ኣበይ ኣለና? እንታይከ ንግበር?

ሰ.ጒ.ኤ.(ስትራተጂ ዓዲ) ክ.ዜና

ጥሪ 04-2007

ኩሉ ግዜ ተገዛእቲ ናይ ሓቅን ቅንዕናን ንምዃን ተወፋይነት እንተድኣ ክርከብ ተኻኢሉ፡ ዕንቅፋት ምዕባሌ እንዳተደምሰሰ ዝኸደሉ መስርሕ ይፍጠር። ብተወሳኺ ታሪኽ ዝመሃሮ መምህር ክትከውን እንተድኣ ተደልዩ ንተሞክሮኻ ብሓቅነትን ብቕንዕናን ከተንብብ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕማም ክኸውን ስለዝግባእ ኩሉሳዕ ተመኩሮኻ ምምዛን ናይ ቀጻሊ ሂወት ኣድላይነት ይኸውን። ብሕቡእ ታሪኽ ክነባበር ዝደሊ ባእታ ኣማኒ የብሉን። ዝለዓለ ሓለቓ ወድ-ሰብ ሓቂ ስለዝዀነ ኣብ ቃልሲ ብፍላይ ክኣ ኣብ ጽፍሒ ናይ ኣመራርሓ ተኣማንነት ንምምዕባል መጀመርያ ክርገጸሉ ዘለዎ ባይታ ኢዩ።

1-     ኲነታት መላኺ ስርዓት ኣስመራ

2-     ኲነታት ደምበ ተቓውሞ

3-     ኲነታት ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)

4-     መጠቓለሊ

ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከም ክፍሊ ዜና መጠን ኲነታት ዓለምና ክገፍሓና ስለዝኽእል፡ ንዝምልከቶ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኣወዳድባና ገዲፍና ኣብ ቀጽሪ ሃገርና ዝርከብ ምዕብልናታት ከነተኲር መሪጽና ኣለና።

1- መላኺ ስርዓት ኣስመራ፡ ህግደፍ፡ ነተሓሳስባና ወይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረና ሚዛን ናብ ዝተፈልየ ግምት ከዛዝዎ ዝኽእል ረቛሒ ነጥቢ ክንዕዘብ ኣይከኣልናን ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ምላኽን ባህርያቱን ዝጸንሓና ኣመላኻኽታን ዝወሰድናዮ መርገጽን ዘተርንዕን ዘረጋግጽን ሓቅታት ጥራይ ኢና ከነዋህልል ክኢልና። ብመሰረቱ ንሕና ከም ውዱባት ተቓወምቲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኣስመራ ተቓውሞና ከነስምዕ ዘገርም ኣይኮነን፡ እቲ ፍሉይን ክትኮረሉ ዘለዎን ዝድነቕን ግን፡ ሎሚ እቲ ዘይተወደበ ውጹዕ ህዝብና ኣብ ምዝራብን ምዕዝምዛምን ጥራይ ከይተወሰነ ብዓቕሙ ኣብ ስጒምቲ ምውሳድ ተሰጋጊሩ ብምህላዉ፡ እታ ተሪፋ ዘላ ሂወት መላኺ ስርዓት ኣስመራ ልሳን ህግደፍን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ዝተሸራረፈ ኣስናንን ጥራይ ምዃኑ ዝበርሃሉ ግዜ ብምዃኑ ኢዩ።

ሎሚ ስርዓት ኣስመራ ንህዝብና ብናቕፋ ባጤራ ክልውጦ ስለዝወሰነን የተግብሮ ስለዘሎን ብርግጽ እቲ ኣብ ቅድሜና ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭት እሱራት ይፈቱሕልና፡ ስርዓተ-ሕጊ ይተኸለልና፡ ደቅና ካብ ግዱድ ውትህድርና ይመለሱልና ናብራ ከቢሩና ወዘተ… ብማለት ንምምጽዳቕን ንምጽወታን እትጽበየሉ ግዜ ምዃኑ ተሪፉ፡ ምርጫና ከም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ፍጡራት ደቂ ሰብ መጠን ንናቕፋ-ባጠራ ንልወጥን ኣይንልወጥን ኣብ ዝብል ሕቶ እንታይ ምርጫ ክውሰድ ከም ዝግባእ ብውሳኔ ደረጃ ሕሳብና እንዓጽወሉ ደምዳሚ ስዓት በጺሕና ከም ዘለና ምፍላጥ ኢዩ። ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ሰብኣዊ መንነት ጨሪሱ ኣብ ዝተጋህሰሉ ወቕቲ፡ ምስቲ ኣንጸርጺሩ ዘሎ ህዝቢ ዲና ደው ንብል፡ ዋላስ ምሰቲ ዝተፈላለየ ምኽንያት ፈጢሩ ዕምሪ መለኽቲ ከናውሕን ሽግር ህዝብና ክደራርብን ዝደሊ ኢና ንስራዕ?

ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ከም ዝበሃል ህዝቢ ስርዓት ኣስመራ ምሕረት ዘየለሊ ጸላኢኡ ከም ምዃኑ ብተግባር ኣብ ዝኣወጀሉ ስዓት፡ ተቓወምቲ ዝብል ስም ለቢስና ብድሕሪት ክንስራዕ ሕራይ ዝብልን ዘይብልን ኣብ ዝብል ምርጫ በጺሕና ኣብ ዘለናሉ እዋን እንታይ ንግበር? ህልዊ ኲነታት ክንዝርዝር ንንበርዶ ወይስ ተግባራዊ       ስጒምቲ ንውሰድ? ነዚ ዘሎ ወድዕነት ክንመርሖ ዲና ንብገስ ዋላ ክንገልጾ ንቕጽል? ህዝቢ ብዛዕባ ህግደፍ ዘለዎ ኣጠማምታ መደምደምታ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ጒዳይ ኣመራርሓ ዲና ከነሰላስል ዋላስ ናይ ዝተረፈን ዝቕጽልን ግፍዕታት ተረኽቲ ንኸውን?

ሎሚ እቲ ግርጭት ናብ ጻዕዳን ጸሊምን ማለት ናብ ኣዚዩ ዘየደናግር ብሩህ ዝዀነ ተርእዮታት ተሰጋጊሩ ብምህላዉ፡ ስርዓት ኣስመራ ክእረም ይኹን ክጽገን ዘይክእል ምዃኑ ከም መሰኻኽር ዝቐርቡ ተቓወምቲ ውድባት ወይ ውልቀ-መዘንቲ ዘይኮኑስ፡ ምስክርነት ናብቲ ዝተወጽዐ ህዝቢ ተሰጋጊሩ ብተግባራዊ ተቓውሞ እንዳተራእየ ንምስክር ዝጽዋዕ ልዕሊ ህዝቢ ዝምዘን ከምዘየለ ተረጋጊጹ ኣብ ዘለወሉ እዋን እንታይ ንግበር? ካብ ኣኼባ ናብ ኣኼባ እንዳ ተሰጋገርና ብዓወት ተዛዚሙ ክንብልዶ ንንበር ዋላስ ካብ ታሪኽና ተማሂርና መማህራን ንኹን?

ሎሚ ንህዝብና ሓሙሻይ መስርዕ፡ ጒዳይ ዶብ ስለ ዘይተፈትሐ፡ ኢትዮጵያ ጸላኢትኩምያ፡ ንእትዮጵያ ኣይትኺዱ፡ ንሱዳን ዓሪቕናዮም፡ ወያኔ ክወድቁ ኢዮም፡ ህዝቢ ካብኦም ተፈልዩ ኣሎ፡ ሶማል ኣሕዋትና ኢዮም፡ ወያነ ጸላእትና ኢዮም፡ ዒላ ሰሪሕና፡ ጽርግያ ኣግፊሕና፡ ወዘተ… ዝብሉ ሃጠው ቀጠዋት ህዝቢ ካብ ተቓወምቲ ኢና ብሃልቲ ንላዕሊ ኣብ ዝነቕሓሎም እዋን እንታይ ንግበር? ሎሚ ህግደፍ ሓምሻይ መስርዕን ሙጃሂድንን ምባል ገዲፍዎ ንባዕሉ ብግህዶ ሓምሻይ ምስርዕን መጃሂድንን ኣብ ዝዀነሎ እዋን፡ ምስ ህዝቢዶ ንሰራዕ ካልእ ኣጀንዳ ናይ ምድንጓይ ንጸበ?

ሎሚ እታ ህግደፍ ከይትኸድዋ ጸላኢትና ኢያ ዝብላ ብ “ወያኔ” እትመሓደር ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ካብ ግዳማዊ ዓለም ብዘይካ ህግደፍን ሸራፋት ኰራርምቱን ኩሉ ከይዱዋን ይኸዳን ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሸራፋትዶ ንሰራዕ ዋላ ምስቶም ነቲ ዝተረፈ ኰራርምቲ ከዕንዉ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ውጹዓት ህዝብና? እንታይ ንግበር? ሎሚ ህግደፍ ውራይ ኤርትራ ጠንጢኑዎ ብግህዶ ኣብ ውራይ ጎረባብቲ ተሸኺሉ ኣብ ዘየዋጽኦ ፖሊቲካዊ ጠለቃ ይቋማጣዕ ኣሎ፡ ኣብ ኤርትራ ህግደፍ ሎሚ ሓንቲ ብሚዛኑ ከባድ ስራሕ ዝብላ ጥራይ ተሪፋቶ ኣላ። ንሳ ድማ ንሕስያ ዘይብሉ ዓብን ንእሽቶይን ሰብኣይን ሰበይትን ምቕጥቃጥን ምእሳርን ናቕፋ-ባጤራ ምምንጣልን ኢያ። ኣብዚ ኲነታት’ዚ ይምንጥል ኣሎ ኢልናዶ ነውሪ፡ ወይስ ነተን ዝምንጥላ ኣእዳዉ ዝምንጠላሉ ብልሓት ንፍጠር? እንታይ ንግበር?

