መስከረም-ኔት ጥርሑ ናይ ዝወጸ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ መወዳእታ ዕርዲዶ!! ወይስ ኣካል ደንበ ተቓውሞ?

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርታ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣልዒለ ክጽሕፍ ቅድሚ ምጅማረይ ናይ’ቶም ገና ንዌብሳይት መስከረም ከም ኣካል ተቓውሞ ጌሮም ዝርድእዋ ደቂ ሃገር ሞራል ከይትንክፍ መታን፡ ሕጂ’ውን ተጸሚምካ ምሕላፉ ዶኾን ምሓሸ ኣብ ምባል በጺሐ ምንባረይ ክሓብኣልኩም ኣይደልን።

ደጊመ ደጋጊመ ድሕሪ ምሕሳብን፡ ንገለ ብጾት ድሕሪ ምውካስን ግና፡ እንዳርኣኻን ኣንዳሰማዕካን ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዘይሓላፍነታዊ’ዩ። እኳ ድኣ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ፡ ነዚ ንመሰልናን መሰል ህዝብናን እነካይዶ ዘለና ቅዱስ ቃልሲ፡ ንምብርዓን በብዓቕሞም ተዋፊሮም ንዘለዉ ተጻባእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ቀልዓለም ከነቃልዖምን ክንቃለሶምን እንተዘይኪኢልና ክንዕወትውን ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ዝብል መደምደምታ ድሕሪ ምብጽሐይ ይጽሕፍ ምህላወይ ክሕብረኩም ይፈቱ።

ኣብዚ ሓደ ነገር ከነጽሮ ዝደሊ’ሎ። ኣነ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ንሓደ ውድብ፣ ማሕበር፣ ወይ ውልቀሰብ፣ ንምክልኻል ዘይኮነስ ነቲ ናይ ሓባር መንፈስ ሒዙ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝምክት ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ንምክልኻል’ዩ።     

ኩላትና ከም’ንፈልጦ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኩሉ ግዜ ሓደ ናይ ምትላል ሜላኡ ምስ ተወድአ፡ ወይ ስርሑ ምስ ኣብቅዐ ዝኾኖ፡ ካልእ ሓድሽ መጣልዒ ዝኸውን ናይ ምትላል ሜላ ቀሪብካ ናይ ምጽናሕ ክእለት ኣለዎ። እተን ንደንበ ተቓውሞ ንምድኻም ተባሂለን ዝተመስረታ፡ ከም ብዓል ኣለናልኪ ኮም፡ ዝኣመሰላ ዌብ-ሳይታት፡ ህዝቢ ክኣምነን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሓ፡ ሕጂ ህ.ግ.ዲ.ፍ ሓድሽ ሜላ ብምቕያር ነታ ብሽም ተቓውሞ ትፍለጥ መስከረም በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ጸገንትን መተዓራረይትን በቲ ኻልእ ኣቢሉ፡ ንደንበ ተቓወምቲ ንምድኻም ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።

ነዚታት ናይ ምምካቱን ብዘይቀልዓለም ናይ ምቅልዑን እንበኣር ናይ ነብሲ ወከፍ ተቓላሳይ ሓላፍነት’ዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ደንበ ተቓውሞ ነንሕድሕዱ ይባኣስን ይባላዕን ኣሎ፡፡ ከብለናዩ። ንህዝቢ ካብ ምኣዲ ናይ ቃልሲ ከርሕቐልና’ዩ። ኢልካ ሸለል ምባል ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ደንበ ተቓውሞ’ውን ነብሰ ቕትለት ከም ምፍጻም ማለትዩ። ንህዝቢ ዘሰንብደልካን ካብ ቃልሲ ዘርሕቐልካን፡ ዘይንጹርን ወሳኒ ዘይምዃንን ጥራሕ ድኣምበር፡ ነቲ እተካይዶ ቃልሲ ስለ ዝተኸላኸልካ ኣይኮነን።

