ስርዓት ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዜጋታቱ እዮም ተኪኦሞ

ኣብዛ ዓለምና ደቂ ሰባት እንነብሮ ድሩት እኳ እንተኮነ: ውልቀ መለኺ ገዛኢ ሃገረ ኤርትራ ግን ነዚ ዝረስኦዖ ይመስል። ነተን ተሪፈንኦ ዘለዋ ዕድመ ልዕሊ ኩሉ ውልቃዊ ክብርን ዝናን ስለ ዘገድሶ ሃርና ኤርትራን ህዝባን ካብ ዝከፈኤ ናብ ዝከፍኤ ኣሳጢሕዋ ይርከብ

እቲ ገበን: ካብ ገበን ናብ ገበን ምስ ተደጋገመ መዋጽኢ ሲኢኑሉ ለኪመ ለካኪመ ምጥፋእ ይሕሸኒ ኢሉ ተታሒዝዎ ኣሎ።

ማለትሲ ህዝቢ መሪርዎ ዓቕሊ ጽበት ዘምጽኦ ውላዱ ፈጭ ኢሉ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ይጸንት ኣሎ። መሰል ህዝቢ ዝበለ  ዓዱ ተሓሪሙ ጠላም ተቖጺሩ መዋእል ኣብ  ስደት ከርተት ይብል ኣሎ ።

ግብኡ ዝሓተተ: ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ ዝበለ: ኣብ ማእሰርቲ ይበሊን  በብሓደ ይመውትን ይሓቅቕን ኣሎ። እቲ ን30 ዓመት መሪር ቃልሲ ኢልና ነዘንትወሉ: ባዕዳዊ ጨቛኒ ስርዓት ኣባሪርካ :ህግደፋዊ ጨቛኒ ስርዓት ንምትካል ከምዘይነበረ ኩልና ንፍልጦ እዩ። ኮታ  ስርዓት ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዜጋታቱ እዮም ተኪኦሞ እምበር: ጭኮናን ግፍዕንሲ ካብ ዝባኑ ኣይወረደን።

      መቸም ንውዲ ዕዳጋ ዓርቢ ወዲ ዕዳጋ ሓሙስ ይፈልጦ ከምዝብሃል፡ ኣእዛን ህዝቢ ኤርትራ ብኣመሪካ ዝብላ ቃላት ጸሚመን እንድየን ዘለዋ።  ንኣመሪካ ብኸመይ ይፈልጦን፡ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ናይ ቅንጸላ ተግበራቱን፡

እስከ ብዛዕባ ውልቀ መላኺ ሃገርና ኤርትራ፡ ተመን ዝነበረ ናብ ገበል ዝተቐየረ ድሕረ ባይታኡ ንምልላይ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተዘርግሐ  ብመጽሄት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ( ዕላዊ ልሳን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ)   ዘይረከብኩሞ ንክትረክቡዎ ነዚ ዝስዕብ ሰነድ ኣንብቡ ንሚዛንኩም ንምሕጋዝ ዝኣክል። ከምዚ ድማ ይብል፡

                   

ሃገራዊ ክድዓት ኣብ  ታሪኽና ዋናታቱ ዘለውዎ’ዩ

        ኣብ ጉዕዞ’ቲ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘበገሰቶ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ንሰውራና ብምኽዳዕ ኣብ ደንበ ጸላኢ ተሰሊፎም’ዮም። ብውልቀሰባት ዝፍጸም ክድዓት ኣብ ሰውራና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙሓት ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካይዳ ዝነብራ ሃገራትን ውድባትን’ውን ከይተረፈ ዝተራእየን ዝርአ ዘሎን ተርእዮ’ዩ። ኮይኑ ግን ብውልቀ ሰባት ዝፍጸም ክድዓት ዋላኳ ኣብ እዋኑ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት እንተነበረ ከብጽሖ ዝኽኣለ ጉድኣት ግን ኣዚዩ ድሩት እዩ ነይሩ።

    ተሐኤ ካብ ትምስረተሉ ዕለት ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ንረብሓን ጥቅምን ህዝቢ ኤርትራን ሰውራኡን ይትረፍዶ ኣሕሊፋ ክትህብስ ዋላ ንኽሊት’ውን ትኩን  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዳቶ ከምዘይትፈልጥ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጣ ተወሊዶም ዝዓኾኹ ተፍንጨልቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝብናን ሰውርኡን