ሎሚ ህዝብና ብህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብተቓወምቲ’ውን ከምዝተማረረ ግህዶ ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ ቃልሲ የዐውት እምበር ቃልሲ ኣይመርሕን ኢዩ፡ ህዝቢ ቃልሲ ንምዕዋት ብሩህ ምልክታት ኣብዘርእየሉ እዋን፡ ገሌና ዓናቐፍቲ ገሌና ክኣ ተመራሕቲ ኰንና ክንርከብ እንተድኣ ኰንና፡ ውድባት ኣለዋና፡ መራሕቲ ውድባት ኣለውና ኢልና ክንእውጅ መሰል የብልናን። ዘይመሰሉ ዝወስድ ድማ ግፍዐኛ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ህዝብና ተቓውሞኡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት እንተሰንዘረ’ውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ ክሲ ምዃኑ ኣብ እንርድኣሉ እዋን፡ እንታይ ንግበር?

ሎሚ እታ ደወል ናይ ህዝብና ኩሉ ብዝሰምዓ ዓውታ ትድውል ኣላ። ጒዳይ ህዝቢ ንወሰን ደርብዩ ሸለል ዝበለን ኣነስ ዓቕመይ እንሆ ዝበለን ህዝብና ክምዝግብ ግድነት ኰይኑ ኣሎ። ኣበይ ንመዝገብ? ጕባኤ፡ ስምረት፡ ስጒምቲ፡ ወሲድካ ናብ ዓወት ክብጻሕ ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና። እንተዀነ ግን ናይ መን ጒባኤ? ናይ መን ስምረት? ናይ መን ስጒምቲ? ናይ መን ዓወት ክኸውን ከምዘለዎ ኣቐዲምና ክንፈልጥ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ኣበይ ንሰራዕ? ምስ ሰላሚ፡ ጸጋኒ፡ “ሰላማዊ” ተጸባይነትዶ ዋላስ ምስቲ ኩሉ ተጸንቂቑዎ ፋሕተርተር ዝብል ዘሎን ኩሉ ዓይነት መስዋእትን ዝኸፍል ዘሎ ህዝብናን ደው ንብል? እቲ ምርጫ ብዘየማትእ ግልጺ ኰይኑ ኣሎ፡ እንታይ ንግበር?

ሎሚ ህግደፍ ነታ ህዝቢ ኤርትራ ብጽምኣት ሃገራዊ ነጻነትን ብሕጽረት ተመኲሮን ብግርህና ደቅና እንድዮም ዝብል ኣባታዊ እምነትን ዝሃቦ ናይ ቃል ኪዳን ቀለቤት ካብ ኣጸብዕቱ ኣውጽኡ መጣልዒ ናይ ጐረባብቲ ግርጭታት ገይሩዋ ኣሎ። ሎሚ ህግደፍ ንዝኣመነ ይኹን ንዘይኣመነ ምልላይ ኣብዘሸግሮ ወቕቲ በጺሑ ስለዘሎ፡ ናይ ራዕዲ ደበና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ ዘንከባልለሉ ስዓት ሴፍ ህግደፍ ኣብ ክሳድ ህዝብና ወግሐ-ጸብሐ እንዳወጣወጠት እንታይ ንግበር? ህልዊ ኲነታትና ካባና ንላዕሊ ሓላፍ መንገዲ ኣብ ዝሰክሓሉ እዋን ቦታ ውድባትን መራሕተንን እንታይ ክኸውን ይግባእ?

ሎሚ ዘለዋና ውድባት ነዚ ህልዊ ኲነታት መዚነን ዕማመን ክፈልጣን ከሰላስላን ዘይክእላ እንተድኣ ኰይነን፡ መራሕተን ጥራይ ዘይኮነስ ጥዕና ዘለዎም ኣባላት ኣለውወን ክንብል’ውን ንቓልሲ ዘዋጽእ ምልክት የብሉን። ህዝቢ ብህዝቢ ክትትክኦ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ውድብ ብውድብ ክትካእ ግን ህዝቢ ዝወልዶ ተርእዮ ስለዝዀነ ይክኣል ኢዩ። ስለዚ ህዝብና ምስ ህግደፍ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ዕጹው ስለዝበጽሐ፡ ውድባትን መሰረታተንን ወይ ንወድዕነት ተረዲአን መንገደን ይፈልጣ ወይ ድማ ህዝባውነተን ጠፊኡ ብህዝባዊ ውድባት ክትክኣ ግድነት ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክውንነት’ዚ ቦታና ኣበይ ኢዩ? እንታይ ንግበር?