መስከረም-ኔት፡ መጀመርያ ተቓዋሚ መሲሉ፡ በብቑሩብ ድሒሩ ድማ ጉልባቡ ቀሊዑ ጌጋታት ኣበይ ይረክብ ኢሉ ሃሰስ ብምባል፡ ኣንጻር ደንበ ተቓወምቲ ወፈራ፡ ንህ.ግ.ዲ.ፍ ድማ፡ ካብ ዘየለ ኣጻባቢቑ ፕሮኦጋንዳ ክገብር ካብ ዝጅምር ነዊሕ ከም ዝገበረ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እንከሎ፡ ነዚ ተጻብኦታት’ዚ ደው ንምባል፡ ዝተገብረ ኣድማዒ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ የለን።

እዚ ድማ ነቶም እንታይነት መስከረም ዘይበርሃሎም ደቂ ሃገር ክሳብ ዝበርሃሎም ተባሂሉ ዝተወስደ ለባም ትዕግስቲ ክኸውን ተስፋ ይገብር። ካብ ሕጂ ንንየው ግን ንዓሻን ደርጉሓሉ፡ ንለባምንከ ኣምተሉ ከም ዝበሃል፡ መስከረም-ኔት ሎሚ ንህዝቢ ኣርትራ ከም ዓሻ ቆጺሩ ሕብእ-ብእ ዘይብሉ ብጋህዲ፡ ብሽም ተቓዋሚ እንዳሸቀጠ፡ ጉልባቡ ዝቐልዐ ጸላኢ ናይ ፍትሓዊ ቃልስና ኮይኑ ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ የገልግል ኣሎ።

ብኻልእ ኣዘራርባ መስከረም ናይ መወዳእታ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዕርዲ ድኣምበር ኣካል ተቓውሞ ኣይኮነን። ነዚ ተረዲእና እምበኣር ኩልና ኣብ ደንበ ተቓውሞ እንርከብ ዘበልና ኣባላት ውድባት ኮነ ሲቪካውያን ማሕበራት ከምኡውን ውልቀ-ሰባት ብዘይ ቀልዓለም ከነቃልዖን ከነፍሽሎን ኣለና። ጽሑፋት ናይ ውድብና ኮነ ማሕበርና፡ ወይ’ውን ናይ ውልቅና፡ ኣብ መስከረም-ኔት(መስደመም-ኔት)ንኸይነስፍር በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምሕጽንታይ ከቕርብ ይፈቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ፡ ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ቅድሚ ምድምዳመይ፡ ብዛዕባ’ታ ሎሚ ንኽጽሕፍ ዘገደደትኒ፡ ”ካብ ናይቶም ጸረ-ሃገረ ኤርትራ፡ ናይቶም ናትና ገደደ”። ዘርእስታ ኣብ መስከረም ሰፊራ ዘላ ኣነዋሪት ጽሕፍቲ ናይ ዕለት 02.07.07 ሓጻር ርእይቶ ሂበ ንግዝዪኡ ጽሑፈይ ክድምድም ፍቐዱለይ። 