ጉድኣት ብምፍጻሞም ቃልሲ ህዝብና ኣዚዩ ከም ዝናዋሕን ዝኸፈሎ መስውእቲ ከም ዝተዓዛዘርን ምግባሮም ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን። ብዘይካዚ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ቀቢላውን ስምዒታት ኣለዓዒሎም ንህዝብና ክፈላልይዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣብ ልዕሊ ዘይምንባሩ ንሰውራና ብዕሸሉ ከሎ ንምብርዓን’ውን ዝክኣሎም ዘበለ ኩሉ ገይሮም,ዮም። እዚ ተርእዮ’ዚ ብፍላይ ካብ መወዳእታ 1969 ዓ/ም/ፈ ዘሎ  ክሳብ 19970 ዘሎ ግዜ  ዝተራእየ’ዩ። ተደላይነት ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ ዝተፈጸመን ክፍጸም ዝጸንሐን ናይ ክድዓት ተርእዮታት ዋናታቱ መን ምኻኖም ምሕባሩ እዋኑ ዝጠልቦ ዘሎ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ክድዓት ክጅምር ከሎ ዘይተወልደ መንእሰይ ወሎዶ’ውን ክፈልጦ ታሪካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘሎዎ’ዩ። እስከ እቲ ካብ መወዳእታ 1969 ጀሚሩ ብጉጅለ ኢሳያስ ዝትራእየን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሰውሩኡን ጉድኣት ዘስዓቦን ናይ ክድዓት ፍጻመታት ንርአ።

    እቲ ኣብ 1969 ዓምፈ ጀሚሩ ኣብ ጎቦታት ዓላን ገማግም ካርነሽምን ሓኪሉ ሰውራ  ኤርትራ ንምብርዓን ሒዅ ዝብል ዝነበረ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓኡ ንምሕላው ክብል ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ብምትሕብባር ሰውራ ኤርትራ ንምጥፋእ ዝገበሮ ወስታታት ታሪኽ ፈጺሙ ዝርስዖን ምሕረት ዝገብረሉን ኣይኮነን ።

እዚ ክድዓት’ዚ ዝተራእየሉ ቀንዲ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሽፋን ኣብ ከተማ እስመራ ብ17 ጥቅምቲ 1969 ዓምፈ

ሰበ ስልጣን መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝተሳተፍዎን ጉባኤ ብምክያድ ምስ ሰውራ ኤርትራ እትዝቲ ብደግያት ገብረዮውሃንስ ተስፋማሪያም እትምራሕ ናይ ሰላም ኮሚቴ ኣቑማ ክትንቀሳቀስ ድሕሪ ምጅማር’ዩ። ዕላማኦም ዝነበረ ድማ፡ ምቹእ ግዜን ቦታን መሪጽካ ብምዝታይ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ገድሊ ኤርትራን ተባሪዑ  ዝነበረ ብረታዊ ጎንጺ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ንምንዳይ ምንባሩ ይሕብር።

    እታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዘዘት ናይ ሰላም ኮሚቴ: ንመጀመርያ ግዜ

ምስቶም ካብ ተሐኤ ተፈንጭሎም ኣብ በረኻ ዓላ ዓስኪሮም ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብርሃም ተወልደን ሰሎሞን ወልደማርያምን ካልኦትን ብደብዳቤ ተራከበት። ብደግያት ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም ኣቦ ወንበር ኢትዮጳዊት ናይ ሰላም ኮሚቴ ዝተጻሕፈት ንሰላም ትጽውዕ መልእኽቲ ምስ በጽሓቶም ክኣ ምስኣ ብኣካል ክራከቡ ፍቓደኛታት ምኻኖም ገለጹ። በዚ መሰረት ደጊያት ገብረኪዳን ተሰማ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተጸዋዒ ዳኛ፡ ለተና ኮለኔል ገብረእግዚኣብሔር መሓረና ናይ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ፖሊስ ምክትል ኮሚሽነር፡ ግራዝማች ተስፋሚካኤል ጆርጆ ወረዳ ኣመሓዳሪ ደቀምሓረ ዘለውዋ

ልእኽቲ ንመጀመርያ ግዜ ታሕሳስ 7: ንካልኣይ ግዜ ድማ ታሕሳስ 14 1969 ዓ/ም/ፈ ብምምልላስ: ምስቶም ሓለይቲ ህዝቢ ክርስትያን ክመስሉ ብስም ክርስትያን እናሸቀጡ ናይ ምፍንጫል ጉዕዞ ተተሓሒዘሞ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ በረኻ ዓላ ተራኪባ ተዛተየት። ምስ’ዛ ኮሚቴ እዚኣ ተራኪቦም ካብ ተዛተዩ ተጋደልቲ ኢሳያስ ኣፎርቅን: ሰሎሞን ወልደማርያምን: ሃበተስላሰ ገብረመድህን: ወለንኪኤል ሃይለን: በራኺ ንጉሰን ካልኦትን   ነይሮሞም።

