን ኣዕኑድ ዝተደገፈ ዋሕስነት ዘልዎን ዘረጋግጸን ዲሞክራሲያዊ ክትከል ኣይግባእ፡

ገገለ ካብ መከላኽልን፡ ዕርድን፡ ዋሕስ ዲሞክራሲያ

መሰል

ሰብ ፡ ሓሳብ ናይ ምሕሳብን ምግላጽን፡ ናይ ምውዳብ ፡ ምንጻግን ምድጋፍን፡ ሓፈሻዊ ሲቪላዊ መሰሉ ክሕለወሉ ፡

ነጻነት

 

 ፡ብውሽጣዊ ኣተሓሳስብኡ ይኹን፡ ንግዳማዊ ኣተሓሳስብኡ፡ መንጸብረቕታ ዘመልክት  ተጽዕኖን፡ ራዕድን፡ ምፍርራሕን ዘይብሉ፡ ክስማዕን ክምዕብልን ክዓብን ምግባር፡

ማዕርነት

ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ጾታዊ፡ ደርባዊ ማዕርነት ብምርግጋጽ ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ነጻን ሰፍሕን ህዝባውን ተሳትፎ ብዝተሰነየ እዩ።

ሓድነት

 

ነዘን ሰለስተ ኣገደቲ ርእሰ ነገራት ዘጣመረትን ግን ከኣ ልዕሌኤን ክትጽውዓን ክትስመን ዘኽእላ፡ ናይ’ቲ ኩሉ እኩብን ድምርን እተሰምዮ ግብኣተ ስርዓተ ሃገራውያንን፡ ከም ሃገር እተስምዮምን እተፍልጦምን ሓድነት፡ ሓድነቶም’ያ ።

መደምደምታ

እዚ ሎሚ ብዙሕ ንዛረበሉን ጉዳይ ምልካዊ ስርዓት፡ ዝኸሰርናዮ 15 ዓመታት ነጻነት፡ ሰሪ’ቲ ውሕስነት፡ መክላኸሊ ዕርዲ ዘይምትካልና፡ ብዘይውዕልን ክታምን፡ ቃል ብቃሉ ንስለ ዝተቐበልናዮ ግጉይ ታሪኽ ምንባሩ ሎሚ ንምስክሮ ዘሎና’ዩ።

ዝተዘርአ ምስ ተዓጸደ፡ ይትረፍ ዝሓረሰ፡ ዝደኵዔን፡ ዝዓጸደ፡ ዘኸደን፡ በዓል ርባዕን መሰለስን’ኳ፡ እታ ምቕሊቱ ደሊዩ መዓልቲ ቆጸራ ዓውዲ ኣኽቢሩ ዝመጽእን መሰሉ ዝሓትትንስ ፡ ከም ንቡርን ባህልን ልግስናን፡ ንሰፍኢ ዓውዲ ዘቐበለ ተባሂሉ’ኳ ዝምቐልን ዝወሃብን፡ ንርኡይ ስኡን ወዲ እግዜኣብሄር ዝምጽወተሉ መሰል ኣገባብ ስርዓት፡ ባህሪ( ክራማት) ብዝፈቐዶ ይውሓድ ይብዛሕ ፡ ኩሉ ብጽሒቱ ረኺቡ ተዓጋጊቡን ተመሳጊኑን፡ ተሓጕሱን ዝኸደሉ ሰናይ ዓውደ ምህርቲ፡ ቀለብ ዓመት ኣውሒሱ ዝኸድይ፡ እቲ ስርዓትና ከኣ እንተ ንዓመት ክልተ ዓመት፡ ሰልስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት፡ ካብ ምርጫ ክሳብ ምርጫ ክንከላኸለሉን፡ ካብ’ቲ ዝሓሰብናዮን ዝተለምዮና፡ ዝተቃለስናሉን ከይዝምብልን፡ ከይእለን ጽኑዕ ዋሕስ ክንገብረሉ ይግባእ።

ቅዋም ናይ ዝጸደቐን፡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ መሰል፡ ነጻነት፡ ማዕርነት፡ ናይ ዝህልዎ ተግባራዊ ስራሕ’ዩ ክምዘንን፡ ክረአን። እዚ ኣብ ግብሪ እንተዘይዊዒሉ ከኣ፡ ዘይቕዋምናን፡ ዘይውሳኔናን ምዃኑ፡ እቲ ዕርዲ ናይ ምፍራስ ፈተን ዝካየደሉ እዋን ማለት ኮይኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ምእንቲ’ዚ ነቲ ዲሞክራሲያዊ መካልኸሊ ዕርዲ ሃገርን ህዝብን ዝሓልፍን ዝጸድቕን ውሳኔታት፡ ኣየነይቲ ውድብ ወሲናቶ ሓሳብ ኣቕሪባትሉ ብዝየገድስ፡  ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዘገልግል ዘበለ ብሓያል ክድገፍን ክጸንዕን ይግባእ እብል። 

ሓድነት ኤርትራውያን ይጽናዕ፡

25 ጥሪ 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2626

Posted by on Jan 25 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net