  1. በታ ኣርእስቲ ክጅምር!! እታ ኣርእስቲ እምበኣር ከም ዝረኣናያ፡ ”ካብ ናይቶም ጸረ-ሃገረ ኤርትራ፡ ናይቶም ናትና ገደደ” እያ ትብል። መስከረም ወይ ኣቶ ኣለም፡ ንተቓወምቲ ወብሳይታት፡ ካብ ጸረ-ሃገረ ኤርትራ ከም ዝገዱ ጌሩ ክገልጾም እንከሎ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ኮይኖም፡ ፍርቂ መንግስቲ ኤርትራ ተማቒሎም ዘማሓድሩ ዘልዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሙዩ ንዓኣቶም ባጀት ተሰሊዑሎም ብገንዘቡ ከብዶም ዘግፍሑ ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ተሎጒሙ ከሎ፡ ረድዮን ቴሌቭዥንን ተፈቒዱሎም ተጠሊዖም ”ድምበራችን ቀይ ባህር ነው ክብሉ ዝውዕሉ” ዘለዉ፡ ቅንጅት እንታይ ጺሒፉ ይፈልጥ? እቲ መልሲ ዋላ ሓንቲ’ዩ። ኣቶ ኣለም ወዲ ጀነራል ናይ ኢቲኦጵያ ነበር እምበኣር፡ ሃገርን ብዛዕባ ሃገርን ዘገድሰካ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ክንዲ ስእሊ ኢሰያስ እንዳጠቃዕካ ትራክቶራት ኣተዋ፡ ቢንቶ ተሰርሐ እዚ ተመረቐ፡ ኤርትራ ትምዕብል ኣላ ምባልን፡ ንተቓውምቲ ምጽራርን ካልእ ዝጽሓፍ ኣይምስኣንካን። ቆልዓ ዝተላእኮ ገዲፉ ካልእ ክገብር ስለ ዘይክእል ግን፡ ንስኻ ስራሕካ ቀጽል ኣብ ቃልሲ ክትሓቅቕ ምዃንካ ግን ኣይትረስዕ።

 

  1. እቲ ካልኣይ ክሲ ናይቲ ጽሑፍ ድማ ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። ናይ      ተቓወምቲ ዌብሳይታት፡ ልክዕ ከምቲ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ቦምብ ኣጻዊዳ ዝብል ብመንግስቲ ኢቲዮጵያ ዝተፈነወ ፋልሶ ናይ ፈጠራ ዜናዊ ክሲ፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዜና ማዕከናት ተቐቢለን፡ ንኤርትራ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን የምጽኣላ ከይመዘና ሓደ ጀነራል ዝርከቡዎም ወትሃደራዊ ሓለፍቲ ካብ ሶማል ንኬንያ ክሃድሙ ተታሒዞም ኢለን ናይ ሓሶት ወረ ኣቃሊሐን ዝብልዩ። ቀጺሉውን ምስ ቁሉዓት ጸረ ሃገረ-ኤርትራ ልኡላውነታን ክብራን ንያታን ዝኾና ናይ ኢቲኦጵያ ወብ ሳይታት ምምሕዛወን ናይ ፈጠራ ወረ መቀባበልቲ ምዃንን ንረብሓ መን ምዃኑ ንለባም ሸጊርዎ’ሎ ይብል።      

 

ብመጀመርያ ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ወረ ምንጪ ኣለዎ። ኩሉ ምንጭታት ግን ሓቂ ጥራሕ’ዩ ማለት ኣየስምዕን’ዩ። ሓደ-ሓደ እውን ኣይኮነንዶ ኣብ ኣዝየን ዘይማዕበላ ትካላት’ሲ ኣብተን ኣዝዮም ክኢላታት ጋዜጥኛታትን፡ ዓቢ ኤኮነምያዊ ትሕዝቶን ዓቕምን ዘለወን ፍሉጣት ናይ ሜድያ ትካላት’ውን ሓቂ ዘይኮነ ወረ ይዝርጋሕዩ። ብመዓልቱ ካኣ ተጻርዩ ይእረማሉ’የን። ንስኻ ግን ኮነ ኢልካ ኣንጻር ደንበ ተቓውሞ ስለ ዝዓጥቕካ ጌጋ ዝበሃል ተጻሒፉ ከምዘይፈልጥ ጌርካ ከተቕርቦ ትፍትን ኣሎኻ። እዚ ዘዛርበና ዘሎ ጉዳይ ከኣ ሓቂ ድዩ ኣይሓቅን ብማዓልቱ ክጻረዩ። ዶዋላስ ኤርትራውያን ኣብ ሶማል ኣይነበሩን’ዩ እቲ ናትካ መጎተ። እሱ እንተኾነ ሞጎተኻኽ መን ከምኡ ኢሉ ነገረካ? ኢሰያስ? እወ። ምኽንያቱ ንሱ ጥራሕ’ዩ ከምኡ ዝብል እምበር፣ ኤርትራውያን ኣብ ሶማል ምንባሮም ኩሉ ኤርትራውን ዓለምን ዝሰማማዓሉ ሓቂ’ዩ። ኔሮም ካብ ተባህለ ድማ ነቲ ምዕብልና ናይቲ ኲናት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ካብ ንኸይትሓዙ ንኽትሓዙ ዘለዎም ዕድል ይበዝሕ። ስለዚ ምናልባት እቲ ኣብዚ ሓሶት ክኸውን ዝኽእል ብዓል መን ምዃኖም’ዩ