    መብዛሕትኡ ምንጭታት ናይ’ዚ ተረኽቦ’ዚ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምእታው ካብ ዝተገብረ ምርመርራ ዝተረኽበ ኢዩ። ገለ ምስ’ዞም ተፈንጪሎም ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝምድና ዝነበሮምን: ደቂ’ቲ ቦታ ዝኾኑ እሙናት ምንጭታት ከም ዘረጋገጽዎ ግን: ኣብርሃም ተወልደ ምስ ገለ ስዓብቱ ንሉኡኻት ኢትዮጵያ ክቕበሎም ድሉው ከምዘይነብረ’ዩ ዝሕበር። ብወገኑ ንውድብ ተሐኤ ወኪሎም ክዛተዩ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ከምዘየሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ንብድሕሪ ሕጂ ርኽክብ ክግበር እንተ ኮይኑ ክኣ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ድሕሪ ምምይያጥ ክሕበሮም ምኻኑ ኣፍሊጡ፡ ናብ ዝመጽዎ ክምለሱ ከም ዝነገሮም ይዝከር። ብዘይካ’ዚ ኣብርሃም ተወልደ ንባዕሉ፡ ዋላ’ኳ ምስ መሪሕነት ተሐኤ ገለ ዘይምርድዳእ እንተነበሮ፡ ካብቶም ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ክእረም ይኽእል’ዩ ዝብል እምነትን ትጽቢትን ዝነበሮም ተጋደልቲ ብምንባሩ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ተሐኤ ብመሰረቱ ክፍለ ድሌት ይኩን ዕላማ ከምዘይነበሮ ዝእምቱ ሓበረታዊ ክሊታት ነይሮም’ዮም።

    ኣብ ሞንጎኦም ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ድሕሪ ምምዕባሉ፡ ኢሳያስ ኣፎርቅን ሰለሙን ወልደማርያምን ንኣብርሃም ተወልደን ስዓብቱን ጎስዮም፡ ምስ’ታ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላእከት ናይ ሰላም ኮሚኦተ ተመዅሊዮም ብምርኻብ፡ <<ንሕና ካብቶም ኣስላም ተፈላሊና ስለ ዘለና ኣንጻሮም ንምምካት ዘኽእለና ማተርያላውን ሞራላውን ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክቐርበልና >> ዝብል ጠለብ ኣቕረቡ። ኣብዚ’ እቲ ዘገርም ዝያዳ ሃገራውን ህዝባውን ሓላፍነት ዝተሰምዖም፡ እቶም ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንቃለስ ኣሎና እናበሉ ዝሽቅጡ ዝነብሩ ኢሳያስን ደቂምዛሙርቱን ዘይኰኑስ፡ እቶም በንጻሩ   ንሰውራ ኤርትራ ኣብ ዕሸሉ ከሎ ንምብርዓኑ ውዲታዊ ተልእኮ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምትግባር ተላኢኾም ዝመጹ ኤርትራውያን ምንባሮም’ዩ። ዋላ’ዃ ጉጅለ ኢሳያስ ዘቕረበትሎም ርእይቶ ንኢትዮጵያዊ መግዛእታዊ ዕላማ ዘገልግል እንተነበረ፡ በንጻሩ ኣባላት ናይ’ታ ኮሚቴ ነዚ ዘይምቕባሎም ብሙሉኦም ኤርታውያን ስለ ዝነበሩን፡ ንህዝቦም ኣሕሊፎም ንምሃብ ሕልናኦም ስለ ዘየፍቀደሎምን’ዩ። ብወገን ኢሳያስን ስዓብቱን ዝቐረበሎም ጠለብ ድሕሪ ምስማዖም ክኣ፡ መንግስቲ ወገናውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ኣተባቢዑ ኣብ ውሽጢ ዜጋታቱ ምንዓብ ክፈጥር ዕላምኡ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ ርእይቶኦም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ገለጽሎም። ስዒቦም ንጉጅለ ኢሳያስን ስዓብቱ ኣብ’ቲ ኣንጻር ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝካየድ ቃልሲ ጽንዓት ዘይብሎም ምዃኖም ድሕሪ ምምዛን፡ ምሕረት ሓቲቶም ኢዶም ብሰላም ክህቡ ድሌት እንተልይዎም፡ መንግስቲ ክቕበሎም ድሉው ምኻኑ ሓበርዎም። ነዚ ሰራም ጻውዒት’ዚ ድማ ኢሳያስን ስዓብቱን ሓንጎፋይ ኢሎም ኣብ ርእሲ ምቕባሎም ከምኣቶም ዝኣመሰሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ብምንባሮም ክሳብ ኩሎም ዝተኣኻከቡ ግዜ ክውሃቦም ካብኡ ሓሊፉ ክድዓቶም ተሓኤ ፈሊጣ መታን ስጉምቲ ከይትወስደሎም ድማ መንግስቲ ዘካይድዎ ርኽክብን ዝተበጽሐ ስምምዓትን ብምስጢር ክትሓዘሎም ሓተቱ። እዚ ድማ ብልኡኻት መንግስቲ አትዮጵያ ተቐባልነት ረኸበ።