2- ኲነታት ደምበ ተቓውሞ፦ ደምበ ተቓውሞ ከም ፖሊቲካዊ ውደባ መጠን ኣብ ሰለስተ ከም መስርሕ መጠን ድማ ኣብ ኣርባዕተ ተኸፋፊሉ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ቀዳማይ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዝርከቡ ሕውስዋስ ዝተፈላለየ ኣጀንዳን ዝተፈላለየ ኣፈታትሓ ግርጭትን ዝውንኑ ውደባታት፡ ካልኣይ ወጻኢ ካብ ኪዳን ዝርከቡ ሓደ ኣጀንዳን ዝመሳሰል ኣፈታትሓ ግርጭትን ዝውንኑ ውደባታት፡ ሳልሳይ ሲቪካዊ ማሕበራት ሓደ ኣጀንዳን ዝተፈላለየ ኣፈታትሓ ግርጭትን ዝውንኑ ምንቅስቓሳትን ጒጅለታትን፡ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ድማ ሓደ ኣጀንዳን ዝተፈላለየ ኣፈታትሓ ግርጭትን ዝውንኑ ውለቀ ሰባት ክንብሎም ንኽእል? ኣብዚ ኲነታት’ዚ እንታይ ንግበር?

ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነት ኣልጀብራዊ ዝዀነ ኣፈታትሓ ግድል ዝፈልጡ ውድባትን መራሕትን ከድልዩና ግድን ክኾውን ኣለዎ። ዝመሳሰሉ ክንፍታት ቃልሲ ነናብ ዝምልከቶም ከነተኣሳስሮምን ከነዋስቦምን እንተዘይክኢልና፡ እቲ ግድል ክፍታሕ ከምዘይክእል ዝኣኽሎ ናይ ዕንክሊል ግዜ ብምውሳዱ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ። ሎሚ ህዝቢ ኩሉ ዓይነት ፈተነ ወዲኡ ተማሪሩ ስለዘሎ ፍታሕ እምበር ዝያዳ ግድል ንኽስከም ማእገር ኣብዘይብሉ እዋን እንታይ ንግበር? ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሽም ተቓውሞ ለቢስና ግድል ኣብ ዘለዎ ኣወንዚፍናዶ ንቐጽል ዋላስ ኣልጀብራዊ ቦታና ንሓዝ? እንታይ ንግበር?

ሎሚ ኪዳን ከምዚ ገበረ፡ ከምዚ ደገመ እንብለሉ ስዓት ኣብቂዑ ኢዩ። ዓስ ይብለኪ ክር ይብለኪ እንተኣበኺ ንዝብኢ ይህበኪ ከም ዝበሃል፡ ኪዳን ምርጭኦም ይግበሩ፡ እቲ ካልእ ወጻኢ ካብኦም ዘሎ ውደባታት ብዛዕባ ኪዳን ዝገብርዎ ክቋመት ግዚኡ ዘጥፍእ እንተድኣ ኰይኑ፡ ንባዕሉ ተሓታቲ ናይ ግዜ ምብኻን ካብ ምዃን ኣይከምልጥን ኢዩ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ብመንጽር ሃል-ሃል ዝብል ዘሎ ሕቶ ህዝብና ውሳኔ ክወስድ ትሓታቲ ኢዩ። ኪዳን ኣበይ ከምዝነበረን ኣበይ ከምዘሎን ንኣተሃላልውኡ እንታይ ምኽንያት ከምዘቕርበሉን ኩሉ ፈሊጡዎ ኣሎ። ይዋእ “ስሙር ግንባር” ንባዕሉ ምኽንያት ተወዲኡዎ ኣብዚ ህዝባዊ ቍጥዐ ዝዓብለለሉ እዋን ብኽልተ ሰለስተ ፓራግራፍ ምስ ሀዝቢ ተቓሊዑ ኣሎ። እንታይ ክገብሩ ኢዮም ድሕሪ ጥሪ ዘላ ወርሒ ናታ ፓራግራፍ ክህልዋ ኢዩ። ካብ ማእሰርቲ ውጻእ ኢልካዮ እምብለይ ዝብል እሱር ዋርድያ ስለዘየድልዮ ድሕሪ ደጊም ብዛዕብኦም ንብሎ የብልናን።