ማለት፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጥቕሰ ኣይተታሕዙን ወይውን ጨሪሶም ኣብኡ ኣይነበሩን  ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ሕቶ ግን ምንጪ ናይቲ ነቲ ስም-ጠቀስ ተናፋሲ ወረ ናብተን ብገርሀን ዝጽሓፍኦ ወብሳይታት ከም ዝበጽሕ ዝገበረ መን’ዩ? ንዳሕራይ ርኣዩ ኣይበልኩንዶ ዞም ሓሰውቲ ደይ ከኽፍኡኒ ደልዮም’ዮም ኢልካ መከላኸሊ ንክኾኖ ህ.ግ.ዲ.ፍ ባዕሉ ዝመሃዞ ወረውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ወዮ ድኣ ረሳዕቲ ኰንና ኢና’ምበር፡ ካብ ግዜ ህ.ግ ኣትሒዙ ኢሰያስ እንዳተጠቕመሉ ዝመጸ ሜላ’ዩ። በቲ ኮይኑ በቲ ግን ነቶም ተታሒዞም ዝበሃሉ ዘለዉ ደቂ ተካሊት ወላዲቶም ድኣምበር ንስኻ ኣይትጉህየሎም ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይጉህዩሎም። ኣነ ግን እግዝኣብሄር መዋጽኢ ይፍጠረሎም ኢለ ክሓልፎ ይመርጽ።  

ኣንቱም ህዝቢ ታኣምራትኮ’ዩ!! እንተቲ ንኤርትራ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከም ዘምጽኣላ ከይመዘና ሓደ ጀነራል ዝርከቡዎም ወትሃደራዊ ሓለፍቲ ካብ ሶማል ንኬንያ ክሃድሙ ተታሒዞም ኢለን ናይ ሓሶት ወረ ኣቃሊሐን ዝብል ስነ-ሞጎት እንታይ ማለትካ ምዃኑ ቁሩብ ዝያዳ መብርሂ እንተትህበሉ ከመይ ጽቡቕ ኔሩ። መስከረም ”መስደመም ኔት” ኣባሃህላኹም ምርዳእ ሲኢንዎ ለባም ሸጊርዎ’ዩዘሎሞ፡ ሃየ ኩሉ ዘፍርሃኩም ዘሎ ኩሉ ጫጪሕኩም ኣብርሁልና። እቲ ዝተዘርግሐ ፋልሶ ወረ ዝበልኩሞ፡ ንሃገረ-ኤርትራ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን ከየምጽኣላ ኢኹም ፈሪህኩም። ኣንታ ግደ ሓቂ’ንዶ ተዛረቡ። ንኤርትራ ሃገርናስ ካብዚ ብሰንኪ ህ.ግ.ዲ.ፍን መጋበርያታቱን መጺኡዋ ዘሎ ዓጸባ ንላዕሊ፡ ካልእ  እንታይ ዓይነት ሽግር ከይመጻ ኢኹም ትፈርሁ? ንኢሰያስ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ወይ ኢትዮጵያ ብእዝኑ ኣንጥልጢሎም ከይወስዱላ ፈሪሕኩም እንተኾንኩም ድኣ ንገሩና’ምበር፡ ንኤርትራን ህዝባንሲ ራህዋ ክፈጥረሉ እንተኾይኑ’ምበር ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ባሕሪ ናይ ሽግር ዝኸፍእ’ሞ እንታይ ኣሎ? ብዛዕባቲ ኣጻባቢቕኩም ኣብ መስከረም ስእሉ ትጥቅዕዎ ፕረሲደንት እንተኾነውን፡ ኣብ ባጽዕ ቅርብቲ ነፋሪት ኣላቶ ብዛዕብኡ’ውን ብዙሕ ኣይትሰከፉ። በቲ ዘባላሸኹሞ ታሪኸኩም ጥራሕ ሕሰቡን ተሰከፉን።