     ድሕር’ዚ ኮሚቴ ሰላም ኢትዮጵያ ኣስመራ ተመሊሳ ብዛዕባ ምስ ጉጅለ ኢስያስ ዘካየደቶ ርኽክባትን ውጺታቱን ዝምልከት ነቲ ቀንዲ መሃንዲስ ናይ’ቲ ውዲት ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ኰላይ’ውን ኤርትራ ዘምሓድር ዝነበረ ልዑል ራስ ኣስራተ ካሳ ብምስጢር ኣቕረበትሉ። ልዑል ኣስራተ ካሳ ብወገኑ ኮሚተ ሰላም ነቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዘቕረቦ ሓድነት ህዝብና ዝሃሲ ርእይቶ ዘይምቕባላ ነቐፋ። << መንግስቲ ዝልኣኸትኩም ኣይፈጸምኩምን >> ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ነቶም ኣቦ ወንበራ ዝነበሩ ደጊያት ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም ሓላፍነት ድሕሪ ምሽካም ኣብ ትሕቲ ዋንነቶም ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ ዝነበራ ናይ ጸባ ከብትን ካልእ ንብረትን ድሕሪ ምህጋሩን ከም ዝእሰሩ ገበሩ።

    ኣብቲ እዋን እቲ ንባዕሉ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነዚ መዘዘኛ ዝኾነ ውዲት’ዚ ብንጹር ይፈልጦን ይከታተሎን ነይሩዶ ኣይነበረን ንዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ኣከታዒ ዘሎ ጉዳይ ምኻኑ’ዩዝፍለጥ። ይኹን’እምበር ልዑል ኣስራተ ካሳ ድሕር’ታ ናይ ሰላም ኮሚቴ ምምላስን ጸብጻባታ ምቕራባን ግዜ ከይወሰደ ነታ ብኢሳያስ ኣፎርቂ እትምራሕ << ሰልፊ ናጽነት>> እትብሃል ውድብን ኣባላታን ሰልስተ ምርጫታት ኣቅረብሎም።

ንሳተን ክኣ

    ቀዳማይ፡ ኩሎም ምሕረት ሓቲቶም ድሕሪ ምእታው ከም ኣድላይነቱ ኣብ ትምህርቲ ይኹን ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ብሰላም ክነብሩ፡

    ካልኣይ፡ ወይ ካብ ጀብሃ ምፍላዮም ብዕሊ ንምግሃድ፡ ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ወትሃደራዊ መጥቃዕትታት ብምክያድ፡ ዘሎዎም ጽልኢ ብግልጺ ድሕሪ ምርግጋጾም፡ ናይ መሳርያ ሓገዝ ክግበረሎም ከም ዝክኣል፡

    ሳልሳይ፡ ወይ ድማ ኩሎም ምሕረት ሓቲቶም ድሕሪ ምእታዎም፡ ወትሃደራዊ ትምህርቲ ተዋሂብዎም፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ዘለዎም ጽልእን ቅርሕንትን ንምውጻእ ሒነኦም ምፍዳይ ዝብሉ’ዮም ነይሮም

    ኮይኑ ግን፡ እታ ብመንግስቲ ዝተላእከት ናይ ሰላም ኮሚቴ ምስጢራዊ ጽብጻባታ ተቕርብ እምብር፡ ኢሳያስን ስዓብቱን ብሚስቲር ክትሓዘሎም ዝሓተትዎን፡ ቢኢትዮጵያውያን ዝተዋህቦም መብጽዓን ኣብ ግብሪ ክውዕል ፈጺሙ ኣይካኣለን። ስርዓት ሃይለስላሴን ኣመሪካን ምስጢራዊ ሓበረታ ምልውዋጥ ዝብል ጽኑዕ ስምምዕ ስለ ዝነበሮም ድማ፡ ነዚ ውዲት’ዚ ኣመሪካውያን ክበጽሕዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዞም ድማ፡ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነት ናይ ብሕቶም ምስጢራዊ ርኽክብ ንምምስራት ተጛየዩ።  ኣብዚ ኣመሪካውያን ቀንዲ ዘገድሶም ዝነብረ ድሕነትን ውሕስነትን ናይ ኣብ መደበራት ቃኘውን ጉራዕን ካልእ ቦታታት ኤርትራ ዝነበረ ናይ ራድዮ ርክክብ ማእከላቶምን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮም ጠቕምታት ብኸመይ ይረጋገጽ  ዝብል’ዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ኣብ ዞናና ከስዕቦ ዝኽእል መልከዐምድራዊ ለውጥን፡ ናይ ሓይሊ ምቅይያራትን ብዘየገድስ፡ ነዚ ውሕስነታት’ዚ ከረጋግጽ  ምስ ዝኽእል ዝኾነ ክላዘብን፡ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ድሉዋት ምንባሮም’ዩ።