ወጻኢ ካብ ኪዳን ዘለዉ ውድባት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ዘየማትእ ተቓውምኦም ናይ ሓባር ውደባን ቅርጻን ክህንድሱ ህዝቢ ከይንዓቖም ክጓየዩ ኣለዎም። ብታሪኽ ተመክሮና ክንግንዘቦ እንተድኣ ኰንና፡ ኩሉ ግዜ ኣመራርሓና ወድዓዊ ኲነታት እንዳቐደሞ ተሳቒና ኢና። ሎሚ ናይ ታሪኽና ተመሃሮን መማህራን መጻኢ ሂወትናን ክንከውን ክንበቅዕ ኣለና። ወጻኢ ካብ ኪዳን ዘለዋ ውድባት ጎናዊ ምዕዝምዛም ወጊነን ተቓውሞአን ህዝቢ ብዘስተባህለሉ መንገዲ ከኻዕብታ ብኣድላይነት ክርአ ዘለዎ ነጥቢ ኰይኑ አሎ። ሎሚ ዓቕምታት መራሕቲ ተበታቲኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዝኣክል ዓቕሚ ክሳዕ ዝውህለል ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉና መራሕቲ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ ከርእዩን ምድርራብ ናይ ስራሕ ክቕበሉን ድሉዋት ክዀኑ ከድልዮም ኢዩ።

ሎሚ እዚአን ጥራይ ኢየ ዝሰርሕ ኢልካ ናብ ዕረፍቲ ትጥምተሉን መሳርሕትኻ እትወቕሰሉን እዋን ከምዘይኮነ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዉ መራሕቲ ውድባት ኣጸቢቖም ክግንዘብዎን ከተግብርዎን ዝግባእ ኢዩ። ባህሪ ናይዚ ዘለናዮ መድረኽ እቲ ዕማም ማእለያ ዘይብሉ እቲ ንዕኡ ዝገጥም ኣእምሮን ጒልበትን ድማ ኣዚዩ ንኡስን ብቱንን ምህላዉ ምርዳእ ዘድልዮም መራሕቲ ከድልዩና ኢዮም። መድረኽ ናይ ሳምቦ-ሳምቦ እምበር ናይ ምቅብባል ግዜ ከምዘይኮነ ዘለልዩ መራሕቲ ከነፍሪ ክንበቅዕ ኣለና። ሎሚ ሙሴ ከድልየና ኢዩ ዝበሃል ኣዘራርባ እኳ እንተሃለወ፡ ንሱ ኣብ ቦትኡ ኰይኑ ዕርዲ መለኽቲ ኣፈራሪሱ ኣስመራ ዝኣቱ ኢያሱ’ውን ኣዚዩ ከምዘድልየና ክንርስዕ ይብልናን።

ሎሚ ጀሚሮም ዝዛዝሙ ተስፋ ዘይቆርጹ መራሕቲ ከድልዩና ኢዮም። ታሪኽና ብዙሕ ጒድለት ናይ መራሕቲ መዝጊቡ ኢዩ። ሚስጢራውያን መሓብር ጀብሃን ሻዕብያን ብኢደ ወነነን መልእኽቲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቃሕ ዝበለን እንዳ ኣዘናብዓ ኣደዳ ውድባዊ ፋሕ-ብትንን ስደትን ውርደትን ምልክን ጎደሎ ሃገራዊ ምልኣትን ፍኑው ዶብን እንመሓደረሉ ሕግን ዘይብላ ሃገር ኣረኪበናና ኢየን። ህዝብና ግዲኡ ቃልሲ፡ መስዋእቲ፡ ስንክልና፡ ጥምየት፡ ዕርቃን ብዝግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ዓቐን ከፊሉዎ ኢዩ። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ግፍዒ እኩብ ድምር ሕጽረታት ናይ ኣርብዓ ዓመትን ልዕሊኡን መራሕትና ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘረከቡና ኢዩ። ኣብዚ ውሽጢ ኣርብዓ ዓመት’ዚ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ዕንወት ተፈጺሙ እንዳሃለወ ሓንቲ ምዓልቲ ተጋጊና ዝበለ መራሕን ውድብን ከይተሰምዐ ሞት ሓያል ክትቅድመና ጥራይ ንዕዘብ ኣለና። ክሳብ ሕጂ ታሪኽና ውድባት ሰውራና ዝገበርኦ ዘበለ ኩሉ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ጥራይ ኢዩ ዝሕብር። እዚ ኩሉ ዕንወት ከመይ ኢሉ ከም ዝመጸ እንድዒ! ድሕሪ ደጊም ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ውድባት ጒድለተን ከብርሃን ክእርማን መንፍዓተን ብትኽክል ክዝርዝራን ዓቕመን ክፈልጣን ከድልየን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ ሓቂ ተገዛእቲ ክዀና እናሳዕ ነብሰን ክፍትሻ ኣለወን። መራሕቲ ካብ ምምሕዳር ሓሊፎም ናብ ምምላኽን ምግዛእን እንተ ተሰጋጊሮም ንሓቂ ኣይግደሱላን ኢዮም። ተመራሕቲ ድማ ንመግዛእቲ እንተለሚዶሞ ክሳዕ እታ እትመሮም ስዓት ናብ ጊላታት ኢዮም ዝልወጡ። እዚ ክልቲኡ ሸነኽ ኣብ ታሪኽ ናይ ህዝብና ኣጋጢሙ ኣሎ።