እንተ ብዛዕባ’ቲ ምስ ቁሉዓት ጸረ ሃገረ-ኤርትራ ልኡላውነታን ክብራን ንያታን ዝኾና ናይ ኢቲኦጵያ ወብ-ሳይታት ምምሕዛውን ናይ ፈጠራ ወረ መቀባበልቲ ምዃንን ንረብሓ መን ምዃኑ ንለባም ሸጊርዎ’ሎ ዝበልካዮ ግን፡ መን ምስ መን ተመሕዝዩ ከምዘሎ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ነጥቢ ብንጹር ኣቐሚጠዮ ስለ ዘለኹ ምድጋሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እታ ሃገረ- ኤርትራ ትብል ናይ ሸቐጥ ቃል ግን፡ መጽረይ ኣፍካ ዝገበርካያ ኢኻ ትመስል ዘለኻ’ሞ ብዛዕብኣ ቁሩብ ክጠቅስ። ንኤርትራ ሃገረ-ኤርትራ ከነብላ ኢና ንቃለስ ዘለና። ሕጂ ግን ፍቶ-ጽላእ ናይቲ ተቀባጥረሉ ዘሎኻ ሰብኣይ፡ ሃገረ-ኢሳያስ ኮይና’ያ ተሪፋ ዘላ። ብዛዕባ ልኡላውነታን፡ ክብራን፡ ንያታን፡ ዝብል ቃልውን፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክሽቅጡ ክደልዩ ከለዉ ዝጥቀምሉ ቃላት’ዩ። ንስኻ’ውን ከም ጠበቕኦም መጠን ንዕኡ ክትደግሞ ባህርያዊ’ዩ። እዚ ግን ቀደም ዕለቱ ዝሓለፈ ሽጣራ ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ልቢ ሰብ ንምትንካፍ ኣየገልግልን’ዩ። ፍቶ-ጽላእ ሎሚ እቲ ልኡላውነትን፡ ክብርን፡ ንያትን ተባሂሉ ዝሽቀጠሉ ዝነበረ፡ ናይ በጻብዕ ዝቑጸሩ መደናገርቲ ድኣምበር ናይ’ቲ ሰፊሕ ህዝቢ ልኡላውነትን፡ ክብርን፡ ንያትን ከምዘይኮነ ንኹሉ በሪህሉ’ዩ። ሓቀኛ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ክኣ ይቃለስ ኣሎ። ክዕወት ድማ’ዩ።

ስለዚ ንስኻ ኣቶ ኣለምን፡ መስደመም ዌብ-ሳይትካን ንረብሓ ህ.ግ.ዲ.ፍ ምቅላስ ገዲፍኩም፡ ምእንቲ’ቶም ከም ወኻርያ ኣብ ጎዳጉዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ተቓለሱን፡ ንረብሓ ህዝቢ ስርሑን ድኣምበር፡ ተቓወምቲ ኮነ ዌብ-ሳይታቶም ንረብሓ ህዝቢ ከም ዝሰርሑስ ኣይትጠራጠሩ።

ውዲታት ህ.ግ.ዲ.ፍን ኣገልገልቱን ብቓልሲ ክስዓር’ዩ

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

ወልድኣብ ፍስሓጽየን

ኣባል ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ”ሲቪካዊ ማሕበር”

ኦስሎ ኖርወይ ዕለት 13.02.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2635

Posted by on Feb 13 2007 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “መስከረም-ኔት ጥርሑ ናይ ዝወጸ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ መወዳእታ ዕርዲዶ!! ወይስ ኣካል ደንበ ተቓውሞ?”

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net