    ብዘይካዚ ኣብ መጀመርያ ስብዓታት ዝተቐልቀሉ ብጸሊም መስከረም ዝፍለጡ ደባይ ተዋጋእቲ ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ትካላት ኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም ስለ ዝነብሩ፡ ዞባውያን ናይ ሓርነት ምንቅስቃሳት ምስኦም ብምትሕብባር፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝርከብ ትካላቶምን ኣባላቱን መጥቃዕቲ ከየውርዱ ዝብል ስግኣት ነይሩዎም’ዩ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ዝነበራ ዝምድና ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምናልባት ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጸረን ኣመሪካ  ዝኾኑ ሓይልታት ብምምሕዛው፡ ኣብ ኤርትራ ነዚ ተልእኮ’ዚ ክትፍጽም ትኽእል’ያ ዝብል መበገሲ ዘይብሉ ጥርጠራ’ውን ነይሩዎም’ዩ።

    ስለ’ዚ መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ምክልኻል ጉጅለ ኢሳያስ እምንቲ መሳርሒት ክትከውን ከም ትኽእል ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደላን። ምስኣ ንምርኻብ ድማ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወኪሎም ዝነበሩ ንተስፋሚካኤል ጆርጆ መረጸት። ንሱ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ተልእኮ ኣመሪካውያን ንምፍጻም ዝነበሮ ድሉውነት፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ደቀምሓረ ስለዝነበረ’ዩ። ጉጅለ ኢሳያስ ዓስኪራትሉ ዝነበርረት ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ስለዝነበረ’ዩ። ብስራሕ መንግስቲ እናምኽነየ ወግሐ ጸብሐ ካብ ደቀምሓረ ንዓላ ምምልላስ ድማ ስርሐይ ኢሉ ተተሓዞ። ኣብዚ እቲ ዘገርም ቁ ሰለዳ ኣስመራ 78 ዝኾነት ናይ መንግስቲ ላንድሮቨር ተፋሚካኤል ጆርጆ ጥራይ ይጥቀመላ ዘይምንባሩ’ዩ ኢሳያስ ስዓብቱን ኣብ ውሽጢ ዓላ ኣዘውቲሮም ይጥቀምላ ምንባሮም ሕቦእ ኣይነበረን።

    ካብ መጋቢት 1970 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ተስፋሚካኤል ምስ ኢሳያስ ደጋጊሙ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ንሃብተስላሰ ገብረመድህን ኣሰንዩ ምስ ሓደ ኣብ ትሕቲ ናይ <<ፈልሲ ምትካል ፕሮጀክት>> ብዝብል ሽፋን ስለላዊ ተግባራት ዘካይድ ዝነበረ ሪቻርድ ኮፕላንድ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ኣባል ማእከላይ ስለላ ሲኣይኤ ክራኸቡ ኢሳያስ ናብ መድበር ቃኘው ለኣኾም። ሪቻርድ ኮፕላንድ ምስ ሃብተስላሰ ኣብ ዝገበሮ ርኽክብ፡ ብዛዕባ  እንታይነት ሰልፊ ነጻነትን ዕላምኡን ገለ ዝርዝራዊ ሓበረታ ድሕሪ ምውህላሉን ድሌታቶም ድሕሪ ምግንዛብን፡ ብሓባር ክግበር ዝክኣል እንተልዩ ንምፍታሽ ብዝብል ምኽኒት፡ ምስ’ቶም ቀንዲ መራሕቲ ርኽክብ ክስርዓሉ ሓተቶ። ድሕሪ’ዚ ሃብተስላሰ ናብ ዓላ ተመሊሱ ብዛዕባ ዝገበሮ ርኽክብ ንብጾቱ ምስ ሓበረ ምስ ኣመሪካውያን እንደገና ቈጸሮ ክግበር መምርሒ ተዋሂብዎ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ምስ ሪቻርድ ኮፕላንድን ሪቻርድ ስወልስ ዝተባህለ ካልኣዩ ኣመሪካዊ ርኽክብ ተገብረ። ኣብ’ዚ ብዛዕባ’ቶም ቀንዲ መራሕቲ ሰልፊ ናጽነትን ውድቦም ዝምርሓሉ ሓፈሻዊ ቅዋማትን ዝምልከት፡ ኣብ ሞንጎኦምን ጀብሃ ካብ ዴሳውያን ሃገራትን ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን ኣቢላ ሓገዝ ምርካብ፡ ብወገኖም ምስ ኣመሪካውያን ክምስርትዎ ዝደልዩ ዝምድናን ከመይነቱን ንዝሕብር ዕላዊ ጽሑፍ ብስም ላዕለዋይ ኣዛዚ መደበር ቃኘው ዝነበረ ኮሌኔል ማውዘር ክልኣኸሎም ሓተቱ።