ሎሚ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ውድባት ነዚ ተመኲሮ’ዚ ብደረጃ ተሓታትነት ኣብ መደበን ከስፍርኦ ከድሊ ኢዩ።ሲቪካዊ ማሕበራት ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓላፍነት ነብሰን ክሰርዓን ቃልሰን ከዛምዳን ከድልየን ኢዩ። ነዚ ዝምድና’ዚ ክገጥምኦ ብመንጽር እቲ ህዝብና በጺሑዎ ዘሎ ናይ ጭቆና እንጽርጽሮት ነብሰ-ምጽራይ ክገብራ ክብገሳ ኣለወን። ብዝተረፈ ናይ ወስታ ዝምድና ዘይብሉ ሰላማዊ ሰልፊ ኣሲሩወን ክነብር ኢዩ። ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝንኣድ እኳ እንተዀነ ከም ቀዳማይ ብርኪ ናይ ቃልሲ ድኣ እምበር መዛዘሚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ታሪኽ ዘረከበና ናይ ተመኲሮ ፍልልይ ስለዘሎ ግን ንግዚኡ ውዑይ ናይ ዜና ሂወት ክህልዎ ኢዩ። እቲ ንዕኡ ዝትክኦ ላዕለዋይ ብርኪ ናይ ቃልሲ ካብ ውሽጡ ብዘየማትእ ክውለድ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሕዝነና ነዚ ታሪኻዊ ሰለይታ እዚ ተጠቒሞም ጎታቲ ናይ ጽገና መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ኣብ ጎኑ ተጐዝጒዞም ዝምዝምዙ ክንፍታት ብምህላዎም ኢዩ።

እቲ ራብዓይ ናይ ውልቀ ሰባት ሀለዋት ኰይኑ፡ ዓቕምታቶም ብዘየገድስ ዝጻወትዎ ግደ ኢዩ። ወልቀ ሰባት ውደባዊ ሂወት ጸሊኦሞ ተመኒዩዎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከም ውልቀ ክጎዓዙ መሰሎም ኢዩ። ንምኣዝን ቃልሲ ህዝብና ከመዛብዑ ኣብዝረኣይሉ እዋን ግን ካብ ተሓታትነት ሓራ ኣይክወጹን ኢዮም። እቲ ዝድለ ጠለብ፡ ዓቕምታቶም ብመንጽር ኣውያት ህዝብና ንዝዕቀን ኣወዳድባ ምስ ዝውጅህዎን ምስ ዘዛምድዎን ኢዩ ኣስተዋጽእኦም ፍረ ዘህልዎ ። ንስለ ምቅዋም ደው ዝበሉ እንተድኣ ኰይኖም ግን ገምገምትን መጽሓፋውያንን ኰይኖም ጥራይ ኢዮም ዝተርፉ። እቲ ምርጫ ናይ ቃልሲ ሎሚ ንኹሉ ብሩህ ኰይኑ ስለ ዘሎ ውልቀ-ሰባት’ውን ሎሚ ምርጭኦም ናብ ሕልንኦም ዝተርፍ ክኸውን ከሎ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ናይ ውሳኔ ምድንጓይ ክገብሩ ምስ ዝፍትኑ ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ዘኽእሎም ኣይኮነን። ዕርበተ ሕልናን ጽግዕተኛነትን ብሕቱው ጒዕዞን መተካእታ ቃልሲ ኣይኮነን።

5-     ኲነታት ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)፦ ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሸውዓተ ውድባት ስምረት ተመኲሮታቱ ክመዝን ከሎ ዘጋጠሞ ሕጽራታትን ረብሓታትን ሓደ ብሓደ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መድረኻዊ ገምጋም ኣብ ዝብል ሕታሙ ዘርዚሩዎ ስለዝነበረ ስኑድ ብምዃኑ፡ ናብኡ ምምላስ ኣድላይነት የብሉን። ብሓጺሩ ግን ሰልፍና ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ድኽመትን ካብ ናይ ግዳም ተጻባእትን ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት ብመአረምታን ብምክልኻልን ተቓሊሱ ነታ ዝመስረታ ሰልፊ ደው ከም እትብልን ናይ ዓቕማ ቃልሲ ከተሰላስል ከምእትበቅዕን ክገብር ምኽኣሉ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሙ ኣብሪሁዎ ኢዩ። ንጹር ፐሮግራም፡ ምስ ፐሮግራሙ ዝሰማማዕ መርገጽን ገለጻን መድረኻዊ ፖሊቲካዊ ጥምጥምን ክገብር በቒዑ ኢዩ። ጸረ- ተኣላይነት፡ ጸረ-ተምበርካኽነት፡ ጸረ-ኣላሽነት፡ ጸረ-ጽገናን ተጸባይነትን ልሉይን ብሩህን መኸተ ከካይድ ዝጸንሐን ዘሎን ናይዚ እዋን’ዚ ፉሕ-ፉሕ ዝብል መንገዱ ዘነጸረ ግሁድ ሰልፊ ክኽውን ዝኸኣለ ኢዩ።