     ድሕሪ’ዚ ነዚ ኣመሪካውያን ዘቕረብዎ ጠለባት ዘጠቓለለት ደብዳቤ ኢሳያስ ልኣኸሎም። ትሕዝቶኣ ክኣ በዚ ዝስዕብ ክጽሞቕ ይከኣል።

    ቀዳማይ፡ ኣብ በረኻ ዓላ ዘለው ተጋደልቲ ክርስትያን ብምዃኖም፡ በታ ካብ ዴሳውያን ሃገራት መንግስታት ሃገራት ዓረብን ዘይትኣደነ ሓገዝ ትረክብ ዘላ ጀብሃ፡ መዓልታዊ ቅንጸላን ማሕረድትን ኣብ ልዕሊኦም ይካየድ ምህላው፡

    ካልእይ፡ ጀብሃ ትኽተሎ ዘላ ፖለቲካ ኢስላማዊ ጸጊዕነት ዘጥቅዖ ኣብ ልዕሊ ምኻኑ፡

ዝምድናኡ ድማ ምስ ፍሉጣት ጸላእቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝኾና ሃገራት ኣዕራብ ዝተኣሳሰረ ክኸውን እንከሎ፡ ሰልፊ ናጽነት ግን ገስጋሲ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድ ተበጊሱ ዘሎ ውድብ ምኻኑን፡ ደገፍ ኣመሪካውያን ከምዘድልዮን ዝሕብር’ዩ ነይሩ።

    ኣመሪካውያን ብወገኖም ዝተላእከሎም ደብዳቤ ብሓጎስ ድሕሪ ምቕባሎም፡ ኢሳያስ ባዕሉ መጺኡ ክራኸቦም ሓተቱ። በዚ መሰረት ድማ ተስፋሚካኤል ንኢሳያስ ካብ ዓላ  ሒዝዎ ኣስመራ ኣተወ። ሪቻርድ ኮፕላንድ ክኣ ራብዓይ ርእሱ ኮይኑ፡ ኣብ ጥቓ ካተድራል ቅዱስ ፍራንሲስኮ ዝርከብ ዝነበረ ገዛ ናይ ሓደ ሚስተር ቦውሊንግ ዝተባህለ ኣባል ማእከል ክፍሊ ስለላ መድበር ቃኘው ብሚስጢር ተራኸብዎም። ኮፕላንድን ብጾቱን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጉጅለ ኢሳያስን ኣብ በረኻ ዓላ ብዛዕባ ዝትኻየደ ምጢራዊ ርኽክብን፡ ከምኡ’ውን ናይ ጀብሃ ኩነታትን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝነበራ ኣመለኻክታን እኩል ሓበረታ ነይሩዎምዩ። ካብዚ ተበጊሶም መሳርሒ ናይ’ቲ ኣብ ፈቐዶ ዝርከብ ኤምባሲታትና መጥቃዕቲታት ዘካይድ ዘሎ ፍልስጢኤማዊ ጸሊም መስከረም ዘይምዃንኩምን፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትናን ኣባላትናን መጥቃዕቲ ካብ ምክያድ እንተተቖጢብኩም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክትከላኽለሉ ድሉዋት ምዃንኩም ውሕስነትኩም ምስ ተረጋግጹልና ማተርያላዊ ሓገዝ ከነቕርበልኩም ድሉዋት ምዃና ንምሕባር ኢና ጸዊዕናካ ክብሉ ንኢሳያስ ኣፍለጥዎ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም ነዚ ቅድመ ተደላይነታት ዘማልእ፡ ማለት፡

    ቀዳማይ፡ ህልውና ቀጻልነት መደበር ቃኘው ምስ ዘውሕስን፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ንዝምስረቱ ካልኦት ተመሳሰልቲ መደበራት ዝተሓባበርን፡

    ካልኣይ፡ ጸረ ዴሳዊ መርገጽ ዘለዎምን ምስፍሕፋሕ ዴስነት ዝጻረርን፡

    ሳልሳይ፡ ሓንቲ ዲሞክራስያዊት መንግስቲ ኤርትራ ንምትካል ዝቃለስን ውድብ፡ ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ስምምዕ ክኣትው ድሉዋት ምዃኖም ሓበርዎ።