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ(ስትራተጂ ዓዲ) ዓይነታዊ ትሕዝትኡ ንጹር ክኸውን ከሎ ዓቐናዊ ትሕዝትኡ ዘመክሕ ኣይኮነን። ሰልፍና ኣብ ዓይነት ማለት ንጹርን ዘየናሕስን ጸረ-ምልካዊ ቃልሲ ብኩለንተናዊ ኣገባብ ደው ኢልካ ዓቐናዊ ኣተሃላልዋኻ ብስምረት ናብ ዕብየት ምስግጋር ከም ዝከኣል ብቐዳምነት ዝቐየሱ ኣሃዱታት ዝመስረትዎ ከም ምዃኑ መጠን፡ ናብ ውልቀ-ውደባዊ ዕብየት ሃተምተም ገዲፉ ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ ምስ ዝመሳሰልዎ ምቅርራብን ምዝታይን ከም ቀዳማይ ዕማሙ ዝወሰዶን ዝወስዶ ዘሎን ኢዩ። ኣብዚ ጒዕዞ’ዚ መሪር መሰናኽል ኣጋጢሙዎ ጠሓሒሱ ብምሕላፍ፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ተጋድሎ’ዚ ድማ እንሆ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ኣዋጅ ከምዝምስክሮ፡ ጥርናፈ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ዝብል ኣሰራርሓ ሓድነት ከም ዘምርሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ውጽኢት’ዚ ጻዕርታት ናይቶም ምሓዙት ውድባት ብዝንኣድ ኣስተዋጽኦ ዝተገብረሉ ከም ምዃኑ መጠን ሰልፍና ዝዀርዓሉን ዝመሰጋገነሉን ተረኽቦ ኢዩ።

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ልዕሊ እዚ ሐጂ ተረኺቡ ዘሎ ተበግሶ ምጥርናፍ ክፍጠር ተስፋን ጻዕርን ጌሩ ነይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ንግዚኡ ተበጺሑ ዘሎ እዚ ኰይኑ፡ ነቲ ዘይተበጽሐ ሸነኻት ንምምላእ ተስፍኡን ጻዕሩን ቀጻሊ ኢዩ። ውልቀ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ክገብሮ ዝኽእል ድሩት ኢዩ፡ ተበጊሱ ዘሎ ጥርናፈ ክገብሮ ዝኽእል ግን ዚያዳ ስለዝዀነ እቲ ተስፋናን ጻዕርናን ክንህር ምኻኑ ድሮ በጺሕናዮ ዘለና ገምጋም ኰይኑ ኣሎ። ተበግሶና ማለት ጥርናፈ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ ሎሚ’ውን ብዝተፈላለየ መልክዓት ማሕለኻታት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ክግመት ዝከኣል ምናልባትነት ኢዩ። እዚ እንዳዀነ ግን ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ከምዘይከውን ሰልፍና ብቐሊል ዘይግመት ምትእምማን ምስ ምሓዙቱ ሰሪቱ ኣሎ።

ሎሚ ሰልፍና ምስ ውጹዕ ህዝብና ንኽራኸብ ካብ ጸቢብ ናብ ብመጠኑ ዝገፍሐ መንገዲ ዝኣትወሉ ዘሎ መድረኽ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ ስትራተጂ ዓዲ ብዝያዳ እንዳበርሀን ናብ ህዝቢ እንዳተዘርግሐን ይኸይድ ብምህላዉ፡ መን እንታይ ኢሉ፡ መንከ ናይ መን ኣበሃህላ ደጊሙ እንዳተነጸረ ዝኸይድ ዘሎ እዋን ኰይኑ ኣሎ። ሰልፍና ንስትራተጂ ዓዲ ብዝከኣል መጠን ፈቲጉ ኣብ ዝተፈላለየ ሕታማቱ ኣቓሊሑዎ ኢዩ። ዓንዲ ማእከል ናይ ዕብየትና ድማ ንሱ ኰይኑ ስለ ዘሎ ተበግሶ ጥርናፈ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይዚ ርትዒ’ዚ መባእታዊ ምስክር ኢዩ። ሰልፍና ድሕሪ ብዙሕ ማሕለኻታትን ክሳብ ሕጂ’ውን ዘይሃፈፈ ቅንጸላታት ናይ ካብ ዕንወቶም ዘይመሃሩ ተረፍ መረፍ ናይ ክሳራ መዝገብ ታሪኽ ዝውንኑ ክንፍታት ጠሓሒሱ ኣብዚ ጥርናፈ’ዚ ምብጽሑ ክሕበን ይግብኦ ኢዩ ክንብል ከለና ከምካሕ ግን ዘጸብቐሉ ኣይኮነን።