    ካብዚ ቀጺሎም፡ ኣመሪካውያን ጉጅለ ኢሳያስ ምስኦም ዝኣተዎ ከዳዕ ውዲት፡ ኣብ ቅድሚ ህልውናን ሓያልነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክዕወት  ከምዘይክእል ኣቐዲሞም ነቒሖምሉ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣብቲ ንተሓኤ ካብ መድረኽ ቃልሲ ንምልጋስ ዘካዶ ግጥምያ ብዛዕባ ክኽተሎም ዝግብኦ ስልትታትን ተውሳኺ ምክርታት  ምስናይ ውሕስነታቱ ለገሰሉ። እዚ ክኣ ድሓር ምእንታን ሰልጢኖም ክምለስዎ፡ ብቐዳምነት ውሑዳት ካብ መራሕቲ ውድብ ብምሕረት ክኣትዉ፡ እቶም ዝተረፉ ክኣ፡ ብመሪሕነት ኢሳያስ ኣብ በረኻ ኣንጻር ጀብሃ ቃልሶም ከም ዝቅጽሉ ብምግባር ክጅምር ከምዘለዎ ሓበርዎ።  እዚ ድሕሪ ምግባሩ ክኣ ወትሃደራዊ ጸብለልነቱ ንምርግጋጽን ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ዘካይዶ መጥቃዕዪ ንምሕያልን፡ ምስ  ልዑል ኣስራተ ካሳ  ብምስምማዕ ካብ ተወላዶ ኤርትራ ጥራሕ ዝተመልመሉ ሓይሊ ኮማንዶ ኣሰልጢኖም ክልእኽሉ ምኻኖም ተመባጽዕሉ። ጀብሃ ካብ ማኣከላይ ምብራቕ ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ኣቋሪጹ ውድቀታ ንምቅልጣፍ ክኣ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃገራት የዕራብን ውግእ እንደገና ከም ዝናኸስ ብምግባር፡ ሃገራት የዕራብ ኣብ ዋኒነን ጥራሕ ተሓጺረን ክነብራ ከምዝተርፋን፡ ሓገዘን ከምዘቋርጻን ክገብሩ ይኽእሉ ምኻኖም ኣርጋገጽሉ። ድሕሪ’ዚ ሪቻርድ ኮፕላንድ ምስ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ኮይኑ፡ ባዕሉ ኣብ ዝዝውራን ናይ ድሕሪት መሳኹታ ብመጋረጃ ዝተሸፈነትን ዲፕሎማትክ ካዲላክ ኒኢሳያስ ኣሳፊሩ፡ እሞ ኣብ ኩሉ ኣፍደገታት ኣስመራ ቡርቱዕ ፈተሻታት እናተኻየደ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዘይ ስኽፍታ ባንደራ ኣመሪካ እናንበልበሉ ብመንገዲ ነፋሲት ወጺኦም ምስ ብጾቱ ከም ዝጽንበር ገበርዎ።

    ኢሳያስ ነዚ ተቛማሪ መልእኽቲ ሒዙ ዓላ ድሕሪ ምምላሱ፡ ብኡ ንብኡ ካብ  ተጋድሎ ሓርነት ምፍላይና ንኣውጅ ክብል ንብጾቱ ኣፍለጦም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብርሃም ተወልደ ካብ ተሓኤ ዘፍሊ ዝኮነ ይኹን ምኽንያት የብልናን፡ የግዳስ ኣብ ጉባኤ ብምስታፍ ንህዝብና  ሰውራናን ዘገልግል ውሳኔታት ኣብ ምሕላፍ ግደና ከነበርክት’ዩ ዝግብኣና ክብል ነቲ ኢሳያስ ዘቕረቦ ርእይቶ ኣትሪሩ ምቅዋሙ ይዝከር። በዚ ምኽንያት ክኣ ኣብ ሞንጎ ብኢሳያስ ትምራሕ ንፈንጨል ትብል ጉጅለን፡ ብኣብርሃም ተውልደ ትምራሕ ኣይንፈንጨል ትብል ጉጅለን ሓደ ወርሒ ዝኣክል ዝወሰደ ክትዕ ተኻይደ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብርሃም ቅድም ክብል ኢሳያስ ኣፎርቅን ሰሎሞን ወልደማርያምን ምስ ልኡኻት ኢትዮጵያ፡ ስዒቡ ክኣ ኢሳያስ በይኑ ቃኘው ኣትዩ ምስ ኣመሪካውያን ብምስጢር ብምርኻቦም ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክድዓት ፈጺሞም ክብል ኰነኖም።

  ካብ’ዚ ንድሓር ኢሳያስን ሰሎሙንን፡ ኣብርሃም ክሳብ ዘሎ ናይ ምፍንጫል ሕልሞም ከዐውቱ ከምዘይክእሉ በርሃሎም። እዚ ብምኻኑ ኢሳያስ ነታ ዘበግሳ ዕላማ ንምዕዋት ተሪፋቶ ዝነበረት፡ ኡንኮ መንገዲ ኣብርሃም ተወልደ ምልጋስ ስለ ዝነበረት፡ ቅድሚኡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፍለጥ ኣገባብ ብወርሒ ግንቦት 1970 ዓ.ም.ፈ ብመርዚ ከምዝቐተለ ገለፀ። ስውእ ኣብርሃም ተወልደ ስዓቢ ሃይማኖት ካቶሊክ ስለ ዝነብረ፡ ኣብ ዝተሰውኣሉ ከባቢ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ዓላ ብኣባ ፍቕርየስ ካሕሳይ ዝተባህሉ ካህን ፍትሓት ተገይርሉ ብለይቲ ተቐብረ።

      ካብ’ቶም ኣብ መወዳእታ 60ታትን መጀመርታ 70ታትን ኣብቲ ምስ ስርዓት ሃይለስላሰን ኣመሪካውያንን ዝትኻየደ ውዲታዊ ርኽክባት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነብሩ ባእታታት ክሳብ ሕጂ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ኢሳያስ ጥራሕ እዩ። ሃብተስላሰ ገብረመድህን ኣባል <<ምንቅስቓስ መንካዕ>> ነይሩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ክሲ ኣብ መጀመርያ 70ታት ተቐንጺሉ። ሰለሙን ወልደማርያም ኣባል ናይ<<የማን ምንቅስቓስ>> እዩ ትባሂሉ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ክሃድም ፈቲኑ ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ኣብ ከባቢ 1978  ብሓለዋ ሰውራ ከምዝተቐንጸለ ይፍለጥ። ኣብ መወዳእታ ክኣ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ብ13 ሚያዝያ 1992 ጩው ዝበለ ቀትሪ ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኢሳያስ ዝልኣኾም ወይጦታት ተቐትለ።  ካላኦት ኣብቲ እዚ ትያትር’ዚ ዝስርሓሉ ዝነበረ  እዋን፡ እሞ ብዛዕባ’ቲ ዝእለም ዝነበረ ብውዲት ብርሑቕ ይኹን ቀረባ ኣፍልጦ ነይሩዎም ዝብሃሉ፡ ገሊኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብሓላዋ ሰውራ ክቕንጸሉ ከለው፡ ካላኦት ውግእ እናተኻየደ ከሎ ብድሕሪት ተሃሪሞም፡ ኣብ ውግእ ተሰዊኦም ኣብ ትሕቲ ዝብል ሽፋን ዝጠፍኡ ክኣ፡ ከም ስውእ ወለንኪኤል ሃይለ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም። በዝ ከም’ዚ ብፍላይ’ቶም ኣብ መወዳኣታ ምስ ኣብርሃም ተውልደ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከም ብዓል ተወልደ ኢዮብን፡ በራኺ ንጉሰን፡ ኢሳያስ ተወልደን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተጋደልቲ ጠፊኦም’ዮም።

      ዕላማ ናይ’ዚ ኩሉ ዝተካየደ ቅንጸላታት ድማ፡ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ስርዓት ሃይለስላሴን ኣመሪካውያንን ዝኣተዎ ውዲት ዝውዓሎ ኣልጊስካ ምስጢር ንምድፋን ምኻኑ ብሩህ’ዩ። ካብዚ ክበርሃልና ዝኽእል ነገር እንተል’ዩ ክኣ እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና ዝምድና ስርዓት ኢሳያስን ኣመሪካውያንን፡ ጌጋ ሕጂ ዝቕልቀል ዘሎ ዘይኮነስ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ መሰረት ዝሓዘን፡ እናተደኮነ ዝመጸን ምኻኑ’ዩ። መሰረት ናይ’ዚ ዝምድና’ዚ ክኣ ኢሳያስ ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ  ጥቕሚ ኣመሪካውያን ኣብ ዞናና ንምሕላው ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝኣተዎ ዕሱብነትን ዝሃቦ መብጽዓን’ዩ። ኣመሪካውያን ንኢሳያስ መተካእታ የብሉን ክብሉ ከለው ክኣ፡ መንቀሊኡ እዚ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

      ኣብ መወዳእታ ንግዱዳት ትዓዘብትን ኣሕዋትና ኤርትራውያንን ከነረጋግጾ ንደሊ ግን ሓደ ሓቂ ኣሎ። እዚ  ክኣ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጸሊም ዝታሪኾም ኢሳያስን ስዓብቱን፡ ንኻልኦት ብኽድዓት ክኸሱ ብዝኾነ ይኹን መለኪዒታት መሰል ይኹን  ብቕዓት ዘይብሎምን ምዃኑ’ዩ። ልክዕ ከምቶም ዝሓለፉ መሰልቶምን ክኣ፡ ህዝብና ውዒሉ ሓዲሩ ክፈረዶም ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

(ምንጪ ሓበረታ ድሞክራስያዊት  ኤርትራ ሕታም ቁ 32 ንሓሰ -መስከረም 1999)

ዑ/ኤል  ተ/ጽዮን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2633

Posted by on Feb 17 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net