ሰልፊ ጒባኤ ኤርትራ ነብሱ ሓራ ከየውጽአ ንህዝቢ ናይ ምምራሕን ምሕባርን ዓቕሚ ከምዘይውንን ስለዝፈልጥ ብዝክኣሎ መጠን ጽግዕተኛ ናይ መሳርፍ ምንጭታት ክኸውን ኣይመረጸን። ስለዝዀነ ድማ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ንጹር መርገጽ ዝውንኑ ክጠራነፍ ተበጊሱ ኣብታ ሕጂ በጺሑዋ ዘሎ ክበጽሕ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ተገዛኢ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘይኮነስ፡ ተገዛኢ ሓቅን ቅንዕናን ካብ ዝገብር መለለይ ኣገባብ ቃልሲ ኢዩ። በጺሕናዮ ዘለና ተበግሶ ናይ ምጥርናፍ ኣጋኒንና ከነቕርቦ ኣይነህንደድን ኢና፡ ቅኑዕ ተበግሶ ምዃኑ ግን ንሕበነሉን ንታኣማመነሉን ህዝባዊ መስመር ኢዩ። ተግባራዊ ኣሰራርሓና ከዕብዮ ስንፍናና ክኣ ከንእሶ ከምዝኽእል ስለ እንፈልጥ፡ ዝክኣለና ዘበለ ኩሉ ከነበርክት ተሓተትቲ እንዀነሉ መድረኽ ኢዩ። ስምረታዊ ኣተዓባብያ መርሖና ክቕጽል ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ክሳብ ስርዓት ህግደፍ ተጋሒጡ ዝጠፍኣሉ ግንባራዊ ኣሰራርሓ ክምዕብል ክንጋደል ኢና። እቲ መንገዲ ምስ ምሓዙትና ካብ ናይ ትማሊ ብዝበለጸ ተኸፊቱ ኣሎ፡፡ እኹል ኣይኮነን፡ ዝያዳ ተቓለስቲ ክመጹናን ከንመጾምን ዝነበረ መደብናን ዝቕጽልን ምዃኑ ከም ቀደምና ሕጂ’ውን ደጋጊምና ንሕብርን ንጽውዕን ኣለና። ዝሕጥ ዝብሉ ኣይክሰኣኑን ኢዮም። ዘዋጽእ ከምዘይኮነ ግን ኣቐዲምና ክንሕብሮም ንፈቱ። ህዝብና ናይ ዓወት ቅልጽም ይውንን እኳ እንተዀነ፡ ክምራሕ ከምዘለዎ ምዃኑ ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ብዘይ ንጹር መርገጽን ብኽልተ ዓይኒ ዝጥምት ምሕዝነትን ጌርካ ግን ሕቶ መሪሕ ክምለስ ስለዘይክኣል ኣብ ዕንክሊል ዝነብራ ውድባት ካብ ሕጂ ንንዮው ህዝብና ብንሕሰያ ከምዘይጥምተን እንተፈለጣ ይሓይሽ ንብል።

መጠቓለሊ፦  – ካብ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብትጽቢት ሰላምን ራህዋን ኣይንጽበን

–          መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብሰላማዊ ኣገባብ ናብ ሕራይ ክንቅይሮ ኣይንሓልምን

–          ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ክንጽግን ኣይንብገስን

–          ንመላኺ ስርዓት መፈስላቱ ዝሰብራ ኣሃዱታት ብዝሰመረ ፖሊቲካዊ ግንባር ዝምእዘዛ ከነንቀሳቕስ ንኣምንን ንቃለስን

–          ዝተፈላለየ ኣጀንዳን ኣፈታትሓ ግርጭትን ዝውንና ውድባት ናብ ተግባራዊ ስጒምቲ ክሰጋገራ ከምዘይክእላ ንምህር

–          ዝሰርሕ ግንባር ክፍጠር ከምዘለዎ ንኣምንን ንቃለስን

–          ኣብ መንጎ ብሰላማዊ ዝብሉን ብኩለንተናዊ ዝብሉን ድንድል ክምስረት ከምዝክኣል ንእምት

–          ስትራተጂ ዓዲ ዓንዲ ማእከል ቃልስና ምኻኑ ንኣምንን ንቃለስን ንምህርን

–          ተተሓሒዝናዮ ዘለና ጥርናፈ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝባዊ መስመር ከም ምዃኑ መጠን፡ ብቓልሲ ክዓብን ክዕወትን ምኻኑ ኣይንጠራጠርን

–          መንገስቲ ብሕጋዊ ኣፈጻጽማ ንህዝቢ ይመርሕ፡ ንመንግሰቲ ድማ ትዕግስትን ምኽሪ ህዝብን ይመርሕዎ፡ ሰልፍና ነዚ ይቃለስ

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፡

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና       ሰ.ጒ.ኤ.(ስ.ዓዲ) ክፍሊ ዜና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2631

Posted by on Jan 4 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net